Posts

Showing posts from August, 2012

2ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!!??.,።

Image
2ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!!??.,።                                                         ብ/ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ቀዳሞት ሃወርያት ነዚ ስልጣን እዚ ብምንባር የእዳውን ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስን ናባና ኣሕለፉዎ፡እታ ብምንባር የእዳው እትወሃብ ስልጣነ ክህነት ንማንም ሰብ ኣይትወሃብን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ን ተመሃርዩ 2ይጢሞ2፡2 ብዝበሎ ትወሃብ፡በዛ ምገዲ እዚኣ ዘይመጸ ግን ክህነቱ ኣይንሓስባን ኢና።ስለምንታይ ብዙሓት ሰባት ብስጋ ተላዒሎም ከም ስምኦን ን መንፈስ ቅዱስ ዝፈታተን ስራሕ ክሰርሑ ስለ ዝክእሉ!።  ጥምቀት ብ ማንም ሰብ ትወሃብ ኢያ፡ ኢልና እውን ኣይንኣምንን፡እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ነሩ እዩ፡ዝኾነ ምቅባል መንፈስ ቅዱስ ብዘይ ምንባር የእዳዊ እቶም ሃወርያት ከም ዘይመሓላለፍ  ስምኦን ንባዕሉ ከም ዘስተውዓለ ኣብ ግሃ 8፡18-19 ንርኢ።ንሱ ተሪኢና ነቲ ብምንባር የእዳው ዝርከብ መንፈስ ቅዱስ መታን ክረክብ ብገንዘብ ክገዝኦ እዩ፡ሓሊኑ፡ኣይኮነሉን፡ስለዚ ዝኾነ ነገር መንፈስ ቅዱስ ክሓብሮ ተኾይኑ ግድን ናይ ሃወርያት ወይ ድማ ናይቶም ብምንባር የእዳው ሃወርያት ዝተሸሙ (ዝተመዘዙ)ሕጋውያን ካህናት እዩ ክህልዎ ዘለዎ።ናይ ሎሚ ግን ነቲ ብምንባር የእዳዊ ዝርከብ ሃወርያውነት ብ ቀይደበተኽ ማንም ሰብ ኢዱ ከይነብረሎም ኣብ ኣዳራሻት ጓሶት ኢና ኢሎም ክእውጁን ን ሰባት ናይ ሓሶት ቃል ኪዳንን ናይ ሓሶት ጥምቀትን ክህቡ ይርኣዩ በዚ ይገር...

1ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!?።

Image
                  1ይ ክፋል          ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!?።                             ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ቃል ኣምላኽ ኩቡር እዩ እንተኾነ ኣብዚ ሰዓት እዚ በቶም ዘይኣመንትን ዘይፈልጡን ንነፍሶም ከም ሓጢኣተኛታት ዝሓስቡዋ ዘይኮነስ በቶም ንነፍሶም ጻድቃን ዝሰምዩዋ ንኻልእ ግን ብሓጥያት ዝሓምዩን ዝፈርዱን ናይ ዘበና መማህራን ከቢድ ግፍዕን ምግሃስን ኣብ ቃል ኣምላኽ ይካየድ ኣሎ !። ሓንቲ ካብኣተን እዛ ጥቅሲ እዚኣ ኣብ ልዕለኣ ዝግበር ግህሰትን ንዓኣ ንምጥዋይ ዝግበር ጥበባትን እዚ ኢልካ ኣይቁጸርን ግን ን ቃል ኣምላኽ መን ይምክቶ ከቶ ዘይምከት ዘይምለኽ ንኹሉ ደኣ ዝመልኽ ሓያል ናይቲ ሓያል ዝኾነ ቃል ቃል ኣምላኽና።(ኤፈ4፡5) እዚ ዝህቦ ርእይቶይ ን ኣምላኽ ንምሕጋስ ደኣ እንበር ነዚ ናተይ ቤተ ክርስትያን ሓቀኛ ገርካ  ንምቅራብ ሓሊነ ከምዘይኮንኩ ኩሉ ክርድኣኒ ብትሕትና ይሓትት!፡እንታይ ደኣ ሰብ እንዳ ጠፍአ ስቅ ኢልካ ክትርኢ ከለኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታትነት ስለ ዘምጸአልና እንበር ። ህዝቅኤል3፡18 ኣነ ነቲ ረሲኣ፡ሞት ክትመውት ኢኻ፡ምስ በልኩዋ፡እንተ ዘይመዓድካዮ፡ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን ፡እንተ ዘይተዛሪብካዮን፡እንተ ዘይመዓድካዮንሲ ፡እቲ ረሲእ ብ ሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፡ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ፡ዝብል ኣምላክ ሓታቲ ስለ ዘሎና!። ጥምቀት ሓንቲ ካብተን ሰብ ንኽድሕን ክፍጽመን ዘለዎ  ኣገደስቲ ስርዓታት ኣምላኽ እያ።ሎሚ...

ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ???።

Image
              ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ???።                                      ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ኣብዝ ሓለፈ ቁሩብ መዓልታት ብዛዕባ ኣማላድነት  ዘለኒ መልሲ ክህቦም ብዙሓት ሓቲቶምኒ ብምድንጓየይ ድማ ይቅረታ ይሓትት፡ብ መስረተ ቃል ኣምላኽ ግን ህጂ ነገረ ኣማላድነት ክጽሕፍ ባህ ይብለኒ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ምምላድ ዘለዎም ኣረደድኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ነኣሰ ይኸይድ ኣሎ።ገሊኦም ምስጢር ምምላድ ሰኣን ምርዳኦም፡ድማ ክፈርዱን ክራገሙን ክሳዕ ሃይማኖታት ክቅይሩን ከለዉ።ገሊኦም ከኣ ንምምላድ ክሓዋዉሱዎን በዚ ድማ ብምድብላቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን፡ ብምባል ን ተበጃውነት ብምኽሓድ፡ዝገደደ ክሕደት ኢ ኦርቶዶክሳውን ኢ መጽሓፍ ቅዱሳውን ክምህሩን ይርኣዩ።ብዙሓት ፈላጣትን ሊቃውንትን እኳ ተለዉ ግን ዓገብ ዝብሉ ኣይረኣኹን። ብሓቂ ድማ ይሓዝን መታን ከይትስደድ፡ጸርፊ ከይበጽሓካ፡ ከይትስጎግ ሽምካ ከይጽልም ዘይሽምካ ከይህቡኻ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡዎ ኢልካ፡ኩሉ ግዜ ከቢርካ ክትነብር ኢልካ ቃል ኣምላኽ እንዳ ተዓመጸ ስቅ ክትብልን ጸረ ናይ ቅዱሳን ትምህርቲ ጸርካ ክትከይድን ግን ዓገብ ደኣ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣማላድነት ን ቅዱሳን ጥራሕ ብምሓዛእ ክሕደት ይምህሩ ይርኣዩ ገሊኦም ፡እቶም ገሊኦም ድማ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ኣማላዲ ብምባል ን ኣምላጅነት ቅዱሳን ክስርዝዎን ነዚ ከም ክሕደት ክቆጽርዎን ይርኣዩ ጸገሞም ግን ሓደ ዓይነት ጸገም እዩ፡ትርጉም እቲ ሰፊሕ ምስጢር ኣምላጅነት ዘይምርዳእ እዩ ግን እ...