2ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!!??.,።

2ይ ክፋል ስለምንታይ ክልተ ግዜ ጥምቀት!!??.,። ብ/ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ቀዳሞት ሃወርያት ነዚ ስልጣን እዚ ብምንባር የእዳውን ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስን ናባና ኣሕለፉዎ፡እታ ብምንባር የእዳው እትወሃብ ስልጣነ ክህነት ንማንም ሰብ ኣይትወሃብን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ን ተመሃርዩ 2ይጢሞ2፡2 ብዝበሎ ትወሃብ፡በዛ ምገዲ እዚኣ ዘይመጸ ግን ክህነቱ ኣይንሓስባን ኢና።ስለምንታይ ብዙሓት ሰባት ብስጋ ተላዒሎም ከም ስምኦን ን መንፈስ ቅዱስ ዝፈታተን ስራሕ ክሰርሑ ስለ ዝክእሉ!። ጥምቀት ብ ማንም ሰብ ትወሃብ ኢያ፡ ኢልና እውን ኣይንኣምንን፡እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ነሩ እዩ፡ዝኾነ ምቅባል መንፈስ ቅዱስ ብዘይ ምንባር የእዳዊ እቶም ሃወርያት ከም ዘይመሓላለፍ ስምኦን ንባዕሉ ከም ዘስተውዓለ ኣብ ግሃ 8፡18-19 ንርኢ።ንሱ ተሪኢና ነቲ ብምንባር የእዳው ዝርከብ መንፈስ ቅዱስ መታን ክረክብ ብገንዘብ ክገዝኦ እዩ፡ሓሊኑ፡ኣይኮነሉን፡ስለዚ ዝኾነ ነገር መንፈስ ቅዱስ ክሓብሮ ተኾይኑ ግድን ናይ ሃወርያት ወይ ድማ ናይቶም ብምንባር የእዳው ሃወርያት ዝተሸሙ (ዝተመዘዙ)ሕጋውያን ካህናት እዩ ክህልዎ ዘለዎ።ናይ ሎሚ ግን ነቲ ብምንባር የእዳዊ ዝርከብ ሃወርያውነት ብ ቀይደበተኽ ማንም ሰብ ኢዱ ከይነብረሎም ኣብ ኣዳራሻት ጓሶት ኢና ኢሎም ክእውጁን ን ሰባት ናይ ሓሶት ቃል ኪዳንን ናይ ሓሶት ጥምቀትን ክህቡ ይርኣዩ በዚ ይገር...