እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ኣብጽሓና! መስቀል

እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ኣብጽሓና! መስቀል ቀሺ ሙሴ ሽሻይ መስቀል እንታይ እዩ?፡ኢልና ቅድመ ምሕታትና ቁሩብ ታሪኽ መስቀል መሰረቱ ክንዝርዝር ባህርያዊ እዩ።መቸስ መስቀል ክለዓል ከሎ ንግስተ እሌነ ከይተዘከረት ኣይትሓልፍን እያ።ስለምንታይ ንሳ ነታ ክርስቶስ ዝተሰቅለላ ሓቐኛ መስቀል ካብ መረት ፍሒራ ስለ ዘውጽኣታ።መሰረታዊ ኣመጻጽእኡ ክንዛረብ ግን መስቀል ኣብ ዘበነ ብሉይ ገበነኛታት ዝስቀልሉ ነበሩ።ን መጀመርታ ግዜ ሰብ ኣብ መስቀል ምስቃል ዝተጀመረሉ ድማ ኣብ ናይ ፋርስ መግዛእቲ እዩ።ፋርሳውያን ነቶም ገበን ዝገበሩ ሰባት እቲ ዘምልክዎ ነበሩ ፡ኦርሙዝድ ዝተባህለ ጣዖቶም መታን ከይረክስን ከይቁጣዕን ነቲ ገበን ዝገበረ ሰብ ኣብ ሃገሮም ፡ካብ ሰማይ ትሕት ኣቢሎም ካብ መረት ከኣ ኣልዕል ኣቢሎም ኣብ ዕንጸይቲ ይሰቅልዎ ነበሩ።እዚ ነገር እዚ ድማ እንዳ ተለምደ ናብ መግዛእቲ ሮማ በጽሐ። ከምኡ እውን ነዚ ጭካነ ዝመልኦ መቅጻዕቲ ቀዳሞት ፓርሻውያንን(ናይ ሎሚ ኢራን) ሶርያውያንን ግብጻውያንን ቅድመ ሮማውያንን ግሪካውያን ይጥቀምሉ ከም ዝነበሩ ታሪኽ የብርህ።ኣይሁድ እውን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማ ብምንባሮም እዮም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ።ናይ ክርስቶስ ምስቃል ተሪኢና ቀንዲ ተኸ...