Posts

Showing posts from October, 2012

ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ኣሎ ዶ!! ??

Image
     ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት  ኣሎ ዶ!! ?? ፍቁር ሓወይ እዚ ዘለናዮ ዘበን ምልክታት መወዳእታ ዘበን ዝርኣየሉ፡ዓለምና ናብ ፍጻመ ትጓዓዘሉ፡ምጽኣት እቲ መሲሕ ክርስቶስ እንጽበየሉ።(ማቴ24፡6-8)(ማር13፡7-8)(ማቴ24፡14)ንሱ ብስልጣንን ብግርማን ክመጸና እንጽበየሉ እዋን  በጺሕና ከም ዘለና ትርእዮ ዘለኻ ሓቂ ኢዩ።እሞኸ ተቀሪብካ ዶ ኣለኻ?።(ሉቃ9፡26) ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይበለና፡(ራእ20፡15)”ዝኾነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ድማ ናብቲ ቃላይ ሓዊ ተደርበየ”።እሞኸ ክቡር ሓወይ ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉዶ ኣሎ??!!።ክርስቶስ ምስ መጸ ከምኡ እውን ዕድመና ኣኺሉ  ድዩ ዋላ ብ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ምስ ገዓዝና ስምና ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተዘየለ ጭንቂ ክኸውን ኢዩ።እዛ ነገር እዚኣ ካብቲ ኩሉ ሻዕ ተተሓሳስበኒ ነገር እያ።ኣስማቶም ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ከይተጻሕፈ ዝጸንሑ ሰባት፡እቶም ኣየር እንዳ ነቀለት ኣየር ትከት ዘይብሎም ሰባት ይመስሉ።እሞኸ ትኣየር ትመጽእ ኣላ፡ቦታ ንምሓዝ ትከት ቆሪጽካ ዶ። ኣብ (ራእ20፡12) “ምዉታት ድማ፡ዓበይትን ናእሽቱን፡ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ።መጻሕፍቲዉን ተገንጸሉ።ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት ኢዩ።እቶም ምዉታት ድማ፡ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሔ ከከም ግብሮም ተፈርዱ”።ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን ሓወይ ግብረይን ግብርኻንሲ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ከመይ ኮን ይኸውን!!።ብሓቂ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ብምስትውዓልዶ ንማላለስ ኣሎና።ኣምላኽ በቶም ንገብሮም መዓልታዊ ሂወትናን ሓሳብናን ዝጉሂ ተኾይኑ እቲ መጽሓፍ ሂወት ምስ ተገንጸለ፡ግብርና ክፉእን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋንን ኮይኑ ተጸኒሑ፡ከም ግብርና ክንፍደ ኢ...

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 4ይ ክፋል።

Image
መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 4ይ ክፋል። ካብ 3ይ ክፋል ዝቀጸለ ካብ 3ይ ክፋል ዝቀጸለ ዘይተረድኦም ገሊኦም ሰባት ነታ በኹሪ ወዳ እትብል ቃል (ሉቃ2፡7) (ማቴ1፡25) በኹሪ ማለት ሓደ ካብ ኣሕዋቱ ኢዩ ኢሎም ይምስክሩሉ። ብ መሰረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕብራውያን ዘሎ ሰበይትኻ እትብል ቃል እታ ዮሴፍ ብዛዕባ ማርያም ዝተባህለት፡(ማቴ20)።ብ መሠረት ኣብ መጽሓፍ ዕብራውያን ዘሎ ሰበይትኻ እትብል ቃል ብሓፈሻኡ ን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝተባህለትሉ (ማቴ1፡24) 3ይ- ክሳዕ እትወልድ ኣይፈለጣን,,” (ማቴ1፡25) እትብል ቃል ከምኡ ኸኣ “ከይትራኸቡ ብ መንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት”(ማቴ1፡18) 4ይ,እቲ ን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ”ኣሕዋትካ”ዝብል ቃል ዝሓዘ ጥቕስታት፡ኣብነት ፡(ማቴ 12፡46-50) ፡(ዮሃ2፡12) (ማቴ13፡54-56)፡ (ማር 6፡3)፡ (ግብ1፡14) ፡ገላ 1፡19)። ብፍቃድ ኣምላኽ ኣብቲ ኣቦና ሽኖዳ ዝጸሓፍዎ ምሉስ እዩ።             በዂሪ ወዳ ኣስተውዕል፡- እቲ በዂሪ ወዳ፡ ክብል ከሎ ንሱ እቲ መጀመርታ ዝተወልደ ወዳ ንምባል ደልዩ እዩ።ነዛ ቃል እዚኣ ብ ቛንቛ እንግሊዝ እንተ ደኣ ተርጉምናያ( ferst born ) ትኸውን፡መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንትርጉም በዂሪ ብብሩህ የፍልጦ።እቲ ቀንዲ ጸገም ሰባት ነቲ ቦክር ጽሑፍ ዝኾነ እብሪ ኣንታይ ይብል ኣሎ ስለ ዘይፍልጡ እዩ።ሰበይቲ ዝብል ን ኸመይ ዝበለት ጓል ኣንስተይቲ እዮም ይህቡዋ ነይሮም እብራውያን።ባህሎም ከ ከመይ እዩ ነይሩ፡ማለት ህጽይቲ መሮኣት ኣብዝብል ምስቲ ባህሊ ብዝተኣሳሰር እዩ ዝተጻሕፈ።እቲ ...

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 3ይ ክፋል።

Image
መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 3ይ ክፋል። እዚኣ እቲ መልኣኽ “መንፈስ ቅዱስ ክወርደኪ ሓይሊ ልዑል ከጽልለኪ ኢዩ”።ስለዚ ኸኣ እቲ ዝውለድ ቅዱስ ፡ወዲ ኣምላኽ ክበሃል ኢዩ።”(ሉቃ1፡35)።ዝበላ።እዚኣ እታ ኤልሳበጥ ከምዚ ዝስዕብ እናበለት ዘኽበረታ፡እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝተነግረላ ቃል ክፍጸም ኢዩ እሞ፡እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ፡’’(ሉቃ1፡45)።እታ ኩሉ ወለዶ ብጽእቲ ዝብልዋ..ቅድስቲ ምባላ ከሕፍረካን ቅድስቲ ኢልካ ከይትጽወዐ ክትጣራጠርን ዓገብ,,!። እታ “ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ”እትብል ቃል ከኣ ብ መልኣኽ ገብርኤል ፡ብቅድስቲ ኤልሳበጥ ተባህለታ ፡እዚ ማለት ንሳ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዓለም ብርኽቲ ንኽትከውን ዝተሸለመት ኢያ።ምኽንያቱ ሓንቲ’እውን ትኹን ካብአን ካብቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ተሠጋዉነት ኣምላኽ ዝረኸበቶ ክብሪ ቅድስና ኣይረኸበትን። ንሰንሲ እቲ ካብኣ ዝወሰዶ ስጋ ክርስቶስ ደኣ በሊዐን ሂወት ይረኽባን ንረክብን።ስለምንታይ ንሕና ኣብ እምነትና ካብ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ካብ ስገኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሰደ ኢልና ንምህር።እቲ ን ወስዶ ስጋ እውን እቲ ካብኣ ዝተወስደ ስጋ ደኣ እዩ። ኣምላኽ ንዕኣስ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዓለም ከም ዝመረጻ ኣይንጣራጠርን ኢና።ከመይ ባዕሉ ብ መልኣኹ ስለ ተዛረበና።ካብቲ ምስኣ ዘሎ ጠባያት ሓንቲ ‘ውን ትኹን ማዕረኣ የላን፡ኣይነበረትን ፡ማዕረኣ እውን ከምኣ ሰብ ምስአ ኣይተረኽበትን።ኣብ ቅዳሴ ባህርያቆስ ኣብ እንብሎ እውን ከምተን ኣዋልድ እብራውያን ክሳድኪ ኣይትረርክን ብምባል ንዘለዋ ትሕትናን መንፈሳውነትን ንገልጾ ገልጻ። ኣብዚ ኢዩ እምበኣር ፍሉዩነት ልዕልናን ዕብየትን ደረጃን ግርማኣን ዝተገልጸ፡ስለዚ ኸኣ ነብዪ ኢሳይ...

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 2ይ ክፋል።

Image
መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 2ይ ክፋል።                         ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ብ ተወሳኺ እውን እታ እታ”ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ እትብል ቃል ኣብቲ ኤልሳበጥ ሰላም ዝበለትላ ተደጊማ ንረኽባ፡ ንምስትውዓል እውን ኣብቲ ሥርዓት ኣዘራርባ መልኣኽ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ካብቲ ምስ ዘካርያስ ካህን ዝነበረ ኣዘራርባ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።ሉቃ1፡13)። ጴንጤ ኮነ ከኒሻ፡- ንሕና ነደና ማርያም እንህቦ መጸውዒ ብጣዕሚ እዮም ዝጽየፉዎ።ኣብነት ንሶም ነደና ማርያም በፍጹም ኣደና ኣይብሉን።ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ክርስቶስ ስለ ዝኾነት ኣደነታ ንኹሉ ኣስማት ክርስቶስ ይምልከት።ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ተደኣ ኮይኑ ኣደ ኣምላኽ ኢልካ ምጽዋዕ ስለምንታይ ገበን ይቆጽርዎን ይቃወሙዎን ካብቲ ኣገሪሙ ዘሎ እዩ። ክርስቶስ ብርሃን ካብ ኮነ(ዮሃ1፡9)(ዮሃ8፡12) ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ብርሃን ተባሂላ ክትጽዋዕ ብ ኸመይ  ዘይቅበሉዎ። ክርስቶስ ቅዱስ እዩ፡(ሉቃ1፡35) ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ኣደ ቅዱስ ትኸውን። ንሱ መድሓኒ ካብ ኮነ ፡(ሉቃ2፡11) ንሳ ኣደና ድማ ኣደ መድሓኒ ትኸውን። ክርስቶስ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ (ዮሃ1፡1)(ራእ9፡)(ዮሃ20፡28) ስለዚ ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ወላዲተ ኣምላኽ ትኸውን። ምስናይ እዚ ኩሉ ግን ከኒሻ ኮነ ብሓፈሻ ከምኡ እውን ጰንጤ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን በዚ ኣስማት እዚ ጸዊዖማ ኣይፈልጡን።በዚ ጥቅስታት ተመርኪስና ወላዲት ኣምላኽ ተብልናያ እዮም እንበኣር ኣብ ምኽሳስ...

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 1ይ ክፋል

Image
መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 1ይ ክፋል።                         ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ኣብዚ ዘበን እዚ ገለ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደና ዘነኣእሱን ዘቛናጽቡን ገለ ኸኣ ብ ኣንጻሩ ናብ ደረጃ ኣምላኽ ዘሰጋገሩዋ ክሳዕ 4ይቲ ኣካል ስላሴ እያ ዝብሉ ሰባት ክንሰምዕ ከለና ብጣዕሚ እዩ፡ ዝገርመና ን መሳኽን ልቢ ገርሀኛታትን ስለ ዘስሕቱ ድማ ካብ ትምህርቲ ሃዋርያት ዝጸሓፉልና ክንምልሰሎም ንግደድ።እዚ ርእይቶ እዚ ኣብቲ ኣቡነ ሽኖዳ 3ይ ዘውጽእዎ መጽሓፍ ተመርኪሱን ካብኡ ዝተወስደን እዩ።ገለ ካብኡ እውን ሓሳብና ኣለዎ።እዚ ርእይቶ እዚ ን ሰባት ሓቂ ነገር ንምምሃር ደኣ እንበር ነቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምሲልካ ነቲ ሓደ ከም ሓሳዊ ንምቅራብ ኣይኮነን ታይ ደኣ እቲ ሓቂ ሰብ ክፈልጦ። እስከ በቶም ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕማቅ ኣመለኻኽታ ዘለዎም  ሓይልታት ወስ ክንብል።ገለ ገለ ሰባት ወይ ማሕበራት ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣየኽብሩን ከምቲ ንሕና እንብሎ ድማ ጸልይልና ኣይብሉን፡ከም ቅራፍ እንቋቁሖ ድማ ይምልስልዋ፡”ንሳስ ከምታ ብድሕሪ እቲ ህያው ካብኣ ምስ ወጸ ቁምነገር ዘይብላን ቅራፍ እንቃቕሖ ኢያ፡”ይብልዋ።ዘሕዝን ኣበሃህላ እዩ። ገሊኦም ከኣ “ሓፍትና” ይብልዋ፡ ብድፍረት፡እዚ ቃል እዚ ኣብዞም ሓደሽቲ እምነታት ከም እኒ ኩለን ማሕበራት ጰንጤ ልሙድ ኣበሃህላ እዩ። 3.ገሊኦም ከኣ ምስታ ኣብ ኤርምያስ7፡18) ኤርምያስ 44፡17-25።ተገሊጻ ዘላ ጣዖት ብምምስሳል ንኽብሪ ኣደና ማርያም መዓዝኑ ብጥዋይን ፡ነቲ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስተ ድንግል ...

2ይ ክፋል ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።

Image
2ይ ክፋል ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!። እንበኣር ኩላትና እንጸድቅ በቲ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ምሕረትን በጃ ምሕላፍን፡ምእማንን ምቅባልን  ንዕኡ ካብ ኮነስ ንምንታይ እንዱንጊ።ህጂ ብድድ ኢልና ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ ክንምድብ ኣለና፡ ጎይታ ምስኡ ክትዕረቅ ከም ሰባት ብዙሕ ሽማግለ  ዘድልዮ ኣምላኽ ኣይኮነን። ርሑቅ ከይከድካ ኣብታ ዘለካያ ኮንካ ዎ ኣምላኽ ምሕረት ግበረለይ ዘግሃኹኻ ዘበን ይኣክል ፡ን ሓጢኣት ክምልኮ ድማ ሓይሊ ሃበኒ በሎ፡ ኢዮብ   8:5 : ንስኻ ንኣምላኽ ተጠንቂቕካ እንተ ደሊኻዮ፡ ነቲ ዂሉዚኽእልውን   ምሕረት   እንተ ለሚንካዮ ክሓድገልካ ድሉው ኢዩ። በጃኻ  ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ኣይቅበልንን ኣይትበል።ከምኡ ምባል ን ኣምላኽ ከም ጨካን ገርካ ምሕሳብ እዩ።ስለዚ ፍቁር ሓወይ ገበንካ ኣይትኸውል ንገሮ ነቲ ለዋህ ኣምላኽ፡ ምሳሌ   28:13 : ገበኑ ዚኽውዎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት   ይረክብ።   ነዛ ሓጻር ዕድመና ሰላም ዘለዎ ሂወት ዘይንነብር።ብዙሓት ሰባት ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓርኪ ጻድቃን ጥራሕ ገይሮም ብምርኣዮም፡ በቃ ሓጢኣተኛ እንድየ ድሕሪ ህጂ ኣምላኽ ኣይቅበለንን እዩ ኢሎም ተስፋ ይቆርጹ። እዚ ግን ናይ ጌጋ ገይጋ እዩ ኣምላኽ ዓርኪ ሓጥኣን ኮላይ እዩ።እዝስ ን ኣምላኽ ከም ምጽራፍ ነቲ ንሱ ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ምሕረት ምንዓቅን ምቁንጻብን ደኣ ይቁጸር ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንጡፉኣት ክደሊ እዩ ዝመጸ ማቴዎስ 18፡10-14።ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኲሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ ፡ እብለኩም ኣሎኹ።፲፩ - ወዲ ሰብ ...

ናይ ምሕረት ኣዋጅ ንዓኻ !!!።

Image
            ናይ ምሕረት  ኣዋጅ ንዓኻ !!!። ናብ ተፈተኻ ፍቱወይ ብዙሕ ግዜ  ሰጣን ን ደቂ ሰባት ኣብ ናይ ድሕነት ኣፋፈት ምስ በጽሑ ፡መታን መንግስተ ሰማይ ከይኣትዉን፡ምስ ኣምላኽ ከይዕረቁን ነቲ ኣምላኽ ኣብኦም ዘለዎ ፍቅሪ ፡በቲ ዝገብሩዎ ሓጢኣት ኣብ ገጾም ከም መስትያት ብምርኣይ፡  ተስፋ ብምቅራጽ ፡ኣምላኽ ከም ዝተቀጠዐን ይቅረ ከም ዘይብለሎምን ብምምሳል ካብ ናይ ምሕረት መገዲ ብልጋስ መጻወድያ ናይ ሞት ኣኸቲሉ ሂወቶም ከሕልፉ ፡ኣብ ርእሲ ሓጢኣት ሓጢኣት ክፍጽሙ ይደፋፍኦም፡በዚ ዘለዉዎ መገዲ ክቅጽሉ ድማ ይገብሮም። እቲ ዘገርም ኣምላኽ ዘይሓድጎ ሓጢኣት፡ ኣብ መሬት ፍጹም ዘይምህላዉ እዩ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓጢኣት ልክዕ ፍንፉንን ዘጸይፍን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ንእሽቶን ዓብይን ሓጢኣት የለን ኩሉ ሓጢኣት ማዕረ እዩ፡ እቲ ምሕረት ኣምላኽ ድማ ማዕረኡ ማዕረ እዩ። ግን ኣምላኽ ነቶም ዘጸይፍን ዘፈንፍንን ስራሕ ዝሰርሑ ይደሊ ዘገርም እዩ፡ ፍቅሪ ኣምላኽ !!!። ታሪኽ ማርያም መግደላዊት ተሪና ክንደይ ዓመታት ዘምያ ብ ርኹሳት መናፍስቲ ተታሒዛ ን ሰባት ተስሕት ነበረት እያ። ግን ናብ ጎይታ ምስ መጸት ተፈዊሳ ማርቆስ 16፡9። ከም መርኣያ ፍቅሩ ድማ ቀዳመይቲ ኣበሳሪት ትንሳኤኡ ኮነት።እወ ክገርመካ ነቶም ከውሒ ኢኻ ኢሉ ዝገልጾም ነበረ ከም እኒ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቀዲማቶም ኣበሳሪት ወንጌል ገይሩዋ። ኣየ ዝኣምላኽ ፍቅሩ እዛ ሓጢኣት ትገብር ዝነበረት  ክንሳ ግን ንሱ ዘይውዳእ ምሕረቱ ኣርእይዋ እቲ ብዙሕ ሓጢኣት ዝገብር ብዙሕ ይሕደገሉ። እቲ ብዙሕ ዝተሓድገሉ ድማ ብዙሕ የፍቅር ሉቃስ 7፡47-48። ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። ሮሜ...