ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ኣሎ ዶ!! ??

ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ኣሎ ዶ!! ?? ፍቁር ሓወይ እዚ ዘለናዮ ዘበን ምልክታት መወዳእታ ዘበን ዝርኣየሉ፡ዓለምና ናብ ፍጻመ ትጓዓዘሉ፡ምጽኣት እቲ መሲሕ ክርስቶስ እንጽበየሉ።(ማቴ24፡6-8)(ማር13፡7-8)(ማቴ24፡14)ንሱ ብስልጣንን ብግርማን ክመጸና እንጽበየሉ እዋን በጺሕና ከም ዘለና ትርእዮ ዘለኻ ሓቂ ኢዩ።እሞኸ ተቀሪብካ ዶ ኣለኻ?።(ሉቃ9፡26) ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይበለና፡(ራእ20፡15)”ዝኾነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ድማ ናብቲ ቃላይ ሓዊ ተደርበየ”።እሞኸ ክቡር ሓወይ ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉዶ ኣሎ??!!።ክርስቶስ ምስ መጸ ከምኡ እውን ዕድመና ኣኺሉ ድዩ ዋላ ብ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ምስ ገዓዝና ስምና ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተዘየለ ጭንቂ ክኸውን ኢዩ።እዛ ነገር እዚኣ ካብቲ ኩሉ ሻዕ ተተሓሳስበኒ ነገር እያ።ኣስማቶም ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ከይተጻሕፈ ዝጸንሑ ሰባት፡እቶም ኣየር እንዳ ነቀለት ኣየር ትከት ዘይብሎም ሰባት ይመስሉ።እሞኸ ትኣየር ትመጽእ ኣላ፡ቦታ ንምሓዝ ትከት ቆሪጽካ ዶ። ኣብ (ራእ20፡12) “ምዉታት ድማ፡ዓበይትን ናእሽቱን፡ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ።መጻሕፍቲዉን ተገንጸሉ።ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት ኢዩ።እቶም ምዉታት ድማ፡ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሔ ከከም ግብሮም ተፈርዱ”።ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን ሓወይ ግብረይን ግብርኻንሲ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ከመይ ኮን ይኸውን!!።ብሓቂ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ብምስትውዓልዶ ንማላለስ ኣሎና።ኣምላኽ በቶም ንገብሮም መዓልታዊ ሂወትናን ሓሳብናን ዝጉሂ ተኾይኑ እቲ መጽሓፍ ሂወት ምስ ተገንጸለ፡ግብርና ክፉእን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋንን ኮይኑ ተጸኒሑ፡ከም ግብርና ክንፍደ ኢ...