Posts

Showing posts from January, 2013

2ይ መልእኽቲ ልደት

Image
2ይ መልእኽቲ ልደት እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ።(ሉቃ2፡10)                                                     ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ(ሉቃ2፡10)                                       ኩቡር ኣንባቢ ሎሚ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ብልደቱ ከም ዝተሓጎስካ ፍቅርኻ ኣርእዮ።ሎሚ ኣብ ክርስቶስ ዘይትነብር ዘይትንሳሕ፡ምስኡ ርክብ ዘይብላ ሂወት ሒዝካ ትነብር ተሊኻ ብሓቂ ክርስቶስ ኣይተወለደን ኣሎ ኢልካ ንልደቱ ትኽሕድ ኣለኻ ማለት ኢዩ።ሎሚ ልደት መዓልቲ ክንዲ ናብ ቁርባንን ጸሎትን ንስሓን ናብ እንዳ ሳዕሳዒትን ጓይላን ባንድን ትጎዪ ተሊኻ፡ከምቲ ንክርስቶስ ንምሕራድ ዝተጓየየ ሄሮዶስ  ትጓዓዝ ከም ዘለኻ ፍለጥ።ሃገርና ክትባረኽ ፡ስድራና ምዉቅቲ ክትከውን ፡ቤትና ክትባረኽ ሎሚ ንክርስቶስ ኣብ ቤትና ኣብ ገዛና ስብ ሂወትና ክውለድ ተፍቂድናሉ ጥራሕ ኢዩ። ልደት ማለት ትርጉሙ፡ክርስቶስ ንምንታይ ተወሊዱ??፡ ኣምላኽ ከ ስለምንታይ ኢዩ ክሳዕ ክንዲዚ...

1ይ መልእኽቲ ልደት

Image
1ይ መልእኽቲ ልደት ብስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።(ሉቃ2፡10)                                                        ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ብስራት አበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።                                           እንቋዕ ናብ ብሩኽ ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዓና።ልደት ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ክልኦት ልደት ዘይኮነስ ፍሉይን ኣገዳስን ልደት ኢዩ ዝነበረ።በዚ ድማ ኢዩ፡ እቲ መልኣኽ ነቶም ኣብ በረኻ ማሎም ዝሕልዉ ዝነበሩ ጓሶት “እንሆ ንኹሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ ኣበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ ኢሉ ዝተዛረቦም።ልደት ናይ ማንም ሰብ ነቶም ስድርኡን ነሕዋቱን ነቡኡን ነደኡን ኢዩ ዝንገሮም።ልደት ጎይታ ግን ንኹሉ ዝኸውን ስለ ዚነበረ፡ እቶም መልኣኽታት ነቶም ጓሶት መጺኦም ከንግሩ ኣድለየ።በዚ ድማ ካብ ርሑቅ ዝመጹ ሰበጥበብን፡ካብ በረኻ ዝመጹ ጓሶትን፡ካብ ሰማይ ዝመጹ መልኣኽታትን ፡ምስኡ ዝጸንሑ፡ኣደኡን ዮሴፍን ብሓንሳእ ተሓጎሱ።ጎይታ ነዞም ኩሎም ፍጡራን ብሓደ ክሕጎሱ ዝገበረሉ ተነይሩ ኩላትና ብልደት ጎይታና ተሓጊስና ንዕኡ ከነኽብር ኢዩ...

ናባኻ ክጥምት

Image
ናባኻ ክጥምት ናብ ላዕሊ ክጥምት ናብ ሰማየ ሰማያት ን ልበይ ክፈቶ ኣታ ህያው ኣቦ ምሕረት ብዘይኻ ኣነስ የብለይን ሂወት ሓግዘኒ ኣብ ቃልካ ክዕወት ናብ መስቀልካ ክጥምት ሂወት ከይስልችወኒ ከይዕውን ብምኽሪ ዓለም ንስኻ ከተጽልለኒ ኣይትርሓቅ ካባይ ጎይታይ ምኸረኒ የማነይትኻ ትሕቆፈኒ ጸጋመይትኻ ትደግፈኒ ኣብ ዛ ምድሪ የብለይን ተስፋ ንስኻኻ ዘለኻኒ ናብ ላዕሊ ናባኻ ክጥምትሲ ሓይልኻ ሃበኒ ን ሰባት ከይፈርሕ ን ሓሶት ከይነብር መታን ክንኣድሲ ን ቃልካ ከይቀብር መዝሙርካ ገዲፈስ ንኻልእ ከይዝምር ን ቤትካ ጎይታየ ምስ ካልእ ከየመንዝር ናብ ሲኦል ክመርሖም ንሰባት ከይጥብር መንፈስ ካ ክትሰዶ ናባይሲ ናባኻ የንቃዕርር ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ ንልበይ ተርግኦ ብ ህያው መንፈስካ ንልበይ ተህድኦ ብእስትንፋስ ኣፍካ ነቲ እኩይ ተጥፍኦ ሓግዘኒ ኣምላኸይ ራእየይ ክሪኦ ነቲ እኩይ መንፈስ ብስልጣን ክወግኦ ነቲ መስኪን ህዝብኻ ካብ ባርነት ከውጽኦ ናባኻ ይጥምት ጎይታይ ንህላወኻ ክሪኦ እዝኒ ኣይቦን ሰባት ዝበሉ ይበሉ ንስኻ ስለ ዘለኻ ትፈልጦ ንኹሉ ንልበይ ጥራሕ ሃየ እስኻ ክበረሉ ንልሳነይ ቅባእ ንስምካ ከውሪየሉ የዒንተይ ኣብርሃዮ ከይነብር እስኻ ዘይብሉ ናባኻ ይጥምት ጎይታየ ምሳይ ክትህሉ ናብ መስቀልካ ክጥምት ናብቲ ትዕግስትኻ ከይነብር ኣብዛ መሬት ከምቶም ዘየኽብሩኻ ልቦና ሃበኒ ጎይታየ በጃኻ ካብ ኣብ ዓድስ ይሕሸኒ ምሳኻ ኣብ በረኻ እንዳተኻፈልኩ ጎይታየ ካብ እቲ ህያው ጸጋኻ ናባኻ ይጥምት ጥራሕ ኣዕጥቀኒ እቲ ሓይልኻ ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ ዕጋበተይ ሓላፊ ነገር ክሽፍን ተጸዓረ የዒንተይ ኣለሊየዮ እየ ህጅስ ሓይሊ የብሉን ኣባይ ናባካ ጥራሕ ይጥ...

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን ኣኽብሮትን 10ይ ክፋል ይቅጽል::

Image
መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን ኣኽብሮትን  10ይ ክፋል ይቅጽል::          ብዙሕ ግዜ ን ኣማልድነት ዝብል ቃል ሰኣን ሰብ ምርድኡ ቤተ ክርስትያን ትፈርስ ትርከብ።ግን እስከ ነታ ኣብ 9ይ ክፋል ዝጀመርናያ ምምላድ ከነብርሃ። ምምላድ ማለት እንታይ ማለት እዩ???። ብዙሓት ሰባት ኣብ ምምላድ ዘለዎም ኣረደድኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳ ነኣሰ ይኸይድ ኣሎ።ብኸምኡ ድማ ኢዮም፡ክሳዕ ገሊኦም ብድፍረት ኣደና ማርያም ኣማላዲት ኣይኮነትን ክብሉ ከለዉ ገለኸኣ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን ኢሎም ይኽሕዱ።ገሊኦም ምስጢር ምምላድ ሰኣን ምርዳኦም፡ናብ ኣምልኾ ገጹ ክጠማዝዙዎን ክፈርዱን ክራገሙን ክሳዕ ሃይማኖታት ክቅይሩን፡ኣብ ኣዳራሻት ኮይኖም ክገንሑን ከለዉ።ገሊኦም ከኣ ንምምላድ ክሓዋዉሱዎን በዚ ድማ ብምድብላቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኮነን፡ ብምባል ን ተበጃውነት ብምኽሓድ፡ዝገደደ ክሕደት ኢመጽሓፍ ቅዱሳውን ኢ ኦርቶዶክሳውን ክምህሩን ይርኣዩ። ብዙሓት ፈላጣትን ሊቃውንትን እኳ ተለዉ ግን ዓገብ ዝብሉ ኣይረኣኹን። ብሓቂ ድማ ይሓዝን መታን ከይትስደድ፡ጸርፊ ከይበጽሓካ፡ ከይትስጎግ ሽምካ ከይጽልም ዘይሽምካ ከይህቡኻ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡዎ ኢልካ፡ኩሉ ግዜ ከቢርካ ክትነብር ኢልካ ቃል ኣምላኽ እንዳ ተዓመጸ ስቅ ክትብልን ጸረ ናይ ቅዱሳን ትምህርቲ ጸርካ ክትከይድን ግን ዓገብ ደኣ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኣማላድነት ን ቅዱሳን ጥራሕ ብምሓዛእ ክሕደት ይምህሩ ይርኣዩ ገሊኦም።፡እቶም ገሊኦም ድማ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ኣማላዲ ብምባል ን ኣምላድነት ቅዱሳን ክስርዝዎን ነዚ ከም ክሕደት ክቆጽርዎን ይርኣዩ ጸገሞም ግን ሓደ ዓይነት ጸገም እዩ።ትርጉም እቲ ሰፊሕ ምስጢር ኣም...