2ይ መልእኽቲ ልደት

2ይ መልእኽቲ ልደት እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሁ።(ሉቃ2፡10) ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ እንሆ ንኹሉ ዝኸውን ዓቢ ሓጎስ የበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ(ሉቃ2፡10) ኩቡር ኣንባቢ ሎሚ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ብልደቱ ከም ዝተሓጎስካ ፍቅርኻ ኣርእዮ።ሎሚ ኣብ ክርስቶስ ዘይትነብር ዘይትንሳሕ፡ምስኡ ርክብ ዘይብላ ሂወት ሒዝካ ትነብር ተሊኻ ብሓቂ ክርስቶስ ኣይተወለደን ኣሎ ኢልካ ንልደቱ ትኽሕድ ኣለኻ ማለት ኢዩ።ሎሚ ልደት መዓልቲ ክንዲ ናብ ቁርባንን ጸሎትን ንስሓን ናብ እንዳ ሳዕሳዒትን ጓይላን ባንድን ትጎዪ ተሊኻ፡ከምቲ ንክርስቶስ ንምሕራድ ዝተጓየየ ሄሮዶስ ትጓዓዝ ከም ዘለኻ ፍለጥ።ሃገርና ክትባረኽ ፡ስድራና ምዉቅቲ ክትከውን ፡ቤትና ክትባረኽ ሎሚ ንክርስቶስ ኣብ ቤትና ኣብ ገዛና ስብ ሂወትና ክውለድ ተፍቂድናሉ ጥራሕ ኢዩ። ልደት ማለት ትርጉሙ፡ክርስቶስ ንምንታይ ተወሊዱ??፡ ኣምላኽ ከ ስለምንታይ ኢዩ ክሳዕ ክንዲዚ...