Posts

Showing posts from February, 2013

መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??።

Image
መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መናፈቅነት እትብል ቃል ዘላቶም ርድኢት  ከምቲ ዝግብኣ ኣይኮነትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣይፈለጡዋን እውን ዘለዉ።በዚ ድማ ዋላ ንኣመንቲ ከይተረፈ መናፍቅ ዝብሉ ከምኡ እውን ንረብሓኦም ክብሉ።እዚ ደኣ መናፍቅ እንድዩ ክብሉ ፡ንሰባት ከግልሉ ካብ ቅንኢ ብምብጋስ ናቶም ኣካይዳን ናቶም ኣተሓሳስባን ስለ ዘይተጠቀመ ጥራሕ መናፍቅ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም።በዚ ነገር እዚ ድማ ሰኣን እኩል ፍልጠት ቤተ ክርስትያን ሰብ ክገድፋን ጥርሓ ክትተርፍን፡ ይገብሩ ስለ ዘለዉ ።ኩሉ መታን ክፈልጦ ከይንታለል ነዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ክንሪኦ ኢና። ቀዳማይ ነገር ትምህርትን ስርዓት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ እንታይ ኢዩ??።ኢልና ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ ንቅድመና።ነዚ ቃል እዚ ኣብቲ ናይ ኤረትራ ሕጊ ኦርቶዶክ ቤተ ክርስትያን ሰፊሩልና ኣሎ።ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምዕራፍ ሓደ ዓንቀጽ1 መሠረተ ሕግን እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 81 መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።ንዝኾነ እንሆ ምላሽ እንበኣር ካብዚ መጽሓፍ እዚ መሰረት ክኸውን ኣለዎ። መናፍቅ ዝበሃል ሰብ ከመይ ዝበለ ኢዩ??።ተልና ናብቲ ቋንቋና ተተርጊምናዮ ፡ነፈቀ፡መቀለ፡ከፈለ ተጣራጠረ ተዋላወለ ማለት ኪኸውን ከሎ።መናፍቅ ዝብል ቃል መበገሲኡ ላቲን ኮይኑ”ሂሪቲክስ”(heretic)ዝብል ኮይኑ ኣብቲ መጀመርታ ሃዋርያት ወንጌል እንዳሰበኹ ከለዉ ኣይሁድ ንምንሻው ዘውጽእሎም ወይ ድማ ዝብልዎም ዝነበሩ ኢዩ።ስለዚ ማናፈቅነት እትብል ስም በቲ ሓደ ወገን ሃዋርያት ዝጽውዕሉ ነበሩ ስም እውን ኢዩ ነይሩ።ሓደ ግዜ ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ስም እዚኣ ከምዚ ኢሉ መለሰላ፡ኣንብብ(ግብ24፡14)ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ ...

4ይ ክፋል ውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን::

Image
4ይ ክፋል ውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን:: ባህሪ ክርስትያናት ጠፊኡ ባህሪ ኣይሁዳውነት ባህሪ ኣይሁዳውነት ድማ ናይ ውሽጢ ዘይኮነስ ናይ ደገ ኣይሁዳውነት ካብ ዝነግስ ክንደይ ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ ።ሰንኪ እዞም ግቡዛት መምህራን እዚኦም።እንሆ ድማ እቲ ፍረና፡ይርአ ኣብ ህይወት ኣመንትና ዘሎ መልክዕ ፈረ ዕዮና ኢዩ።ሰዓብትና ስለምንታይ ኢዮም ክንዲ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ቤት መስተን ትልሂትን፡ዝሙቱን፡፡ዝኸዱ ዘለዉ!!??።ክንደይ ሚኢታዊት ኢዮም፡ካብ ኣመንትና ስርዓተ ቅዱስ ቁርባን ዝወስዱ??።ክንደይ ካብኦም ስርዓት ቤተ ክርስትያን ይፍጽሙን ይፈልጡን??።።ፍትሕ፡ፍርሃት ኣምላኽ ዘይምህላው፡ገበን ምብዛሕ፡ኣብ ኤረትራን ኢትዮጵያን ካብቶም ሰብ ዝቀትሉን ሰብ ዝሸጡን እዞም ክርስትያናት ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘለዉ  ኢዮም።መልክዕና እዚ ኢዩ እኮ። እዚ ድማ እቲ ቤተ ክርስትያን ዘጽንሐቶ ጥንታዊ ሃዋርያዊ ትምህርቲ ብግቡእ ስለ ዘይመገብናዮም ኢዮም።ን ኣመንቲ ክርስቶስ ኣብ ዓይኖም ክሳዕ ዝሰኣል ስለ ዘይጸዓርናን ኢዩ።ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ንሰብ ገላትያ ይዛረብ።(ገላ4፡19)ደቀየ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣለኹ፡ኢሉ ከም ዝተዛረቦ ክርስቶስ ኣብ ዓይኒ ኣመንቲ ክሳዕ ዝሰኣል ዝገደፍካ ገዲፍካ ክጸዓር ኣለዎ። ስለምንታይ ሰብ ናይ ክርስቶስ ተዘይ ኮይኑ ፡ንክርስቶስ ከም ክርስቶስ ተዘይ ተቀቢልዎ፡ብክርስቶስ ተዘይኣሚኑ፡ዝገበረ ይግበር፡መንግስተ ሰማይ ክኣቱ ኣይክእልን ኢዩ።ኣብ ልቢ ሰብ ክሓድር ዝኽእል ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ኢየሱስ ዝበሃል ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ኣመንትና ዶ ኣሎ ዋላስ ኣብ ልብን ዓይን ኣመንትና ካልኦት ኢዮም፡ተሳኢሎም ዘለዉ፡እንፈልልጦ ሓቂ...

3ይ ክፋል ክቕበር ዘይኽእል ሓቂ !!ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስናን ህይወትናን ኢዩ !!።

Image
3ይ ክፋል ብሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም  ምስትንፋስናን ህይወትናን ኢዩ !!። ኢየሱስ ስሙ ኣልዒልካ ዘይምኖ ህያው ኢዩ።ኩሉ ግዜ ሓድሽ።ኩሉ ግዜ ምቁር ዘይምኖ ስም።ሽም ኢየሱስ በይኑ መድሓኒት ዝኾነ ስም ኢዩ።በዚ ስም እዚ ኢና ተፈዊስና ካብ ክንደይ መናፍስቲ ተላቂቅና ህይወትና ምስክር ኢና።ኣጋንንቲ ነዚ ስም እዚ ክሰምዑ ብጣዕሚ ኢዮም ልቦም ዝቃጸል።ዋላ ህይወትና ብዘሰቅቅ ትሕለፍ ክንሓድጎ ዘይኮነለና ኩቡር ስም።በዚ ስም እዚ ጥራሕ ክንኣምን ሃዋርያት ተላቢዮም(ግብ16፡32) ብሓቂ የሱስ ክርስቶስ ምስትንፋስና ኢዩ።በዚ ስም እዚ ዋዛ የለን በዚ ስም እዚ ቀልዲ የሎን።ዝገርመኒ ግን ብዙሓት ንዝምር ኣለና ይብሉ።ብዙሓት ንደርስ ኣለና ይብሉ።ግን ከምዚ መዝሙር እዚ ዝበለ መዝሙር ብትግርኛ ዘይምህላዉ ይሓዝን !!። ኢየሱስ ኢላ ብግልጺ ዝተዘመረት መዝሙር ኣብዚ 20 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያና ኣላዶ!!??።ሰማዒ ይመልሶ፡ፈተና ከይመጸካ ፈሪሕካ፡ ስም እቲ ክቡር መድሓኒ ካብ ምልዓል ሕንኪ ካብ ኮነ ደኣ ኣየተዓዛዝብን ዶ!!። ኢየሱ ኢዩ ግን እቲ ፈውሲ ኢየሱስ ኢዩ እቲ ዝህብ ዕረፍቲ።ንምንታይ ኢዩ እቲ ኢየሱስ ኢልካ ከይዝረብ ዝዓገት ዘሎ።ርኹሳት መናፍስቲ ራሕ ኢዮም ነዛ ስም ኢየሱስ ዝጸልእዋ።ኢየሱስ ንጉስ ።ኢየሱስ ህያው።ኢየሱስ ጎይታ።ኢየሱስ መድሓኒ፡ፈውሲ፡ክቡር ።እስከ ኢየሱስ ኢልኩም ስበኹ።እቶም ሰማዕትኹም ክባርኹ።ተለዊጦም ክትርእይዎም ማሕበርኩም ሰላም ክወርዶም።ኣብታ ተገልግልዎ ዘለኹም ቤተ ክርስትያን ካብ ኣርያም ፍሉይ ሰላም ፍቅሪ ክወርድ ክትርእዩ። ስለምንታይ ከ ኣብ ኢድኩም ፈውሲ ከሎ ናብ እንዳ ጠንቋሊ ትኸዱ፡ስለምንታይ ከ ካልእ ትጥቀሙ ኢየሱስ ፈውሲ እኮ ምሳኹም ኣሎ።ስለምንታይ ትጭነቁ ኢየሱስ ፈውሲ ጨንቂ እኮ ምሳኹም ኣሎ፡እስከ ብልብኹም ኣ...

2ይ ክፋል ዘይቅበር ሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስና ኢዩ!!።

Image
2ይክፋል ዘይቅበር ሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስና ኢዩ!!። ብሓቂ ኢየሱስ ዝብል ስም ምስትንፋስናን ህይወትናን ኢዩ !!። ብእኡ ሎሚ ጽባሕ ንኹሉ ግዜ ኣይንሓፍርን።ንሱ ክቡር ኢዩ ኣሜን።ንሱ ጽድቅና ኢዩ።ንሱ ክብርና ኢዩ።ንሱ ህይወትና ኢዩ።(ፍሊ1፡20-21)ንሱ ሰላምና ኢዩ።ንሱ ዕጋበትና ኢዩ።በዚ ድኣ እንታይ ኮይና ንሓፍር።ንሱ ተኾይኑ ዝኹንን ንሱ ተኾይኑ ዘጽድቅ ከ እንታይ ኢዩ ዘስግእ ኢየሱስ ኢዩ እኮ ኣዛዚ።(ሮሜ8፡31-34)ንሱ ምሳና ተኾይኑ ደኣ መን ኢዩ ዝቃወመና።ኢየሱስ ነቶም ሓይሉን ስርሑን ግብሩን ምዝንትው ተወዲእዎም ኣብ ነበረያ ነበረን ኣብ ሃጠው ቀጠውን ተመሊሶም ዘለዉን ግዝይኦም፡ዘሕልፋን ኣብ ሕማቅ ወረን፡ዚነብሩ ዘለዉ ዓይኖም ይኽፈተሎም። ግን ኣሻዕ ኢዮም ስርሑን ግብሩን ከሃልነቱን ወዲኦም ናብ ካልእ ሓሊፎም።እቲ ኣምላኽ ዘይልኣኾ ብሽም ቃል ኣምላኽ ኣማኻንዩ ካልእ ይዛረብ እቲ ኣምላኽ ዝለኣኾ ግን ንሱ ቃል ኣምላኽ ኢዩ ዚዛረብ።(ዮሃ3፡34) እዚ ስም እዚ እንበኣር ህጂ እውን ዘይንዛተየሉ ፍሉይ ስም ኢዩ።ከቶ ክንሓድጎ ዘይኮነልና ስም።ክትርስዖ ተበልካ ዚዝከር።ከይትጸልኦ ኩሉ ግዜ ዝፍቀር። ወይዚ ናይ ኢየሱስ ስም ነገር።ብዙሓት ነዚ ስም ብዝተፋላለየ ነገር ገይሮም ከህሲስዎን ካብ ልቢ ሰባት ከረስዕዎን ፈቲኖም ኢዮም።ብዙሕ ምስኡ ዝመሳሰል ካብዚ ስም ናቱ ከኣ እንዳ ቆንጠሩ ዓይዮም ኢዮም ተኾነ ዕየኦም ሓዊ በሊዕዎ ስም ኢየሱስ ግን ጋና ይምስገን ኣሎ።ግንከ ኣይኮነሎምን ኢየሱስ ዝብል ስም ዘይሰዓር ስም። ጋና ክንዝምር ኢና ንስሙ ጋና ክንምስክር ኢና ንስሙ።ዋላ ናይ  ኣይሁድ ኣምሳል ዘለዎምን፡ናይ ዘበና ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ይኽሰሱን፡የጸልሙን ጋና ኣብ ኩሉ ስሙ ክንምክር ኢና።ጋና ብስሙ መከራ ክንጸግብ ኢና።ኢየሱስ ኣ...

ኢየሱስ ዝብል ስም ብሓቂ እስትንፋስና ኢዩ!!።

Image
ኢየሱስ ዝብል ስም ብሓቂ እስትንፋስና ኢዩ!!። ዘይተጋህደ ክገሃደሉ ዘይፈለጠ ክፈልጥ። ህጂ እውን ኢየሱስ ዝብል እስትንፋስና ኢዩ።ዋላ ነዚ ስም እዚ ከይንጽውዕ ጸቅጢ ይግበረልና ተሎ ግን በቃ ኢየሱስ ወይ ሞት።ክንሓድጎ ዘይኮነልና ስም ኢዩ።እቶም ኣተሓሳስባ ኣይሁድ ዘለዎም ግን ኣይትሕሰቡዎ ንብሎም።ካብዚ ፍቅሪ ናይዚ ስም እዚ ዝፈልየና መን ኢዩ።(ሮሜ8፡35-36)እንዳሓደረ ዝምቅር እንዳ ወዓለ ዝፍቶ።ዋላ ንሽሙ ጥራሕ ኣልዒልና ስም ካልእ ከየልዓልና ተነበርና የዋጽኣና ኢዩ። ኢየሱስ ጎደሎ ዘይብሉ ሓገዝ ዘይደሊ ኣምላኽ ኢዩ።ኢየሱስ ዝብል ስም ካብ ኣስማት ልዕል ዝበለ ስም ኢዩ።በዚ ብህጂ ይኹን ንዝመጽእ ንዛተየሉ ነገር ኣይክህሉን ኢዩ።ኣሜን ጎይታ ኢየሱስ ክበረልና ልዕሊ ምንም ፍጡር፡በዚ  ዝርህቅ ድማ ኣንኳን ሰብሲ ዋላ እዛ ንነብረላ ምድሪ ተጠቅሊላ ተረሓቀት ዝጎድለና የሎን ንሱ ጥራሕ ኣይርሓቅ እቲ ሰንደቅ ዓላማን። ስለ እዚ ስም እዚ ክምስክሩ ካብ ቅዱስ ድያቆን እስጢፋኖስ ኣትሒዞም  ኩሎም ቅዱሳን ብሰማእትነት ሓሊፎም።ተሓሪዶም ተቀቲሎም፡ ተኣሲሮም፡ተኻላቢቶም፡ኣብ ኣደባባይ ኮለል ኢሎም።ተጸሪፎም፡ሽሞም ጸሊሞም።ዘሎ በጺሕዎም ፡ክቡር ክርስትያን ኣነን ንስኻን ከ ስለ ስም ኢየሱስ እንታይ መከራ ጸውርና ንፈልጥ??።ስለ ስም ኢየሱስ ክትጽረፍ ክትስጎግን ሽምካ ክጽልምን ዘሎ ክበጽሓካን መን ይረኽቦ።ኢየሱስ ጎይታይን ኣምላኽን መድሓኒየይን እስከ ክበር። ግን ሓወይ ንስኻ ከ ንመን ኢኻ ትምስክር፡ብዛዕባ መን ተውሪ፡ብዛዕባ ካልእ ተውሪ ተሊኻ፡ተሰሓሒትካ ኣለኻ።ኢየሱስ ዝብል ስም ብዘይ ተጫረቲ ክስበኽን ክዝመረሉን ዝግባእ ስም ኢዩ።እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ።ኢየሱስ ናይ ዘልኣለም ንጉስ ክብሪ ንስምካ ይኹን። ኢየሱስ ምስ ማንም ሰብ ወይ ቅዱስ ወይ መልኣኽ...

ብውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን

Image
ብውሽጥኻ ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ እንበር ናይ ደገ ኣይኮነን ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ተሪኢናዮም ደገኦም ውሽጦምን ዝተፈላለየ ሰባት ነይሮም።በዚ ተደሪኹ ድማ ኢዩ ጎይታ፡ኣታ ዑዉር ፈሪሳዊ ነቲ ዋንጫን መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ኣጽሪዮ።ምእንቲ  ጽሩይ ክኸውን።ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽሪዮ። (ማቴ23፡26) ኣምላኽ ውሽጥና ክንጸሪ ይደልየና።ኣምላኽ ቅድም ውሽጥና ከነዕሪ ይደልየና፡ኣምላኽ ቅድም ናይ ህይወትና ፈሊጥና ህይወትና ምስ ኣዐረና ክንምለስ ይደልየና።ህይወትካ ከይተለወጥካን ን ሰብ ክትልውጥ ምሕሳብ ግን ኮንቱ ጻዕሪ ኢዩ። (ሮሜ2፡28-29) ብዝረኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኮነን እሞ፡እታ ብዝርኤ ኣብ ስጋ እትገብር ግዝረት ‘ውን ግዝረት ኣይኮነትን።እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ ግና ንሱ ኣይሁዳዊ ኢዩ።እታ ግዝረት ልቢ ብ መንፈስ ኢያ እንበር።ብፊደል ኣይኮነትን።እቲ ንእዶ እውን ካብ ኣምላኽ ኢዩ እምበር ካብ ሰብ ኣይኮነንን። ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ማለት ሃይማኖተኛ ዘይኮነ ሰብ ፡ካብቲ ዝገብሪሮ፡ በቲ ጻድቅ መሲሉ ክርአ ክፍትን  ከሎ በቲ ድማ፡ካብ ውሽጢ ልቡ ዘይናይ ኣይሁዳዊ ባህሪ ክጎስዕ ይርአ እዚ ብሓቂ ድንጋጸ ዝግብኦ ሰብ ኢዩ።  ኣይሁዳውነት እኳ ከምዚ ተባህለሉስ ክርስትያን ምዃን ደኣ ኾን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፡ውሽጢ ምልዋጥ ዘየድልዮ።ብውሽጥካ ዲኻ ክርስትያን ዋላስ ብደገኻ ኢኻ ክርስትያን።ብደገኻ ዲኻ ኦርቶዶክስ ዋላስ ብውሽጥኻ ኢኻ ኦርቶዶክስ።እቲ ብውሽጡ ክርስትያን ዘይኮነ እሞ ክርስትያን ኮይኑ ዝስምዖ፡ዝገብሮ ተልዩ፡ካብቲ ዘይ ናይ ክርስትያን መኒነቱ፡ዝጎስዑ ዘይ ክርስትያናዊ ባህሪ ኢዮም።ኣስተውዒልናሎም ዶ ንፈልጥ። ንሕና ኸ ከመይ ኢና ክርስትያን ዲና፡ውሽጥናኸ።ውሽጥካ ክርስትያን ተዘይ ኮንካ ክርስትያን ኣይኮንካን፡ውሽጥካ...

ፍረደለይ

Image
                   ፍረደለይ ድቅድቅ ጸልማት ኮይኑ ከፊኡ እዋኑ ሓሶት ምስ ነገሰ ትሓቂ ቀይኒኑ ናባኻ ይጠርዕ ፍርድኻ ክትፍኑ ገበነኛ ኢሎም ሓሰውቲ ክፈርዱኒ መሰኻክር ሓሶት ዙርያይ ክኸቡኒ መፈንጠርያ ይገብሩለዉ ኣብኡ ከውድቁኒ ናባኻ ይጠርዕ ፍርድኻ ክትህበኒ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ጸርፊ ዝኣጽዋሮም ንንጹህ ዝወግኡ በቲ እከይ ግብሮም ይመጽኑ ኣለዉ በጃኻ ርኣዮም ሓራም ቆጺሮሞ ን ሓቂ ንምእማን ብግብሮም ዝፍለጡ ምዃኖም ናይ ሰጣን ክወግኡኒ ኣይትሕደግ በጃኻ እባ ፍጠን ንብዓተይ ርኣዮ ናብ ብኽያተይ ኣድንን መሲልዎም ዘይትፈርድ ከምጽኡ ዝገድድ ብጥበቦም መሪጾም ንሓቂ ምግራድ ስቅ ኣይትበል በጃኻ ህጂ ደኣ ፍረድ ደስ ዝብሎም እንተኢልካ ይውድሱ ይምርቁኻ ቃሕ ተዘይ ኢልዎም ከኣ ሰጣን ይሰምዩኻ ረብሖም እንበር ዘይግድሶም ክብርኻ ምስኦምን ከቢዱኒ ፍረደለይ በጃኻ ቃልካ ለዊጦሞ ንግዝያዊ ጠቅሞም ሓሶት ንምዝራብ ፍጹም ዘይጽግሞም ወንጌል ኮይኑ ትምርጫኦም ከመይ ሰብ የጥቅዑ ጥራሕ እቲ ሕልሞም ፍረድ ኣብ ሞንጎና ክሕጎስ ትድኹም ቃልካ የንቢብዎ ንሰብ ከታልሉ እንዳ ጠዋወዩ ን መስኪን እንዳ ሓንኮሉ መዛሙሮም ኩሉ ኣምልኾ ዘይብሉ ይትንስኡ ኣለዉ ንቃልካ ክቀትሉ ሙዉት ገይሮሙኻ ጠበቃ ዘይብሉ ፍረደለይ ንስኻ ኢኻ ትጽቢተይ ኣብዛ ምድሪ ተስፋይ እንኮ ጸግዐይ ስቅ ኢልካ ኣይትርአ ነዚ ናተይ ስቃይ ትጽቢተይ ኣባኻዩ  ካልእ የለን ጥራሽ ተኣዊጁለይ ኢዩ ንብላሽ ክበርስ ስቅ ኣይትበል ጎይታ ካብ ዝፋንካ መልስ ናተይ ኣይኮነን...