መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??።

መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መናፈቅነት እትብል ቃል ዘላቶም ርድኢት ከምቲ ዝግብኣ ኣይኮነትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣይፈለጡዋን እውን ዘለዉ።በዚ ድማ ዋላ ንኣመንቲ ከይተረፈ መናፍቅ ዝብሉ ከምኡ እውን ንረብሓኦም ክብሉ።እዚ ደኣ መናፍቅ እንድዩ ክብሉ ፡ንሰባት ከግልሉ ካብ ቅንኢ ብምብጋስ ናቶም ኣካይዳን ናቶም ኣተሓሳስባን ስለ ዘይተጠቀመ ጥራሕ መናፍቅ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም።በዚ ነገር እዚ ድማ ሰኣን እኩል ፍልጠት ቤተ ክርስትያን ሰብ ክገድፋን ጥርሓ ክትተርፍን፡ ይገብሩ ስለ ዘለዉ ።ኩሉ መታን ክፈልጦ ከይንታለል ነዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ክንሪኦ ኢና። ቀዳማይ ነገር ትምህርትን ስርዓት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ እንታይ ኢዩ??።ኢልና ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ ንቅድመና።ነዚ ቃል እዚ ኣብቲ ናይ ኤረትራ ሕጊ ኦርቶዶክ ቤተ ክርስትያን ሰፊሩልና ኣሎ።ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምዕራፍ ሓደ ዓንቀጽ1 መሠረተ ሕግን እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 81 መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።ንዝኾነ እንሆ ምላሽ እንበኣር ካብዚ መጽሓፍ እዚ መሰረት ክኸውን ኣለዎ። መናፍቅ ዝበሃል ሰብ ከመይ ዝበለ ኢዩ??።ተልና ናብቲ ቋንቋና ተተርጊምናዮ ፡ነፈቀ፡መቀለ፡ከፈለ ተጣራጠረ ተዋላወለ ማለት ኪኸውን ከሎ።መናፍቅ ዝብል ቃል መበገሲኡ ላቲን ኮይኑ”ሂሪቲክስ”(heretic)ዝብል ኮይኑ ኣብቲ መጀመርታ ሃዋርያት ወንጌል እንዳሰበኹ ከለዉ ኣይሁድ ንምንሻው ዘውጽእሎም ወይ ድማ ዝብልዎም ዝነበሩ ኢዩ።ስለዚ ማናፈቅነት እትብል ስም በቲ ሓደ ወገን ሃዋርያት ዝጽውዕሉ ነበሩ ስም እውን ኢዩ ነይሩ።ሓደ ግዜ ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ስም እዚኣ ከምዚ ኢሉ መለሰላ፡ኣንብብ(ግብ24፡14)ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ ...