3ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ 3ይቲ ሰንበት ምኩ`ራብ

3ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ 3ይቲ ሰንበት ምኩ`ራብ ስለዚ እዚ ኹሉ ኣብ ቤተ ክርስትያና ፡ኣብ ሂወትና ኣብ ኣገልግሎትና፡ እንገብሮ ዘለና ፍቃድ ኣምላኽ ድዩ ኢልና ንሕሰብ።ፓትሪያርክ ኣብ ገዛ ዓጺኻ ምስ ዓመጽቲ ብምውጋን ኣብ መንበር መላገጽቲ ተቀሚጥካ ንውግዘት ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓሲምካ እትገብሮ ኣገልግሎትሲ ይሰምርዶ!!!??። ንጻድቅ ምእንቲ ኽግፋዕ ኢልካ ምስ ክፉእ ሰብ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኮነን ይብለና ቃል ኣምላኽ ጳጳስ ኮነ ካህን ድያቆን ኮነ ምእምን ምስ መንግስተ ኤርትራ ተዘየሻሩ ነይሩ፡ ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስ ምተኣሰሩዶ!!??።ንሕና ብሕብረት ዋላ ኣቡነ ደስቆሮስ ተታሊሎም ካልኦት ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ከኣ ፈሪሖም ሕራይ ይበሉ እንበር፡ዋእ ፓትሪያርክ ከሎ ፓትሪያርክ ክንሸይም ሕጊ ሃይማኖትና ን መንግስቲ ከነፍቱ ክንቅይር ኢልና ተንኣቢ ነርናስ ህጂ ሃይማኖት ኣብ ሓደጋ ምወደቀት ዶ??።ንምዃኑ ኩላትና ብሕብረት ኣብ ጎድኒ ቅዱስ ኣቦና ብምዃን ኣብ ግዜ ቅዳሴና ሽም ተወገዙ ኣቡነ ደስቆሮስ ገዲፍና ሽም ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ተንጽውዕ።እዚ ኹሉ ፋሕፋሕ ምመጸዶ፡እዚ ኹሉ እንበኣ ንሕና እቲ መስኪን መታን ክውጻዕ ኢልና ምስ ክፉእ ሃሳብን ክፉእ ሰብን ስለ ዘሻረና ኢዩ እንበኣር (ምሳሌ18፡5 )ናይ ሎሚ ንብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስን ሰዓብቶምን መታን ክግፍዑ ኢልካ ምስ መንግስተ ኤርትራን ይፍታሀን ሰዓብቱን ምውጋን ዝግበር ዘሎ ጸለመን ነታ ሃይማኖት ክሳዕ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ፡ጎስጓሳትን ጸለመታትን እንበኣር ሰናይ ከም ዘይኮነ ምፍላጥ ኣሎና።ከምዚ እንዳገበርና እንገብሮ ጾም ድራማ ምስ ምዃኑ ካብ ኣምላኽ ቁጥዐ ደኣ እንበር ምሕረትሲ ኣየምጽእን በፍጹም!!! ። ስለምንታይ ንሰብ ከነዕሽዎ ንኽእል ...