Posts

Showing posts from March, 2013

3ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ 3ይቲ ሰንበት ምኩ`ራብ

Image
      3ይ ክፋል ጾሞ ኣርብዓ 3ይቲ ሰንበት ምኩ`ራብ ስለዚ እዚ ኹሉ ኣብ ቤተ ክርስትያና ፡ኣብ ሂወትና ኣብ  ኣገልግሎትና፡ እንገብሮ ዘለና ፍቃድ ኣምላኽ ድዩ ኢልና ንሕሰብ።ፓትሪያርክ ኣብ ገዛ ዓጺኻ ምስ  ዓመጽቲ ብምውጋን ኣብ መንበር መላገጽቲ ተቀሚጥካ ንውግዘት ቅዱስ ጴጥሮስ ተሓሲምካ እትገብሮ ኣገልግሎትሲ ይሰምርዶ!!!??። ንጻድቅ ምእንቲ ኽግፋዕ ኢልካ ምስ ክፉእ ሰብ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኮነን ይብለና ቃል ኣምላኽ ጳጳስ ኮነ ካህን ድያቆን ኮነ ምእምን ምስ መንግስተ ኤርትራ ተዘየሻሩ ነይሩ፡ ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስ ምተኣሰሩዶ!!??።ንሕና ብሕብረት ዋላ ኣቡነ ደስቆሮስ ተታሊሎም ካልኦት ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ከኣ ፈሪሖም ሕራይ ይበሉ እንበር፡ዋእ ፓትሪያርክ ከሎ ፓትሪያርክ ክንሸይም ሕጊ ሃይማኖትና ን መንግስቲ ከነፍቱ ክንቅይር ኢልና ተንኣቢ ነርናስ ህጂ ሃይማኖት ኣብ ሓደጋ ምወደቀት ዶ??።ንምዃኑ ኩላትና ብሕብረት ኣብ ጎድኒ ቅዱስ ኣቦና ብምዃን ኣብ ግዜ ቅዳሴና ሽም ተወገዙ ኣቡነ ደስቆሮስ ገዲፍና ሽም ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ተንጽውዕ።እዚ ኹሉ ፋሕፋሕ ምመጸዶ፡እዚ ኹሉ እንበኣ ንሕና እቲ መስኪን መታን ክውጻዕ ኢልና ምስ ክፉእ ሃሳብን ክፉእ ሰብን ስለ ዘሻረና ኢዩ እንበኣር (ምሳሌ18፡5 )ናይ ሎሚ ንብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጠንዮስን ሰዓብቶምን መታን ክግፍዑ ኢልካ ምስ መንግስተ ኤርትራን ይፍታሀን ሰዓብቱን ምውጋን ዝግበር ዘሎ ጸለመን ነታ ሃይማኖት ክሳዕ ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ፡ጎስጓሳትን ጸለመታትን እንበኣር ሰናይ ከም ዘይኮነ ምፍላጥ ኣሎና።ከምዚ እንዳገበርና እንገብሮ ጾም  ድራማ ምስ ምዃኑ ካብ ኣምላኽ ቁጥዐ ደኣ እንበር ምሕረትሲ ኣየምጽእን በፍጹም!!! ። ስለምንታይ ንሰብ ከነዕሽዎ ንኽእል ...

3ይቲ ሰንበት ናይ ኣርብዓ ጾም ምኩ`ራብ ትበሃል 1ይ ክፋል።

Image
3ይቲ ሰንበት ናይ  ጾም ኣርብዓ ምኩ`ራብ ትበሃል 1ይ ክፋል።                              ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ብ ናይ ዘበነት ቤት ትምህርቲ ወንጌል ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ መርሓ ግብሪ።ናይዚ ሰንበት እዚ ዕለት ስያመ ምኩራብ ትበሃል።መድሓኒና ኣብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ተረኺቡ ንዝተኣስሩ ናጽነት ንዝሞቱ ሂወት ፡ንዝተጠቅዑ ድማ ናጽነት ብምእዋጅ ንኹሉ ዓመተ ምሕረት ብምምሃሩ ብትምህርቱ ከም ተደነቁ ይንገር።ስያመኡ ናይ ቅዱስ ያረድ እዩ።መድሓኒና ኣብ ምኩራብ ዝገበሮም ነገራት እንዳ ገለጸ ብምዝማሩ ድማ እዩ ዕለተ ምኩ`ራብ ዝተባህለ። እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ ትእይርቶሙ ለእለ ይትኣይሩከ ወድቀ ላዕሌየ ወቀጻእኩዎን በጾምን ለነፍሰየ መዝሙር 68፡9። ን ቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ ኣሎ። ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻ እውን ኣባይ ወደቀ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብ ጾም ኣሕሳእክዋ ሰባት እውን ጸረፉኒ መዝሙር 69፡9። ኣብ መዝሙር ዳዊት ኩሉ ግዜ ኣብ ትግርኛ ሓደ ቁጽሪ ይቅድም ምስ ምዃኑ እዩ፡ እንበር ሓደ እዩ እቲ ምዕራፍን ጥቅስን። ቦአ ኢየሱስ በምኩ`ራብ ኣይሁድ የሱስ ናብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ከደ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት 1, ቆላ 2፡16 ክሳብ ፍጻመ  /////// //////ዲያቆን 2,ያዕ2፡14 ክሳዕ መፈጸምታ ////////    ተሓጋጋዚ ዲያቆን ግብሪ ሓዋርያት 10፡1-9። //////////////// ተሓጋጋዚ ካህን ወንጌለ የሓንስ 2፡12 ክሳዕ መወዳእታ /////////// ...

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቪድዮ

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቪድዮ https://docs.google.com/file/d/0B7hZZw2fWjbaNFlqaHFpdnhwLU0/preview?pli=1

2ይ ክፋል መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ።

Image
2ይ ክፋል መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ። ገለ ሰባት ነታ መናፈቕነት እትብል ዘይፈለጥዋ ክኾኑ ከለዉ። ገለ ግን መኣዘኣን ዘለዋ ሚዛንን ንምድኻም ኣብ ጠቅሞም ከውዕልዋ ይፍትኑ ምህላዎም ኢዩ።እስከ ገለ፡- ሰኣን ፍልጠት ካብ ዝበሃል።መዝሙርን መሳርሒ መዝሙርን ከምኡ እውን ባህሊ  ሃይማኖትን ንሰብ መናፍቅ የብሎዶ ትብሉ??።ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ይብል ቃል ኣምላኽ።(ሆሴእ4፡6)ካብቲ ዘገርም ብዙሓት ሰባት ስለጠቅሞምን ስለ ሞያኦምን ክብሉ።ነቲ ዘይምምሃር ህዝብና ኣብ ሃይማኖት ተጠቂሞም።ን መሳርሒ ሙዚቃ ከም መፍለዪ እምነት ክጥቀምሉን ክምህሩሉን ይፍትኑ ምህላዎም ርእሱ ዝኸኣለ ምትእቲታው ዘይ ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ትምህርቲ ኢዩ።ሰብ ተደልዩ ብ እቲ ክቡር ኣቦና ቅዱስ ያረድ ዝገደፈልና ተደለና ባዕልና ዜማን ግጥምን ገርና ብደስ ዝበለና መሳርሒ ሙዚቃ ገርና ክንዝምር ንኽእል ኢና።እዚ ፍጹም ኢዩ ንሰብ መናፍቅ ዘየብሎ።ከምኡ ተኾይኑ እዘን ኩለን ዝጠቅሰን ኦርቶዶክሳውያን ኣብየተ ክርስትያናት መናፍቅ ኢየን ማለት ኢዩ።ነዚ ሎሚ ብመሰረት ጭብጢ ክንርእዮ ኢና። ኣደ ቤተ ክርስትያና ዝኾነት ግብጺ ቤተ ክርስትያን መሳርሒ ሙዚቅ ትጥቀም http://www.youtube.com/watch?v=BziWchb-rsw።ናይ ሶርያ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን  ብኹሉ መሳርሒ ሙዚቃ መዝሙር ትጥቀም።http://www.youtube.com/watch?feature=player_detailpage&v=w9L7pRmScXA። ናይ ህንዲ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ብ ሙዚቃ ኢዩ ክሳዕ እቲ ቅዳሴ ዝካየድhttp://www.youtube.com/watch?feature=player_detailpage&v=ycs2lxM-WvE።ናይ ኣርማንያ ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ ተሪኢና እውን ከም...

ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ።

Image
                                                                              ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ።                                                           ስብከት ብ ኣቦና ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግሽ