4ይ ክፋል ይቅጽል ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት::

4ይ ክፋል ይቅጽል ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት ሰብ የእምሮ ኢና ፈላጣት ኢና ንህዝቢ ነስምዕ ኢና ህዝቢ ዘይንዓና ንመን ከይሰምዕ ኢሎም ብትዕቢት ተነፊሖም ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኣምላኽ ንሶም ብኾፎም ከለዉ ነቲ ህያው ቃል ብኻልእ ተነግሮም።(ማቴ23፡28-29)ቤቶም ድማ ዓንያ ተረፈት።ብናይ ሰጣን ምኽሪ ብትዕቢት ተታሒዞም ዘንጊዖም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ኮፍ ኢሎም ከለዉ ናይቲ ሽዑ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብ ኾፎም ከለዉ ።ኣምላኽ ናይ ህጻናት ልሳን ከፈተ ምስጋና ካብ ህጻናት ኣዳለወ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ ግን ተዓኒዶም ንምስጋና የሱስ እቲ ህያዎ ምጻር ስኢኖም ቀዘዝ ኢሎም ተረፉ ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን።ኣምላኽ ብትሑታት ዝግልገል ኣምላኽ ነቶም ዝተሓቱ ዝግለጸሎም ኣምላኽ ፡መንፈሱ ዝህቦም ምስቶም መቛሸሽትን ፡ጠበርትን ንነፍሶም ሊቃውንቲ ገይሮም ዝሓስቡዋን ዘይሓብር መስተንክራዊ ዝኾነ ኣምላኽ።ምስ ተጻረፍትን መጸለምትን ዘይመክር ኣምላኽ ኣሰራርሕኡ ፍሉይ ዝኾነ ኣምላኽ። ሎሚ እንበኣር ኣይንገራህ ከም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነገራት ከይፈሽለና።ዘይ ንሕና ኢና ንገብር ዘይ ህዝቢ ንዓና ኢዩ ዝሰምዕ።ዘይ ከምዚ ኢልና ከነስምዖ ንኽእል ኢና ኢልና፡ነፍሲና ከይነታልል።ኣብ ቅድመ ዓይኒና ንሕና ኮፍ ኢልና ከለና ዘሰንብድ ነገር ከይሰርሕ ቀዘዝ ከይንብል።ነዚ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ክብሩ ነዘንቱ ተኣቢና ግን ቤትና ዓንያ ክትተርፍ እታ መንግስቲ ኸኣ ንዝፈሪ ህዝቢ ከይትወሃብ ጥንቃቀን ምስትውዓልን ከዲሊየና ኢዩ።(ማቴ21፡43)(ሉቃ8፡18) ኩቡር ክርስትያን ን ሃዋርያት ልቦም ዘንቀደ ኣምላኽ ልብኻ ከንቅድን ኣጸቢቁ ክግለጸልካ ናብኡ...