Posts

Showing posts from April, 2013

4ይ ክፋል ይቅጽል ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት::

Image
4ይ ክፋል ይቅጽል ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት ሰብ የእምሮ ኢና ፈላጣት ኢና ንህዝቢ ነስምዕ ኢና ህዝቢ ዘይንዓና ንመን ከይሰምዕ ኢሎም ብትዕቢት ተነፊሖም ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኣምላኽ ንሶም ብኾፎም ከለዉ ነቲ ህያው ቃል ብኻልእ ተነግሮም።(ማቴ23፡28-29)ቤቶም ድማ ዓንያ ተረፈት።ብናይ ሰጣን ምኽሪ ብትዕቢት ተታሒዞም ዘንጊዖም ዝነበሩ ሊቃውንቲ ኮፍ ኢሎም ከለዉ  ናይቲ ሽዑ ዝነበሩ  ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብ ኾፎም ከለዉ ።ኣምላኽ ናይ ህጻናት ልሳን ከፈተ ምስጋና ካብ ህጻናት ኣዳለወ እቶም ፈላጣት ኢና በሃልቲ ግን ተዓኒዶም ንምስጋና የሱስ እቲ ህያዎ ምጻር ስኢኖም ቀዘዝ ኢሎም ተረፉ ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን።ኣምላኽ ብትሑታት ዝግልገል ኣምላኽ ነቶም ዝተሓቱ ዝግለጸሎም ኣምላኽ ፡መንፈሱ ዝህቦም ምስቶም መቛሸሽትን ፡ጠበርትን ንነፍሶም ሊቃውንቲ ገይሮም ዝሓስቡዋን ዘይሓብር መስተንክራዊ ዝኾነ ኣምላኽ።ምስ ተጻረፍትን መጸለምትን ዘይመክር ኣምላኽ ኣሰራርሕኡ ፍሉይ ዝኾነ ኣምላኽ። ሎሚ እንበኣር ኣይንገራህ ከም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነገራት ከይፈሽለና።ዘይ ንሕና ኢና ንገብር ዘይ ህዝቢ ንዓና ኢዩ ዝሰምዕ።ዘይ ከምዚ ኢልና ከነስምዖ ንኽእል ኢና ኢልና፡ነፍሲና ከይነታልል።ኣብ ቅድመ ዓይኒና ንሕና ኮፍ ኢልና ከለና ዘሰንብድ ነገር ከይሰርሕ ቀዘዝ ከይንብል።ነዚ ናይ ይሁዳ ኣንበሳ ክብሩ ነዘንቱ ተኣቢና ግን ቤትና ዓንያ ክትተርፍ እታ መንግስቲ ኸኣ ንዝፈሪ ህዝቢ ከይትወሃብ ጥንቃቀን ምስትውዓልን ከዲሊየና ኢዩ።(ማቴ21፡43)(ሉቃ8፡18)              ኩቡር ክርስትያን ን ሃዋርያት ልቦም ዘንቀደ ኣምላኽ ልብኻ ከንቅድን ኣጸቢቁ ክግለጸልካ ናብኡ...

3ይ ክፋል ይቅጽል ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት::

Image
3ይ ክፋል ይቅጽል ሆሳዕና ሻሙናይ (8ይ) ሰንበት  እቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ንግዲ ከም ንቡር ዝቆጸሩዎ ።ኣቦታቶም ቤተ ንግዲ ዝገበሩዎን ከምኡ ኢሉ ዝጸንሖምን ሓደ (50 )ሓሙሳ ዓመት ዘይምልእ ሰበኣይ መጺኡ ከውጽኦም ከሎ ከድንጽዎም ባህርያዊ እዩ።ስልምንታይሲ ካብኡ ብዕድመ ብትምህርቲ ኣብ ዓይኒ እቲ ህዝቢ ዝተራእዩ ሰባት ብዙሓት ስለ ዝነበሩ፡ ሊቃውንቲ ብኾፎም ሓደ ሓድሽ ነብዩ በዓል ናዝረት መጺኡ ዓገብ ኢሉ። እዚ ዓገብ ዝብል ዘሎ ደኣ መን እዩ ብምባል ድማ ኩላ ተገሪማ።ሎሚ እንበኣር ኣብ ቤተ ክርስትያና ንዝርኣዩ ጉዳያት ዓገብ ክንብል ከለና ንዝቀርበልና ስቅ በሉ ዝብል ቃል ክንግርሃሉ የብልናን። ቤት ኣምላኽ ቤት ኣምላኽ እዩ።ን ቤት ኣምላኽ ቤተ ፖሎቲካ ኣይትግበሩዎ መጋበሪ ረብሓ ኣይትግበሩዎ ከምታ ኣቦታትና ቅዱሳን ዘጽንሕዋ ደኣ ንኺድ ክንብል ጎይታ ሎሚ ብ መንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ይጽውዓና ኣሎ። ሓንቲ ቤተ ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ክትርአ ተኾይና  ውሽጣ ኩሉ ግዜ ክትፍትሽ ይግብኣ ስለምንታይ ኣምላኽ ብኹልንትናና ንጹሃትን ጽሩያትን ክንከውን ይደልየና።(ሮሜ12፡1)እንተኾነ ነገርና ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓይኒ ሰብ እኳ ነገራትና ክሽፈን ኣይከኣለን ዘሎ  ሓላፊ መገዲ ከም ዝስሕቀና፡ኮይና ንርከብ።ሎሚ ሰኣን ከመይ ኣለና ውሽጥና ንፍትሽ ጸላእትና ክምክሑልናን ብኡኡ ገይሮም ከሳቅዩን ይርኣዩ ኣለዉ።ሎሚ መሳርሒ ፖሎቲካ ዝኾኑ ኮይና ኣለና ነዚ ሕርሚ እዚ ሎሚ ከነውጽኦ ተዘይፈቲናን፡ ከምቶም ጎይታ ካብቲ ቤተ መቅደስ ከውጽኦም ከሎ ኣታ ግደፍ ዝበልዎን ተጸሊሉ እዩ  ዝብልዎን ነበሩ ።ነዚ ቃልዚ ንዘውጽኡ ተጸሊሎም እዮም።ኣይበሃልን ክንብል ተጀሚርና ግን ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮና እንመስልሲ ንዕኦም ነቶም ጠ...

2ይ ክፋል ሆሳዕና ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት

Image
2ይ ክፋል ሆሳዕና ሆሳዕና ሻሙናይ ሰንበት 8ይ ሰንበት ኣብ ኣርያም ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነ እትነብር ኣብ ሰማይ እትነብር ሰማያዊ ዝኾንካ መድሓኒና ህጂ ኣድሕን እንዳበሉ ዘመሩ።ካሊእ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ሮማውያን ብምንባሮም ካብ ናይ ሮማውያን ጽኑዕ ኣገዛዝኣ ኣድሕን ዝብል ናይ  ስጋ ሓሳብ ክኸውን ከሎ ፡በቲ ሓደ ወገን ድማ ካብ ናይ ነፍስን ስጋን ሞት ኣድሕን ማለቶም ነበረ።ኣብዚ ናይ ስምጋናኦም መዝሙር እንረኽባ ቃል ወዲ ዳዊት እትብል ክትከውን ከላ ንሱ መሲሕ ምዃኑ ህዝቢ ተረዲእዎም ከም ዝነበረ የመልክተልና፡(ማቴ12፡23።20፡23።20፡30፡22፡41፡9፡ ናይ ኣቦና ዳዊት መንግስት>> ማለትና ን ዳዊት ዝተዋህበ ናይ ተስፋ ቃል ምፍጻሙ የመልክት። ናይ እስራኤል መንግስቲ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ነበረት፡ናይ ሰብ ኩሉ ገዛኢ እግዚኣብሔር ዝለዝኾነ ካብ ኣዳም ክሳዕ ሳሙኤል ንህዝቢ ዝገዝእ ወይ ድማ ዝእዝዝ ዝመርሕ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር ዝኾነ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ግዜ ሳሙኤል ግን እቶም ህዝቢ ንጉስ ደለዩ ።ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡፭ - እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኩሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።፮ - ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።፯ - እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂሉ ቓሎም ስማዕ።1ይ ሳሙኤል8፡4-7። ሸመሎም ድማ። ንሳኦል ድማ ሸመሎም ጓሳ ኣድጊ ዝነበረ ሳኦል ድማ ሸመሎም። ንእግዚኣብሔር ዘይግ...

1ይ ክፋይ 8ይ ሰንበት ሆሳዕና

Image
1ይ ክፋይ                8ይ ሰንበት ሆሳዕና                                                                           ኣቅራቢ ቀሺ ሙሴ ሺሻይ   ኣብ ግዜ ቅዳሴ ሰዓት ዝንበብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስታት ዝንበብ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ኣንባቢ 1,ዕብ 9፡11 ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ ዲያቆን (ገባሪ ሰናይ) 2,ይ ጴጥሮስ 4፡1-12~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ዲያቆን 3, ግብሪ ሓዋርያት 28፡11-22~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ተሓጋጋዚ ካህን                       ስብከት እምኣፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳሎከ ስብሓተ በእንተ ጸላኢ ከመትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋኢ ናይ ዕለት ወንጌል ወንጌል የሓ 5፡11-13 ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ቅዳሴ                    ናይ ዕለት ትምህርቲ ኣብዚ ...

4ይ ክፋል ኦ ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!።

Image
4ይ ክፋል ኦ ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!! ። እወ ኣቱም ህዝቢ ኩሉኹም ኢድኩም ነቲ ናይ ክብሪ ንጉስ ዘርግሑ ረዲኤትና ካብኡ ኢዩ ዝመጽእ።(መዝ121፡2)ኣየ ትእዛዛቱ ሓሊና ተንኸውን ሰላምና ከም ወሓዚ ምዛረየ ነይሩ።ሎሚ ግን ንክርስቶስ ስለ ዝሓደግና ንክርስቶስ ስለ ዝረሳዕና ኣብ ሃገርና ፍጹም ሰላም የሎን።ኣብ ወጻኢ ተመጻእና እውን ሰላም የብልናን።ካብ ሃገርና ተወጻእና ሃገርና ንደሊ።ኣብ ሃገርና ተደልና ድማ ወጻኢ ንደሊ።ኩሉ ወዮ ኮይኑና።ኣብ ኩሉ ህይወትና ሰላም የሎን።ኣብ ሓዳርና ሰላም የሎን፡ ኣብ ማሕበራዊ   ህይወት ሰላም የሎን።ኣብ ኩሉ ንገብሮ ዕዮ ሰላም የሎን።ስምምዕ የሎን እዚ ድማ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝህበና ሰላም ከምቲ ዓለም እትህበና ሰላም ስለ ዘይኮነ ኢዩ። ( ዮሃ 14 ፡ 27) ትእዛዛት ኣምላኽ ዝሕሉ ህዝቢ ሰላሙ ከም ወሓዚ ጽድቁ እውን ከም ማዕበል ባሕሪ ይኸውን። ( ኢሳ 48 ፡ 18)እንበኣር ትእዛዛቱ እንታይ ኢዩ ኢልና መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ነብብ እሞ ሰላምና ከም ወሓዚ ክዛሪ ኢዩ።እቲ ጭራ ሰላም ኣብ ገዛና ክጅምር ክንርእዮ ኢና። ኣታ ብዛዕባ ኣምላኽ ግዲ ዘይብላ ረብሓ እዛ ዓለም እዚኣ ዘዐሸወካ ሎሚ እግዚኣብሄር ከተገልጊሎ ይጽወዓካ ኣሎ።ሎሚ ኣምላኽ ከተኽብሮ ይጽወዓካ ኣሎ።ርአ ሎሚ ህይወትን ሞትን ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ቕድመኻ እግዚኣብሄር ኣንቢሩ ኣሎ።(ዘዳ30፡15)ኣብ ቅድመኻ መንፈሳዊ መከራን ዓለማዊ ጣዕምን ኣንቢሩ ኣሎ።ኣብ ቅድመኻ ዓለማዊ ክብረትን፡መንፈሳዊ ውርደትን ኣንቢሩ ኣሎ።ኣብ ቅድመካ ዝሙቱን፡ቅድስናን ኣንቢሩ ኣሎ።ኩሉ ኣሎ ንስኻ ግን ሎሚ ህይ...

3ይ ክፋል ኦ ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!!።

Image
3ይ ክፋል ኦ ህዝበይ ሽግርካ ክሓጽር ናብ ኣምላኽ ኢድካ ኣልዕል !!! ። እስከ ነዚ ቃል ኣምላኽ ምስ ህይወትና ነናጻጽሮ።ትእዛዝ  እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ዝመጽእ መቅጻዕቲ።ቃል ኣምላኽ ግናኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተዘይትኣዘዝኩም ፡እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኹሉ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ንምግባር ድማ እንተ ዘይተጠንቀቕኩም እዚ ዝስዕብ ኩሉ መርገም ኪወርደኩም ኢዩ፡ከምኡ’ውን ከርክበኩም ኢዩ።(ዘዳ28፡15) ንዓይ ሓዲግኩም ክፉእ ስለ ዝገበርኩም ክሳዕ እትጠፍኡን ቀልጢፍኩም ክሳዕ እትጥእፍኡን ቀልጢፍኩም ክሳዕ እትጸንቱን ፡እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ተግባር ኢድኩም መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ኪሰደልኩም ኢዩ።(ዘዳ28፡20 እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ተሳዓርቲ ይገብረኩም ኢዩ።ብሓደ ክትመጽዎም ብሓደ መገዲ ክትከዱዎም ኢኹም።ብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ኻብ ቅድሚኦም ክትሃድሙ ኢኹም።ኩሎም መንግስታት ምድሪ ድማ ብኣኻትኩም ክስክሑ ኢዮም።ሬሳታትኩም ንኹሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ብልዒ ኺከውን ኢዩ።ዚሰጎም ከኣ ኣይክህሉን ኢዩ።(ዘዳ28፡25-29)ክትሕጸዩ ኢኹም ኻልእ ክዝርፍ ኢዩ።ቤት ክትሰርሑ ኢኹም፡ግናኸ ኣብኡ ኣይክትነብሩን ኢኹም።(ዘዳ28፡30)ዶ ኣይኮነን ዝብለና ቃል ኣምላኽ።ኩሎም ነገስታት ምድሪ ብኣና ዶ መሰክሒ ኮይኖም ኣየለዉን ኢዮም። እምበኣር ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሓቅኩም ተረርቲ ልቢ ስምዑኒ። ( ኢሳ 46 ፡ 12) ሃገርኩም ዝፍውስ፡ናብራኹም ዝፍውስ፡ህይወትኩም ዘዕርፍ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጥራሕ   ኢዩ እሞ ኢድኩም ናብኡ ዘርግሑ።ሰላምና ክበዝሕ።ኣምላኽ ሰላምን ፍቅርን ቅሳነትን ከውርደልናስ።ኣቱም ደቀየ እምበኣር ሕጂ ስምዑኒ፡ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሓቁ።ኣቱም...