2ይ ክፋል ወዲ ሰብ ምስ መጸ እንበዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ ኢዩ።(ሉቃስ18፡8)

2ይ ክፋል ወዲ ሰብ ምስ መጸ እንበዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ ኢዩ።(ሉቃስ18፡8) ብቀሺ ተስፋለም በራኺ ወዲ ሰብ ምስ መጸ እምበርዶ ኣብ ምድሪ እምነት ኪረክብ እዩ፧ ሉቃስ ወንጌል 18 ፡ 8 ናይ ልብና ሃረርታ ሎሚ ኮን ኣበይ ይኸውን፧ ቃል እግዚኣብሄር “ ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ። ካብኣ ድማ ንመድሓኒናን ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽበ ኣሎና።ፊልጵስዩስ 3 ፡ 20 ። እወ ሓቅዩ ግንከ ሃረርታ ልብና ኣበይ ኣሎ ሎሚ፧ 1. ኣብዛ ሓላፊ ምድራዊዶ ወይስ 2. ኣብ ሰማያዊ ሃብቲ ይኸውን፧ ምክንያቱ ልብና ዝያዳ ካልእ ክንሕልዎ ከም ዘሎና ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለና፡ “ ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሓልዎ ” ምሳ 4 ፡ 23 ኣብ ምድሪ ምዝገብካ ምግባር...