2ይ ክፋል ዕላማና ህይወት ንምርካብ ኢዩ!!!።

2ይ ክፋል ዕላማና ህይወት ንምርካብ ኢዩ!!!። ዕላማና ቅድሚ ምግላጽና ፡ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ እሞ ንበል።ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ?።ኢልና እንድሕሪ ሓቲትና ንሕና ህይወት ክንረክብ ኢዩ።ዕላማና ኸኣ ህይወት ክንረክብ ኢዩ።ካብዚ ወጻኢ ተዘይኮይኑ ዕላማና ምስ ዕላማ ኣምላኽ ኣይበኣስን ኢዩ።ስለዚ ድማ ኢዩ፡ኣምላኽ ንዓና ብ ድልየትናን ብምርጫናን ሞት ንዝሓረና ህዝቢ፡ከድሕን ስጋ ለቢሱ ኣብ ጸቢብ ማህጸን ሓዲሩ፡መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡ክውለድን ነቲ ሞት ንምድምሳስን ክመውት ዘዲለዮ። በዚ ድማ ሰባት ንኣምላኽ ዝፈልጡላን፡ ናብ ህይወት ትወስድ ድንኳን ኣምላኽ እንድሕነላ መርከብ ክትህልወና ን ቤተ ክርስቲያኑ ዝመስረታ። ቤተ ክርስቲያን ክንብል ከለና ከምቲ ንሕና ንርድኦ ወይ ዝመስለና፡እዛ ብእምኒ ዝተሃንጸት ህንጻ ጥራሕ ኣይኮነትን።ቤተ ክርስቲያን ክንብል ከለና፡እንክትርጎም ከሎ፡ብቀንዱ ክርስቲያናዊ መልእኽቱ ፡ቤተ ክርስቲያን ማለት ኣቅሌስያ ካብ ዝብል ግሪኻዊ ቃል ዝተወርሰ ኪኸውን ከሎ ትርጉሙ ድማ ማሕበር ወይ ጉባኤ ህዝቢ ክርስቲያን ማለት ኢዩ።ብክርስቶስ ዝኣምኑ ማሕበር ምእመናን ማለት ኢዩ።መሰ...