3ይ ክፋል መን'ዩ ቶኽላ!???::ፍትሐ ነገሥት ኣብ ዓንቀጽ ፳፫ (23)

3ይ ክፋል መን'ዩ ቶኽላ!???:: ፍትሐ ነገሥት ኣብ ዓንቀጽ ፳፫ (23) ካብ ካልኣይ ክፋል ዝቀሰለ ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፮ ካብዚ ተላዒሎም ወይ ተበጊሶም ቅዱሳን ኣቦታት የውሃንስ ኣፈወርቂ እሞ ካልኦት ቅዱሳን ኣቦታት ፪ ኣድለይቲ ነገራት ከም ዘድልዩ ተረዲኡ።ሓደ ካብኡ ድማ ከምቶም ዘይ ኣመንቲ ኣህዛብ ክንሓስብ ከም ዘይብልና። ሓደ ካብኣቶም ሕቡእ ኢዩ።ክንሓስብ ኣይግባኣናን ከምቶም ዘይኣመንቲ ፥ዘይኣመኑ ኣህዛብ ብኦሪታዊ ሕጊ(ዘሌ፩፭፥፩፡፴)፳፪፡፳፭) ከም ዝተኣዘዙ ምእመናን ርኹሳን ከምዝኾኑ ክንሓስብ ኣይግባእን።ኢሉ ኣዚዙ የውሃንስ ኣፈወርቅ ይብል ፍትሃ ነገስት። ካልኣይን ግልጽን ድማ ኣእምሮ ጠባይእ ፥ንማለቱ ኢዩ፤ ኣእምሮ ጠባይዕ ዘይብሎም ካብ ምኻኖም ዝተላዕለ፥እንሲታታት ኩላቶም ንጹሃን ኢዮም።ፈሊጥና ክንምግቦም ካብ ንደሊ ምምጋብ፥ከይንኽልከል፥ብዘይካ ደምን ተሓኒቁ ዝሞተን ንጣዖት ዝተሰዊአን ተዘይ ኮይኑ ኩሉ እንሲሳ ክንበልዕ ከም ዝግብኣና ይገልጽ። ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፰ ተደኣ ሪኢና ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ፲፬ ጥቅሲ፲፬ ዘላ ብምውሳድ ፍትኃ ነገስት( ሮሜ 14:14)ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ።ብምምጻእ ርኹስ ዝበሃል መግቢ ከም ዘየለ የረዱኡ ኣቦታቲና፤ታይ ዲያስ ንፍጣ ነገስት ኣይኣምኑልን ወይሲ ኣየንበቡዎን፧። ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፲በስ ፶ወ፪ቱ ተደኣ ሪኢና ዓንቀጽ ፪፫ ፍት ሃ ነገስት ዝኾነ ይኹን ጳጳስ ይኹን ቀሺ ዝኾነ ይኹን ዝብላዕ ወይ ድማ ብልዒ ርኹስ ኢዩ ኣይበል ይብል። ካበይ ዝመጸ ደኣሉ እዚ ርኹስ ኢዩ ኣይትብልዑ ኢልካ ምጉስጋስን ነቶም ይብላዕ ዲዪ ኢሎም ተሓቲቶም እወ ከም ልምዲ ንሕና ኣይንበልዕን...