Posts

Showing posts from May, 2014

3ይ ክፋል መን'ዩ ቶኽላ!???::ፍትሐ ነገሥት ኣብ ዓንቀጽ ፳፫ (23)

Image
3ይ ክፋል    መን'ዩ ቶኽላ!???:: ፍትሐ ነገሥት ኣብ ዓንቀጽ ፳፫ (23) ካብ ካልኣይ ክፋል ዝቀሰለ   ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፮ ካብዚ ተላዒሎም ወይ ተበጊሶም ቅዱሳን ኣቦታት የውሃንስ ኣፈወርቂ እሞ ካልኦት ቅዱሳን ኣቦታት ፪ ኣድለይቲ ነገራት ከም ዘድልዩ ተረዲኡ።ሓደ ካብኡ ድማ ከምቶም ዘይ ኣመንቲ ኣህዛብ ክንሓስብ ከም ዘይብልና። ሓደ ካብኣቶም ሕቡእ ኢዩ።ክንሓስብ ኣይግባኣናን ከምቶም ዘይኣመንቲ ፥ዘይኣመኑ ኣህዛብ ብኦሪታዊ ሕጊ(ዘሌ፩፭፥፩፡፴)፳፪፡፳፭) ከም ዝተኣዘዙ ምእመናን ርኹሳን ከምዝኾኑ ክንሓስብ ኣይግባእን።ኢሉ ኣዚዙ የውሃንስ ኣፈወርቅ ይብል ፍትሃ ነገስት። ካልኣይን ግልጽን ድማ ኣእምሮ ጠባይእ ፥ንማለቱ ኢዩ፤ ኣእምሮ ጠባይዕ ዘይብሎም ካብ ምኻኖም ዝተላዕለ፥እንሲታታት ኩላቶም ንጹሃን ኢዮም።ፈሊጥና ክንምግቦም ካብ ንደሊ ምምጋብ፥ከይንኽልከል፥ብዘይካ ደምን ተሓኒቁ ዝሞተን ንጣዖት ዝተሰዊአን ተዘይ ኮይኑ ኩሉ እንሲሳ ክንበልዕ ከም ዝግብኣና ይገልጽ። ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፰ ተደኣ ሪኢና ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ፲፬ ጥቅሲ፲፬ ዘላ ብምውሳድ ፍትኃ ነገስት( ሮሜ 14:14)ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ።ብምምጻእ ርኹስ ዝበሃል መግቢ ከም ዘየለ የረዱኡ ኣቦታቲና፤ታይ ዲያስ ንፍጣ ነገስት ኣይኣምኑልን ወይሲ ኣየንበቡዎን፧። ኣብታ ቁጽሪ ፰፻፲በስ ፶ወ፪ቱ ተደኣ ሪኢና ዓንቀጽ ፪፫ ፍት ሃ ነገስት ዝኾነ ይኹን ጳጳስ ይኹን ቀሺ ዝኾነ ይኹን ዝብላዕ ወይ ድማ ብልዒ ርኹስ ኢዩ ኣይበል ይብል። ካበይ ዝመጸ ደኣሉ እዚ ርኹስ ኢዩ ኣይትብልዑ ኢልካ ምጉስጋስን ነቶም ይብላዕ ዲዪ ኢሎም ተሓቲቶም እወ ከም ልምዲ ንሕና ኣይንበልዕን...

2ይ ክፋል መን'ዩ ቶኽላ!???::

Image
                    2ይ ክፋል                    መን'ዩ ቶኽላ!???:: እስከ ሃይማኖት ካብ እምነት ናብ ፖሎቲካ ይቅየር ኣሎ ዘበለትኒ ሓንቲ ነጥቢ ከቅርብ፥በብሓደ ስለዝቀርብ ኢየ፥እንበር ኩንታል ኢዩ ዘለኒ ኩንታል። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሰባኺ ይትንስእ እሞ ካህንዶ ንበሎ፤ካህን፥ኣብቶም ቅኑዕ ወንጌል ክምግብዎ ናትና ኢዩ።ዘጽድቅ እንበር ዘይተጻሕፈዶ ከይምህረና :ከይነግረና ኢሎም፥ኮፍ ኢሎም፥ክሰምዕዎ እዝኖም ጸልዮም ዝጽበዩ ነበሩ ህዝቢ፥ብምትንሳእ። ተጠንቀቁ ተኻሉ ይመጽኹም ኣለዉ፥፥ተሓድሶ፥ ሓሰማ ብልዑ ዝብሉ፥ካህናት ኢና ኣቅሽቲ ኢና ዝብሉ፤ሓሰማ ምብላዕ ኣይናይ ሃይማኖትናን ዉጉዝ ኢዩ፤ስለምንታይ ሓሰማ ጽዩፍ ስራሕ ዝሰርሑ፥ተጠንቀቁ: እዚኦም ክመጹ ኢዮም ኢሉ ዝተነግረሎም ፥መናፍቃን፥ሓሰማ ይብላዕ ኢዩ፥ ኢሎም ክምህሩኹም ንስኹም ከኣ ኣይናይ ኣቦና ኣይናይ ኣዴና ስቅ ኢልኩም ትሠምዕዎም ኣለኹም ።እንዳ በለ ነዞም ህዝቢ ኣብቲ ጻዕዳ ሓንጎሎም፥ክርዳድ እንዳ መልአ፥ሓሰማ ኣይትብልዑ ዝብል ትምህርቲ ናይ መናፈቃን ኢዩ ኢሉ፥ነቶም ብስጋ ዝጸልኦምን ዝቀንአሎምን ክወቅሶምን ህዝቢ ወይለይ መስቀል ዝሓዙ መናፍቃን እውንዶ ኣለዉ ኢዮም፥ኢሉ ፈሪሑ ክሽቅረርን፥ንዕኡ ግን ሓላይ እምነት ኢሉ ክንእዶን ዝገበሮ ኢዩ ዝነበረ ሰይጣናዊ ትምህርቲ ኢዩ። ። ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሕጊ ስርዓት ኣለዋ፤ነቲ ጽሩይ ጥንታዊ ስርዓት ግን እቶም ብ ኣፎም ንሕናስ ብዘይ ምውልዋል ስርዓት ...

፩ይ ክፋል (መን ዩ ቶኽላ!???::

Image
   ፩) 1ይ ክፋል                   (መን ዩ ቶ ኽላ!???:: ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ (ግብሪ ሃዋርያት/20:29/ ፳፥፪፱)ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ።ቄናን ነገር ዚምህሩ ካባኻትኩም ኪትንስኡ ኢዮም።ኢሉና ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ፤ካብ ደገ ኣይበለን ካብ ማእከልኩም ኢዩ ዝበሎም ነቶም ኣብቲ ሽዑ ዝነበሩ ክርስቲያናት።እዚ ቃል እዚ ሎሚ ንዓና እውን ይበሃለና ኣሎ ነዞም ኣብዚ ዘበን እዚ ኒነብር ሰባት። እስከ ንሕሰብ ምናልባሽ ተጠንቀቁ ካብ ተኻሉ ክንብል መዋእልና ተኻሉ ተቀይርና ክይንህሉ፤እስከ መገዲና ንፈትሽ ።መን ኢዩ ቶኽላ መንከ ኢዩ፤ካብቲ ሃዋርያ ቅዱስ   ጳውሎስ ዝጸሓፎ ወጻኢን ምስኡ ዝጋጮን ሰባት መታን ክስዕብዎ ቄናን ትምህርቲ ዝምህር ዘሎ።ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዘበነ መዋእሊሁ ከምዚ እንዳበለ ፤መደቡ ተዛረበ፤(፩ይ ቆሮንቶስ ፪፥፩፡፪)ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን።ይብል ቅዱስ ጳውሎስ;; መደብ ቅዱሳን እዚ ኢዩ ነይሩ፤ከመይ ገይሩ ሰብ ንኢየሱስ ክርስቶስ፥ጥራሕ ክፈልጥ ነበረ፤መቸስ ትግርኛ ኢዩ።ሎሚ ግን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ተሰቕለ ካልእ ነገር ክፈልጥ ዝምድብን ሰባት ክፈልጡ ዝሰብኽን ቄናን መገዲ ዝምህር ዘሎ ቶኽላስ መን ኢዩ፧፤ ቅዱስ ጳውሎስ ካልእ ንሰብኽ ኣሎና ኣይበለን፤ወይ ድማ ከምዚ ንውስኽ ኣሎና ኣይበለን...

ERITREA: NGOS MARK THE TWELFTH ANNIVERSARY OF GOVERNMENT CRACKDOWN ON CHURCHES IN ERITREA.

Image
For Immediate Release 23 May 2014 by Human Rights Concern Eritrea. ERITREA: NGOS MARK THE TWELFTH ANNIVERSARY OF GOVERNMENT CRACKDOWN ON CHURCHES IN ERITREA   Christian Solidarity Worldwide (CSW) joined members of the Eritrean diaspora, the British Orthodox Church and four NGOs from the United Kingdom (UK) and Ireland yesterday in a protest vigil outside the Eritrean Embassy in London marking the twelfth anniversary of the imposition of severe restrictions on churches in Eritrea. During the protest, Metropolitan Seraphim of Glastonbury spoke of the suffering of the Eritrean Orthodox Church, highlighting the plight of the ordained patriarch, Abune Antonios who was illegally deposed and has been under house arrest since 2006. Commenting on a recently released photograph of Patriarch Antonios that was taken clandestinely Abba Seraphim said that “although the government had stripped away his regalia, his authority and his freedom, they had not been able to take away his i...

ሱዳናዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ።

Image
 ሱዳናዊ  እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ። ኣብ ሃገረ ሱዳን እትነብርን፥ብትውልዲ ሱዳናዊት ዝኾነትን፥ ሰዓቢት ክርስቶስ ተኸታሊት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ዝኾነት ፥ ጋል 27 ዓመትን ናይ (8) ሾመንተ ወርሒ ጥንስን፥ ዘለዋን፥ኣዴ ወዲ 20 ወርሕን ዶግቶርን፥ ዝኾነት ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም  ይስሓቅ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ሱዳን ናይ ሚኢቲ ግርፋት ኩርማጅ ምስ ተገርፈት ድሕሪ ሕርሳ ብማሕነቅቲ ክትምወት፥ ንሞት ተፈሪዱዋ። እቲ ብ 16/5/2014 ዝወዓለ  ሰይጣናዊ እስላማዊ መጋባእያ፥ብኽልተ ነገር ኢዩ ከሲሱ ንኦርቶዶክሳዊት  ዶግቶር፥ዶግቶር ማርያም የሕያ ኣቅሪቡዋ። 1ይ፣ ካብ ምስልምና ናብ ክርስቲና ብምቅያራን 2ይ፡ክርስቲያን ሰብኣይ ብምምርዓዋን ኢዩ። ብትውልዳ ሱዳናዊት ዝኾነት እዛ ኣዴ, ብዘይካ ክርስቲያን ምኻን ካልእ ገበን ከምዘይብላን፥ነቲ ክርስቲያን ሰብኣይ ምምርዓው ግን፥ባርባራዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ  ክርስቲያን ብምምርዓውኪ ዙሙት ኢዩ፡ ክብል፥ ክብል ዕዉር ፍርዲ ሂቡ። ካብ ሃይማኖት እስልምና ናብ ክርስትና ብምቅያራን ዝሙት ብምፋጻምክን ኣብ ዝብል ክሲ ድማ፥እቲ ዕዉር ሕልና ዘይብሉ ቤት ፍርዲ፥ንስኺ ካብ ኣስላማይ ኣቦ ስለ ተወለድኪ ኣስላመይቲ ኢኺ ዋላ፥ ኣዴኺ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ትኹን፥ቀይርኪ እንበር ኣስላመይቲ ኢኺ፥ዝገበርክዮ ዲማ ገበን ኢዩ ኢልዋ ኣሎ። ። ስለምንታይ ካብ ኣስላማይ ተወልደ ዘበለ፥ኣስላማይ ኢዩ ይብል ቁርዓን ኢሉ  ክዛረብ ኣብ ዝፈተነሉ ንዘረብኡ "ኣነ ክርስቲያን ኢየ፥ንክርስቶስ ድማ የፍቅሮ ኢየ፡ነዚ ትብሎ ዘለኻ መሓመድ ኣይፈልጦን ኢየ።በቲ ትጽወዓኒ ዘለኻ ...
Image
መንዩ ተሓድሶ መን ኢዩኸ ዘይተሓድሶ ኣንባቢ ይመልሶ ፤፤ 1ይ ክፋል ብዙሕ ግዜ ሰሚዐ ኣለኹ፡ተሓድሶ ዝብል፡ምሕዳስ እንታይ ምኻኑ ኸኣ ክፍትሽ ተደረኽኩ፡ብፍላይ ድማ ንገለ ገለ ቁሩብ ወንጌል ንዝሰብኩን፡ስጉም ንዘበላ ኣብያተ ክርስቲያናት እውን ከምኡ ክበሃላ፥ ድማ ሰሚዐ ኣለኹ፡ክንደይ ሰባት እውን ተሓድሶ ክብልዎም ሰሚዐ ኣለኹ፡ተሓድሶ ንኸመይ ዝበሉ ከም ትወሃብ ክፈልጥ ድማ ነቶም ተሓድሶ ኢዩ፡ ኢሎም ሰባት ክጸርፉ ዝውዕሉ ክሓትት ተደሪኸ፡ኣይንሕደስን፥ከሕድሱና ደልዮም፥ንሱ ኢዩ ጸገምና ንዝብሉ ኮፍ ኣቢለ ምስ ኣዛራረብኩዎም፥ድማ ከሕድሱና ደልዮም፥ንሱ ኢዩ ጸገምና ክብሉ እውን ሰሚዐ ኣለኹ።እንተ ኾነ እቶም ተሓድሶ ኣይኮነን ዝብሉስ እንተስ ፈሊጦም እንተስ ኣይፈለጡን ተሓድሶ ኮይኖም ኢየ ዝረኸብኩዎም።ቁሩብ እቲ ከይተሓደሰ ዝጸንሓኒ ልቦም ጥራሕ ደኣ እንበር ፥ብክርስቶስ ሓድሽ ፍጥረት ዘይኮኑ ምኻኖም ጥራሕ እቲ ፍልልይ ድማ ረኺበዮ። እንታይ ኢዩ እቲ ተሓድሶ ዘብል ዘሎ ተበልና ድማ፥ተሓድሶ ማለት ብያረዳዊ ዜማ ገይሩ ዘይጥቀም ኢዩ ይብሉ፡ኣብቲ ማሕበር ማሪያም ኢና ዝብሉ ዘውጽእዎ መዐሸዊ ገርሂታት ዝኾነ ቪዶ እውን ርኣዩ ተሓድሶ ዝጥቀምሉ ኢሎም፡ነቲ ዘይ ያረዳዊ ዜማ ዝበልዎ፥ክኸሱ ይርኣዩ።ነቲ ንሶም ዝዝምርሉ ተረኣኹዎ ኸኣ ምስ ያሬዳዊ ዜማ ዘራኽብ ዘይብሉ።ወይለይ መን ደኣሉ ተሓድሶ ዝብል ሓሳብ ኣልዓልኩ እሞ ኣንባቢ ይመልሶ ዝብል ምስ መጸኒ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝመረጽኩ። እስከ ንርአ ኣየናይ ኢዩ እቲ ያሬዳዊ ዜማ ኣየናይ ኢዩኸ እቲ ዘይ ያሬዳዊ ዜማ፥ ኣብ ታሕቲ ተኻታተሉ።ንምኻኑ እዞም ከም ሰይጣን ዝኸሱ ንባዕሎም ዝትቀምሉ መዛሙር ያሬዳዊ ዜማ ኣይኮነን ።ከበሮ ትሪም ተበለት ዶኾን ኢዮም ያሬዳዊ ዜማ ኢዩ ኢሎም ህዝቢ ብምቲላል ንዝጸልእዎምን ንንፍዕ ዝበሉን ግን ክን...