1ይ ክፋል ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፍልካዮ እንታይ ኣሎ፧!!!።

1ይ ክፋል ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፍልካዮ እንታይ ኣሎ፧!!!። ብ ቀሺ ሙሴ ሺሻይ ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፈልካዮ እንታይ ኣሎ፧፡፡ ስለ ስም ኢየሱስ ተሰጊግካ ዶ ትፈልጥ፧ ተገፊዕካዶ ትፈልጥ፧ ስለ ስም ኢየሱስ ሽምካ ጸሊሙዶ ይፈልጥ፧ ስለ ስርዓትካ፡ ስለ ልምዲኻ ፥ስለባህልኻ፡ ስለ ስም ካልእ ቅዱሳን ይኹኑ፡ዘይቅዱሳን፡የጽድቁ ኢዮም ትብሎም፥ ኣይበልኩኻን ስለ ስም ኢየሱስ፧። ዝጠቀስናዮም ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዝኾኑ ሕቶታት ነዚ ኣብ ታሕቲ ዝጥቀስ ቃል ክርስቶስ ኣርእስቲ ገይርና፡ንህይወትና ኣብ ቅድሚ እዚ ጽሑፍ ገይርና ክንፍትሻ ይግባእ።ብመንፈስ ተደኣ ኣንቢብናዮን ኣስተንቲናዮን፡ህይወት ኣብ ምርካብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።(ሉቃስ 6:22)ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ነቲ መልሲ ንሕቶና ዝኾነ፡ ዘጻናንዓና ህያው መፍቀሪና መንበሪና፡ ኣብ ዝፋኑ ዘሎ ፡ ህያው ልዕሊ ልዑላን፡ጽድቅና፡ ትምክሕትና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ንስሙ። ታሪኽ እቲ ዘደንቅ ቅድመ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብዚ ምድሪ ብኣካል፡ዝነበረ ፡ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዘሳጋግረና ዘሎ፡፡ገሊኦም ነብይ ገሊኦም ጻድቅ ገሊኦም ከኣ ወዲ ኣምላኽ ገሊኦም ከኣ፡ኣምላኽ ኢሎም ዝኣመንሉ፡ገሊኦም ከኣ ኣነ ወዲ ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ሓቂ ተመስከረሎም፡ክቀትልዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ።መወዳእታ ድማ ሰባት ንሞት ፈሪዶሞ ኣብ መስቀል ዝወዓለ፡ኣምላኽን ሰብን ዝኾነ ፍጹም መድሓኒ፡ሰዓብቱ እውን ኣብዚ ምድሪ፡ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝተቀትሉን ዝተሰደዱን ፡ዝስደዱ ዘለዉን፡ ክሳዕ ህጅን፡ኣብዚ ምድሪ ስራሑን ታሪኹን ግብሩን፡ባህ ዝብልን ፡ ዘደንቅን ግኑን ኮይኑ ጌና ዝቅጽል ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና።እ...