Posts

Showing posts from November, 2014

1ይ ክፋል ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፍልካዮ እንታይ ኣሎ፧!!!።

Image
1ይ ክፋል ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፍልካዮ እንታይ ኣሎ፧!!!። ብ  ቀሺ ሙሴ ሺሻይ ስለ ስም ኢየሱስ ዝኸፈልካዮ እንታይ ኣሎ፧፡፡ ስለ ስም ኢየሱስ ተሰጊግካ ዶ ትፈልጥ፧ ተገፊዕካዶ ትፈልጥ፧ ስለ ስም ኢየሱስ ሽምካ ጸሊሙዶ ይፈልጥ፧ ስለ ስርዓትካ፡ ስለ ልምዲኻ ፥ስለባህልኻ፡ ስለ ስም ካልእ ቅዱሳን ይኹኑ፡ዘይቅዱሳን፡የጽድቁ ኢዮም ትብሎም፥ ኣይበልኩኻን ስለ ስም ኢየሱስ፧።   ዝጠቀስናዮም ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዝኾኑ ሕቶታት ነዚ ኣብ ታሕቲ ዝጥቀስ ቃል ክርስቶስ ኣርእስቲ ገይርና፡ንህይወትና ኣብ ቅድሚ እዚ ጽሑፍ ገይርና ክንፍትሻ ይግባእ።ብመንፈስ ተደኣ ኣንቢብናዮን ኣስተንቲናዮን፡ህይወት ኣብ ምርካብ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።(ሉቃስ 6:22)ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።ክብሪ ንስሙ ይኹን፡ ነቲ መልሲ ንሕቶና ዝኾነ፡ ዘጻናንዓና ህያው መፍቀሪና መንበሪና፡ ኣብ ዝፋኑ ዘሎ ፡ ህያው ልዕሊ ልዑላን፡ጽድቅና፡ ትምክሕትና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ንስሙ። ታሪኽ እቲ ዘደንቅ ቅድመ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣብዚ ምድሪ ብኣካል፡ዝነበረ ፡ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዘሳጋግረና ዘሎ፡፡ገሊኦም ነብይ ገሊኦም ጻድቅ ገሊኦም ከኣ ወዲ ኣምላኽ ገሊኦም ከኣ፡ኣምላኽ ኢሎም ዝኣመንሉ፡ገሊኦም ከኣ ኣነ ወዲ ኣምላኽ ኢየ ኢሉ ሓቂ ተመስከረሎም፡ክቀትልዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ።መወዳእታ ድማ ሰባት ንሞት ፈሪዶሞ ኣብ መስቀል ዝወዓለ፡ኣምላኽን ሰብን ዝኾነ ፍጹም መድሓኒ፡ሰዓብቱ እውን ኣብዚ ምድሪ፡ብዘስካሕክሕ ግፍዒ ዝተቀትሉን ዝተሰደዱን ፡ዝስደዱ ዘለዉን፡ ክሳዕ ህጅን፡ኣብዚ ምድሪ ስራሑን ታሪኹን ግብሩን፡ባህ ዝብልን ፡ ዘደንቅን ግኑን ኮይኑ ጌና ዝቅጽል ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና።እ...

“ኣይትጨነቕ!”

Image
 “ኣይትጨነቕ!” ንጭንቀት፡ ዝተጨነቐ ሰብ ጥራይ’ዩ ዝፈልጣ። ብጭንቀት ተወጢሩ ንዘሎ ሰብ፡ “ኣይትጨነቕ!” እንተበልናዮ፡ “ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ” ዝብል ብሂል ከምዘሎ፡ ጭንቀት ክንውስኸሉ እንተዘይኴንና፡ እንዓብሰሉ ነገር የብልናን። ጭንቀት፡ ፈቲኻ እተምጽኦ ስለዘይኮነ “ካብ ሎሚ ኣይጭነቕን’የ!” ኢልካ እንተወሰንካ’ውን፡ እቲ ጭንቀት ግን ብገለ ምምጻኡ ኣይተርፎን። “ሎሚ ሎምስ እቲ ቤተክርስቲያን ምኻድ’ውን ንባዕሉ ጭንቀት ይኾነኒ’ሎ ኣንቱም ሰባት። እቲ ሓደ ከምዚ እቲ ሓደ ድማ ከምቲ፥ ጭንቀት ከተራግፍ ኢልካ ኬድካ ዶ ወደይ ጭንቀት ተሰኪምካ ትመጽእ ኢኻ?!..” ዘጽሕፈኒ ዘሎ ምኽንያት ግን፡ ብዛዕባ ጭንቀት፡ ጭንቂ ንምዕላል ዘይኮነስ፡ ጭን ቀት ከነወግደሉ እንኽእል መገዲ ከምዘሎ ከበስረኩም ኢለ’የ፡ ብሽራተይ ትጥዓም ዶ ሓቀይ?!  “ማርታ ማርታ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጉህይን ኣለኺ፡” ዝብል ዘረባ ጐይታ’ሞ ንዘክር፡ ንነፍስና ኸኣ ኣብ ቦታ ማርታ ነእትዋ፡ (ሉቃ10፡41)። ዘየጨንቐና ኣርእስቲ ዳርጋ ከምዘየለ መቸም ንሰማማዕ ኢና ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። ገለ ብሕማም፡ ገለ ብስግኣት ሕማም፡ ገለ ብስእነት፡ ገለ ብብዝሒ ገንዘብ፡ ገለ ብብዝሒ ውላድ፡ ገለን ብስእነት ውላድ፡ ገለን ብግዝፊ ገለን ብቕጥኒ፡ ገለን ቤተክርስቲያን ብምኻድ ገለን ቤተክርስቲያን ብዘይምኻድ፡ ወዘተ። ዘዕርፍ እዩ ዘይተረኽበ እምበር ዘጨንቕሲ እንካ ብእግሪ ‘ያ ዑቕባይ እዩ ኮይኑ ዘሎ።  ጐይታና ናብ እንዳ ማርያምን ማርታን ምስ ኣተወ፡ ማርታ ኣጋይሻ ንምስትንጋድ ላዕልን ታሕትን ሸበድበድ ትብል ነበረት። ማርያም ግን ምሉእ ኣድህቦኣ ኣብ ጐይታ ጥራይ ብምግባር፡ ኣብ እግሩ ኮፍ ኢላ ቃሉ ንምስማዕ ሓረየት። ነዚ ዝረኣየት ማርታ፡ ቁጥዓኣ ሰማይ ይዓር...

ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ 3ይ ክፋል ካብ 2ይ ዝቀጸለ።

Image
ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ 3ይ ክፋል ካብ 2ይ ዝቀጸለ። “ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። “ጻድቕ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ ግናኸ ይትንስእ” ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ግን፡ እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፡ ሞት ተመንዩ’ኳ እንተነበረ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ግን መጺኡ ነቕኒቑ “ብላዕ” ከምዝበሎ ኢና ርኢና። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ፍጹም ምሕላል’ዩ ተሓሊሉ ዝነበረ’ሞ፡ ብመልኣኽ ተቐስቂሱ፡ ተኣምራታዊ መግቢ ተመጊቡ ክነሱ’ኳ፡ ክነቅሕን ክበራበርን ግን ኣይከኣለን። መሊሱ በጥ ከምዝበለ ኸኣ ርኢና። ይኹን እምበር፡ ሕጂ’ውን እቲ መልኣኽ ከኣ ነቲ መሊሱ በጥ ዝበለ፡ ዳግም ነቕኒቑ “ብላዕ” ከምዝበሎ’ውን ኣንቢብና። መወዳእታኡ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ  ሰብ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ፡ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ክኸይድ ከኣለ። ኣብ ከረን ኣምላኽ፡ ድምጺ ኣምላኽ ክስማዕ ባህርያዊ እዩ’ሞ፡ እንሆልኩም እቲ ብድኻም ተጠላቕዩ፡ ሞት ዝልምን ዝነበረ ኤልያስ ከኣ፡ ደጊምሲ ድምጺ ኣምላኽ ንምስማዕ ፈጺሙ ተዳለወ። ክብሪ ነቲ ኣብ ውርደትና ዝዝክረና፡ ኣብ ድኻምና ኸኣ ዘይሓድገና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን! ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል ይቕጽል፡- ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ መጸ እቲ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ዝመጸ ቃል፡ “ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ?” ዝብል እዩ። እዚ ቃል እዚ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ምዕራፍ፡ ክልተ ግዜ ተደጊሙ ተጻሒፉ ምህላዉ፡ ንርዝነት እቲ መልእኽቲ ብፍሉይ ከነድህበሉ የገድደና። “ዎ ዮናስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” መን’ዩ እሞ ሽምካ ዝሓወይ? “ባሃበሎም”፡ “ዎ ባሃበሎም፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” መን’ዩ እሞ ሽምኪ ...

ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ ካብ 1ይ ክፋል ዝቀጸለ ናብ 2ይ ክፋል ይቅጽል።

Image
     ኦ ኤልያስ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧  ካብ 1ይ ክፋል  ዝቀጸለ ናብ 2ይ ክፋል ይቅጽል። “ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። ቀዳማይ ነገስት ምዕራፍ 19 ኣንብቡ ኢለ እንድየ ተፈልየኩም ኔረ ሓቀይ?! ንስኹም ከ፡ ተስፋ ዘስንቕ ዶ ተስፋ ዘቝርጽ መልሲ ኢኹም ኣዳሊኹምለይ ዘለኹም?! “ክርስቲያን ተስፋ ኣይቈርጽን’ዩ!” ኢሉ ዝሰብኽ ዝነበረ፡ ንባዕሉ ተስፋ ክቘርጽ ክትርእዮ ከለኻ ኸኣ’ባ ክኸፍእ! እቲ ካብ ሰማይ ሓዊ ከምዝወርድ ዝገበረ፡ እቲ ንነብያት በዓል ዘጥፍአ፡ እቲ ዝናብ ከይዘንብ ንሰለሰተ ዓመትን መንፈቕን ሰማያት ዝረገጠ፡ ነቢዪ ኤልያስ፡ ‘ብምፍርራህ ኢዛቤል ሃዲሙ ኣብ በዓቲ ተሓቢኡ፡’ ዝብል ከተንብብ ከለኻስ፡ ተስፋ ኣየቍርጽን ዶ?! ብርግጽ፡ ነቲ ኣብ ቀረ ባ ዘሎ ጥራይ ዝርኢ፡ ዓቢ ኣገልጋሊ ክወድቕ ከሎ እንተረአየ፡ ብሓቂ ተስፋ ክቘርጽ ይኽእል’ዩ። ብዓይኒ እግዚኣብሄር ግን ኣይከምኡን። “ጻድቕ ሸውዓተ ግዜ ይወድቕ፡ ግናኸ ይትንስእ” እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ ጽሑፍ!” ነቲ ምውዳቕ ዘይኮነ እምበኣር፡ ነቲ ምትንሳእ ንጠምት እየ ክብለኩም ደልየ ዘለኹ… እስከ እቲ ኣብ ህይወት ነቢዪ ኤልያስ ዘጋጠመ ኸኣ ንርኣዮ። እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ፈርሀን ተዳህለን ፍርህን እምነትን ክልተ መጻርርቲ ነገራት ክንሰን፡ እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግን፡ ብዘረባ ኢዛቤል ተዳሂሉን ሰምቢዱን ክሃድም ከሎ ኢና ንርእዮ ዘለና። እወ፡ ነፍሱ ንኸድሕን ክብል፡ ንጊልያኡ’ውን ከይተረፈ፡ ረጥሪጡ ክሳዕ ዝኸይድ፡ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ እዚ፡ ንኹሉ ዕዮ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ክሃድም ከሎ ንርእዮ ኣለና። ብርግጽ፡ ነቲ “ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ” ዝብል...

ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧

Image
ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ 1ይ ክፋል  ብቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል  “ክላ ስቕ ኢልካ’ዩ!” ክትብለኒ ከላ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ነገር ክትዛረብ ምዃና ኣይሰሓትክዎን። ከም ግምተይ ከኣ ጉድ ክትዝርዝረለይ ጀመረት፡ ውድቀት ናይቶም ብዙሓት ናይ እምነት ጀጋኑ ኢልና እንምክሓሎም፡ መራሕትና ዝነበሩ፡ መማህራንና ዝነበሩ፡ ምርኡያትን ውሩያትን ዝነበሩ፡ ዝነበሩ.. ዝነበሩ… ዝነበሩ… ክንደይ ይጽልኣካ እዩ ደቀይ! ብዙሕ ከዛርባ ኣይደለኹን። ውዕለቶምን እቲ ኣቐዲሞም ዝገበርዎ ኣበርክቶኦምን ጠቕሊልና ዝረሳዕናዮ ኮይኑ ተሰምዓኒ። “ናብቲ ንቡር ጉዕዞ ህይወት ብኸመይ ክንመልሶም ይግባእ ኢልና እንተንሓስብ ዶ ኣይሓይሽን?” ብምባል ክገትኣ ፈተንኩ። ብቐሊሉ እትግታእ ሰብ ግን ኣይነበረትን። ሕመረት መልእኽቲ ናይዚ ሎሚ ተ ዳልዩ ዘሎ ጽሑፍ፡ ቅድም ንገዛእ ርእስና ደሓር ከኣ ነቶም ክንበጽሖም ዘለና ኣሕዋት፡ “ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ? ብዝብል ሕቶ: ነቶም ናብ መገዲ ህይወት ንኽንኣቱ ዝደረኹና’ሞ ሕጂ ግን ንባዕሎም ካብ ሕብረት ኣሕዋት ተኣልዮም ንዘለዉ፡ ስሊኦም ክንተግህ ዝድርኽ ትሕዝቶ እዩ። “እከለ፡ እቲ ውሩይ ዘማሪ ትፈልጦ እንዲኻ?” ኢሂ’ሞ ንሱ፡ “ሓዳሩ ፈቲሑስ ካልእ ተመርዕዩ ይበሃል ኣሎ?” ጉድ! “እከለ እቲ ውሩይ ሰባኺ ትፈልጦ እንዲኻ? እሂ’ሞ ንሱ፡ ብምትላል ገንዘብ ተኸሲሱ ኣብ ቤትፍርዲ እዩ ዝውዕል ዘሎ? ወይ ጉድ!! እታ መገላግልትና ዝነበረት እከሊት ትፈልጣ እንዲኻ? ኢሂ’ሞ ንሳ.. ገዲፋቶ ዝወጻላ ዓለማዊት ኮይና… ድሕርዚ ክጽመማ ኣይከኣልኩን። ካብቲ ናቶም ጉድ ናትክን ናተይን ጉድ ይኸፍእ፡ እዚ እናረአና ኣብ ክንዲ ንምሕጋዞም ናብ ምኽሳሶም ንጐዪ ስለዘለና… ዳርጋ ውድእ ኢሉኒ ከም ሓውሲ ቍጥዕ ኢለ ገናሕክዋ። ሰገጥ ትብል...