1 ክፋል እቲ ነዛ ዓለም ብገይጋ ተረዲእዋ ዘሎ ኤርትራዊ ግዳይ ከይከዉን ይፈርሕ ኣሎኹ።
1 ክፋል እቲ ነዛ ዓለም ብገይጋ ተረዲእዋ ዘሎ ኤርትራዊ ግዳይ ከይከዉን ይፈርሕ ኣሎኹ። ንተቃዋሚ ይኹን ደጋፊ ንነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዝተማህረ ይኹን ዘይተማህረ ኤርትራዊ ንዓለም ከይወሓጠቶ ክርድኣ ኢዩ። ንሽካዕ ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ መገድና ክርእዮ ከለኹ። እዛ ዓለም ብምዕራባዉን ምብራቃዉን ዓለም ትዕብለል ዘላ ኮይና፡ሕልሚ ክልቲኦም ድማ ከመይ ኢልና ባሮቶም ኮይና ንቅጽል ኢዩ።ከመይ ገይሮም ይምዝምዙና፡ነዚ እቲ ቅኑዕ ምዕራባዊ ህዝቢ ዝምስክሮ ኢዩ። ምብራቃዊ ፖሎቲካ ጎነጸኛን ጥበብ ዘይብሉን ገታርን ስለዝኾነ ንኸተለልዮኳ ቀሊል እንተኾነ፡ምዕራባዊ ግን ፍጹም ክልለ ዘይክእል ሓደገኛን ፡ንዘለልዮ ብዓንተቦ ተረዲኡ ዝቆጽን ኢዩ። ንምዕራባዉያን ፖሎቲከኛታት ደሞክራሲ ፍትሒ ንሰብ ዝህቡ ማዕርነት ዘንግሱ ንኹልኻ ሓደ ዓይነት ገይሮም ዝርእዩ ገይርና ኢና ንቀርጾም ግን ኣይኮነን። ከም ኣብነት፦ ምዕራባዉያን ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታትን ካብ፡ኤርትራ፡ካብ እታ ብሰሪ ኣመሪካ ዝፈረሰት ሶርያ፡ዒራቅ፡ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ስደተኛታትን ሓደ ገይሮም ኣይርእዩዎምን። እቶም ካብ ዩክሬን ወጻኢ ዝመጻእና፡ኣፍሪቃዉያንን ኤስያዉያንን ናብዚ ምዕራባዊ ዓለም ክንሕወስ ዝግበረልና ጸቅጥን፡ኣብ ልዕሌና ዝወርድ ተጽዕኖን ኣይቁጸርን ኢዩ። ካብ ሶርያ ዝመጸን ካብ ኤርትራ ዝመጸን፡ክንዮ ፖሎቲካ መሸቀጢ ኣብ ቅድመ ምዕታባዊ ዓለም ትርጉም የብሎምን።ዝልዓለ ትምህርቲ እንተ ሓቲቶም ዝልዓለ ሞያ ክመሃሩ እዉን በቲ መስርሕ ብመንፊት ክሓልፉዩ ዝግበር፡ካብ ዩክሬን ዝመጸ ግን፡ቋንቋ ጀርመን ዲዩ፡እንግሊሽ ወይሲ ፍራንስ ክመሃርኳ ኣይግደድን፡ኣብ መገዲ ክመሃሮዩ ዝብሃል።ተምሃሮ ተኾኑ ኣብታ ዘቋረጹዋ ክውጽሉዩ ዝግበር።ዶክተር ተኾይኑ ናብ ስርሑ ይኣቱ። ዝኾነ ዩክሬናዊ ኣውረጳ ምስ ኣተወ፡ዘድለዮ ...