Posts

Showing posts from February, 2024

1 ክፋል እቲ ነዛ ዓለም ብገይጋ ተረዲእዋ ዘሎ ኤርትራዊ ግዳይ ከይከዉን ይፈርሕ ኣሎኹ።

 1 ክፋል እቲ ነዛ ዓለም ብገይጋ ተረዲእዋ ዘሎ ኤርትራዊ ግዳይ ከይከዉን ይፈርሕ ኣሎኹ። ንተቃዋሚ ይኹን ደጋፊ ንነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዝተማህረ ይኹን ዘይተማህረ ኤርትራዊ ንዓለም ከይወሓጠቶ ክርድኣ ኢዩ። ንሽካዕ ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ መገድና ክርእዮ ከለኹ። እዛ ዓለም ብምዕራባዉን ምብራቃዉን ዓለም ትዕብለል ዘላ ኮይና፡ሕልሚ ክልቲኦም ድማ ከመይ ኢልና ባሮቶም ኮይና ንቅጽል ኢዩ።ከመይ ገይሮም ይምዝምዙና፡ነዚ እቲ ቅኑዕ ምዕራባዊ ህዝቢ ዝምስክሮ ኢዩ። ምብራቃዊ ፖሎቲካ ጎነጸኛን ጥበብ ዘይብሉን ገታርን ስለዝኾነ ንኸተለልዮኳ ቀሊል እንተኾነ፡ምዕራባዊ ግን ፍጹም ክልለ ዘይክእል ሓደገኛን ፡ንዘለልዮ ብዓንተቦ ተረዲኡ ዝቆጽን ኢዩ። ንምዕራባዉያን ፖሎቲከኛታት ደሞክራሲ ፍትሒ ንሰብ ዝህቡ ማዕርነት ዘንግሱ ንኹልኻ ሓደ ዓይነት ገይሮም ዝርእዩ ገይርና ኢና ንቀርጾም ግን ኣይኮነን። ከም ኣብነት፦ ምዕራባዉያን ካብ ዩክሬን ንዝመጹ ስደተኛታትን ካብ፡ኤርትራ፡ካብ እታ ብሰሪ ኣመሪካ ዝፈረሰት ሶርያ፡ዒራቅ፡ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ስደተኛታትን  ሓደ ገይሮም ኣይርእዩዎምን። እቶም ካብ ዩክሬን ወጻኢ ዝመጻእና፡ኣፍሪቃዉያንን ኤስያዉያንን ናብዚ ምዕራባዊ ዓለም ክንሕወስ ዝግበረልና ጸቅጥን፡ኣብ ልዕሌና ዝወርድ ተጽዕኖን ኣይቁጸርን ኢዩ። ካብ ሶርያ ዝመጸን ካብ ኤርትራ ዝመጸን፡ክንዮ ፖሎቲካ መሸቀጢ ኣብ ቅድመ ምዕታባዊ ዓለም ትርጉም የብሎምን።ዝልዓለ ትምህርቲ እንተ ሓቲቶም ዝልዓለ ሞያ ክመሃሩ እዉን በቲ መስርሕ ብመንፊት ክሓልፉዩ ዝግበር፡ካብ ዩክሬን ዝመጸ ግን፡ቋንቋ ጀርመን ዲዩ፡እንግሊሽ ወይሲ ፍራንስ ክመሃርኳ ኣይግደድን፡ኣብ መገዲ ክመሃሮዩ ዝብሃል።ተምሃሮ ተኾኑ ኣብታ ዘቋረጹዋ ክውጽሉዩ ዝግበር።ዶክተር ተኾይኑ ናብ ስርሑ ይኣቱ። ዝኾነ ዩክሬናዊ ኣውረጳ ምስ ኣተወ፡ዘድለዮ ...

አሓቲ ቤተ-ክርስቲያን፡ቤተ ክርስቲያን.

አሓቲ ቤተ-ክርስቲያን፡ቤተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ንኸይትመጽእ ብፖሎቲካ ዝግበር ጥርናፈ  ንቃወሞ። ድሕሪ ሕልፈት ብጹእ ወቅዱስ ቀዳማዊ እንጦንዮስ፡ብድሕሪኡ ድማ ድሕሪ ሽመት ኣቡነ ቄርሎስ ቤተ ክርስቲያን ብዘይፓትሪያርክ ኣብ ጉጅለታት ተኸፊላን እቲ ሓደ ጉጅለ ናቱ ንምጉልባት እቲ ሓደ ድማ ናቱ፡ ንምጉልባት ወራር ዘካይደላ ጎልጎል ኮይና ተሪፋ ኣላ። ንዓይ ኣገዳሲ ህጂ መጻኢ ሃይማኖትናን ህዝብናን ኢዪ።መጻኢ ቤተ ክርስቲያና ዉሑስ ዝኸዉን ድማ ብምሕረትን ይቅሬታን ዝርለና ምፍልላይ ቀስብቀስ እናቀረፍና ኣብ ሓደ ምዃንዩ። ጸላእቲ ኦርቶዶክስ ወይ ድማ ጸላእቲ መስቀል ጡርኑፋት ኢዮም።ዉሑዳት ንዓመታት ብስም ቤተ ክርስቲያን ጁበኦም ዘሕበጡን ትካላት ዝኸፈቱን ካህናት ክሕጎሱልናን ንኸየውቅዑናን ፈሪሕና ህዝብና ተበቲኑ ክነብር ክንፈቅድ የብልናን። እቶም ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጳጳሳት ዉጉዛት ኢዮም፡ንብሎም ዝነበርና ንርእስና ነቲ ትማሊ ዝበልናዮ ክሒድና ሓድሽ ድራማ ከም ሰማእቲ ዘይቅበሎም ዝብል ሒዝና ህጂ እዉን ንምኽፋላ ክንጓየን፡ንልክዕ ከም እቶም ኣብ ኣስመራ ዘለዉ፡ተወጊዞም ንብሎም ዝነበርና፡ኣቡነ ሲኖዳ ተዓሪቅና ክንብልን ነቲ ዉጉዝ ንብሎ ቃል ክንክሕዱ ብካህናትና 2 ቃል ክንዛረብን ተራኢና ኣሎና። እዚ ንገብሮ ዕንደራ ድማ፡ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይረብሕ ዘይሓትት ዓረብያ ስለዝቆጸርናዮን ኢዩ።የደለና ሎሚ ከነጥቅዕ ዉጉዝ ንብል ንሓደ መሳርሒና ክኸዉን ይኽሽልዩ ንብሎ ድማ ብጹዕ ዉጉዝ ኣይኮነን ንብሎ እዚ ኩሉ ለወጥወጥ ስብቲ ንመርሖ ኢና ንብሎ ህዝቢ ክብሪ ስለዘይብልናን ኢዩ።ተዘይከዉን ትማሊ ተወጊዞም ዝበልናዮም፡ሎሚ መልሓስና ክንልውጥ ኣምይተራእየን።ህጂ ግን እቲ ዉግዘት ስብ ሓደ ዝሰርሕ ኣብ ሓደ ድማ ዘይሰርሕ ኣይኮነን፡ናይ ኣጣል ይፍልሓ ናይ ኣሓ ይጽንሓ ዝብሃል የ...