ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና።
ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋና። ንዝኾነ ዝንበር ህያው ተፈጥሮ ምንባሩ መቀረት ክህልዎ ተኾይኑ ተስፋ ክህልዎ ኣልዎ።ተስፋ ዘለዎ ዝኾነ ብሕቂ ኩሉ ግዜ ኣይጽምሉን ኢዩ።ከም ኩሎም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝነብሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕሊ ኦም ከኣ ፡ንሕና ክርስትያናት ተስፋ ኣለና።ካብ ተስፋ ዝበልጽ ናይ ተስፋታት ተስፋ ወረ።ካብ ኩለን ፍልይ ዘብላ እዛ ተስፋ እዚኣ ኸኣ ናይ ዘልኣለም ሂወት ኢያ።(1ይ ዮሐ2፡25)ከምቲ ቃሉ”ኣህዛብ ብስሙ ተስፋ ክገብሩ ኢዮም”(ማቴ12፡21) ዝተባህለ ንሕና ካብ ወገን ኣህዛብ ክንስናስ ብስሙ ተስፋ ኣሎና።(መዝ131፡3)ንሕና እንበኣር ደቂ ተስፋ ኢና።(ገላ4፡28) ብሓቂ ኣብ ምድሪ ከም ዝበጽሓና መከራታት፡ ተስፋና ኣብ ምድሪ ጥራሕ ተዝኸውን ነይሩ።ኣብ ሰማይ ተስፋ ዘይብልና ተንኸውን ነይርና ነደንግጽ ምኾና ነይርና።(1ይ ቆሮ15፡19)ግን ዘይሓልፍ ተስፋ ኣምላኽ ሂቡና።ዋላካ መከራ ተበዝሓና ብቃሉ እነናሻዕ ንሕደስ።ንሕና ብዘይ ንፈልጦስ ንሱ ሓይሊ ይህበና፡ሓይሊ ይውስኸና፡ኣብ ውሽጥና ከም ብሓድሽ ንሕደስ።በዚ ተስፋ እዚ ኢና ኸኣ ንኹሎም ዝገጥሙና ስልጣናትን ፡ኩሎሞ ተጸባእትናን ክንስዕሮም ኢና ኢልና ንድምድም።ቅዱሳን እዚ ተስፋ እዚ ስለ ዝነበሮም ብእምነት ነገስታት ሰዓሩ(ዕብ11፡33) ዋላኳ መከራን ዘይንኽእሎ ኲናትን ኣንጻርና ተተገብረ ግን ንሱ ከም ዘድሕነና ተስፋ ስለ ንገብር ኣይዓጠናን።ዋላ ተሞትና እውን ናብ ኢዱ ክንኣቱ ምዃና ንፈልጥ።ሓደ ግዜ ብ 1986 ዓ/ም፡ሓንቲ ኣደ ብ መርከብ ናብ ጓለን ይጓዓዛ ነበራ ።እንተኾነ እታ መርከብ ሃንደበት ኣንፈታ ኣጥፍአት። ብርቱዕ ማዕበል ድማ የጋንፋ ።ኣብዚ ግዜ እዚ ኩሉ ሰብ ይበኪ ይጉሂ “ዋይ ኣደይ ዋይ ጓለይ” እንዳ በለ ይበኪ ፡ገለ ኸኣ ዝገብሮ ጠፊእዎ ነው ነጀው ቀልባዕባዕ...