ዓቢ ጾም ካልኣይ ሰንበት ቕድስቲ ትበሃል
ዓቢ ጾም ካልኣይ ሰንበት ቕድስቲ ትበሃል ዓቢ ጾም ቅድስቲ ትበሃል።መበገሲ ስሙ ያረዳዊ ክኸውን ከሎ፡ኣርእስተ መዝሙር ርእሰ ጾም ናይ ድጓ መኽፈሊ ኮይኑ ዝቀርብ ስም እዩ።ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትይን ን ኣምላኽ እትውድሰሉን ምስጋና እተቅርበሉን ስርዓት ኣለዋ ከምዚ ንሪኦ ዘለና።በዚ ድማ ስለ ክብረ ሰንበት ስለ እግዚኣብሄር ምሕረት ይዝመር ኣብ ቅዳሴ ግዜ ድማ መጻሕፍቲ ስለ ቅድስና ይስበኹ። ናይ ዕለቱ ምስባኽ ተሪኢና ከምዚ ይብል፡- እግዚኣብሔር ግና ሰማያት ገበረ፤ ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፤ ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። መዝ 96 ፡ 5-6 ። መዝሙር ዳዊት፡ - እግዚኣብሔርሰ ሰማያ ተ ገብረ፤ ኣሚን ወሰናይት ቅድሜሁ፤ ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ። Psalms:- “but the LORD made the heavens. Honor and majesty [are] before him: strength and beauty [are] in his sanctuary.” Psalms 96:5-6. ቅዳሴ፡- ቅ. ኤጲፋንዮስ ወንጌል ማቴ 7፡16-25። ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያረድ መዝሙር ፡- ግነዩ ለእግዚኣብሔር ወጸዉኡ ስሙ(ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ ስሙ ጸውዑ) ናይ ቅድሴ ሰዓት ዝንበብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ 1, 1ይ ተሰሎ 4፡1-13። ዲያቆን (ሰራዒ ድያቆን 2, 1ይ ጴጥ1፡13 ክሳዕ መፈጸምታ ...