ብብልዒ ኣይትሽጥ ቦኽርነትካ::
ጽወዐኻ ፍለጥ ሰማያዊ ዕድል
ውሉድነትካ ኣይትሽጥ ን ረብሓ ክትብል
ሓወይ ተጠንቀቅ ንዝሓልፍ ክትብል
ዘይ ሓልፍ ከይትኸስር መርገም ከይትቅበል
ብብልዒ ኣይትሽጥ ቦኽሩነትካ
ሸለል ኣይትበሎ መሰል ዉሉድነትካ
ን ኣምላኽ
ኣይተግህዮ ምስ ዓለም ወጊንካ
ኢየሱስ እዩ ዝሞተ ስለኻ እሱ ይሕሸካ
ሓቂ ሓዝ ክሕጎስ እቲ ዝሞተልካ
ሰማይ ይኹን መዝገብካ ሰባት
ኣብዘይረኽብዎ
ወገን ሓሶት ኣይትኹን ን ሓቂ ኣይተዕንዎ
ንግብሪ ኣምላኽካ ብ ክፋእ ኣይተዕንዎ
ነቲ ኣምላኽ ዝሞተሉ ሓውኻ ኣይተናሽዎ
ይርኢ እዩ ዘሎ ንንብዓቱ ኣምላኽ የጻናትዎ
ብኸምኡ ዝረኸብካዮ
ናይ ክርስቶስ ድሕነት
ሸለል ኣይትበሎ ሓወይ ከይትሕተት
ይኣክል ቀልድኻ
ጽባሕ ከይትሕተት
ሕብኡኒ ከይትብሎም ናይ ምድሪ ፍጡራት
ምስ መጸ ብሓይሉ ትገባሪ ተኣምራት
ቃሉ
ንምሑንኳል ኣይምሰልካ ብልሓት
ተጠቀመሉ ህጂ ተመለስ ትናይ ኣምላኽ ምሕረት
ኣበይሎ ክርስትናኻ ምልክት መለለይኻ
ብምንታይ ትመስሎ ነቲ ዝሞተልካ
መንዩ ዓጊቱኻ ኣንጻር ፈጣሪኻ ገይሩካ
ካብ ን ወንጌል ኣምላኽሲ ኮንትነት ኣምሪጽኳ
ተመለስ ሓወይ ህጅስ ይኣኽለካ
ብብልዒ ኣይትሽጥ ቦኽርነትካ
ሓላፊት እያ ዓለም ሓቂ ከይመስለካ
ኣበይ ኣሎ
ኣበይ ኣሎ ዕላመትካ ን ዘመሳስለካ ን ክርስቶስ
ንስካ ትቅልድ ን ኣገልገልቱ ትኸስስ
ስቀሎ ጥራሕ ድምጽኻ ብ ምውጋእ ሓውኻ እትሕጎስ
ኣብ
ጸለመ ትውዕል ን ሓሶት ከተንግስ
ብልሒ መሲሉካ ምስ ፈጣሪ ቅልስ
ቦኽርነትካ ኣይትሽጥ
በጃኻ ተመለስ
ዋጋ ተኸፊሉካ እዩ ንጹህ ደም ኢየሱስ
ኣይኹን መኽሰብካ ናይዛ ዓለም ክብረት
ጽቡቅ ምርጫ ሕረ ናይ ዘልኣለም ክብረት
ጽባሕ ከይትኽደን ናይ ዘልኣለም ሕፍረት
ቦኽርነትካ ኣይትሽጥ በይንኻ ኣይትሃውትት
ምድሓን የለን ፍጹም ብዘይ ወዲ ዳዊት
ብልሒ ኣይምሰልካ ትሑሉፍ ዕሽነት
መገድካ መርምር ምስ መገዲ ሃዋርያት
ዘየለካ ከይትኸውን ኣብ መገዲ ሂወት
ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
ወስብሓት ለእግዚኣብሔርetiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment