ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንህይወትንና ክንሓቶም ዘለና ሕቶታት። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እንታይ ኢዩ፡ዘድልየና!??። ከተንቢቡዎ ብምሕረት ኣምላኽ ይዕድመኩም።
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንህይወትንና ክንሓቶም ዘለና ሕቶታት። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እንታይ ኢዩ፡ዘድልየና!??። ከተንቢቡዎ ብምሕረት ኣምላኽ ይዕድመኩም። v ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ን ቤተ ክርስቲያን ዘድሊያ ውሽጥኻ ባዕኺኹ ።ካብቲ ጉንዲ ወይኒ ተጸንጺልካ ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲንካ ሕቆኻ ክሳዕ ከይትስበር ሰብ ዝፈርሓልካ ድንን እንዳበልካ በቲ ድማ ኣብ ምጽላም ሰብ እንዳ ወዓልካ ናይ ሓሶት ህይወት ምንባር።በቲ ከኣ ሰብ ከተታልል ኣነ ኦርቶዶክስ ኢየ ኢልካ ምሽቃጥ ዘይኮነስ። v ውሽጥኻ ፈቲሽካ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ምብካይ ፡ብምሕረት ኣምላኽ ከኣ ምሕጓስ ።ጻዕዳ መንፈሳዊ ህይወት ሒዝካ፡ብንስሓ ሰውነትካ ሓጺብካ ፡ኣነኸ መን ኢየ ኢልካ ነፍስኻ ብምፍታሽ የድሊ። · ብሓቂ ዶ ኦርቶዶክስ ኢየ??፡ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝነብረኦን ዝኽተልኦን ህይወት ዲዩ ዘለኒ??።ኢልካ ነፍስኻ ብምሕታት። · ጻውዒተይ ኣብዛ ምድሪ እንታይ ኢዩ ኢልካ ነፍስኻ ብምፍታሽ?። · ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዲየ ዘለኹ ዋላ ኣብ ሓሳብ ገዛእ ርእሰይ??። · ኣብ ሓሳብ ወንጌል ዲየ ዘለኹ ዋላስ ኣብ ሓሳብ ድርሰታት ሰባት??። v ዝብሎን ዝኣምኖን ዝኽተሎን ዘለኹ ብዓይኒ እቲ መሰረት እምነተይ ዝኾነ 81 ኣኃዱ መጽሓፍ ቅዱሥ ከመይ ኢዩ። ን መን የምልኽ? ን መን የገልግል??።ዝገብሮ ኹሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ዲየ ዝገብሮ።(1ይቆሮ10፡30) v ናበይ ኢየ ዝኸይድ ዘለኹ ብሓቂ ዲዩ ተረዲኡኒ ዝነብር ዘለኹ ዋላስ ሰባት ጥራሕ ብዝበሉኒ ኢየ??። ...