Posts

Showing posts from 2013

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንህይወትንና ክንሓቶም ዘለና ሕቶታት። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እንታይ ኢዩ፡ዘድልየና!??። ከተንቢቡዎ ብምሕረት ኣምላኽ ይዕድመኩም።

Image
ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ንህይወትንና ክንሓቶም ዘለና ሕቶታት። ኣብዚ ሓድሽ ዓመት እንታይ ኢዩ፡ዘድልየና!??። ከተንቢቡዎ ብምሕረት ኣምላኽ ይዕድመኩም። v ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ን ቤተ ክርስቲያን ዘድሊያ ውሽጥኻ ባዕኺኹ ።ካብቲ ጉንዲ ወይኒ ተጸንጺልካ ጻዕዳ ነጸላ ተኸዲንካ ሕቆኻ ክሳዕ ከይትስበር ሰብ ዝፈርሓልካ ድንን እንዳበልካ በቲ ድማ ኣብ ምጽላም ሰብ እንዳ ወዓልካ ናይ ሓሶት ህይወት ምንባር።በቲ ከኣ ሰብ ከተታልል ኣነ ኦርቶዶክስ ኢየ ኢልካ ምሽቃጥ ዘይኮነስ። v ውሽጥኻ ፈቲሽካ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ምብካይ ፡ብምሕረት ኣምላኽ ከኣ ምሕጓስ ።ጻዕዳ መንፈሳዊ ህይወት ሒዝካ፡ብንስሓ ሰውነትካ ሓጺብካ ፡ኣነኸ መን ኢየ ኢልካ ነፍስኻ ብምፍታሽ የድሊ። ·        ብሓቂ ዶ ኦርቶዶክስ ኢየ??፡ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝነብረኦን ዝኽተልኦን ህይወት ዲዩ ዘለኒ??።ኢልካ ነፍስኻ ብምሕታት። ·        ጻውዒተይ ኣብዛ ምድሪ እንታይ ኢዩ ኢልካ ነፍስኻ ብምፍታሽ?። ·        ኣብ ሓሳብ ክርስቶስ ዲየ ዘለኹ ዋላ ኣብ ሓሳብ ገዛእ ርእሰይ??። ·        ኣብ ሓሳብ ወንጌል ዲየ ዘለኹ ዋላስ ኣብ ሓሳብ ድርሰታት ሰባት??። v ዝብሎን ዝኣምኖን ዝኽተሎን ዘለኹ ብዓይኒ እቲ መሰረት እምነተይ ዝኾነ 81 ኣኃዱ መጽሓፍ ቅዱሥ ከመይ ኢዩ። ን መን የምልኽ? ን መን የገልግል??።ዝገብሮ ኹሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ዲየ ዝገብሮ።(1ይቆሮ10፡30) v ናበይ ኢየ ዝኸይድ ዘለኹ ብሓቂ ዲዩ ተረዲኡኒ ዝነብር ዘለኹ ዋላስ ሰባት ጥራሕ ብዝበሉኒ ኢየ??። ...

እንኮ ፍታሕ ነዛ ዓለም እዚኣ ።(2ይ ቆሮንቶስ 10:4)

Image
እንኮ ፍታሕ ነዛ ዓለም እዚኣ   ። (2 ይ ቆሮንቶስ 10:4)   ነዛ ዓለምም እዚኣ ፍታሕ ዝኾና።ብቅልጽመይ ኢልካ ትገብሮ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ዘይኮነስ ፡ብቅልጽም ኣምላኽ ተኣሚንካ እትገብሮ መንፈሳዊ ኲናት ኢዩ።እቶም ብ ስጋዊ ኪናት ንዓለም ከንበርክኹ ዝጸዓሩ ናይ ዓለምና ኪኢላታት ይኹኒ ፈላጣት ናይ ዘረባ ወሓለታት ጀጋኑ ሸትኦም ከይወዑ ኢዮም ጠፊኦም ከም እኒ ቄሳራት ሮም ። እቶም ብ መንፈሳዊ ኪናት ዝተቃለሱ ግን እቲ ከኣሊ ምስኦም ስለ ነበረ ።ተዓዊቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ስዒሮም ነቶም ዝቀትሉዎምን ዝሓርዱዎምን ነበሩ፡ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ክሳዕ ዝበኽዩ ብምግባር ን ሮም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጺጻር መንፈሳዊነት ኣእትዮማ ። ካብዚ ንመሃሮ ተሊዩ።ነገ ራት ዝዕረዩን ዝሰዓሩን ብ መንፈሳዊ ኲናት ደኣ እንበር ብ ስጋዊ ብ ፖሎቲካዊ ኲናት ወይ ድማ ብልሓታት ኣይኮኑን። ንምእማን ልቦም ደንጓይ ዝኾኑ ፖሎቲከኛታት ግን መስኪን ህዝቢ ዓለም ኣጆኻ ኣነ ኢየ ፍታሕ ዘምጽኣልካ።ኣነ ከርህወልካ ኢየ።እንደኣ ጨርሑ ብምምጻእ ፡ ምስኡ ተስቆርቆርቲ ብምምሳል ነቲ መስክን ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ዓለም ከም መሳርሒ ብምጥቃም ምልስ ኢሎም ምስኡ ከም ዘይጨርሑ ኢዮም ዘብክዩዎ። ሎሚ እንበኣር ነዛ ዓለም ፍታሕ ዝኸውን ንሃገርና ፍታሕ ዝኸውን ኢድ ኣምላኽ ጥራሕ ኢዩ።ንሕና ከም ሓደ ህዝቢ እምነትናን ትጽቢትናን ካብ ሓደ ኣምላኽ ኢዩ ክኽውን ዘለዎ። ደም ብደም ኢዩ ዝዓርፍ ሰላም ግን ብሰላም ይዓር...