1ይ ክፋል ቤተ ክርስቲያን ተጋግያ ዲና ንብል ዘለና፥ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ዲያ ተጋግያ፣ቤተ ክርስቲያን ተተጋግያኸ ትገድፋዶ ።
1ይ ክፋል ቤተ ክርስቲያን ተጋግያ ዲና ንብል ዘለና፥ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ዲያ ተጋግያ፣ቤተ ክርስቲያን ተተጋግያኸ ትገድፋዶ ። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተድኣ ሪኢና ከሰስቲ ሃዋርያትን ከሰስቲ ናይ እቶም ስዓብቲ ሃዋርያትን ዝጥቀምሉ ሲስተም መታን ኣርእስቲ ክቅይሩ፣ነቶም ደቂ ቤተ ክርስቲያን መጋላግልቶምን ወይ ድማ እተወለዶ ጓሶት ንምውቃዕ ሰይጣን ኣብ ልቦም ዘሕድሮ ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን መጺኦም ዝተዓደጉ መጺኦም ብስም ፖሎቲካ ገይሮም ኢዮም ሃገር ክሕዙ ኢሎም ወዘተረፈ ዝብሉ ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ብምኽሳስ ምጥላፍ ኢዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣይተጋገየትን ስለዘይተጋገየት ድማ ኢያ ኣብ ጸጽባሕ ሕሩያት ትፈሪ፣ግን ሰይጣን ክኣ በበዘመኑ ይበልዖም ምኽንያቱ እሶም ተሰዊዶም ኦድመ ስለዘይብሉ።እታ ብደም ክርስቶስ ዝጸረየት ቤተ ክርስቲያን ገይጋ ዘይብላ ጽፍፍትን ቅድስትን ኢያ።እንተ ትጋገ እዉን ንቤተ ክርስቲያን ተገልግላ ኢኻ እንበር ኣይትሓድጋን፣ተቅንዓ እንበር ከምቲ ገለ ከድዓት ዝገብሩዎ ገዲፍካያ ንዓማጺ ኣይትሃድምን። ዓመታት ኣስታት ድሕሪ ጉባኤ Chalcedon. እቶም ሓቅን ህይወትን ዝምህሩ ደቂ ቤተ ክርስቲያን በየ በትኡ ተሰዲዶምን፣ተንጋላቲዖምን፣ጥራህ ዘይኮነ ኣብታ ኣጽናፋዊት ቤተ ክርስቲያን ሓሶትን ክሕደትን ዝምህሩን ዝድግፉን ንሓቀኛ ወንጌል ብረቂቅ መልክዑ ብምቅያር ኣብ ማህበር ኣምላኽ ኣርተፍሻል ወንጌላትን ፍልስፍናታትን ዘተኣታትዉን ቦታ ስልጣን ረኺቦምን ኢዮም።ቁጽሪ ኣይነበሮምን። ስደት ቅዱስ ኣርሳንዮስ ብኽሓድቲ ዘይኣመንቲ ኣይነበረን ንዕኡ ዘሳደዱዎኮ ካህናት ወጳጳሳት ሰይጣን ንልቦም ዝወረሶ ኢዮም ነይሮም።ግን ንቤተ ክርስቲያን ኣይሓደጋን ማሕበር ኣይቀየረን።ከምዚ ገሊኦም ፈቀዶ ኣዳራሽ ክኾሉ የእጋሮም ደንብዩ ዘለዉ ስጋዉያን ፈተውቲ ነፍሶም መስቀል...
Comments