Posts

Showing posts from March, 2014

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል።ግብሪ ሃዋርያት 4:12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል።ግብሪ ሃዋርያት 4:12 ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። ዘመርቲ እውን ከምዚ ኢሎም ይዝምሩ ምድሓን ብ ኢየሱስ ኢዩ ብኻልእ የሎን። ትግርኛ ዓዲና መቸስ የሎን የሎን ኢዩ።የሎን ተተባሂልካ ክትጽበ የብልካን ሃሰውሰው ክትብል እውን የብልካን።ዋላኳ ኩሎም ሰበኽቲ ኣይኹኑ እንበር፡እ ቶም ንክርስቶስ ክነብሩ ዝደልዩ ሰበኽትን ዘመርትንስ ምድሓን ብኻልእ ከም ዘየለ ተዛሪቦምን ይዛረቡ ኣለዉን።ብዓቢኡ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ። ከመይ ገይሮምከ ምድሓን ብኻልእ ኣሎ ክብሉ፡ካብቶም 10 ትእዛዛት ኣይትሓሱ እንዳበለ።ምድሓን ብከምዚ ኣጋብብ ብከምዚ ሽጣራ ብከምዚ ምኽንያት ይርከብ ኢዩ ኢልካ ሚምሃር እንበር ንስልጣኑ ምምንዛዕ፡ክብሩ ምትንካፍ ፡ካልእ መድሓንቲ ምፍጣር፡ካልእ ወንጌል ምስናዕ።ገላትያ 1:8)ነቲ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ምፍሳስ ደም ምኽሓድ፡ነቲ ዝኣተወልና ኪዳን ብደም ካልእ ዘይኮነስ ብደሙ ብስም ካልእ ዘይኮነስ ብስሙ ኪዳን ምርካስ፡ኢዩ እንበር። ገለገለ መድሃኒተ ስጋ ወነፍስ ኢሎም ንፍጡራት ክጽውዑ ኸኣ ሰሚዐ ኣለኹ።ኖኦም ይምልከት እሞ ንመጽሓፍ ቅዱስዶ ክኽሕዶ።ኣቦታተይሲ እንበር ወልድ ዋህድ እንዳበሉ ኢዮም ተሰይፎም።ካብዚ ተሓሊፉ እውን ብዘይካ ኣምላጅነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ዓለም ኣይትድሕንን ዝብል መጽሓፍ ተሓቲሙ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክሽየጥ ርእየ፡ኣለኹ ወይ ሸቀጥ ኣነስ ብስም ማንም ክሽቅጥ ኣይደልን።ወይ ጉድ ደቀይ።ኣነስ ኣይገዝእን ምድሓን ብኻልእ የሎን እንዳ ተበሃልኩ።ኣብ ፈቀዶ ፈስቡክ፡ድማ ፎቶ ገርካ፡ክዝረብ ሪአ ኣለኹ፡ወይ ጸገም ።ነዚ መዝሙር ሰኣን ምስምዖም ዶኾን ይኾኑ። ኣነ እውን ምስ ዘማሪት ሓፍቲና ዘርፈ ምድሓን ብዘይካ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ።ብኻል...

5ይ ሰንበት ደብረዘይት ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን።

Image
          5ይ ሰንበት ደብረዘይት            ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን። እ ዚ ዕለት እዚ ብናይ ቅዱስ ያሬድ ኣጸዋዊዓ ወይ ኣሰያይማ ከም ዝቀደሙ ሰንበታት ደብረ ዘይት ክበሃል ከሎ፡ናይ ዘይቲ ጎቦ ወይ ድማ ናይ ዘይቲ እንባ ማለት ኢዩ።እዚ በሪኽ ጎቦ እዚ ካብ ኢየሩሳሌም ሓደ ኪሎ ሜተር ዝርሕቅ ኮይኑ፡ብ ኣግራብ ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ምስ ምዃኑ ካብ ኣውሊዕ ከኣ ዘይቲ ስለዝርከብ ኢዮም ከምኡ ዝበሊዎ። በዚ ቅኔ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግርማ ብኽብሪ (ብሞሎኮታዊ ስልጣን )ንፍርዲ ንናይ ዓለም ፍጻሜ  ከም ዝመጽእ  ንሃዋርያት ዝገለጸሉ ህሞት ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምድራዊ ስርዓት ክስዕር፡ነዞም ኣብዛ ምድሪ ዝነብሩ ኣባያት ብፍቅሪ እዛ ዓለም ተታሒዞም፡ንስግኦም ዝነበሩ፡ንስለ ሓላፊ ክብሪ ክብሉ ቃሉ ረጊጾም ዝነብሩ ነበሩ ድማ (ማቴ25፡41) ኣቱም ርጉማት ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኢሉ  ጉቡኦም ክህብን ክወቅስን። ነቶም ስለ ስሙን ስለ ቃለ ወንጌሉን ኣብዛ ሓላፊት ምድሪ ነቲ ዘይሓልፍ መንግስቲ  ንምውራስ ብጸበባን ብመከራን፡ስሞምም እንዳ ጸለመ፡ኣካሎም እንዳ ተሳቀየ ፡ብ ጸረ ክርስቶስን ወንጌሉን ካብን ናብን እንዳ ተሰጎጉን እንዳ ተጋላትዑን ፡ርእሶም ኣድኒኖም፡ ዝሓለፉ ፍቁራቱ ድማ ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ደሪዙ(ራእይ21፡4) ።(ራእይ5፡13)ሰማይን ምድርን ኣሕሊፉ (ማቴ 25፡34)ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት ፡ንዕኡ እቲ ኻብ ዓለም እተዳለወልኩም፡መንግስቲ ዉረሱ።  ኢሉ ናብቲ ዘዳለወሎም ናይ ዘልኣለም ሓጎስን ዕረፍትን ፍሰሃን ፈስታን ...

ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።(ኢሳ48፡18)

Image
ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ። ( ኢሳ 48 ፡ 18) ሓደ ዘፍርሓኒ ኣሎ ንሱ ድማ ንቃል ኣምላኽ ነንቢቦ ግን ኣብ ህይወትና ስልጣን ንኸልኦ ኣይንእዘዝን።ኩሉ ግዜ ቃል ኣምላኽ ንርኢ ክንዲ ግዜ ሂብና ነንቢቦ ሸለል ኢልና ከም ዘይምልከተና ፖሎቲካዊ ቃል ወይ መልእኽቲ ንሓልፎ።እረ ገሊእናስ ናብቲ ቃል ኣምላኽ ክንዲ   ንጥምት ናብቲ ጸሓኣፊኡ ኢና ንጥምት።ቃል ኣምላኽ ነንብብ ወይ ድማ ንርኢ ግን ኣይንእዘዞን። ( ማር :7 ፡ 6-7) ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብከንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል;; መልአኽቲ ሓደ ንጉስ ክንሰምዕ ስራሕና ገዲፍና ኣብ ሞስኮት ተለብጀንን ኣብ ኣኼባታትን እንዳ ተወጠምና።ንመልእኽቲ እቲ ሰማያዊ ናይ ነገስታት ንጉስ ዝኾነ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ዝኾነ እግዚኣብሄር ግን መልአኽቱ በቶም ልኡኻቱ ከመሓላልፍ ኣብ ዝጽወዓና ግዜን ቃሉ ንዑ ናባይ፡ተነስሑ፡ትእዛዛተይ ሓልዉ ኢሉ እንዳ ገዓረ ኣጽቅጥ ኣቢልና ብትዕቢት፡ብንዕቀት፡ንሓልፍ።ዘገርም ዘበን ኢዩ።ክትመሓር ክትሓዊ ክትፍወስ ኢሎሙኻ እውን ይእበ !!! ። ሎሚ እውን ኣምላኽ መልአኽቲ ኣለዎ።ደብዳበ ኣምላኽ ኢየ ከተንቢቡዎ ናባኹም ከብሎ ንሱ ድማ ሎሚ " ተፍቅሩኒዶ ??" ኢሉ ንኹላትና ይሓተና ኣሎ።ብሓቂኸ ነፍቅሮዶ ?? ።እወ ውይ ኣይፋሉን ቅድመ...