ምእዛዝ ህዝቢ ኣምላኽ፥ [ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ Get link Facebook X Pinterest Email Other Apps March 17, 2014 ምእዛዝ ህዝቢ ኣምላኽ፥ [ንእግዚኣብሄር ምእዛዝ ብ ቀሺ ዶግቶር ተኽለኣብ መንግስተኣብ Get link Facebook X Pinterest Email Other Apps Comments
1ይ ክፋል ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ዘይግባእ ዚምህሩ ምዕባስ ኣፎም ግቡእዩ።(ቲቶ 1 - 11 ) November 21, 2025 1ይ ክፋል ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ዘይግባእ ዚምህሩ ምዕባስ ኣፎም ግቡእዩ።(ቲቶ 1 - 11 ) "ሓጥያት ግበሩ ግን መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ኢኹም።"ኢልካ እዉን ዘረባ ኣሎ። ኣብዚ ዘመን ብዙሓት መስሓትን መጋገይትን ክህልዉ ከለዉ ግን ነዚ ንምንታይ ክምልሰሉ ተገዲደ፣ብረቂቅ ስሕተት ብስም ኢየሱስ እናሰበኸስ ሰባት ናብ ኢየሱስ ከይኣትዉ ይሓባብልን ይዓግቶምን ስለዘሎዩ። ዋላ ኣገልጋሊ ኦርቶዶክስ ኣይኹን ግን ነቲ ትምህርቱ ብዛዕባ ክርስቲና ይዛረብ ስለዘሎ ንሰባት መሊሹ ናብ ጥፍኣት ዝወስድ ስለዝኾነ ከስምዓሉ ውሽጠይ ይዛረብ ኣሎ።ንሱ ዝብሎ ዘሎ፣ብክርስቶስ ተድኣ ኣሚንኩም፣ዋላ ዘምዉ ስረቁ ቅተሉ ሓስዉ ባዕልጉ መንግስተ ሰማይ ክትኣትዉ ይከኣልዩ፣ምኽንያቱ ሓንሳእ ድሒንኩም ስለዝኾንኩም፣ብምባል ብቅድስና ክነብሩ ንዝሰብኩ ዋላ ደቂ ማሕበሩ ጰንጠ እዉን ይቃወምን የነኣእስን ። ክርስቲና ብእምነትን ብግብርን ኢሉ ይኣምን።ሰባት ይኣምኑ ነቲ ዝኣምንዎ ድማ ይገብሩዎ ግን ተዘይ ይገብሩ ኮይኖም ወይ ድማ በቲ ዝገበሩዎ ገይጋ ዘይጠዓሱን ዘይንስሑን ተኾይኖም ኣይኣመንትን ማለትዩ።እምነት ቃል ኣምላኽ እዉን ከምዚ ይብል ኢዩ።ያዕቆብ 2 - 19 -26)ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።20 ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ።ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ... Read more
ሱዳናዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ። May 18, 2014 ሱዳናዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ። ኣብ ሃገረ ሱዳን እትነብርን፥ብትውልዲ ሱዳናዊት ዝኾነትን፥ ሰዓቢት ክርስቶስ ተኸታሊት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ዝኾነት ፥ ጋል 27 ዓመትን ናይ (8) ሾመንተ ወርሒ ጥንስን፥ ዘለዋን፥ኣዴ ወዲ 20 ወርሕን ዶግቶርን፥ ዝኾነት ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ይስሓቅ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ሱዳን ናይ ሚኢቲ ግርፋት ኩርማጅ ምስ ተገርፈት ድሕሪ ሕርሳ ብማሕነቅቲ ክትምወት፥ ንሞት ተፈሪዱዋ። እቲ ብ 16/5/2014 ዝወዓለ ሰይጣናዊ እስላማዊ መጋባእያ፥ብኽልተ ነገር ኢዩ ከሲሱ ንኦርቶዶክሳዊት ዶግቶር፥ዶግቶር ማርያም የሕያ ኣቅሪቡዋ። 1ይ፣ ካብ ምስልምና ናብ ክርስቲና ብምቅያራን 2ይ፡ክርስቲያን ሰብኣይ ብምምርዓዋን ኢዩ። ብትውልዳ ሱዳናዊት ዝኾነት እዛ ኣዴ, ብዘይካ ክርስቲያን ምኻን ካልእ ገበን ከምዘይብላን፥ነቲ ክርስቲያን ሰብኣይ ምምርዓው ግን፥ባርባራዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ክርስቲያን ብምምርዓውኪ ዙሙት ኢዩ፡ ክብል፥ ክብል ዕዉር ፍርዲ ሂቡ። ካብ ሃይማኖት እስልምና ናብ ክርስትና ብምቅያራን ዝሙት ብምፋጻምክን ኣብ ዝብል ክሲ ድማ፥እቲ ዕዉር ሕልና ዘይብሉ ቤት ፍርዲ፥ንስኺ ካብ ኣስላማይ ኣቦ ስለ ተወለድኪ ኣስላመይቲ ኢኺ ዋላ፥ ኣዴኺ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ትኹን፥ቀይርኪ እንበር ኣስላመይቲ ኢኺ፥ዝገበርክዮ ዲማ ገበን ኢዩ ኢልዋ ኣሎ። ። ስለምንታይ ካብ ኣስላማይ ተወልደ ዘበለ፥ኣስላማይ ኢዩ ይብል ቁርዓን ኢሉ ክዛረብ ኣብ ዝፈተነሉ ንዘረብኡ "ኣነ ክርስቲያን ኢየ፥ንክርስቶስ ድማ የፍቅሮ ኢየ፡ነዚ ትብሎ ዘለኻ መሓመድ ኣይፈልጦን ኢየ።በቲ ትጽወዓኒ ዘለኻ ... Read more
ኣቱም ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ዝበጽሓኩም ዘሎ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ እሞ ባህ ይበልኩም ጽቡቅ ምርጫ!!!።(ወንጌለ ማቴዎስ5፡12) June 11, 2013 ኣ ቱም ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ዝበጽሓኩም ዘሎ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ እሞ ባህ ይበልኩም ጽቡቅ ምርጫ!!!።(ወንጌለ ማቴዎስ5፡12) ነ ቶም ስለ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ ዝወርዶም ዘሎ ኣጆኹም ኢለ ከተባብዓኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዓይ እውን ተኻፋሊ እቲ በረኸትኩም ኪከውን እንዳ ተመነኹ ባህ ይበልኩም ይብለኩም። ኣየ ዕድል ጽቡቅ ዕድል በጺሑኩም ዘሎ። ነቶም ስለ ስሙ መከራ ዘይበጽሖም ድማ ነዚ መከራ እዚ ሃረር ክብሉ እጽውዖም።ብሓቂ እቶም ብተፋላለየ መከራ ትሓልፉ ዘለኹም ተዓውትኩም ደጋጊመ ክብል መንፈሳዊ ትብዓት ይስሞኣኒ።ንሱ ብግርማ ክግለጽ ከሎ ሽዑ ኣምሰያ መከራኦም ክድበሱ፡ርእዮሞን ሰሚዖምን ዘይፈልጡ ክሕጎሱ ብብርሃን ክመላለሱ ኢዮም።ስለምንታይ ሲ እቲ ጽሑፍ፡(1ይቆሮ2፡9) ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል። ምቁራተይ ፍቱዋተይ ብሓቂ ኢኹም ዕድለኛታት ዕጫ ቅዱሳን ዝበጽሓኩም ቅዱሳን ነዛ ስም እዚኣ ኣብ ቅድሚ እኩያት ዓየይቲ እንዳ ተጸረፉ እንዳ ተሰጎጉ ዘሎ መከራ እንዳበጽሖም ኢዮም ነዚ ሰቢኾሞን ነዛ ስም እዚኣ ልዕል ክትብል መስኪሮምን፡ ተሰጊጎም ኣይሰጎጉን ተጸሪፎም ኣይጸረፉን፡ ተኸሲሶም ኣይከሰሱን። ሎሚ ንስኹም እውን በዚ ስማዊ ክርስቲና ሒዙ ንሰጣን ዘገልግልን መሳርሒ ሰጣን ዝኸውንን ወለዶ ንዝበጽሓኩም መከራ ክትግረሙሉ ኣይግብኣኩምን። ቅዱሳን ንስለ ስሞም ወይ ንስለ ስም ካሊእ ቅዱስ ወይ ንስለ ስም ዝኾነ መልኣኽ ዲዩ ነብይ ዘይኮነስ ንስለ ስም ክርስቶስ ኢዮም ዘሎ መከራ ዝበጽሖም።ነዛ ስም እዚኣ... Read more
Comments