ድራማ ኣባ ሉቃስን መንግስቲ ኤርትራን ብህይወት ብጹዓን ጳጳሳትን ቅዱስ ፓትሪያርክን ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን።

ድራማ ኣባ ሉቃስን መንግስቲ ኤርትራን ብህይወት ብጹዓን ጳጳሳትን ቅዱስ ፓትሪያርክን ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን። ኣብ ዘመና ብዙሓት ኣመንትን ዘይኣመንትን ክርስቶስ ኣጽራርን ዘይኣጽራርን ክርስቶስ መጺኦም ኢዮም፡ግን ከቶ ከም ኣቡነ ሉቃስ ዝበሉ ናይ ዘመና ኣሬመንን ጨካንን ኣስኬማ ቅዱሳን ወድዮም ኣብ ውሽጢ ግን ፖሎቲካን ረብሓን ተጎልቢቦም ኣብ ልዕሊ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝገብርዎ ክፋእን ተንኮልን ጉርሕን እዚ ኢልካ ኣይግለጽን። ኣባ ሉቃስ ዋላኳ ነዚ እከይ ሓሳቦም ሓቢኦሞ ክኸዱ ተፈተኑ ድሕሪ ፡ናብ ምዓርገ ጵጵስና ሚምጸኦም ግን ግልጺ ክኸውን ኢዩ ተራእዩ።ኣብቲ ፈለማ ኣንታ ናበይ ደልዮም እዞም ሰብኣይ ክንብል ከለና፡ርኤኹም ነዛ ሃይማኖት ከፍሪሱዎ ኢሎም ኢዮም ዝቃወሙኒ ዘለዉ ኢሎም፡ክጉስጉስ ዝረኣዮም ሰብ ዋእ ዞም ሰብኣይ ኣንታ ቅኑዕ ኢዮም፡እንታይ ኢኹም ትብልዎም፡ዝብሉ ደቂ ገርሂ ልባ እውን ኣይተሳእኑን።ድሓር ነቶም ጵጵስና ዝሃቡዎም ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ብምዃን ካብ ስልጣኖም ከውሪዱዎም ክጉስጉሱን ናብ እንዳ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጠታን ክመላለሱ ዝረኣዩዎም ሰባት ዋእ እዞም ሰብኣይ ንሕና ንጹህ ኢዮም ሓቀኛ ኢዮም ንብል ነይርና ህጂ ግን ካሊእ ድሕሪ ባይታ ግዲ ኣለዎም ኢዩ ክብሉ ተራእዮም። ኣባ ሉቃስ ነቶም ጵጵስና ዝሃቡዎም ዝባረኹዎም መናፍቅ ኢዩ፡ኢሎም ክጉስጉሱ ተራእዮም።ግን ህዝብና ገርሀኛ ብምዃኑ እሞ ድማ ሓደ መነኮስ ይሕሱ ኢዩ፡ኢሉ ስለዘይግምት ኣብቲ ፈለማ ንቃላቶም ነቲ ዝብልዎ ሓሶት ፡ዋላ ይእመኖ ደኣ እንበር፡ግን ነቲ፡እሞ መናፍቅ ተደኣ ኮይኖም ደኣሞ ንስኹም ክህነት የብልኩምን መናፍቅ ዝባረኹ መናፍቅ እንደኣሉ ፡ከመይ ገርኩም ደኣ ንስኹም ትባርኹን ትቅድሱን ዝብል ሕቶ ኣይተሰወሮን። ኣባ ሉቃስ ድሕሪ ፓትሪያርክ ም...