1ይ ክፋል ብሽም ዕርቂ ንዒ ወንጌል ሕቀቂ።

1ይ ክፋል ብሽም ዕርቂ ንዒ ወንጌል ሕቀቂ።

ኣብቲ ዝዕዘቦ ናይ ኤርትራዉያን ዉሉደ ክህነት ካህናት ወዲያቆናት ድራማ፣እናሓደ ሻብ አርምመኒዩ።ንወንጌል ንኸይትእዘዝን ካብ ሓቂ ከተንደልህጽ ዝግበር ኣበስ ቀደስን እግዚኦ ኢዩ፣ዘብል።ገለ ኤርትራዉያን ዉሉደ ክህነት ወንጌል ክሰብኩን ክማጻደቁን ትርእዮም እሞ፣ድሓር ግን ጽንሕ ኢሎም`` እንታይስያ ይሶስዕሞ ኣብ መንግኡ ጥልዕ'' ከም ዝብሃል፣ ብክልተ እግርኻ ምሕንካስ ፣ኣብ መንጎ ጥልዕ ይርአ።

ካብዚ ዘስደሚም ርእሰ ምትላልን ንህዝቢ ምትላልን ንምስህሓብ ስርዓት ቤተ ክርስቲያንን ፣ምክሓድ ቃል ኣምላኽን ከም ጽልኢ ክልተ ሰለስተ ሓይልታት ገይርካ ምቅራብ ኢዩ።ብክልቲኡ ዝርአ፣ከምኡ እዉን ዝፈላልየካ ኣብ መንጎ ኣማንን ዘይኣማንን ምዃኑ ክንዲ ምብራህ ከም ተበኣስካ ኣምሲልካ፣ተዓሪቅና ተዓረቁ፣ኣይተዓረቅናን፣ሃለውለውዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘለዉን ኣብ ወጻኢ ዘለዉን፣ክዕረቁ ደልዮም፣ኣቡነ ሲኖዳዶ ኣቡነ መቃርዮስ ክዕረቁ ኢሎም፣ቀሺ ክስቶ ምስ ቀሺ ክስቶ ተዓረቁ ኣይተዓረቁን። እዞም ቃላት እዚኦም ካብቲ ሓቂ ኣውጺኦም ንህዝብና ህይወት በረኸት ርእሰ ፍተሻ ንኸይርከብ ኣዒንቱ ንምዕዋር እተኣከቡ ብቱኽ ሕልና ዘለዎም፣ሰባት ዘዳለዉዎም ናይ ጠቅማ ጠቅሚ መእከቢ ኣንጎሎታት ኢዮም።የሽክዕ ኣለኹ ዝበለ ካብ ሓቂ ክኹብሊልን ጅቡኡ ምስ መልአ ወይ ድማ ምስ ዘይሰለጦ፣ድማ ንድሕሪት መምለስን ይጥቀመሎም።
ኣነ ንኹን ከምዚ ከማይ ካብ ኤርትራ ክሳዕ ኣብዚ ዝበልናዮ እንተ ነይሩ ስርዓት ናይታ ቤተ ክርስቲያን ይጥሓስ ብፍላይ ድማ ቀኖና እታ ቤተ ክርስቲያን ይድምሰስን ሕግን ስርዓትን እታ ቤተ ክርስቲያን ጥሒስካ ምንባር እልመድን ኣሎ፣ስለዝስ መፍረስቲ ስርዓት ብነስሓ ተመለሱ፣እቶም ፓትሪያርክ እዉን ናብ ቦተኦም ይመለሱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነገልግል ሰባት ኣብነት ፍቅርን ምክእኣልን እንበር ኣብነት ሕጊ ምጥሓስ ምዉንጃል ክንከዉን የብልናን ዝብል ኢዩ።
ፓትሪያርክ ተኣሲሮም፣ካህናት ተኣሲሮም ዲያቆናት መነኮሳት ድማ ብከምኦም ዝበሉ ኣሕሊፍካን ዘይገበርዎ ሓሶት ኣሳቢሕካ ብምሃብ ንሕልፈት ብዘይ ፍርዲ ተወንጂሎም፣ተዋሂቦም።
እቶም ነዚ ዝገበሩን ነዚ ይገብሩ ነይሮም ገበን ምግባር ኣድኪምዎምን ሰልችዩዎምን ምስ ኣቦና ኣሎና ዝበሉ ኣብ መወዳእታን ኩሎም ማለተይ ኣይኮንኩን ግን ኣብዝሓ ግን፣ነዚ ናበይ ኢዮም ጠውዮሞ ከም ባእሲ።ቀኖና እታ ብቤተ ክርስቲያን ሓልዉ ዉጉዛት ኢኹም ብውጉዛትኩም ኣይትቀድሱ፣ተተባህለ ክንዲ ነስሓ ፍድቀዶ ግብጽን ኦርየንታልን ኣበይ ኣለዉ እናተባህለ ፖሎቲከኛታት ኣምሪሕካ መዓጹ ከምዚ ከማኻ ሰባት ምኹሕኳሕ።
ገለገለ ሰባት ክረኽቡኒ፣ ምስ ሲኖዶስ ኤርትራ ክንዓርቀካ እቶም ናይ ቀደም ጳጳሳት ኣቦታትካ ዝፈልቱኻ ከይሞቱ፣ እንታይ ገደሰካ ብጣዕሚ ኢዮም ዘፍቅሩኻ፣ክሳዕ ህጂ ብዛዕባኻ ሕማቅ ክዛረቡ ኣይስምዑን፣ ይብሉ፣በቲ ሓደ ክኣ ገለገሊኦም ምስ እናዳባሽኖዳ ተዓሪቅኩምዶ ክብሉኒ አርሚመኒ ኢዩ።እቲ ኣቦ ሓሶት ርእሶም ስለዝመልኦ ኢዩ። ኣበይከ ተራኺብና ክንጻላእ።ዘይተበኣሰዶ ይዕረቅዩ።
ባእሲ እንታይ ማለት ኢዩ።ተድኣ ተባኢሰ ኣልየ ምዕራቅን ዘይምዕራቅን ዘይኮነስ ባእሲ ሓጥያት ስለዝኾነ ክገብሮ ዘለኒ ምንሳሕዩ።ካህናትዶ ይበኣሱ ኢዮም ከይበልና፣ክርስቲያናትዶ ይበኣሱ ኢዮም፣ተድኣ ዝበኣሱ ኮይኖም ኣመንቲ ኣይኮኑን።ኣነ ኣብቲ ፈለማ ቀኖና ይጥሓስ ኣሎ ኢለ፣ቀኖና ይኹን ስርዓት ሰባት ዝገበሩዎ ስለዝኾነ ሰባት ድማ ከነፍርሶን ሓጥያት ከም ዘይኾነና ድማ ካብ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣትሒዝካ ክሳዕ ካብኣቶም እተፈልዩ ብግብሮም ኣርእዮምና ኢዮም።ንዓይ ህጂ ዉግዘት ማለት ፖሎቲካ መፈራሪ እንበር ክንዮ ቃል ኣምላኽ ጢሒስካ ዝወሃብት ትርጉም ዘይብሉ ምዃኑ ካብኣቶም ተማሂረየ።

ነዚ ሓቂዚ ንምግጋይ ከም ነውራም ተናጋሪ፣ክንዲ ምንሳሕ ገይጋኻ ምእራም፣ኣበይ ኣሎ ህዝብና ዘይበጽሖ እናበልካ ኣርእሲ ባዕልካ ፈልፊልካ ከምዚ ይኣምኑ ከምዚ ኣይኣምኑን እናበልካ ክዝረብ ክስበኽ ሪኢና።እዚ ከምዚ ዝበለ ክስታት ባእሲ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ሃይማኖታዊ ክትዕ ናይ ርዲት ምፍልላይ ኢዩ።ነዚ ድማ ካብ ኣርእስቲ ንምህዳም እተማህዘዩ።
እቶም ብንግህኡ ንምትላልን ሓሶትን ምንፍቅናን ዘይምእማንን ዓሎቕን እተላማመዱዋ ሰባት፣ዝመሃዙዋ እዚኣ ኢያ።ወያ ሓቂ ትሰብኽ ዝነበረት ህጂ ፈሪሓ፣ዋእ ሃይማኖቶም ከይሮም ክብሉና ዋላ ኣቂ ይኹን፣ንዓመታት ምሳታቶም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብምክሓድ ዋእ ድሓን ብዓል ክስቶ ተኾይኖም ጸገምኩም ገዲፍናዮም ክንመጸኩም ኢና።በቃ ንተዓረቅ ኣይንተዓረቅ።
ብወገነይ ካብ ኤርትራ ክሳዕ ኣብዚ ኣለኹ ተበኣስኩዎ የሎን።ብልክዕ ከም ሰብ ምስ ሓደ ተጋጭየ ነይረ ኖኡ ድማ ኣብ እግሩ ወዲቀ ይቅሬታ ሓቲተተየ፣ብድሕሪኡ ከምዚ ኣይትምሃር ከምዚ ምሃር ኢሉ፣ስለዘይዓቀነለይ ከም መጻልእቱ ዝሓስብ እንተ ኣሎ፣ናቱ ሽግር ኢዩ።
ኣነ ክህነት ክወስድ ወንጌል ክሰብኽ ኢዩ።ሓቂ ዝበይ ዝድሕነሉ ክምህር ንዕኡ ድማ ዋጋ ክኸፍለሉ ኢዩ።ዋጋ ከይኸፍል ኢለ፣ኣፍ ተጻረፍቲ ንሞጻው ግን ንወንጌል ኣይሓድጋን፣እዚ ባእሲ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ኣብ መንጎ ሰይጣን ዝሓዙን ኣብ መንጎ ንሰይጣን ኣይመስሎን ዝበሉ ሰባት ዘሎ፣ናይ እምነት ጉዳዩ።
ይቅጽል ናብ 2ይ ክፋል

Comments

Popular posts from this blog

ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።

2ይ ክፋል ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።

2ይ ክፋል ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።(ኢሳ66፡4)