1ይ ክፋል ቤተ ክርስቲያን ተጋግያ ዲና ንብል ዘለና፥ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ዲያ ተጋግያ፣ቤተ ክርስቲያን ተተጋግያኸ ትገድፋዶ ።

 1ይ ክፋል ቤተ ክርስቲያን ተጋግያ ዲና ንብል ዘለና፥ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ዲያ ተጋግያ፣ቤተ ክርስቲያን ተተጋግያኸ ትገድፋዶ ።




ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተድኣ ሪኢና ከሰስቲ ሃዋርያትን ከሰስቲ ናይ እቶም ስዓብቲ ሃዋርያትን ዝጥቀምሉ ሲስተም መታን ኣርእስቲ ክቅይሩ፣ነቶም ደቂ ቤተ ክርስቲያን መጋላግልቶምን ወይ ድማ እተወለዶ ጓሶት ንምውቃዕ ሰይጣን ኣብ ልቦም ዘሕድሮ ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን መጺኦም ዝተዓደጉ መጺኦም ብስም ፖሎቲካ ገይሮም ኢዮም ሃገር ክሕዙ ኢሎም ወዘተረፈ ዝብሉ ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ብምኽሳስ ምጥላፍ ኢዩ።
ቤተ ክርስቲያን ኣይተጋገየትን ስለዘይተጋገየት ድማ ኢያ ኣብ ጸጽባሕ ሕሩያት ትፈሪ፣ግን ሰይጣን ክኣ በበዘመኑ ይበልዖም ምኽንያቱ እሶም ተሰዊዶም ኦድመ ስለዘይብሉ።እታ ብደም ክርስቶስ ዝጸረየት ቤተ ክርስቲያን ገይጋ ዘይብላ ጽፍፍትን ቅድስትን ኢያ።እንተ ትጋገ እዉን ንቤተ ክርስቲያን ተገልግላ ኢኻ እንበር ኣይትሓድጋን፣ተቅንዓ እንበር ከምቲ ገለ ከድዓት ዝገብሩዎ ገዲፍካያ ንዓማጺ ኣይትሃድምን።
ዓመታት ኣስታት ድሕሪ ጉባኤ Chalcedon. እቶም ሓቅን ህይወትን ዝምህሩ ደቂ ቤተ ክርስቲያን በየ በትኡ ተሰዲዶምን፣ተንጋላቲዖምን፣ጥራህ ዘይኮነ ኣብታ ኣጽናፋዊት ቤተ ክርስቲያን ሓሶትን ክሕደትን ዝምህሩን ዝድግፉን ንሓቀኛ ወንጌል ብረቂቅ መልክዑ ብምቅያር ኣብ ማህበር ኣምላኽ ኣርተፍሻል ወንጌላትን ፍልስፍናታትን ዘተኣታትዉን ቦታ ስልጣን ረኺቦምን ኢዮም።ቁጽሪ ኣይነበሮምን።
ስደት ቅዱስ ኣርሳንዮስ ብኽሓድቲ ዘይኣመንቲ ኣይነበረን ንዕኡ ዘሳደዱዎኮ ካህናት ወጳጳሳት ሰይጣን ንልቦም ዝወረሶ ኢዮም ነይሮም።ግን ንቤተ ክርስቲያን ኣይሓደጋን ማሕበር ኣይቀየረን።ከምዚ ገሊኦም ፈቀዶ ኣዳራሽ ክኾሉ የእጋሮም ደንብዩ ዘለዉ ስጋዉያን ፈተውቲ ነፍሶም መስቀል ከይስከሙ ዝኣበዩ ጸላእቲ መስቀል ኣይገበረን፣እንታይ ድኣ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ደው ኢሉ፣ክሳዕ ምቁራብ ዝኸልእዎን ዘሳድዱዎን ግን ፣ንልቡ ዝረኣየ ጎይታ ኣብ ስደቱ መንነቱ እገልጽ ነይሩ።
ሎሚ ንሕና ድኣ እናተሰደድና ንዝብል ዘሰዳደና ዘሎ፣መንዩ ልብናኸ ኣበይ ኢዩ፣ኢዩ።ክንሓርቅ ካልእ ክንሕጎስ ካልእ በትሪ ክበዝሐና ካልእ ፈተና ክዓርፍ ሰሊጡ ክንብል ብስጋ ካልእ ኣይኮነን።ንሓደ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኣተወ ምህሮ ክትቃወም ከለኻ ነታ ቤተ ክርስቲያን ዘሎኳ ፍቅርን ክብርን ዘርእይ ኢዩ።ኣይተርስሕዋ ትብል ኣሎዃ ማለት ኢዩኮ።
ኣብ ምድረ ሓበሻ ነታ ብጽፈታን ንጹህ ትምህርታን እትፍለጥ ዘነበረት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ብድሕሪ ወራር ዓረብ ንግብጺ።እቲ ጓሳ ዘይነበሮ ህዝቢን እቶም ብቁዕ መጓሰ ዘይረኽቡ ነበሩ፣ኣገልገልትን ከም ዝመስሎም ዝዓይነቱ ክኸዱ ተራእዮምን ብዙሓት መጻሕፍቲ ጽሓፊኦም ዘይፍለጥ ብፍላይ ብድሕሩ 1254 ተጻሒፎምን ኢዮም።

እቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ መከራ መመሊሹ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘነበረ ጽሩይ ወርቂ ብዱኽዕን ካልእን ክመልኦ ተራእዩ።ግብጻዉያን ብጽፈት ኣይመሃሩዎን ክንዮ ከም ዓለማዊ ንግስነት ከም ግዛኣቶም እጅእቶኦምን ብምጥማት ካልእ ክርስቲያን ከይኣትዉ ምክልኻል ፍጹም ሓዲጎሞን ንርእሶም እዉን ክንዲ ቅኑዕ ትምህርቲ በቲ ዘነበረ መከራን ፈተናን መዓስ የብቅዕ ብዝብል ኣብ ካልእ መገዲ ዝዘንበሉ ነበሩዎም።
ትምህርቲ ሓበሻዊት ቤተ ክርስቲያን መፍቶት ብጽሓሳዉያንን ኣይሁዳዉያንን ገያሾን፣ኮነ።በቲ እዉን እቶም ኣብ ጥንቁልናን ባህላዊ እምነትን ዝነበሩ ጎጃማዉያንን እሞ ጎንደራዉያን ምስሊ ጥራሕ ሒዩ ክተርፍ ጥንቁልና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከም ሞዴል ብምሳድ ቀጸሉ።ቀስ ብቀስ ወንጌል ፉግራ ክኸዉን ተራእዩ።ወንጌል እትረድኦን ናበይ ትወስዱዋ ኣለኹም ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ኣብ ሽግር ክወድቅን ተራእዩ።
እሞኸ ቤተ ክርስቲያን ተጋግያ ዲያ እታ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነት ተጋግያስ እቶም ኣብቲ ዘመንቲ ዘይንቡት ዝገብሩ ዝነበሩ ኣገልገልቲ እንበር፣ቤተ ክርስቲያን ኣይትጋገን፣ግግይቲ ክንብላ ብድሕሪ እተን ሰለስተ ጉባኤታት ጉባኤ ገይራ ዘቆሞቶ ተሰማሚዓ ብምልኣት እምነት ዳክቲሪን ምስ ዝህሉዩ፣ግን የሎን።
እቲ ጉዕዚ ቀጸለ ሰይጣን ድማ ኣብቲ ጽሩይ ስርናይ ክርዳድ ምዝራእ ተተሓሓዞ። እስኪ ጎይታ ዝበላ ነንቢባ(ማቴዎስ 13፣25-30)ከምቲ ጎይታ ዝበሎ፣እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ።ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ።" ከም ዝበሎ እቲ በብቁሩብ እተዘርአ ክርዳድ ክርአ ጀሚሩ።ከምቲ "ነቲ ብዓል ቤት ግዚኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ።ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። " ከም ዝበሎዩ።እቲ ብዓል ግራት ነቲ ግራት ኣይሓደጎን ፣ነዚኣያ እተሰወረቶም ነቶም በቲ ተዘሪኡ ክዓቢ ዝጀመረን ዝርአ ዝኣኸለን ክርዳድ ሰንቢዶም፣ናብ ካቶሊክን ፕሮቲስታንትን ዝኸዱን። ንምስዮናዉያን ወንጌል ንምስፋሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልእ እዉን ፖሎቲካ ንምግባር ንተዋፈሩ ብምስዓብ ዘድሓርሓሩን።
እቲ ፈተና ቀጺሉ እቲ መከራ በዚሑ፣እታ ቤተ ክርስቲያን ስለዘይትወድቅ እቶም ይመጹ ህጂ እዉን ሰብ ቤተ ክርስቲያን ከገልግል ዜማ ኢዮም ቅድም ክምህርዎ ጀሚሮም።ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ንቡር ግን ሰብ ቅድም ድሕነት ኢዩ ዝመሃር ነይሩ።እኩል ብሱል ክርስቲያን ምስ ኮነ ብጸሎትን ትምህርትን ብህዝቢ ይምስከረሉሞ ዲቁና ይወሃብ ድሓር ናብ ክህነት ይዓቢ።
ተንስኡ ጸልዩ ትመሃር ድሓር ብእኡ ብሱል ተኾይንኳሞ ዝሓተኻኳ የሎን። ዘይርስዖ" ናይ መን ስጋ ትበልዕ" ተባሂሉ እተሓተተ ክህነት ክወስድ ዝመጸ ዲያቆን" ስጋ ብዕራይ" ዲዩ ዝበሎም።ሓቂዩ ኣይበሰለን ስጋ ብዕራይ ዝበለ እዉን እዝጊ ይሃቦ።እዚ ንርእሱ ጉጉይ ኣሰራርሓዩ፣ንርእሱ ኣብዚ ህጂ ሶኣት ካብ ኣፍሪቃ ክሳዕ ኣውረጳ ከም ቁርሱቡን ዝዕደል ዘሎ ክህነት ነታ ቤተ ክርስቲኡያን ዘርስሕ ኢዩኮ።ኣነ ግን እዚ ጉጉይ ኣሰራርሓየ ዝብሎ ሰብ ቅድም ታሪኽን መሰረታዊ ትምህርትን እታ ቤተ ክርስቲያን ኢዩ፣ክምሃር ዝግበኦ።እሞ ህጅስ ቤተ ክርስቲያን ዲያ ተጋጊና ተድኣ ኢልና፣ቤተ ክርስቲያን ዘይኮኑስ እቶም ነቲ ሲስተም ዝቀየሩ እንበር ንሳስ ኣይተጋገየትን።
ብዙሓት ንንህቦ ትምህርቲ ኣይርድእዎን ገሊኦም እዉን ሓድሽ ዘይተሰምዐ ትምህርቲ ንህብ ዘለና እመስሎም ። ሕድሽ ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣በጃና ምባል ዘይኮነስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣቡነ ተኽለ ወዘተረፈ ኢዮም በጃና ኢልካ ሚምሃርዩ ኣብ ቤተታ ጥንታዎት ሃዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይነበረ ትምህርቲ።
ሎሚ ንሰባት እቲ ናይ ቀደም ናይታ ቤተ ክርስቲያን ትምህርትን ወግዕን ክትነግሮም ጋሻ ነገር ተዕሊሎም ከም ዘለኻ ዝመስሎም ዘሎኮ፣ኣብ ኣእምረኦም ከይተራእየ ዝተዘርአሞ ዝርአ ዝቁጽል ዘሎ ክርዳድ ኢዩ።ቤተ ክርስቲያን ትምህርታ ክርስቶስ ኢዩ፣ነይሩ ንሰባት ግዜ ክቀትለሎምን ብዛዕባ ክርስቶስ ከይፈለጡ ሰባት ተድኣ ካብዛ ዓለም ሓሊፎም ሲኦል ስለዝወርዱ፣ ኮነይ ኢሉ ብዛዕባ ካልእ ከም ዝመሃሩ ኢዩኮ ገይሩዎ።
ናይ ሎሚ ትምህርቲ ወንጌል ዘቅርበልና ክስቶዩ ተባሂልኩም ኮፍ ኢልኩምስ ብዛዕባ ቅዱሳንን መልኣኽታትን ትምህርቲዶ ተዋሂብኩም እፈልት እዚዩኮ ምትኽኻእ።ሰባት ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከይፈለጠ ተሞተ ግን ብዛዕባ ዘድሕን ትምህርቲ ክርስቶስ ፈሊጡ ተድኣ ሞዩ ድሒኑ ኣሎ ማለትዩኮ፣ብዘይካ እቲ ብድኻሙ ዝገብሮ ሓጥያት ማለትዩ።
ብዛዕባ ቅዱሳንን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ፈሊጡ ንክርስቶስ ከም ክርስቶስ ከይተመሃሮ ከይፈለጦ ተመይቱ ሲኦልዩ ዝወርድ ምኽንያቱ ምድሓን ብክርስቶስ እንበር ብቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣይኮነን፣ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ሓቂ ንምዝራብ ከም ነውሪ ዝረኣየሉ ዘመን ኢናኮ ዘለና፣ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጡ ዲኹም፣እቲ እቶም ጓሶት ደቂሶም ከለዉ፣ብዛዕባ ፖሎቲካ ዲዩ ወይሲ ኣብ መንጎኦም ክቋየቁ ወይሲ ግዝይኦም ባ ካልእ ከጥፍእዎ ዝሰወደ ክርዳድ ኢዩኮ።
ገለ እዉን ነታ ቤተ ክርስቲያን ክንቅይራ ንሰርሕ እመስሎም ።ዕላማና ነታ ጽርይትን መንቅብ ዘይብላን ጥንታዊት ሃዋርያዊት ኣጽናፋዊት ክርስቶስ ዝስብከታ ዝመሰረታ ዝርእሳ ቤተ ክርስቲያን ክንቅራ ኢልካ ምሕሳብ ካባና የርሕቆ።እንታያ ድኣ ናብ ዝነበረቶ ክብራ ሚምላስ ኢዩ።ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዓመታት ኣራጢጦም ዘለዉ ኣጋይሽ ትምህርቲ ክእረሙ ኣለዉ፣ወይ እዉን ስርናይ ክዝራእ ከሎ፣ስቅ ኢሉ ሰብክምገብ ክግደፍ ኣለዎ።

ገሊኦም እዉን፣ጽልኢ ዘለና ይመስሎም። ነዲኡ ዝጸልእ የሎን ነዴኹምዶ ትጸልእዋ ኢኹም ምናልባሽ ከምኡ ትገብሩ ተኾይንኩም ትርጉም ኣዶ ኣይትፈልጥዎን ማለት ኢዩ።ኣዲኡ ዝጸልእ የሎን ጸላእቱ ብጉድለት ኣዲኡ ክዛረቡ ደስ ዝብሎ ግን የሎን።ንሕናኮ በትን በትን ኢና ንዉቃዕ ዘለና ከም ቮሊቮል ፣በቲ ብምዕራባዊ ትምህርቲ ኣብ ድኽመታት ጥንታዉያን ኣብያተ ክርስቲያናት ጥራሕ ብዝተመስርሐ ዝኸዱ ዘመናዉያን ሃይማኖተኛታት ግን ሰብኣዉነትን ኣምላኽነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰብከሎም ሲኢኖም ብዝጠፍኡ ልቦም እተዘረ ፈቀዶ ኣዳራሽ ዝረኣዩ ክንዉቃዕ ከለና በቲ ድማ በቶም ቤት ኣምላኽ ቤት ጉሓሉት ኣይትግበሩዎ ኢልና እንብድሆም ዘለና፣እንበር።
ገሊኦም እዉን ንገይጋታቶም ክንእርም ግዜ ስለዝሰአና ጥራሕ ንዓታቶም ከም ሓቀኛታት ንወስዶም፣መሲልዎም ዝንእዱና ኣለዉ።ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ስጋ ኣይወሰደን ኢልካ ሚምሃር ዝዓቢ ትምህርቲ የሎን።እዚኮ ( 2ይ ዮሐንስ 1-7 )ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት ምስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ።ዝበሎዩ፣ግን እተን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ኣገልገልቲ ዝገብሩዎ ጥራሕ ተለቂመን ዝተኣከባ።ፍጹም ብዛዕባ ክርስቶስ ከይተመሃራ ከይፈለጣ ተሰጋዉነትን ኣምላኽነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይተመሃራ ነፍሳት ድሒንኪ ኢኺ ዓሊሊ ኣሜንዶ ዘምሪ እናተባህላ ልበይ ከይፈልጣ ብመዝሙር እናስከርካዩ፣እዞም ብስምዒት ዝሰኸሩ ክንዮ የሱስ ጎይታዩ ዕሙቅ ዝበለ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣይፈልጡን፣ኣብዛ ህጂ ዘላ ንሶም ዝኸሱዋ ዘለዉ ኦርቶዶክስ ሓበሻ ዘለዉ ኣገልገልቲ ስለ ብዛዕባ ክርስቶስ ዘይሰብኩ ብዛዕባ መላእኽትን ቅዱሳንን ስለዝሰብኩ ብዛዕባ ኢየሱስ ጥራሕ ብምስባኾምዩ፣ነቲ ኣብኡ ዘሎ መርዛም ሲኦል ዘውርድ ክሕደታት እቶም እኩባት ክርድእዎ ዘይኽእሉ፣እቲ ብጽልኢ ማርያምን ስምዒት እተኣከበ፣እቲ ድኽመታ ኦርቶዶክሳዊ ኣገልጋሊ ኣብ የእምረኡ እተሳእሎ፣ክፋታሕን እቶም ዝመርሕዎኳ ቤተ ክርስቲያን ተዘይ ተሰማሚዖም ከተፋትሖም ኣለዋ፣ኢሎም ክምህሩዎን ከየስተዉዕል በቲ ዕሙር መዛሙር ገይርካ ዓንዩ ምድፋርን ንዓታቶም ምዉቃስ ከም ንኣምላኽ ምውቃስ ገይሮም ስለዝሃነጹዎ፣ጎሲምዎ ብምዃድ ደናጉልኡ ናባና ይደራቢ።
ግሊኦም እዉን ንጠቅሞምን ረብሓኦምን ስለዝተንከፍና ነታ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ተጻባእታ ገይሮም ብዛዕባና ይሰብኩ።እዚ ኩሉ ግን ጉጉይ ስእሊ ኢዩ።ህዝብና ኣብ ሰብ ዝገበሮ ናይ የእምሮ ማእሰርቲዩ ዘሎ።እቶም ሎሚ ብዓለማርያምዩ ሎሚ ሚካኤልዩ ሎሚ ስላሴዩ ሎሚ መድሓኒ ዓለምዩ ኢሎም ጅብኦም ዘህጥሩ ሃካያት ዓየይቲ።ብዓል ዝክር ማለት እናሰራሕካ ምኽባር፣እናሰራሕካ ነቲ ጻድቅ ትብሎ

መዘከርታ ጻድቅ ንበረኸት ስለዝኾነ ምዝካር እንበር ሎሚ ብዓልዩ ከይትሃርሲ ሎሚ ከይትወፍሪ ገዚተካ ኣለኹ ኢልካ ንምእመን ምእሳር ስሑት ትምህርቲዩ ንዝበሎም ግድን ኢዮም ክጸልእዎ።
ካብቲ ዘስደሚም ኣብ ግብጺ ዘሎ ኣነየ ኦርቶዶክሳዉነት ሂበኩም ዝብል፣ብዓለ ማርያም ሰሪሑ ክኣቱ ካብ ኤርትራ ክሳዕ ትግራይ ኢትዮፕያ ዘሎ ክኣ ምድሩ ማይ ሃሪሙ ሓሪሱ ደቁ ከየድርር ከይሰርሕ፣ብዓልዩ ተባሂሉ ክሳዕ እቲ ሃረመ ማይ ዝሃፍፍ ኮፍ ኢሉ መዓልታት ይቆጽር፣ኣምላኽ ሂብዎ ዘይተጠቀመሉ ኣብ ግዝይኡ ድማ ንኣምላኽ ይራገምን የቅረምርምን ደቁ እኩል መግቢ ረኺቦም ንኣምላኽ ከየመስግንዎ ንጽዓዱ ኣሕሊፍሎም ንዓይ ግን ድኻ ገይሩኒ ኢሉ ክራገም መኦኣልቲ ሞት ተርክቦ።
ንቅድስቲ ድንግል ማርያም የፍቅራ ምዃነይ ኣምላኽ እፈልጥዩ።ግዳ ብዓለ ማርያም ኢዩ፣ኢሉ ኮፍ ኢለ ኣይዉዕልን ሰሪሀየ ዝበልዕ ምስ እንብል ኢናኮ መናፍቃን ንበሃል ዘሎና።ኣብዚ ዝነብሮ ወጻኢ ሰባት ክንዲ ብማሕረስ ኣብ ሮስትራንት ሰሪሖም ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰሪሖም ኢዮም ዝድረሩ።ግዳ ካብ እቶም ዝኸሱና ሎሚ ብዓለ ማርያም ኢዩ፣ናብ ስራሕ ኣይወፍርን ኢሉ ኢዱ ዘጣመረስ ኣይረኣናን፣እዚኦም ኢዮም።
አንሕና ኣነ ኮነ ከምዚ ከማይ ዝበሉ ኣገልገልቲ ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ኣይኮናን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ትርጉም ወላዲ ዝርድኦ እሙናት ዉሉዳት ኣዴ ክትወልደካ ዘለዋ ጻዕርን ከተዕብየካ ዘለዋ ድኻምን እንርዳእ ነዴና ንኽሕሽ እሙናት ደቂና በዚ ኣመና ደስ ይብለና።ነዲኡ ክቀትላ ኣይሓስብን፣ነቲ ዉሉድ ነዲኡ ክቀትል ኣይደልን ዘማስና ሕማም ክርእይ ግን ትሓውየሉዩ ዘናዲ።ነቲ ሕማም ንኽፍዉስ ከይተረድኦ ኣብ ሚምርማር እቲ ሕማም ኣተኪሩ መድሃኒት እቲ ሕማም ጠንቁ፣መበገሲኡ መወዳእታ እነኡ ከመይ ገይራ ትድሕን ዝሓስብ ግን ግድን ኢዩ።
እቲ ናይ ብሓቂ ክርስቶሳዊ መንፈሳዊ ርዲት ዘለዎ ሰብ ብፍጹም ናበዩ ዝከይድ ይፈልጥዩ።ከምቲ ኣቀዲመ ዝጠቀስኩዎ።ትምህርትን ኣበጋጋስናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ሱር ኣብቲ ናይ ጥንቲ መጓሰ ምስ ትምለስ ምስ እትምርምር ምናልባሽ ዘይተጸበኻዮ ዝጸንሐካ።ዘይተሰሓሓተት ዘይተጋገየትን ስርያናይ ጥራሕ ዝበቆሎ ግራታ ጽርይትን ጽፍፍትን።
ይቅጽል


Comments

Popular posts from this blog

ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።

2ይ ክፋል ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።