Posts

Showing posts from July, 2012

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ::

Image
                       ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ዓይኒ ዘይረኣየቶ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ እዝኒ ዘይሰምዓቶ ተዳልዩለይ ኣሎ በእምሮ ዘይግምቶ ኣሎ ኣብ ላዕሊ  ዝምልስ ናተይ ሕቶ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ቦታ ዘዕርፈሉ ዘይ ንግዝይኡ እየ ኣብዚ ዝነብረሉ ገጽ እቲ ልዑል ዝርእየሉ ኩሉ ምስ ጋና ናብኡ ዘብጽሓሉ ድምጺ እቲ እኩይ ፍጹም ዘይሰምዓሉ                              ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ዝጻናንዓሉ                              ኣይግድሰንን ናይ መረት ዝበሉ ተበሉ ኣሎኒ ኣቦይ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዘዳለዎ ይጽበ እየ ዘለኹ ይጓዓዝ ክኣትዎ እንዳ ወደቅኩ እንዳ ተሳእኩስ ይጽበየ ዘለኹ ክኣትዎ እቲ ልዑል ፈጣሪየይ ዘዳለዎ ን ኹሉ ማዕረ ዘይብሉ ኣድልዎ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ መላእኽቲ ዘይረኸቡዎ ኣሎኒ ዘጻናንዕ ኣብ ግዜ ብኽያተይ ኣጆካ ዝብለኒ ኮይኑ ኣብ መትረኣሰይ ብቃሉ ዝዛረብ ዝብለኒ ኣይኮንኳን በራሳይ ተዳልይልካ ኣሎ ዝብለኒ ብፍቅሪ ዝኣልይ ንሱ እዩ ዝኹሉ ምትትታይ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ኩነታት ዘይልውጦ ተ...

ናባኻ ይጥምት።

Image
etiqalsgakone@gmail.com

2ይ ክፋል ፡በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን ስለ ስም ክርስቶስ ሰማእትነት ተቀበሉ።

Image
2ይ ክፋል ፡በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን ስለ ስም ክርስቶስ ሰማእትነት ተቀበሉ ። ሃወርያት ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ቃል ኣምላኽ እዮም ምሂሮም።ሎሚ ከምኦም ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ንህዝብታት  ተመጊብካ ሰጣን ከም ዝዕጠቀልካ ፈሊጥካ ድሉው ኩን።ንጴጥሮስ ኮነ ጳውሎስ ከምኡ እውን ኩላቶም ናይ ቤተ ክርስትያን  ቅዱሳን ሂወቶም ዝሓለፈት ነታ ክርስቶስ እትብል ስም ጥራሕ እዩ።ስለ ስም ኢየሱስ ሰባት ተሰዲዶም ይስደዱን ይስጎጉን ይህረሙን ኣስማቶም ይጽልምን ኣሎ፡ዘገርም ነገር እዩ ሰይጣን እውን ኣይደኸመን 2000 ዓመታት ምሉእ ሕብሩ ቀያይሩ ንስም ኢየሱስ ንኸይትጽውዕ ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ብ መንፈስ ክትሪኦ ዘገርም እዩ። ወንጌል ዮሐንስ   15:21 : ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡   ስለ   ስመይ   እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም።   ዝበሎ ቃል ክሳዕ ህጂ ይፍጸም ኣሎ።ዘደንቅ እዩ ክሳዕ ክንደይ እዩ ንሽም ኢየሱስ ሰጣን ይጸልኣ ኩሉ ግዜ እዩ ዘደንቀኒ ኩሉ ግዜ ከልዕላ ድማ ባህ ይብለኒ።  ሃወርያት በዛ ዕለት እዚኣ ስለ ማንም ፍጡር ወይ ድማ ካልእ ኣርእስታትን ምዕራፋትን ዘይኮነስ ስለ ስም ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ገሊኦም ተሰይፎም ገሊኦም ድማ ቁንቁልኣፎም ተሰቂሎም።ሎሚ እንበኣር ንሕና እውን  ስለ ስም ኢየሱስ ከምቲ ወንጌል ማቴዎስ ዝበሎ ስለ ስሙ ዘሎና ኩሉ ክንሓድግ ጽዉዓት ኢና። ወንጌል ማቴዎስ   19:29 : ስለ   ስመይ   ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትው...

በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን ስለ ስም ክርስቶስ መሰማዕትነት ተቀቢሎም ዓረፉ።

Image
በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን  ስለ ስም ክርስቶስ ሰማዕትነት ተቀቢሎም ዓረፉ።                           ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ በዚ ሎሚ ዕለት ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣኽሊል ሰማዕትነት ዝተቐበሉሉ ዕለት ኢዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ቁልቁል ኣፉ ብምስቃል፣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክኣ ብምስያፍ፣ ነዛ ሕጂ ንኾርዓላ ዘሎና እምነት ኣረኪቦሙና ብኽብሪ ሓሊፎም። ጸሎትን በረኸትን ናይ ኩሎም ሃዋርያት ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን። እዛ መዓልቲ እዚኣ ነቶም ናይ ሓቂ ሃወርያዊ  ፍልይቲ  እያ።ነቶም ናይ ሓቂ ብመገዲ ሃዋርያት ዝመላለሱ ዘለዉ ክርስቲያናት ፍልይቲ ኢያ።ነቶም ከም ናይ ሃዋርያት ዝበለ ሂወት ክነብሩ ዝደልዩ ደድሕሪ እግሪ ጴጥሮስን ጳውሎስን ክስዕቡ ዝደልዩ፡ኩሎም ወንጌላውያን ሃወርያትን ከቢድ ሓላፍነት ተሰክም መዓልቲ ኣብ ርእሲ ምዃና ሂወት ስለ ወንጌል ክሳዕ ክንደይ ፍንፍንቲ ምዃና እንመሃረላ መዓልቲ እያ።  ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍና ዝበሎ ድማ ጴጥሮስን ጳውሎስ ከመይ ገይሮም ኣብዛ ምድሪ ይነብሩ ነይሮም ብኸመይ ዝበለ ዓይነት ፈተነ ብ ኸመይ ዝበለ ጸበባ ብኸመይ ዝበለ ብርቱዕ ሽግር ን ወንጌል ኣስሚሮማ ሓሊፎም ካብ ናቶም ቅዱስ ታሪኽ ብምምሃር ሓላፍነትና እንስከመላ መዓልቲ እያ ሃወርያት ብርሃን ኮይኖም ነዚ ወንጌል ኣባና ክበጽሕ ዝገበሩዎ ከቢድ መስዋእትን መከራን መዘና ኣልቦ እዩ።እዞም ቅዱሳን ሃወርያት ሎሚ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት የገልግሉ ነሮም ፡ኣሰር ኣሰሮም ክንስዕብ የድልየና ኣሎ፡ስለምንታይ ንሶም ንክርስቶስ መሲሎም እዮም ኣብዛ ምድሪ ሓሊፎም ፡(ዕብራውያን13:2)...