ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ::

ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ዓይኒ ዘይረኣየቶ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ እዝኒ ዘይሰምዓቶ ተዳልዩለይ ኣሎ በእምሮ ዘይግምቶ ኣሎ ኣብ ላዕሊ ዝምልስ ናተይ ሕቶ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ቦታ ዘዕርፈሉ ዘይ ንግዝይኡ እየ ኣብዚ ዝነብረሉ ገጽ እቲ ልዑል ዝርእየሉ ኩሉ ምስ ጋና ናብኡ ዘብጽሓሉ ድምጺ እቲ እኩይ ፍጹም ዘይሰምዓሉ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ዝጻናንዓሉ ኣይግድሰንን ናይ መረት ዝበሉ ተበሉ ኣሎኒ ኣቦይ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዘዳለዎ ይጽበ እየ ዘለኹ ይጓዓዝ ክኣትዎ እንዳ ወደቅኩ እንዳ ተሳእኩስ ይጽበየ ዘለኹ ክኣትዎ እቲ ልዑል ፈጣሪየይ ዘዳለዎ ን ኹሉ ማዕረ ዘይብሉ ኣድልዎ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ መላእኽቲ ዘይረኸቡዎ ኣሎኒ ዘጻናንዕ ኣብ ግዜ ብኽያተይ ኣጆካ ዝብለኒ ኮይኑ ኣብ መትረኣሰይ ብቃሉ ዝዛረብ ዝብለኒ ኣይኮንኳን በራሳይ ተዳልይልካ ኣሎ ዝብለኒ ብፍቅሪ ዝኣልይ ንሱ እዩ ዝኹሉ ምትትታይ ኣሎኒ ኣብ ላዕሊ ኩነታት ዘይልውጦ ተ...