2ይ ክፋል ፡በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን ስለ ስም ክርስቶስ ሰማእትነት ተቀበሉ።
ሃወርያት ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ቃል ኣምላኽ እዮም ምሂሮም።ሎሚ ከምኦም
ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ንህዝብታት ተመጊብካ ሰጣን ከም
ዝዕጠቀልካ ፈሊጥካ ድሉው ኩን።ንጴጥሮስ ኮነ ጳውሎስ ከምኡ እውን ኩላቶም ናይ ቤተ ክርስትያን ቅዱሳን ሂወቶም ዝሓለፈት ነታ ክርስቶስ እትብል
ስም ጥራሕ እዩ።ስለ ስም ኢየሱስ ሰባት ተሰዲዶም ይስደዱን ይስጎጉን ይህረሙን ኣስማቶም ይጽልምን ኣሎ፡ዘገርም ነገር እዩ
ሰይጣን እውን ኣይደኸመን 2000 ዓመታት ምሉእ ሕብሩ ቀያይሩ ንስም ኢየሱስ ንኸይትጽውዕ ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ብ መንፈስ ክትሪኦ
ዘገርም እዩ።ወንጌል ዮሐንስ 15:21:ግናኸ
ነቲ
ዝለኣኸኒ
ኣይፈልጥዎን
እዮም
እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ
ዅሉ
ኺገብሩኹም
እዮም። ዝበሎ ቃል ክሳዕ ህጂ ይፍጸም ኣሎ።ዘደንቅ እዩ ክሳዕ ክንደይ እዩ ንሽም ኢየሱስ ሰጣን ይጸልኣ
ኩሉ ግዜ እዩ ዘደንቀኒ ኩሉ ግዜ ከልዕላ ድማ ባህ ይብለኒ።
ሃወርያት በዛ ዕለት እዚኣ ስለ ማንም ፍጡር ወይ ድማ ካልእ ኣርእስታትን
ምዕራፋትን ዘይኮነስ ስለ ስም ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ገሊኦም ተሰይፎም ገሊኦም ድማ ቁንቁልኣፎም ተሰቂሎም።ሎሚ እንበኣር ንሕና
እውን ስለ ስም ኢየሱስ ከምቲ ወንጌል ማቴዎስ ዝበሎ ስለ ስሙ
ዘሎና ኩሉ ክንሓድግ ጽዉዓት ኢና።ወንጌል ማቴዎስ 19:29:ስለ ስመይ ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኪረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ኪወርስ እዩ። ነዚ ኩሉ ስለ እታ ስሙ ጥራሕ ተሰዊእና ናይ ዘልኣለም ሂወት ክንረክብ ኢና እሞ፡ንሽሞ ንምስባኽ ስለ ስሙስ
ዘሎና ንምውፋይ ሓይሉ ክህበና ብጸሎት ክንነቅሕ የድልየና ኣሎ።ወንጌል ሉቃስ 21:12: ወንጌል ሉቃስ 21:17 ፡ስለ
ስም ኢየሱስ ክንጽላእን ክንስጎግ ፈተውትና እኳ ክጠልሙና ድሉዋት ክንከውን ኣሎና።ጳውሎስን ጴጥሮስን ነዚ ገይሮሙዎ።እዛ ደም ሃወርያት
ስደት ሃዋርያት ዝለመደት ዓልም እንበኣር ሎሚ ከም ዘይተቅስነና ፈሊጥና ስለ ስሙ ንዝመጸና ኩሉ ክንጸውር ብሓጎስ ክንቅበሎ ድልዋት
ክንከውን ኣሎና።
ሃወርያት ይ ቆሮንቶስ 1:23:ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ
ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። እንዳበሉ ንዝመጾም ብሓጎስ ይቅበሉዎ ነበሩ።ብትምህርትናን ብምግባርናን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ 1ይ ቆሮንቶስ 11:1:ከምዚ
ኣነ
ንክርስቶስ
ዝመስሎ
ዘሎኹ፡
ንስኻትኩም
ንኣይ ምሰሉ። ሊጲ 3:17:ኣሕዋተየ፡
ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ
ንሕና
ኣርኣያ
ዝዀንናኩም፡
ኣብቶም
ከምኡ
ኢሎም
ዚመላለሱ
ኣስተብህሉ። ዝበለና ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገደፈልና ኣረኣእያ ክንክተሎ ይግባእ።ንዕኡ ክንመስል ኣሎና።ን ሂወትና
እውን ንቅዱስ ጳውሎስ ብምንታይ ይመስሎ ን ቅዱስ ጴጥሮስ ብምንታይ ይመስሎ ኢልና ክንፍትሻ እዚ መዓልቲ እዚ ይሓተና ኣሎ።እሞ
ኸ ን መን ኢና ኾን ንመስል፡ ነቶም ን ጳውሎስን ጴጥሮስን ናብ ናይ ስጋ ሞት ዘብጽሑ፡ ወይሲ ነቶም ንቅዱስ እስቲፋኑስ
ንምቅታሉ ሰሚሮም ዝነበሩ ን መን ንመስል፡ክንጥንቀቅ ይግበኣና፡ስለምንታይ እቲ ምሳና ዘሎ ብርሃን ዝመስለና ጸልማት ከይከውን
ንጠንቀቅ።ወንጌል ሉቃስ 11:35:
ኣብ ኩሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኮኑ ኢኹም እንዳበለና ሰባት ክፈትዉና ንጽበ ተለና ተሸኺዕና
ኣለና ማለት እዩ፡ስለምንታይ ቃሉ ኣይሕሱን እዩ ግድን እዩ ምጽላእ ክህሉ።ወንጌል ማቴዎስ 24:9:ሽዑ
ንመከራ
ኣሕሊፎም
ክህብኹምን
ኪቐትሉኹምን
እዮም።
ብዛዕባ ስመይ ከኣ
ኣብ
ኵሎም
ኣህዛብ
ጽሉኣት
ክትኰኑ
ኢኹም እዩ
ዝብለና።እንበኣር ንትባዕ ንጽናዕ ንገስግስ ደኣ ።በቶም ኣመንቲ ዝመስሉ መልክዕ ኣምላኾ ዘለዎም ነቲ ሓይሉ ግን ዘይእመኑዎ ሽም
ክርስቶስ ምጽዋዕ ዝሓረሞም ብዝቀርበልና ክንስብድን ክንሽገርን ኣይግበኣናን ፡እቲ ግዜ ቀሪቡ ስለ ዝኾነ እቲ ዝቅደስ ኣዝዩ
ክቅደስ እቲ ዝገፍዕ ክገፍዕ፡ራእይ ዮሐንስ 22:11:እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ
ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡
በለኒ።
ከም ዝበሎ እቶም ገፋዕቲ ይግፍዑ ኣቱም
ኣብ ዓለም ምሉእ ዘለኹም ስለ ስም ክርስቶስ ትስጎጉን ትጽልኡን ትግፍዑን ዘለኹም ወገናት ግን ጥራሕ ብስም ክርስቶስ ደኣ ይኹን
እንበር ባህ ደኣ ይበልኩም።እዚኹሉ ኣብ ልዕሊ ፈተውቲ ስም
ክርስቶስ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ኣሎ ዝበሃል ተንኮልን ጸለመን መቀጸልታ ናይዛ መዓልቲ እዚኣ እዩ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ በዚኣ እዩ
ዝድምደም እሞ ባህ ይበልኩም ዕጫና ጸቢቁ ኣብ ቤቱ ስለ ስሙ ክንጸውር ዕጫ ሃወርያት በጺሑና ።ዝጸወዓና ነመስግኖ ፡እዚ እውን ካብኡ እዩ ካባና
ኣይኮነን።ይቅጽል,,,,,,።
በረኸት ጳውሎስን ጴጥሮስን ምስ ኩላትና ይኹን።
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment