በዚ ዕለት እዚ ጳውሎስን ጴጥሮስን ስለ ስም ክርስቶስ ሰማዕትነት ተቀቢሎም ዓረፉ።
ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
በዚ ሎሚ ዕለት ቅዱሳን ሃዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣኽሊል ሰማዕትነት ዝተቐበሉሉ ዕለት ኢዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ቁልቁል ኣፉ ብምስቃል፣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክኣ ብምስያፍ፣ ነዛ ሕጂ ንኾርዓላ ዘሎና እምነት ኣረኪቦሙና ብኽብሪ ሓሊፎም። ጸሎትን በረኸትን ናይ ኩሎም ሃዋርያት ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን።
እዛ
መዓልቲ እዚኣ ነቶም ናይ ሓቂ ሃወርያዊ ፍልይቲ እያ።ነቶም ናይ ሓቂ ብመገዲ ሃዋርያት ዝመላለሱ ዘለዉ ክርስቲያናት ፍልይቲ ኢያ።ነቶም ከም ናይ ሃዋርያት ዝበለ ሂወት ክነብሩ ዝደልዩ ደድሕሪ
እግሪ ጴጥሮስን ጳውሎስን ክስዕቡ ዝደልዩ፡ኩሎም ወንጌላውያን ሃወርያትን ከቢድ ሓላፍነት ተሰክም መዓልቲ ኣብ ርእሲ ምዃና ሂወት
ስለ ወንጌል ክሳዕ ክንደይ ፍንፍንቲ ምዃና እንመሃረላ መዓልቲ እያ።
ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍና ዝበሎ ድማ ጴጥሮስን ጳውሎስ ከመይ ገይሮም ኣብዛ ምድሪ ይነብሩ ነይሮም ብኸመይ ዝበለ ዓይነት
ፈተነ ብ ኸመይ ዝበለ ጸበባ ብኸመይ ዝበለ ብርቱዕ ሽግር ን ወንጌል ኣስሚሮማ ሓሊፎም ካብ ናቶም ቅዱስ ታሪኽ ብምምሃር ሓላፍነትና
እንስከመላ መዓልቲ እያ
ሃወርያት ብርሃን ኮይኖም ነዚ ወንጌል ኣባና ክበጽሕ ዝገበሩዎ ከቢድ መስዋእትን መከራን መዘና
ኣልቦ እዩ።እዞም ቅዱሳን ሃወርያት ሎሚ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት የገልግሉ ነሮም ፡ኣሰር ኣሰሮም ክንስዕብ የድልየና ኣሎ፡ስለምንታይ
ንሶም ንክርስቶስ መሲሎም እዮም ኣብዛ ምድሪ ሓሊፎም ፡(ዕብራውያን13:2) :ነቶም
ቃል
ኣምላኽ
ዝነገሩኹም
መራሕቲኹም
ዘክርዎም፡
መወዳእታ
ንብረቶም
እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ። ከም ዝበሎ እንዳ ዘከርናዮም ኣሰር ኣሰሮም ክንስዕብ ቃል ኣምላኽ ይጽወዓና።
ጴጥሮስን ጳውሎስ ገሊኦም ተሰይፎም ገሊኦም ድማ ተሰቂሎም ናይ ሎሚ
ሰበኽቲ ወንጌል ከ እንታይ ኮን ይጽበየና ይህሉ።ወይሲ ፈተና ኣሎና ዶ የብልናን ብሓቂ ፈተና ዘይብልና ተኾይና ኣገልግሎትና
ኣገልግሎት ሃወርያት ኣይኮነትን ፡ናይ ሃዋርያት ዲና እሞኸ እንታይ ንጸውር ኣለና፡ ዕላመት ክርስቶስ ዶ ኣባና ኣሎ፡ ፡ጸርፊ ፡ውርደት፡
ጸለመ፡እንታይ እሞ ዘሎ ፡እወ እቲ ተመሃራይ ሃወርያት ን ሃዋርያት ዝጎነፎም
ፈተና ክጎንፎ ክኽእል ኣለዎ። እንታይ ዓይነት ፈተና ኾን ኢዩ ዝወርደና ዝህሉ ብሓቂ ናይ ሃወርያት ተኾይና፡ብሓቂ
ግን ብፈተና ስለ ወንጌል ስለ ክርስቶስ ስለ ኢየሱስ ንፍተን ተሊና ዓስብና ብዙሕ እዩ እሞ ንተሓጎስ ደኣ።ቃል ኣምላኽ(ወንጌል ሉቃስ6:23)እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሐጐሱውን። ከም ዝበለና ቃል ኣምላኽ ፈተና ይወርደና ተልዩ ምልክት ናይ ሃዋርያት ምዃና እዩ እሞ ንተሓጎስ ደኣ
ሃወርያት ነዚኣ ኣሚኖም ንኹሉ ብሓጎስ ተቀቢሎሞ።
ኣታ
ናይ ሃወርያት ትምህርቲ እትምህር ሎሚ ከምኦም ክትስቀል ይግበኣካ እዩ።ተተሰቂሎም ክትስቀል ግድን እዩ፡ሃወርያት ተተሰይፎም
ንስኻ እውን ክትስየፍ ድሉዉነትካ ከተርኢ ኣለካ፡ ብሓቂ ታሪኽ ጳውሎስን ጴጥሮስን ሰሚዕካን ሪኢኻን ፡ነዚ ዝጎንፈና ከሕንጥሽ
ዘይኽእል ሰዓል ጻውቲ ኢኻ ትብሎ። ሃወርያት ተሰይፎም ተቀቲሎም
እረ ገሊኦምሲ (ዕብራውያን11:38)ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።
ነዚ ናይዞም ቅዱሳን ሂወት ከንብብ ከለኹ ነፍሰይ ንዒቀያ፡እንበርዶ ኣማኒ እየ ኢለ፡ስለምንታይሲ ኣማንን
ሰዓብን ሃወርያት ክሳዕ ዝኾንኩ ንሶም ዝኸዱዎ ጽርግያ መገዲ ኣጽፊፈ ፈሊጠ ሞት መሪጸ ክስዕብን ከምቲ ናቶም ዕድል ክጎንፈኒ
ከም ዝኽእል ፈሊጠ ኣብ ልዕለይ ንዝወርድ ብሕጉስ መንፈስ ክቅበሎን ስለ ዝግባእ። ሎሚ እንበኣር እቲ በቶም ወንጌል ዕር ዝብሎም
ብዝጎንፉና ቆሎ ጥጡቆ ከምዚ ገለ ዝኾና ክመስለና የብሉን ፡ገሪሙኒ ሃወርያትሲ ለከ ዓለም ብምሉኣ እያ ኮኒናቶም ምስጢሩስ ክርስቶስ ስለ ዝሰበኹ ደኣ እዩ፡ እንበር ካልእ ምስጢርስ ኣይነበሮምን።ሎሚ
እንበኣር እቶም ወንጌል ክንሰብኽ ንደሊ መስቀልና ከነልዕል ይግበኣና፡ነቶም ወንጌል ንምስባኽ ብንግሆኡ ክንግስግስ
ይግበኣና ዓለም
ዝበለት ትበል ንጎዓዝ ደኣ ተዘየለ ግን ክርስቶስ ዳግማይ ክስቀለልና ንጽበ ኣለና ማለት እዩ።ይቅጽል,,,።
ይቅጽል,,,,,,።
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment