ቃል ኪዳን

ቃል ኪዳን ፍቁራት የሕዋትና ካብዚ ብምቅጻል ድማ ካብ ተፋለየ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብምግንጻል ፡ነቲ ዝጀመርናዮ ብዛዕባ ስርዓተ ቃል ኪዳን ክንምልእ ኢና።ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክንዛረብ ካብ ቃል ኣምላኽ ከነቅርበልኩም ኢና እሞ ምክትታል ኣይትሕመቁ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ሰበኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን”፡በለና። እቶም ሓደ ዝተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን።ካብታ ቃል ኪዳን ዝኣስሩላ መዓልቲ ኣትሒዞም፡መማኽርትን መኻይድትን ፡መዛይትን፡ኣብ ሞት ኮነ ጸገም፡ተሓናገርትን፡ደኣ ኪኾኑ ኣለዎም እንበር።እታ ጓል ብዛዕባ ሓዳራ ሰብኣያ ገዲፋ ክትዛተ፡እቲ ሰበኣይ ከኣ በዓልቲ በይቱ ገዲፉ ምስ ኣዲኡ ክዛተን ክማኸርን፡ቀረባኡ ወለዱ ገይሮም ክርእይን ኣይግባእን ኢዩ። እው ብልክዕ ኢዩ።ንሕና ካብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተኾስኪሱ ዘይዓበየ፡ሕብረተ ሰብ ስለዝኾናን። ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ጥራሕ ኣብ ባህሊ ተመስረተ ሂወት ዝነበረና ሰባት ስልከ ዝኾና።፡ነቲ ምስጢር ተኽሊል ቃል ኪዳን ፍጹም ክሳዕ ህጂ ኣይተረዳእናዮን ዘለና።ስለ ዘይተረዳእናዮ ነቲ ምስጢረ ተኽሊል ድማ ኢና፡፡ካብ ሰበይትና/ወይ ካብ ሰብኣይና ኣደና፡ሓውና ሓፍትና፡ቤተ ሰብና ዝቀርቡና ኾይኑ ይስመዓና ኢዩ። እዚ ግን ኣጻር ቃል ኣምላኻ ኢዩ።ጎይታ ኣቦን ወድን፡ ኣደን ጓልን ሓደ ኢዮም ኣይበለን።ኣምላኽ ኣሕዋት ሓደ ኣካል ኢዮም ኣይበለን። ን ሰብኣይን ሰበይትን ጥራሕ ሓደ ኢዮም በለ።(ማር10፡8)ክልቲኦም ሓደ ስጋ ደኣ በሎም እንበር፡ክልተ ስጋ ኣይበለን።እሞኸ ኣካልካዶ ይቀርበካ ዋላስ ፡ካልእ ኣ...