2ይ ክፋል ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና። ካብ ቀዳማይ ክፋል ዝቀጸለ። ቅዱስ እንጦንዮስ ዕላማ ዝኾኑሉ፣ምኽንያት ንምስፋሕ ወንጌል እጅግኦም ሰብሲቦም ክርስቶስ ምድሓነይ ሓይለይ ጸግዐይ ኣማኻሪየይ ኢሎም ስለተበገሱ።ፖሎቲከኛታት ኣብ ጉዳይኩም ኣተኩሩ ጉዳይና ባዕልና ኣሎና ስለዝበሉዩ።ቀዳማዊ እንጦንዮስ ኮነ ካልኦት ጳጳሳት ወካህናት ንምንታይ ዕላማ ኢሳይያስ ንናይ ሓበሻ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ መቂልዋ፣ዝብል ተዝሓስቡ ነይሮም ብዓቢኡ ምተቃወሙ ነይሮም።ምኽንያቱ ቀዳማዊ ፓትሪይርክ ከይተረፈ ብኢሳይያስ ንተተኽበሎም ጉንዖ ኣሜን ንኽብሉ እንበር ኣብቲ ደርግ ኣውጺእዎ ዝነበረ ሕጽያ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ እቱው ነይሮም ኢዮም። ስለዚ ብዘይካ ኣቡነ መቃርዮስ ምፍላይ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ከም ሓሳብ ዝሓዘ ኣይነበረን።ንርእሰይ ክርድኣኒ ኣይክእልን ንሶም ንርእሶም ይርድኦም ነይሩዶ ኣይነበረን ምስቲ እኹል ትምህርቲ ዓለም ዘይምህላዎምከ ከመይ ገይሮም ክንድዚ ሰጎሙ እንድዒ።ግዳ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ሃዋርያዊ መገድስ ተተሓሓዙዋ ድኣ። እታ ኣብ መዓልቲ ምርጫ " ዋእ ዘይንደልዮ ሰብ ኣምሪጽኩም፣እዚ ሰብኣይ ምስ እቶም ምሁራን ይቃራረብዩ፣ምስ ብዓል ዶክተር ፍጹም ፣ቀሺ ገብረመድህን መሪጌታ ሰመረኣብ ስጡም ርክብ ኣለዎ፣ኣሸጋሪ ክኸዉን ይኽእልዩ፣እቶም ገበርና ሓደግና ዝብሉ ግንጢታት ሊቃዉንቲ ኢና ብሃልቲ ምስኡ ርክብ ኣለዎም፣ኣሸጋሪ ክኸዉን ይኽእልዩ" ኢላ ናይ ጥርጣረ ዓይኒ ኣብ ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣውዲኣ ዝነበረት ጉጅለ ህግደፍ፣ከመይ ድኣ ገይርና ንሕነቆ ኣብ ዝብልያ፣ኣተኲራ።ነዚ ኩሉ ብድሕሪ ምጽናዕን ምግምጋምን ድማ ...
Comments