1ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ እስኻ ኸ???። ኣብ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝመላለስ ኣይወሓደን ካብ ዘገልግል እውን ኣይወሓደን ግን ን ነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ፡ትዘሕዝን ድማ ዕበት ኣምላኽን ዕበት ሰብን ከይፈለኹዎ ይነብር ነይረ፡ ብዙሓት ሰባት ተለዊጥና ክብሉ ብዙሕ ግዜ እየ ዝሰምዕ ግን መብዛሕቲኡ እቲ ዝመጸንስ ካብ ኣንጻረይ ደቂ ሃይማኖት ብምኻኑ ይኣምን ኣይነበርኩን።ይገርመኒ ድማ ነይሩ ፡ዋእ ኣነ ዝስዕቦ ሃይማኖት እቲ ሓቀኛ ካብ ዓለም ስለምንታይ ግን ኣነ ዘይልወጥ።መዓልታዊ ሕቶይ እዩ ዝነበረ፡ግን እቲ ጸገም ኣብ ሃይማኖተይ ዘይኮነ ነይሩስ ኣባይ እዩ፡ምኽንያት ዘይምልዋጠይ። ተቃዳዲመ ክገብሮ ዘለኒ ነቲ ኣብ ኩሉ ገዛ ዝርከብ መጽሓፍ ቅዱሱ ምንባብ እዩ ዝነበረ፡ከም ሓደ ካብቶም ዘይተለወጥኩ ምኻነይ ክፈልጦም ዘይከኣልኩሉ ምኽንያታት ድማ እቲ ን ሂወትካ ክትሪኤሉ ዘኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘየንበብኩዎ እዩ ነሩ።ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሕ ግዜ ብተፈላለዩ መንፈሳዊ ሕማማት ተጥእቂዐ ጸኒሐ።ስም ኣምላኽ ስለ ቃል ኣምላኽ እዝን ከምዝን ክብሉ ከለዉ ግዜይ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንዲ ዘሕልፎም ብዛዕባ ነፍሰይን ዕዮይን ክማጻረ ግዜ ይሓልፈኒ ነሩ፡ዘይምልዋጥ ክሓስም። በእምሮኻ ከም ብሓድሽ ዘይምውላድ ክሓስም፡ ዘይምሕዳስ ክሓስም፡ግን ክጎዓዝ ነይሩኒ ስለምንታይሲ ምኽኣል ደኣለይ ሲኢነዮ እንበር ክልወጥሲ ኣይጸላእኩን ።ሰባት ክጸርፉኒ ክምልሽ፡ ክካታዕ፡ ናተይ ዝኾነ ነገር ጥራሕ ብሉጽ ገይረ ከቅርብ፡ ነቶም ኣንጻር እምነተይ ዝኾኑ ኸኣ ንኹሎም ክረግም፡ክሰጉግ፡ ክፈርድ፡ክጸርፍ፡ ክዝልፍ፡ ከነኣእስ፡ ግዜይ ሓሊፉ፡ በቃ ዘገርም ን ኣምላኽ ደኣ እዩ ዘሕዝን ንነይሩ እንኮላይ ነቶም ኣምላኽ ዝተገ...