Posts

Showing posts from May, 2012

ኣነ እሞ መን እየ !!!::

Image
ኣነ እሞ መን እየ!!!:: ብስምካ ክበጽሓኒ በደል ኣብ ልዕለይ ክፈሓስ ናይ እኩያት ተንኮል ኣብ ኩሉ ነገረይ ብስርሖም ላሕ ክብል ልቢ ኮለኒ ቀይሮምኒ ጽሉል ግን ብስምካ እዚ ዝበጽሓንስ ዕልል ደኣ ዕልል ስለ ዝበጽሓኒ ናይ ቅዱሳን ዕድል                            እግዚኣብሄርየ ኣነ እሞ መን እየ                            ክነብር ገርካኒ ንብዓተይ እንዳ ዛረየ                             ልዑል ቅብኣት መጺኡኒ ዝተፈልየ                             ክነብር መሪጸ ካብ ሰረቅቲ ክብርኻ ተፈልየ                ...

1ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ እስኻ ኸ???።

Image
1ይ ክፋል  17  ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ እስኻ ኸ???። ኣብ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝመላለስ ኣይወሓደን ካብ ዘገልግል እውን ኣይወሓደን  ግን ን ነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ፡ትዘሕዝን ድማ ዕበት ኣምላኽን ዕበት ሰብን ከይፈለኹዎ ይነብር ነይረ፡ ብዙሓት ሰባት ተለዊጥና ክብሉ ብዙሕ ግዜ እየ ዝሰምዕ ግን መብዛሕቲኡ እቲ ዝመጸንስ ካብ ኣንጻረይ ደቂ ሃይማኖት ብምኻኑ ይኣምን ኣይነበርኩን።ይገርመኒ ድማ ነይሩ ፡ዋእ ኣነ ዝስዕቦ ሃይማኖት እቲ ሓቀኛ ካብ ዓለም ስለምንታይ ግን ኣነ ዘይልወጥ።መዓልታዊ ሕቶይ እዩ ዝነበረ፡ግን  እቲ ጸገም ኣብ ሃይማኖተይ ዘይኮነ ነይሩስ ኣባይ እዩ፡ምኽንያት ዘይምልዋጠይ። ተቃዳዲመ ክገብሮ ዘለኒ ነቲ ኣብ ኩሉ ገዛ ዝርከብ መጽሓፍ ቅዱሱ ምንባብ እዩ ዝነበረ፡ከም ሓደ ካብቶም ዘይተለወጥኩ ምኻነይ  ክፈልጦም ዘይከኣልኩሉ ምኽንያታት ድማ እቲ ን ሂወትካ ክትሪኤሉ ዘኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘየንበብኩዎ እዩ ነሩ።ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሕ ግዜ ብተፈላለዩ መንፈሳዊ ሕማማት ተጥእቂዐ ጸኒሐ።ስም ኣምላኽ ስለ ቃል ኣምላኽ እዝን ከምዝን ክብሉ ከለዉ ግዜይ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንዲ ዘሕልፎም ብዛዕባ ነፍሰይን ዕዮይን ክማጻረ ግዜ ይሓልፈኒ ነሩ፡ዘይምልዋጥ ክሓስም። በእምሮኻ ከም ብሓድሽ ዘይምውላድ ክሓስም፡ ዘይምሕዳስ ክሓስም፡ግን ክጎዓዝ ነይሩኒ ስለምንታይሲ ምኽኣል ደኣለይ ሲኢነዮ እንበር ክልወጥሲ ኣይጸላእኩን ።ሰባት ክጸርፉኒ ክምልሽ፡ ክካታዕ፡ ናተይ ዝኾነ ነገር ጥራሕ ብሉጽ ገይረ ከቅርብ፡ ነቶም ኣንጻር እምነተይ ዝኾኑ ኸኣ ንኹሎም ክረግም፡ክሰጉግ፡ ክፈርድ፡ክጸርፍ፡ ክዝልፍ፡ ከነኣእስ፡ ግዜይ ሓሊፉ፡ በቃ ዘገርም ን ኣምላኽ ደኣ እዩ ዘሕዝን ንነይሩ እንኮላይ ነቶም ኣምላኽ ዝተገ...

ኣሎኻ ረዳእየይ

Image
                       ኣሎኻ ረዳእየይ ብዝሪኦ ሓይሊ ኣይርበሽን ብ ታህዲድ ጸላእተይ ኣይስንብድን ህጅስ ረኺበካየ  ድሕሪት ኣይምለስን ትማልን ሎምን ንስኻ ኢኻ ግድን ኣሎኻ ረዳኢየይ ኣነስ ኣይፈርሕን ኣብ ዙርያይ ተመልኡ እቶም ዝጸልኡኒ ውዲት ተፈሓሱ  ዋላ ከጥፍኡኒ ኣነስ ክነብር እየ ንስኻ  ኣሎኻኒ ክውድሰካ እየ ኣይቅሰን ጨቋኒ ንስኻ ከለኻስ መን እሞ የፍርሓኒ ትምሊ እኳ ሓሊፈዮ ትኹሉ መሰናኽል ርእየካ እንድየ ምዃንካ ተኽእል ን ሓሙሽተ ሽሕ ህዝቢ ባሪኽካ ተዕንግል ብዓለባ ሳሬት ፍቁርካ ትኽውል ንዓኻ ሕጀስ ከመይ ገረሞ ይሻቀል ክስዕበካ እየ ዓለም ዝበለት ትበል                           ትሰራቂ ክብሪ ንሓሶት ኣቦኣ                         ክንደይ ዘይጸዓረ ሂወተይ ከጥፍኣ                          ግን ከ ብሳላ ምሕረትካ እን...

ቓል ስጋ ዀነ

                         ቓል ስጋ ዀነ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 1:1-14                           ፩ - ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡  እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።፪ - እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ  ነበረ።፫ - ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ  ብእኡ ዝዀነ የልቦን:: ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።፭ - ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን።፮ - ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ፯ - ኲሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ  ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ።፰ - ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን።፱ - እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ።፲ - ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ፲፩ - ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።፲፪ - ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዂሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ  ኣምላኽ ኪዀኑ መሰልሀቦም።፲፫ - ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ  እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።፲፬ - እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን  ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ...