1ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ እስኻ ኸ???።
ኣብ
ቤተ ክርስትያን ካብ ዝመላለስ ኣይወሓደን ካብ ዘገልግል እውን ኣይወሓደን
ግን ን ነፍሰይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ፡ትዘሕዝን ድማ ዕበት ኣምላኽን ዕበት ሰብን ከይፈለኹዎ ይነብር ነይረ፡ ብዙሓት ሰባት
ተለዊጥና ክብሉ ብዙሕ ግዜ እየ ዝሰምዕ ግን መብዛሕቲኡ እቲ ዝመጸንስ ካብ ኣንጻረይ ደቂ ሃይማኖት ብምኻኑ ይኣምን ኣይነበርኩን።ይገርመኒ
ድማ ነይሩ ፡ዋእ ኣነ ዝስዕቦ ሃይማኖት እቲ ሓቀኛ ካብ ዓለም ስለምንታይ ግን ኣነ ዘይልወጥ።መዓልታዊ ሕቶይ እዩ ዝነበረ፡ግን እቲ ጸገም ኣብ ሃይማኖተይ ዘይኮነ ነይሩስ ኣባይ እዩ፡ምኽንያት ዘይምልዋጠይ።
ተቃዳዲመ
ክገብሮ ዘለኒ ነቲ ኣብ ኩሉ ገዛ ዝርከብ መጽሓፍ ቅዱሱ ምንባብ እዩ ዝነበረ፡ከም ሓደ ካብቶም ዘይተለወጥኩ ምኻነይ ክፈልጦም ዘይከኣልኩሉ ምኽንያታት ድማ እቲ ን ሂወትካ ክትሪኤሉ ዘኽእል መጽሓፍ
ቅዱስ ስለ ዘየንበብኩዎ እዩ ነሩ።ስለ ዝኾነ ድማ ብዙሕ ግዜ ብተፈላለዩ መንፈሳዊ ሕማማት ተጥእቂዐ ጸኒሐ።ስም ኣምላኽ ስለ ቃል
ኣምላኽ እዝን ከምዝን ክብሉ ከለዉ ግዜይ ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንዲ ዘሕልፎም ብዛዕባ ነፍሰይን ዕዮይን ክማጻረ ግዜ ይሓልፈኒ ነሩ፡ዘይምልዋጥ
ክሓስም።
በእምሮኻ
ከም ብሓድሽ ዘይምውላድ ክሓስም፡ ዘይምሕዳስ ክሓስም፡ግን ክጎዓዝ ነይሩኒ ስለምንታይሲ ምኽኣል ደኣለይ ሲኢነዮ እንበር ክልወጥሲ
ኣይጸላእኩን ።ሰባት ክጸርፉኒ ክምልሽ፡ ክካታዕ፡ ናተይ ዝኾነ ነገር ጥራሕ ብሉጽ ገይረ ከቅርብ፡ ነቶም ኣንጻር እምነተይ ዝኾኑ
ኸኣ ንኹሎም ክረግም፡ክሰጉግ፡ ክፈርድ፡ክጸርፍ፡ ክዝልፍ፡ ከነኣእስ፡ ግዜይ ሓሊፉ፡ በቃ ዘገርም ን ኣምላኽ ደኣ እዩ ዘሕዝን ንነይሩ
እንኮላይ ነቶም ኣምላኽ ዝተገለጸሎምን እንበር ፡እዚ ንዓይ ክርስትና
እዩ ዝነበረ፡ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ከምቶም መይቶም እዮም ዝብሎም ሙዉት እየ ዝነበርኩ።ዘገርም ነገር ግን ከይከንኩዎ ከለኹ ጹቡቅ
ጸርፊ ይጽረፍ ነይረ፡መስኪናይ ኣነ ተመስገን ኢለ ክንዲ ዝቅበሎም ኣሜን ክንዲ ምባል እቲ ኣምላኽ ዘይበጽሖ ልበይ ነዚ ከይቅበል
ይሕንግድ ነይሩ።
ህጂ
ኣነ ባዶ እየ እወ ናብ ባዶ እውን ኣይተሳጋገርኩን ዘለኹ፡ እንታይ እሞ ንቁጽሪ ዘይበጽሐ ሰብ እየ፡ ግን ብሰብ ኣገልጋሊ መምህር
ወይ ኣምላኽ ተባሂለ ክጽዋዕ ግዜ ይሓልፍ እዩ ዘሎ።ስለ ዘይተለወጥኩ ዝነበርኩ ድማ ነቲ ኣብ ልዕለይ ዝንግበር ጸለመ ብሓጎስ ኣይተቀበልኩዎ
ነይረስለምንታይ ኣነ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝመጻእኩ ሰብ ከኽብረኒ ይመስለኒ ስለ ነበረ።ኣይተረዳኣንን ናይ ሃወርያት ሂወት ብ ቀንዱ
ድማ ናይቲ ዘፍቀረኒ፡ናይ ጎይቶት ጎይታ ናይ ኣምላኽቲ ኣምላኽ ፍቁረይ የሱስ ክርስቶስ፡እቲ ንሂወተይ ዘፍቀረ እቲ ከም ሰብ ዝቆጸረኒ
እቲ ሰብ ዝነዓቆ ዝክር።ካብ ሓመድ ኣልዒሉ ሰብ ዝገብር ራእይ ዮሐንስ 5:5 ካብ ነገደ ይሁዳ ዝኾነ ኣንበሳ።
ብዙሕ ዜማ ይፈቱ ግን ኣይደፍእን እየ መጻሕፍቲ ግን ሃሰስ እየ ዝብሎም፡ተረኺበዮም
ከንቢቦም ኣሎኒ።በዚ ግዜ ድቃሰይ ሓጺር ጥራሕ እየ ዝድቅስ።ግን እቲ ዘገርም ነታ መወዳእታ ሂወተይ ዘዕረፈት ታሪኸይ ክትቅይር ሕያሊ
ዘለዋ ክብርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገልጋሊ ክንሰይ ከም መሕለፊ ግዜ እየ ዝጥቀመላ ዝነበርኩ ከምኡ እውን ጥቅሲታት ንኽሕዝ፡ኣብ ቅድሚ
ሰባት ሊቅ ንኽበሃል፡ን ተጻረርተይ የሰንፋ እየን ዝበልኩወን ጥቅሲታት ካብተን ብቅድመሚ ኩሉ ዝተመሃርኩወን እየን ነረን፡መስኪናይ
ኣነ ንባዕለይ ከይተለወጥኩስ ሰብ ክልውጥ።ንኽብረይ ክብል ዝቀተልኩዎ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ እዩ ህጂ የጣዕሰኒ፡ሎሚ ን ዓይ ኣይኮንኩን ክነብር መሪጸ ዘለኹ ካብዛ ዝጽሕፈላ
ሰዓት ን ኣምላኽ እንበር።ናይ ቅዱሳን ገድሊ ካብቶም ዝፈትዎም መጻሕፍቲ ክኸውን ከሎ እቲ ኩሉ ኣብኦም ዝበጽሐ ክትሓልፎ ዘይከኣል
ከቢድ መከራ ግን ብ ዘይኣመንቲ ጥራሕ ብ ኣረሚ ዝበጽሖም እዩ ዝመስለኒ ነበረ ለካ ግን ዓይነይ እዩ ተሸፊኑ ነይሩ እንበር ሰጣንሲ
በቶም ኣመንቲ ኢና ዝብሉ ግን ዘይተለወጠ ሂወት ሒዞም ዝነብሩ ገይሩ ዝጥቀሞ ይበዝሕ።
ሓደ
ግዜ ይፍለጠኒ ንሓደ ሰብ ስመይ ኣጸሊምካኒ ኢለ ሒዘዮ ነይረ ፡ስለምንታይ ትካሰሱ ንዝብል ድማ ዘቅርቦም ነበርኩ ናይ ጥበራ ትቅሲታት ድማ ቅዱስ ጳውሎስ እኮ ክሳዕ ላዕለዋይ
ቤት ፍርዲ ቀሳር ይግባይ ኢሉ ይብል ነይረ፡ዘይምልዋጥ ክሓስም፡ ግን ህጂ እውን እቲ ናብ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ፍርቂ ኮይነ ክቀርብ
ዝደልየኒ ሰጣን ወዮም ልኡኻቱ ለኣኸለይ ደኣ ከም ኣመሉ ሉኡኽ ሆየ
ተረጊጹ ስመይ ብ ኸማይ ዝበሉ ክጽልም ገበሮ፡ እዋይ ሓሪቀ፡ ህጂ እውን ካብ መመኽነይታ ኣይረሓቅኩን፡ እሞ ሰባት ሓቂ መሲልዎም
ክዕንቀፉ ትምህርተይ ክፍንፍንዎ ብምባል ይሽገር ነረ ነጢ ዕዮ ምላኽሲ ያኢ ኣነ ልዕሊ ኣምላኽ ተሸጊረሉ ናይ ሰብ ርእሲ ክንእስ።
ክሕዞ ኣለኒ ኢለ ክብገስ ከለኹ፡ምሳይ መኪና ገሩ ሒዙኒ ዝኸይድ ነበረ ዲያቆን ኣቦየ ናበይ ኢኹም በለኒ እሞ፡ስቅ ደኣ በል ኣብ
እዚኣ ኣሎ ሓደ ሓሳዊ ሽመይ ዘጸለመ ከፍሽሎ እየ ኢለ ክዛረብ ዝሰምዓኒ ገረሞ እሞ፡ዋእ ስለምንታይ ግን ኣነ ሓቀና እየ ክትብሉ
ድዩ ኣምላኽ ጸዊዕኩም ሓቅነት ኣምላኽ ክትነግሩ ዶ ኣይኮነን።ብሓውሲ ፍርሒ ግን ሰሓቅ ሞተ፡ ዘይምልዋጥ ክሓስም ዋላ በቶም ይዓብዮም
እየ ኢልካ ትሓስቦም እውን ከም ትሰሕቅ ይገብረካ።,,,,, ይቅጽል።
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment