ብስምካ ክበጽሓኒ በደል
ኣብ ልዕለይ ክፈሓስ ናይ እኩያት ተንኮል
ኣብ ኩሉ ነገረይ ብስርሖም ላሕ ክብል
ልቢ ኮለኒ ቀይሮምኒ ጽሉል
ግን ብስምካ እዚ ዝበጽሓንስ ዕልል ደኣ ዕልል
ስለ ዝበጽሓኒ ናይ ቅዱሳን ዕድል
እግዚኣብሄርየ ኣነ እሞ መን እየ
ክነብር ገርካኒ ንብዓተይ እንዳ ዛረየ
ልዑል ቅብኣት መጺኡኒ ዝተፈልየ
ክነብር መሪጸ ካብ ሰረቅቲ ክብርኻ
ተፈልየ
ካብ ጣዕሚ እዛ ዓለም እዚኣስ መከራኻ
ሓርየ
በቃ ሕራይ ክበረለይ ክእዘዝ
ድሉው እየ
ብምስጋናኻ ዓቅሉ ከጽቢበሉ ነቲ
እኩይ ከየብረየ
ኣነ እሞ መን እየ!!!
ኣነ እሞ መን እየ ምሕረትካ በዚሑለይ
ክትከብር መሪጽካ ብኣይ ኣታ ልዑለይ
ክፍጸም ጀሚሩ ኩሉ ትራእየይ
ክሳዓሩ ጀሚሮም ኩሎም እቶም ደለይተይ
ክነብዑ ጀሚሮም ኩሎም ቶም መንባዕተይ
ኣነስ መን እየ ነዚ ዝርኣያ የዒንተይ
ምልክት ካብ ገበርካለይ
ንኹሉ ከም ዝስዕር\
እዝኒ ኣይህቦን እየ ናይቲ
እኩይ ገዓር
ናይቲ ዝተረፈ እውን
የብለይን ምጥርጣር
ከይተፈጸመ ጥራሕ ክዝምር
ክጭፍር
ክብለካ ኣየ ኣታ ፈቃር
ዘይተሕፍር
ኣነ ግን መን እየ
ዝኹሉ ትገብር
ከመይ ዓይነት ዕጫ ዝኹሉ ገርካዮ
ኣብ ማእከል ጉባኤስ ንሓቂኻ ተኣሚነዮ
ስመይ ተቀይሩ ጊደዎን ገርካዮ
የሩብ በዓል ኮይነ ንጣዓት ኣፍሪሰዮ
ይኣክል ጣዓት ኢለስ ብዓውታ ኣፍሪሰዮ
ኣነስ መን እየ ኾን ኣሻብ በጺሐዮ
ምሁራት ኣይጸዋዕካን ክቡራት ካብ ኩሉ
ንዓይ ጸዊዕካኒ ድራር ዕለት ዘይብሉ
ጉድለተይ ክትምልእ እስኻ ክትከብረሉ
ሳሚኤል ትጽውዕ ኤሊ ከሎ ባዕሉ
ትእዛዝ ትህበኒ ንጉስ ክቀብኣሉ
ኣነ እሞ መን እየ ኣታ ርእሲ ኹሉ
ን ጣዖታት ዘዕኑ ጊደዎን ገርካኒ
ሕቶይ መሊስካዮ የለን ዝኸብደኒ
ኣይትመውትን ኢኻ ኢልካስ ምልክት ሂብካኒ
ኣነ ግን መን እየ ክንድዚ ገሪሙኒ
ኣብ ልበይ ክትግለጽ ስምካ ክትነግረኒ
ምርኮኻ ክመልስ ኣጆኻ ትብለኒ
ኣነ እሞ መን እየ ዝኹሉ ኮይኑለይ
ዘይግለጽ ዕበት ዘለካ ኸኣላይ
ከመይ ዓይነት ዕድል ክትጽውዕ ነዓይ
ሕልመይ ኣግሂድካዮ ተመስገን እንበአኣረይ
ካልእ የብለይን እሳ እያ እታ ዓቅመይ
ኣነ ግን መን እየ እስኻ ተኽብረኒ
በል ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ካብ ከበርኩስ ይኣኽለኒ
ብጣዕሚ እየ ዘመስግን ኣታ ዘይተጓኒ
ኣነ እውን ምሳኽ መስጎግቲ ይሕሸኒ
ኣይደልን ንስኻ ዘይብሉ ምስ ሓጥኣን ጢዒሙኒ
ቅልካ ዘይፍጸሞ ውሽጠይ ዝወቅሰኒ
ኣብትካ ደኣ ሓላዊ ደገ ምኻን ኣነስ ይሕሸኒ
ንሱ እዮም ቅዱሳን ኣቦታተይ ዘውረሱኒ
ቀሺ ሙሴ ሽሻይ
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment