ኣሎኻ
ረዳእየይ
ብዝሪኦ ሓይሊ ኣይርበሽን
ብ ታህዲድ ጸላእተይ ኣይስንብድን
ህጅስ ረኺበካየ ድሕሪት ኣይምለስን
ትማልን ሎምን ንስኻ ኢኻ ግድን
ኣሎኻ ረዳኢየይ ኣነስ ኣይፈርሕን
ኣብ
ዙርያይ ተመልኡ እቶም ዝጸልኡኒ
ውዲት
ተፈሓሱ ዋላ ከጥፍኡኒ
ኣነስ
ክነብር እየ ንስኻ ኣሎኻኒ
ክውድሰካ
እየ ኣይቅሰን ጨቋኒ
ንስኻ
ከለኻስ መን እሞ የፍርሓኒ
ትምሊ እኳ ሓሊፈዮ ትኹሉ መሰናኽል
ርእየካ እንድየ ምዃንካ ተኽእል
ን ሓሙሽተ ሽሕ ህዝቢ ባሪኽካ ተዕንግል
ብዓለባ ሳሬት ፍቁርካ ትኽውል
ንዓኻ ሕጀስ ከመይ ገረሞ ይሻቀል
ክስዕበካ እየ ዓለም ዝበለት ትበል
ትሰራቂ ክብሪ ንሓሶት ኣቦኣ
ክንደይ ዘይጸዓረ ሂወተይ ከጥፍኣ
ግን ከ ብሳላ ምሕረትካ እንሆለት ወጺኣ
ህጅውን ተንቃዕርር ናባኻ ክትረድኣ
ትዕቡይ ብማንትጉ ከይወግኣ
ፍቱወይ ኢየሱሰይ ንስኻ ኢኻ ተስፍኣ
ክሳዕ ትሽይብ እኳ ኣይትፈለ ካብኣ
ኣሎኒ እኮ ትዝታ ሕሉፍ ምንባሕ እቲ እኩይ
ብኹሉ ከዕንቅፍ ወንጌልካ ከይዓይይ
ብዘይካኻ መን ዶ ነይሩኒ እዩ ዓወተይ
ብኹሉ ክነብሑ ሕሱማት ደለይተይ
ንስኻ እንዲኻ ነበርካ ረዲኤተይ
ህጂ እውን ናባኻ የፍስሶ ኩሉ ትንብዓተይ
ናብ ላዕሊ ናባኻ ይጥምታ የዒንተይ
ኣብ ጭልፋኻ ክትእክቦ ንኹሉ ንብዓተይ
ከም ሕሉፍ ታሪኽካ ክትከውን ረዲአተይ
ቀሺ ሙሴ
etiqalsgakone@gmail.cim
No comments:
Post a Comment