Posts

Showing posts from February, 2025

ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።

Image
  ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና። ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና። ብዙሓት ሰባት ስብከትና መዝሙርና ኢየሱስ ኢየሱስ ይኹን ክንብል ከለና ኣብቲ መሰረት ካብ ንግህኡኡ እታ መንገዲ በቲ ቅኑዕ መልክዓ ስለዘይሓዙዋ፣እንጋገ ወይ ድማ እነጋጊ ዘለና ወይሲ፣ ጸረ ቅዱሳን፣ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮነ መልኣኽታት ዘይነኽብር ገይሮም ክወስዱናን ሰይጣን እዉን ድኻም ኣመንቲ ተጠቂሙ ንዘይሚምሃር ህዝብና ክብለጸሉን፣እቶም በቲ ርኹስ መንፈስ ዝድግፉ ገይሩ ሆጅ ክብለናን ካብ ንርእይ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ግዳ ንሕና ከምቲ ከሰስትና ዝሓስቡና ወይ እዉን ሰይጣን ኣብ ልዕሌና ዝዘርኦ ዝእዉጆ ኣይኮናን።ንሕና ከምቲ መንፈስ ኣምላኽን ኣምላኽን ዝፈልጠናን ዝጸዉዑናን ዝለኣኸናን ክንነብር ሕኹት እንብል ተካእቲ ሃዋርያትን ብድሕሪኦም ዝመጹን ኢና።ዕላማና ዕላማ ሃዋርያት ኢዩ፣ንሱ ድማ ወንጌል ሚምሃር፣እቲ መዓልታዊ ንብሎ ድማ ካብታ ጃልባ ከይንወጽእ፣ኢዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ሃዋርያት ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮነ ቅዱሳን መልአኽታት ወይሲ ቅድመኦም ዝነበሩ ቅዱሳን ጻድቃን ንምንታይ ኢዮም ዘይሰብኩ ዝነበሩ፣ስለዘየኽብሩዎምዶ ይመስለኩም፣ስለዘየፍቅሩዎምዶ ይመስለኩም።ኣይፋሉን የፍቅሩዎም የኽብሩዎም እንበር፣ከምኡ ክገብሩ ዝገበሮም ግን ክስበኽ ዘለዎ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነ ኢዩ። ንሰባት ብዛዕባ ክርስቶስ ተነጊርካዮም፣ተኣሚኖም ይድሕኑ ብዛዕባ ክላእ ነጊርካዮም ግን ከድሕኖም ስለዘይክእል ክንዮ ታሪኽ ምዃኑ ሓሊፉ ኢዩ። ሰባት ኣብዛ ድብልቅልቅ ዝበለት ዓለም ካብታ ኢየሱስ ዘለዋ ጃልባ ተወጺኦም ህይወቶም ክፍወስ ነገራቶም ክዕረ ኣይክእልን ኢዩ።እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሃዋርያት ምጥማቶም ኣብ ኢየሱስ ክኸዉን ዝተገብኦ...

2ይ ክፋል ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።

Image
2ይ ክፋል  ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና። ካብ ቀዳማይ ክፋል ዝቀጸለ። ቅዱስ እንጦንዮስ ዕላማ ዝኾኑሉ፣ምኽንያት ንምስፋሕ ወንጌል እጅግኦም ሰብሲቦም ክርስቶስ ምድሓነይ ሓይለይ ጸግዐይ ኣማኻሪየይ ኢሎም ስለተበገሱ።ፖሎቲከኛታት ኣብ ጉዳይኩም ኣተኩሩ ጉዳይና ባዕልና ኣሎና ስለዝበሉዩ።ቀዳማዊ እንጦንዮስ ኮነ ካልኦት ጳጳሳት ወካህናት ንምንታይ ዕላማ ኢሳይያስ ንናይ ሓበሻ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ መቂልዋ፣ዝብል ተዝሓስቡ ነይሮም ብዓቢኡ  ምተቃወሙ ነይሮም።ምኽንያቱ ቀዳማዊ ፓትሪይርክ ከይተረፈ ብኢሳይያስ ንተተኽበሎም ጉንዖ ኣሜን ንኽብሉ እንበር ኣብቲ ደርግ ኣውጺእዎ ዝነበረ ሕጽያ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ እቱው ነይሮም ኢዮም። ስለዚ ብዘይካ ኣቡነ  መቃርዮስ ምፍላይ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ከም ሓሳብ ዝሓዘ ኣይነበረን።ንርእሰይ ክርድኣኒ ኣይክእልን ንሶም ንርእሶም ይርድኦም ነይሩዶ ኣይነበረን ምስቲ እኹል ትምህርቲ ዓለም ዘይምህላዎምከ ከመይ ገይሮም ክንድዚ ሰጎሙ እንድዒ።ግዳ  ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ሃዋርያዊ መገድስ ተተሓሓዙዋ ድኣ። እታ ኣብ መዓልቲ ምርጫ  " ዋእ ዘይንደልዮ ሰብ ኣምሪጽኩም፣እዚ ሰብኣይ ምስ እቶም ምሁራን ይቃራረብዩ፣ምስ ብዓል ዶክተር ፍጹም  ፣ቀሺ ገብረመድህን መሪጌታ ሰመረኣብ  ስጡም ርክብ ኣለዎ፣ኣሸጋሪ ክኸዉን ይኽእልዩ፣እቶም ገበርና ሓደግና ዝብሉ ግንጢታት ሊቃዉንቲ ኢና ብሃልቲ ምስኡ ርክብ ኣለዎም፣ኣሸጋሪ ክኸዉን ይኽእልዩ" ኢላ ናይ ጥርጣረ ዓይኒ ኣብ ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣውዲኣ ዝነበረት ጉጅለ ህግደፍ፣ከመይ ድኣ ገይርና ንሕነቆ ኣብ ዝብልያ፣ኣተኲራ።ነዚ ኩሉ ብድሕሪ ምጽናዕን ምግምጋምን ድማ  ...