2ይ ክፋል ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።

2ይ ክፋል

 ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።

ካብ ቀዳማይ ክፋል ዝቀጸለ።

ቅዱስ እንጦንዮስ ዕላማ ዝኾኑሉ፣ምኽንያት ንምስፋሕ ወንጌል እጅግኦም ሰብሲቦም ክርስቶስ ምድሓነይ ሓይለይ ጸግዐይ ኣማኻሪየይ ኢሎም ስለተበገሱ።ፖሎቲከኛታት ኣብ ጉዳይኩም ኣተኩሩ ጉዳይና ባዕልና ኣሎና ስለዝበሉዩ።ቀዳማዊ እንጦንዮስ ኮነ ካልኦት ጳጳሳት ወካህናት ንምንታይ ዕላማ ኢሳይያስ ንናይ ሓበሻ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ መቂልዋ፣ዝብል ተዝሓስቡ ነይሮም ብዓቢኡ  ምተቃወሙ ነይሮም።ምኽንያቱ ቀዳማዊ ፓትሪይርክ ከይተረፈ ብኢሳይያስ ንተተኽበሎም ጉንዖ ኣሜን ንኽብሉ እንበር ኣብቲ ደርግ ኣውጺእዎ ዝነበረ ሕጽያ ፓትሪያርክ ኢትዮጵያ እቱው ነይሮም ኢዮም።

ስለዚ ብዘይካ ኣቡነ  መቃርዮስ ምፍላይ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝድግፍ ከም ሓሳብ ዝሓዘ ኣይነበረን።ንርእሰይ ክርድኣኒ ኣይክእልን ንሶም ንርእሶም ይርድኦም ነይሩዶ ኣይነበረን ምስቲ እኹል ትምህርቲ ዓለም ዘይምህላዎምከ ከመይ ገይሮም ክንድዚ ሰጎሙ እንድዒ።ግዳ  ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ሃዋርያዊ መገድስ ተተሓሓዙዋ ድኣ።


እታ ኣብ መዓልቲ ምርጫ "ዋእ ዘይንደልዮ ሰብ ኣምሪጽኩም፣እዚ ሰብኣይ ምስ እቶም ምሁራን ይቃራረብዩ፣ምስ ብዓል ዶክተር ፍጹም ፣ቀሺ ገብረመድህን መሪጌታ ሰመረኣብ ስጡም ርክብ ኣለዎ፣ኣሸጋሪ ክኸዉን ይኽእልዩ፣እቶም ገበርና ሓደግና ዝብሉ ግንጢታት ሊቃዉንቲ ኢና ብሃልቲ ምስኡ ርክብ ኣለዎም፣ኣሸጋሪ ክኸዉን ይኽእልዩ" ኢላ ናይ ጥርጣረ ዓይኒ ኣብ ቅዱስ ፓትሪያርክ ኣውዲኣ ዝነበረት ጉጅለ ህግደፍ፣ከመይ ድኣ ገይርና ንሕነቆ ኣብ ዝብልያ፣ኣተኲራ።ነዚ ኩሉ ብድሕሪ ምጽናዕን ምግምጋምን ድማ  ዝበልናዮ ኮይኑያ በለት።
ኢሳይያስ ሪስክ ምውሳድ ኣይጽልኦን ድሓን ናባይ ግደፉዎ፣ኢዩ ዝበለ።ንኣቡነ እንጦንዮስ ንምህራም መገዲ ሃሰስ ተባህለ።መህረሚ ትኾኖም ድማ መካነ ህይወት።ነዚ ኩሉ መቸስ ሰይጣን ብሰብ ገይሩ ይሰርሖ ምንባሩ ክንርዳእ ኣሎና፣ኣብ ሰባት ቂም ከነሕድር የብልናን ፈትዩ ሓጥያት ዝገብርን ኣብ ሰይጣናዉነት ዝሰጥምን የሎን።ኣብ ሰባት ጽልኢ ከነሕድር የብልናን።
ቀዳማዊ እንጦንዮስ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ምልእቲ ኤርትራ ንኽባጻሕ ምስርሖም ልዕሊ ዓቅሞምን ካብ ስልጣኖም ወጻእን ካብ ሃገረ ስብከቶም ወጻኢ፣ምልእቲ ኤርትራ ክባጻሕ ምግባሮም፣ካብቲ ቀንዲ ኣብ ስግእት ዘእተዎም ኢዩ።ኣብ ምርጫ ክዕወት ድማ ኣይደልዩን ነይሮም ሓለፍቲ ጸጥታ፣ሓደገኛ ስጉምቲ።
ነዚ ይቃወሙ ኢዮም፣ክብሪ ይደልዩ ኢዮም፣እተባህሉ።ክእከቡዩ፣ተገይሩ።ድማ ሓንቲ ብጫ መጻሕፍ የሕድሶ  ኣለኹ እትብል ኣርእስቲ ዘላ፣ተዘርጊሓ፣ስለዝነበረት ኣርእስቲ ቀይሮም።ክቅይሩና እናተባህለ፣ወረ ተነዝሐ።እዚ ተራ ጳጳስ ከለዉ ተገብረ ፓትሪያርክ ምስ ኮኑ ተነዝሐ።ዕግርግር ህይኮት ብኹሉ።እቶም ቅድም ክብሉ መጻሕፍቲ ዘቃጸሉ፣ብእኡ ኣይዓገቡን።ዕግርግር ተፈጢሩ ክበሃል ቅድመኡ ንኣባላት ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ ወዲብካ ዕግርግር ይካየድ ነይሩ ቅድመ ፓትሪያርክ ምዃኖም።ብዓቢኡ ሰብ ከይእከብ ምሁር ሰብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይከዉንዩ።ነዚ ዕላማ ዝካየድ ዝነበረ ቅዱስ እንጦንዮስ ተመጺኡ ከም ዘይከዉን ኢዮም፣ኣረጋጊጾም።

መወዳእታ ንቀዳማዊ እንጦንዮስ ኣጆኻ ዝብሉ መን ኢዮም፣ኢልካ ከም ዘወገ ምሁራን፣ዘኣመሰሉ ተጺዊዕም ንፓትሪያርክ ክሞዱዎም ተነግረ፣ምኽንያቱ እቶም ካህናት ወጳጳሳት ኢዮም ዘይተረድኦም እንበር ኢሳይያስ ናይ ግሉ ድዃን ንኽትኮኖ ከም ዝፈለያስ ኣይትረድኦምን።ስለዚ ድማ ነቲ መንግስቲ ዝመስረቱ መንበረ ፓትሪያርክሲ፣መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ የብሉን ኢሉ ባዕሉ ንባዕሉ ተጨርሐስ፣ኣብ መንበረ ፓትሪያርክ ኢዱ ኣየንብር መሲልዎም።
ቀዳማዊ እንጦንዮስ ወንጌል ንምስፋሕ ክርስቶስ ንምስባኽ ሃረርታ ነይሩውዎም።ዋጋ ንምኽፋል ድማ ድሉው ነበሩ።ሓደ ግዜ ናብ እንዳ ማሚና ዝብሃል መንእሰያት መካነ ህይወት ዝግልገሉሉ፣ኣኽበርቲ ጸጥታ ወሲዶም፣ረኣዩዎ ንስኹም ዘይትፈልጡዎ ይገብሩ ጸኒሖም ምስ በልዎም፣ይፈልጦየ፣ኣነ ኣለኽዎ ኢዮም።ነዚ እናተቃወሙ ድማ ኢዮም ንረብሓ ብዓል ክስቶ ንሕና ኢና ስዓብቲ እንጦንዮስ ዝብሉ ዘለዉ።
ዝኽሪ ቀዳማዊ እንጦንዮስ ነቶም ንራእን ዕላማን ቀዳማዊ እንጦንዮስ እናወቅዑ፣ንስለፖሎቲካ፣ስሞም ዝጽዉዑ፣ኣይምልከቶምን ኢዩ።እንብል እንበኣር ዕላማን ርእን ቀዳማዊ እንጦንዮስ ስለንፈልጥ ኢዩ፣ኣብ ኣሰሮም ክንብል ድማ ኣብ ኣሰሮም ስለዘለና ኢዩ።ብማዕዶ ዘይኮነስ ብኣክል ስለንፈልጦም።
ቀዳማዊ እንጦንዮስ ኣካል እቲ ኣብ መካነ ህይወት ዝነበረ ኣገልግሎት፣ኢዮም ነይሮም፣ነቲ ዝነበረ ኩሉ ምንቂቃሕ ክኣ ይቅበልዎን ይሓብሩዎን ነይሮም ኢዮም።ነዚ እናተቃወምካ፣ስዓቢ እንጦንዮስየ ትብለኒ ተሎዃ፣ወይ ትብሎ ዘይትፈልጥ ኣብድ ኢኻ ወይ ድማ መታለሊ ኢኻ ማለት ኢዩ።ኣብዚ ወጻኢ ኣብ መንጎ እቶም ነቶም ተወገዙ ጳጳሳት እንቃወም ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍሊላይ ድማ ካብዚዩ፣ዝብገስ።
ናቶም ራእን ዕላማን ሒዝና ካብ ንግህኡ ዝተበገስና ኣሎና።ብድሕሪ ንዕኦም መናፍቅን መጥፎ ኣቡን ኢሎም ይጸርፍዎምን፣ክውገዙን ኣቡነ ደስቆሮስ ብሓሶት ክቅብኡ ዘጣቅዑን፣ህዝቢ ክነቅሕ ምስ ረኣዩ።ዕላማን ራእን ወንጌላዊ ርዲኢትን ዘይኮነስ ብስም ዕሽርን ሞባእን ጁባ ሚምላእ ስለዝኾነት።ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና በሉ።ጽቡቅ ከምኡ ምባሎም ግርም ግን ብዘይ ራእን ዕላማን ቀዳማዊ እንጦንዮስሞ ከመይ ኣቢልካዩ ዝኽወኖ።
ቀዳማዊ እንጦንዮስ ካብ ቀሺ ገብረመድህን ኮነ ዶክተር ፍጹም ወይሲ ዶክተር ተኽለኣብ ፍጹም ተፈልየ እምነት የብሎምን።ንሕና ክኣ ስዓብቶም ኢና፣ንብል ንራኢኦምን ዕላማኦምን ስለንፈልጥ ኢዩ።ካብ ኣፎም ዘረኸብክዎ ኢዩ።እቲ ንገብሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ድማ መቀጸልታ እቲ ዝሃቡና እንበር ገለ ሓድሽ ነገር እኳ ኣይኮነን።
ኣብ መካነ ህይወት ብኦርጋን ብጊታር ገይርካ ክዝመር፣ቀዳማዊ እንጦንዮስ ደው ኢሎም ይግልገሉ ነይሮም፣ምስ መዛንኦም ጳጳሳት።ነዚ ናይ መናፍቃን እናበልካ ኣነ ስዓቢ እንጦንዮስ ኢየ፣ትብል ተሎዃ፣መታለሊ ኢኻ ማለት ኢዩ።ኣይርድአንን ገለገለ ካህናት ወዲያቆናት ወይሲ ጳጳሳት ኣብ ረብሓ ይጸቅጡ።
ብኦርጋን ገይርካ ኣይዝመርን ኣብ ኦርቶዶክስዶ ብኦርጋን ገይርካ ይዝመርዩ፣ክርስቶስ ኣየማለደልናን፣ወዘተረፈ ኣይብሃልን እናበልካ ቀዳማዊ እንጦንዮስ ስዓቢኦምየ ትብል ተሎዃ፣ናበይ ትኸይድ ኣሎዃ ኣይትፈልጥን ኢኻ ማለት ኢዩ።
ራእይ ቀዳማዊ እንጠንዮስ ዘይብሉ፣ኣካልደቂቀ እንጦንዮስ ኣይኮነን።ራኢኦም ወንጌል ምስባኽ ንክርስቶስ ኣብ ዓይኒ ኣመንቲ ከም ስቁል ኮይኑ ክነብር ምስኣልዩ ነይሩ፣ስለዚ ድማ ኢዮም፣ዋላ ንሶም ክሰብኩ ተዘይከኣሉ ነቶም ዝሰብኩ ግን ክሳዶም ዝሃብሎም።
ኣብዚ ዘመን ንዝኾነ ንጽወዖ እንበኣር ስዓቢ ቀዳማዊ እንጦንዮስ ምዃን ማለት ንመከራ ድሉው ምዃን ማለት ኢዩ።ክርስቶስ ማእከልነት ዝገበረ ወንጌል ምባኽ ኢዩ።
ቀዳማዊ እንጦንዮስ ክርስቶስ ክስበኽ ኣለዎ ይብሉ ነይሮም።በታ ዓቅሞም ክኣ ይሰብኩ ነይሮም።ንዝሰብኩ ድማ ይድግፉ ነይሮም።ህጂ ነቲ ራኢኦም ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ድማ ፓትሪያርክ ኣብ ኤርትራ ተባረኸ ተመረቀ ዉጉዝ  ዘይዉጉዝ ዘይኮነስ ነቲ ራኢኦም ንምብንቋስ እናሰርሑ፣ሰማእቲ ዘእንበለ ደም፣ንሕና ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ኣቦና ኢና ዝብሉ፣ሓሳዉያን ስለተጻናበበሩና ኢዩ።

እቶም ንርእን ዕላማን ቀዳማዊ እንጦንዮስ ዘይትቅበሉ ዘይትስዕቡ፣ወይ ከም እቶም ኣቡኡ ዘፍለጠ መናፍቅ ነይሮም እናጸለምዎ ዝነብሩ ዘለዉ፣ኪዱ ተጸንበሩ ክጸፈልና ንሓሳብ ፣ስም ቅዱስ ኣቦና ኣይተልዑሉ ወይ ድማ ሓሳንብን ርእን ዕላማን እንጦንዮስ ዘይብሉም ኣይተዳኽሙና።
ንዓና ንደቆም ግደፍዎ፣ወይ ድማ ናቶም ተኾይንኩም ብዛዕባ ሰባት ዘይኮነስ ብዛዕባ ክርስቶስ ስበኹ።ሰብ ምስጓግ ዘይኮነ ሰብ ኣክቡ።
ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዛዕባ መልኣኽታት ጻድቃን ኣይስበኽን፣ይንገር እንበር።ኣብ መድረኽ ዝስበኽ ግን እንኮን ሓደን ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ክርስቶስ ኢዩ፣ነዚ ኢዮም፣ቀዳማዊ እንጦንዮስ ይኽተሉን ይእምኑን ዝነበሩ፣ካብ ኣፎም ዝሰማዕናዮ'ዩ።እሞኸ ንስኻ ሓደ ካብ ኣየኖት ኢኻ።
ቀዳማዊ እንጦንዮስ፣ሰብ ምስጓግ ኣይቅበሉን ነይሮም። ስለዚ ኢዮም፣ኣብ ዘመኖም ሰብ ዘየውገዙ ንዝቃወምዎም።ንስኻኸ ካብ እቶም ክስቶ ምሳና ይሎን ክስቶ ምሳና ኣይኮናን እናበሉ መስፈር ኣቦታቶም ሰቀልቲ ዝምልኡ ዘለዉ ዲኻስ ዋላስ፣ ወይሲ  ዉሉደ እንጦንዮስ ኢኻ።
ይቅጽል ናብ 3ይ ክፋል

Comments

Popular posts from this blog

ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።

2ይ ክፋል ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።(ኢሳ66፡4)