ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።




1 ክፋል

ኣብ ራእይ ቅዱ ኣቦና ኣሎና።


ብህይወት ከለዉ፣ኣይተዛረብኩን መታን ብኣይ ዝመጸ ምንም ጉድኣት ክበጽሖም ስለዘይደሊ።ህጂ ግን ገለ ክብል።ናብ ቀዳማዊ እንጦንዮስ ምስ ደለኹ፣ብመጀመርታ ናብ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ኢየ፣ኣምሪሐ ።ምኽንያቱ ከም ሰባኺ ወንጌልን ዝተዋህበኒ፣ቀሺ ሳሙኤልን ኣነን ንዛራረበሎም ጉዳያት ስለዝነበሩ።

ቀሺ ሳሙኤል ግን ክንዮ ጸሊም ልብሲ ጳጳሳት ዝመስል ስርሖምስ መስደሚም ኢዩ ዘነበረ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ቀሺ ዲየ ዝዛረብ ዘለኹ ዋላስ ምስ ካልእ ይተሓዋወሰኒ ነይሩ።ብልክዕ ነጥብና ብኸመይ ንማሕበረ ቅዱሳን ልደታ ማርያም ንመክቶም'ዩ፣ዝነበረ።
ድሓር ግን ኣብ መንጎ ዕላልና ሓንቲ ኣምቸ መጺአ፣ኣባ ቀሺ ክላዋወጡ ኣይሓመቁን፣ናብራ ደቂ ኣስመራ ኩሉ ክትከዉን ምፍታን ተላሚዶሞ ግዲ ኮይኖም ካብ ብቆልዐኦም፣ብመካነ ህይወት ዝመጸኒ ዘፈቱ ምዃነይ እናፈለጡስ፣ሕመታ ኣንጻር ቅዱስ ፓትሪያርክን ሕመታ ኣንጻር ቀሺ ገብረመድህንን ቀጸልዎ።

እንተ ኣነ ግን ወዮ ሃግየ ዲዮ ዝብሉ ደቂ ከተማ ሃግየ ዲየ ኮይነ ወዪሲ ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ ዘይተሓጻጸፍ ጣውላ ኮይነ፣ነታ ብኦርጋን ይዝምሩ ኢላ ትዛረብ ዝነበረትን ማሕበር ደናግል ንሚምስራት ይሰርሕ ኣለኹ ትብልን፣ታይፒስስት ሰበይቲዶ ንበላ ጓል፣እንታዩሞ ጸገምኪ፣ንምዃኑ ኣነ ብኦርጋን ብጊታር ምዝማር ይድግፈየ ኣብ ቤተይ ድማ ይሰምዕየ፣ቀደምብኸምኡዩ ይዝመር ነይሩ፣እዚ ዝሓለፈ 30 ዓመትሲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ጰንጢጡ ነይሩ ዲኺ ብልና ዘለኺ፣ሽግር ኣሎ፣እስከ መርትዖ ሃቢ ቢለ ግትር።  
ቀጺለ ድማ  ንስኹም ኣምቸታት ኣምልኾ ጣዖት ካብ ኢትዮ ሒዝኩም መጺኩም ሃይማኖትና ሓዊ ኣትዩዋ፣መጻሕፍቲ ተቃጺሉ፣ኢለ ምስ ጀመርኩ ኣባ ቀሺ፣ኣለዉ ዲዮም ዋላ የለዉን ክሳዕ ዝጠራጠር ሕትም ኢዮም ኢሎም።ናብታ ኣብ ቅድመኦም ዝነበረት እናጠመቱ ዘንቢቡ መሲሎም፣ተዓዛዚብና ኢና፣ዶበሉ።ስቅ፣ለከስ ንክልቴና ኢዮም ዝድግፉ።

ጓል ፈጠጥ ኢላ ደው፣እነይ ትኸዉንስ "ኣነ ንእሽቶየ ብፍልጠትን ትምህርትን፣ቀስ ገይርኩም ዘይተረድኡኒ ህጂ ግን ክኸይድ ተሌፎን ኣላትኒ"ትድወል ክምለስየ ኣባየ ኢላቶም ዕዝር።

ንብመንፈስን ብስጋን ኣቦይ ዝእክል ብስነ ምግባሩን መንፈሳዉነቶም እተመስከረሎም ቅዱስ ካን ቀሲስ ገብረመድህን ቀሺ ገብረገርግሽ ፣ንሱዩ እዚ ኩሉ ዝገብር ዘሎ፣ንሱንዩ ሽግርና ዓንዲ ሕቆ ኮይኑዎም ዘሎ ምስ ዶክተር ፍጹም፣እዚ ካህንዚ ትብል ንይራስ ንዓይ ኣቱም፣ሓበሻን ናይ ሓሶት ትሕትናን ተዛሚዶም ኢዮም፣ንዓይ ግን ቅጭ ኢዮም ዘምጽኡለይ ካብ ብሓሶት ኣቱም ዝብል ብቅንዕና ኣታ ዝብልየ ዝፈቱ።
ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳሙኤል፣ምስ ከደት ኣንታ ብዳርባ እምኒ ክንፈርግብ ከተወድአና ሓደ ግዜ ኣብ እንዳ ስላሴ ብኦርጋን ገይርካ ይዝመር ኢለ፣ኩሎም ኣምቸ የልቂሶም ህጂ ክኣ ነባ ሉቃስን ንክንፈርግብ ማርቆስን ኣብ ዳርባ እምኒ ክኽኑና ኣይንኽሰሮም፣ዘረባኻ ህጂ ፍርቂ ኣስመራ በጺሑ ኢሎምኒ።ብትን ይበል ኢለዮም ምርቅፍ።ዳርባ እምኒ ቀሺ ሙሴ ተደልዩ፣ኣጣል ክጓሲ ብቆልዓኡ ጽቡቅ ገይሩ ስለተላመዶ፣ካብ ኣረጋዉያን ሓገዝ ኣየድልዮን፣ኢለ ገሪሙኒ።
ንቀዳማዊ እንጠንዮስ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ምስ ከድኩዎም ሓደ ግዜ ምስቲ ግሩም ክብሮም፣ካብ ኣፎም ዝወጽእ ዝነበር ምኡዝ ወንጌላዊ ቃልን ።ህዱእን ልዙብን ምስትዉዓልን ተግሳጽን ዝመልኦ ምዕደኦምን ፈጺመ ኣይርስዖን። ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝሃብክዎም ጉዳይ፣ማለት ምንቅስቃስ ጸረ ወንጌልን ምትእቲታው ማሕበረ ቅዱሳንን ጽቡቅ ገይሮም ኢዮም፣ኣረዲኦምኒ ዕሙቅ ዝበለ ርዲኢት ክህልወኒ ኣብ የእምሮም ዝሰኽዕዎ ዝነበሩ

እቶም ቅዱስ ኣቦ ራኢኦም ዕላማኦም በኣገባብ ዘቀምጡ፣ኮይኖም ።ከም ሓቂ ካ ሓደ ጳጳስ ከምዚ ዝበለ ነዊሕ ዝጠመተ ዓበይቲ ሊቃዉንቲኳ ዘይበጽሕዎ ኣተሓሳስባን ርዲኢት ክረክብ ትንግርቲዩ ዝነበረ።ድሕሪ ብዙሕ ምዝሪራብን ምዕዶን ብምርቃ ተፋናነና።ሊቃ ካህናት ክወጽእ ምስ ረኣዩኒ፣ደስ ኣይበሎምን ፣ምኽንያቱ ምስ ልደታ ማርያም ኮይኖም ይፍሕሱ ስለዝነበሩሞ ስለዝሰማዕኩዎም፣ኣብጺሑለይ ይኸዉንዩ ኢሎም ኢዮም።

ግዳ ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝሰማዕኩዎ ዘይምብጽሐይ ቅዱስ ጻድቅ ስለዝኾንኩ ዘይኮነስ፣ከምቲ ኣመለይ ዝነበረ ክዛረብ።ገጽ ቀዳማዊ እንጦንዮስ ምስ ረኣኹ፣ኣብ የእምሮይ ነስሓ ፍቅሪ መስቀልካ ምልዓል ንመከራ ድሉው ምዃን ዝብሉ እንበር።ነዚ ሃጠውቀጦው ዓለም ከልዕል የእምሮይ ሓይሊ ኣይረኸበን።ቅዱስ ኣቦና ዘረበኦም ንሕሜታ ወይ ድማ በለካ ለኽዓካ ዝዕድም ኣይነበረን።

  • ዕላማን ራእን ቀዳማዊ እንጦንዮስ እንታይ ነበረ

 

ዕላማን ራእን ቅዱስ ኣቦና ኣመና ብዙሕ ምስ ምዃኑ ካብ ሓደ ክልተ ኢና ንሎሚ ክንጽብጽብ እንበር ፣እዚ ኢዩ ኢልካ ዝድምደም ኣይነበረን፣ንምንታይ ኢዮምከ ምስ መንግስቲ ተጋጭዮም፣ንምንታይከ መንግስቲ ኤርትራ ብጽኑዕ ክሕዞም ደልዩ።

ቀዳማዊ እንጦንዮስ በእምሮ ብመንፈስን ክንዮ ስነ ሓሳብ ኮሚንስታዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ብምስጓም ካብ ኣብ ኢሳይያስ ኣብ ኢየሱስ ስለተመርኮሱ ኢዩ።ኣብዝሓ ፓትሪያርካት ኤርትራ ብዛዕባ ኣቡነ ያዕቆብ ብሰንኪ ሕማሞም ኣየርከብሉን፣ግን ካብ ኣቡነ ፍሊጶስ ኣትሒዝካ ክሳዕ እዞም ሓድሽ ኣቦ ብዘይ ባርኾት ኢሳይያስ ኣንኳን ክገሹስ ስራሕ እዉን ኣይኣትዉን።ሓደ ሓደ ግዜ እዉን ነስሓ ሰባትይነግሩዎ ይኾኑ ኢለየ ዝግመት።

ኣቡነ ደስቆሮስ እንታዩ በደል ኣቡነ እንጦንዮስ ተባሂሎም ኣብ ጥልያን ምስ ተሓተቱ 2009 ዋእ ንፕረሲደንት ኢዮምኮ፣ተቃዊሞሞ፣ንፕረሲደንት ደፋር፣ነቶም ወዲ ኣፎም'' ይበሉ።ወዲ ኣፍየ ከም ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ጳጳሳት ዝምለኽ ጣዖት ኣስመራ።

ንዝኾነ ዝግበር ክቡር ፕረሲደንትከ ፈሊጦምዶ ኢዩ። ኢልካ ከይሓተትካ ሰብ ኣይዉገዝ ዋላ ምሕረት ኣይግበር ወረቀት ኣይፍረም።ብዘይካ እቲ ሚምሕዳር ዝገበሮ።ኣብ ዘመነ እብረ ቅዱስ እንጦንዮስ እዚ እናተረፈ ምስ ከደ ፣"ወያ ዝፈራሕናያ ኮይና" ተባህለት።

ምኽንያቱ እንጦንዮስ መዓዶት ምስግጋር ናብ ሃዋርያዊ ብጽሕነት ከም ዝኾነሉ፣ኣንኳንዶ ክንደይ መጻሕፍቲ ዘንበቡ ፖሎቲከኛታት ቅሩብ ዓይኒ ዘንቅሐ ሰብኳ ክርድኦ ይኽእል ነይሩ።ፕረሲደንት ኦርቶዶክስ በብቁሩብ ካብ ቁጺጽሩ ትወጽእ ምህላዋ ክርድኦ ጀሚሩ።ምኽንያቱ መንግስቲ ኤርትራ ንመንበረ ፓትሪያርክ ክምስርቶን ንኤርትራ ብሃይማኖት ካብ ኣዲኣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ክፈልያን ከሎ፣ንዕኡ ክጥዕሞን መሳርሒ ክትኮኖን፣ምስ ኢትዮ ምግጫው ስለዘይተርፍ ከምዚ ዩክረን በጺሑዋ ዘሎ ሃስያ ሃይማኖት ከይሕነቅን ስለዝፈርሐዩ ዝነበረ።
ቀዳማዊ እንጦንዮስ ስሙ ረሲዐዮ ኣለኹ ብሓደ ትግረ ሃገራዊ ጸጥታን፣ብሃገራዊ ድሕነትን ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ብቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ገለ ጀነራላትን ካብ ራእን ዕላማን ህዝባዊ ግንባር ይወጹ ምህላዎም ተነጊሩዎም ኢዩ።ግዳ ኤርትራዉያን ኢሳይያስ ንሰበስልጣናቱ ኣዚዙ ጨፍጭፍዎም ክብል፣ንሱስ ይፈልጥ ዲዩ፣ከም ዝብሉ፣ቅዱስ ኣቦና እዉን ይፈልጦ ዲዩ፣ምስዚ ፕረሲደንት ኣራኽቡኒ ይበሉ።

እቶም ኣማኽርቶም ኢሳይያስ ነዚ ኩሉ ዝገብሮ ምህላዉን ትሕቲኡ ዘለዉ ልኡኻት ምዃኖምን እንተ ዘይተሰወጦም እንተስ እንታይ ኮይኖም ኣይነገሩዎምን ክኾኑ ኣለዎም። 

 ይቅጽል ናብ 2ይ ክፋል

Comments

Popular posts from this blog

2ይ ክፋል ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።

ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።

3ይቲ ሰንበት ናይ ኣርብዓ ጾም ምኩ`ራብ ትበሃል 1ይ ክፋል።