ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።
ብህይወት ከለዉ፣ኣይተዛረብኩን መታን ብኣይ ዝመጸ ምንም ጉድኣት ክበጽሖም ስለዘይደሊ።ህጂ ግን ገለ ክብል።ናብ ቀዳማዊ እንጦንዮስ ምስ ደለኹ፣ብመጀመርታ ናብ ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ ኢየ፣ኣምሪሐ ።ምኽንያቱ ከም ሰባኺ ወንጌልን ዝተዋህበኒ፣ቀሺ ሳሙኤልን ኣነን ንዛራረበሎም ጉዳያት ስለዝነበሩ።
ቀሺ ሳሙኤል ግን ክንዮ ጸሊም ልብሲ ጳጳሳት ዝመስል ስርሖምስ መስደሚም ኢዩ ዘነበረ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ቀሺ ዲየ ዝዛረብ ዘለኹ ዋላስ ምስ ካልእ ይተሓዋወሰኒ ነይሩ።ብልክዕ ነጥብና ብኸመይ ንማሕበረ ቅዱሳን ልደታ ማርያም ንመክቶም'ዩ፣ዝነበረ።
ጓል ፈጠጥ ኢላ ደው፣እነይ ትኸዉንስ "ኣነ ንእሽቶየ ብፍልጠትን ትምህርትን፣ቀስ ገይርኩም ዘይተረድኡኒ ህጂ ግን ክኸይድ ተሌፎን ኣላትኒ"ትድወል ክምለስየ ኣባየ ኢላቶም ዕዝር።
ንብመንፈስን ብስጋን ኣቦይ ዝእክል ብስነ ምግባሩን መንፈሳዉነቶም እተመስከረሎም ቅዱስ ካን ቀሲስ ገብረመድህን ቀሺ ገብረገርግሽ ፣ንሱዩ እዚ ኩሉ ዝገብር ዘሎ፣ንሱንዩ ሽግርና ዓንዲ ሕቆ ኮይኑዎም ዘሎ ምስ ዶክተር ፍጹም፣እዚ ካህንዚ ትብል ንይራስ ንዓይ ኣቱም፣ሓበሻን ናይ ሓሶት ትሕትናን ተዛሚዶም ኢዮም፣ንዓይ ግን ቅጭ ኢዮም ዘምጽኡለይ ካብ ብሓሶት ኣቱም ዝብል ብቅንዕና ኣታ ዝብልየ ዝፈቱ።
ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳሙኤል፣ምስ ከደት ኣንታ ብዳርባ እምኒ ክንፈርግብ ከተወድአና ሓደ ግዜ ኣብ እንዳ ስላሴ ብኦርጋን ገይርካ ይዝመር ኢለ፣ኩሎም ኣምቸ የልቂሶም ህጂ ክኣ ነባ ሉቃስን ንክንፈርግብ ማርቆስን ኣብ ዳርባ እምኒ ክኽኑና ኣይንኽሰሮም፣ዘረባኻ ህጂ ፍርቂ ኣስመራ በጺሑ ኢሎምኒ።ብትን ይበል ኢለዮም ምርቅፍ።ዳርባ እምኒ ቀሺ ሙሴ ተደልዩ፣ኣጣል ክጓሲ ብቆልዓኡ ጽቡቅ ገይሩ ስለተላመዶ፣ካብ ኣረጋዉያን ሓገዝ ኣየድልዮን፣ኢለ ገሪሙኒ።
ንቀዳማዊ እንጠንዮስ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ምስ ከድኩዎም ሓደ ግዜ ምስቲ ግሩም ክብሮም፣ካብ ኣፎም ዝወጽእ ዝነበር ምኡዝ ወንጌላዊ ቃልን ።ህዱእን ልዙብን ምስትዉዓልን ተግሳጽን ዝመልኦ ምዕደኦምን ፈጺመ ኣይርስዖን። ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝሃብክዎም ጉዳይ፣ማለት ምንቅስቃስ ጸረ ወንጌልን ምትእቲታው ማሕበረ ቅዱሳንን ጽቡቅ ገይሮም ኢዮም፣ኣረዲኦምኒ ዕሙቅ ዝበለ ርዲኢት ክህልወኒ ኣብ የእምሮም ዝሰኽዕዎ ዝነበሩ።
- ዕላማን ራእን ቀዳማዊ እንጦንዮስ እንታይ ነበረ
ዕላማን ራእን ቅዱስ ኣቦና ኣመና ብዙሕ ምስ ምዃኑ ካብ ሓደ ክልተ ኢና ንሎሚ ክንጽብጽብ እንበር ፣እዚ ኢዩ ኢልካ ዝድምደም ኣይነበረን፣ንምንታይ ኢዮምከ ምስ መንግስቲ ተጋጭዮም፣ንምንታይከ መንግስቲ ኤርትራ ብጽኑዕ ክሕዞም ደልዩ።
ቀዳማዊ እንጦንዮስ በእምሮ ብመንፈስን ክንዮ ስነ ሓሳብ ኮሚንስታዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ብምስጓም ካብ ኣብ ኢሳይያስ ኣብ ኢየሱስ ስለተመርኮሱ ኢዩ።ኣብዝሓ ፓትሪያርካት ኤርትራ ብዛዕባ ኣቡነ ያዕቆብ ብሰንኪ ሕማሞም ኣየርከብሉን፣ግን ካብ ኣቡነ ፍሊጶስ ኣትሒዝካ ክሳዕ እዞም ሓድሽ ኣቦ ብዘይ ባርኾት ኢሳይያስ ኣንኳን ክገሹስ ስራሕ እዉን ኣይኣትዉን።ሓደ ሓደ ግዜ እዉን ነስሓ ሰባትይነግሩዎ ይኾኑ ኢለየ ዝግመት።
ኣቡነ ደስቆሮስ እንታዩ በደል ኣቡነ እንጦንዮስ ተባሂሎም ኣብ ጥልያን ምስ ተሓተቱ 2009 ዋእ ንፕረሲደንት ኢዮምኮ፣ተቃዊሞሞ፣ንፕረሲደንት ደፋር፣ነቶም ወዲ ኣፎም'' ይበሉ።ወዲ ኣፍየ ከም ኣምላኽ ኣብ ዓይኒ ጳጳሳት ዝምለኽ ጣዖት ኣስመራ።
እቶም ኣማኽርቶም ኢሳይያስ ነዚ ኩሉ ዝገብሮ ምህላዉን ትሕቲኡ ዘለዉ ልኡኻት ምዃኖምን እንተ ዘይተሰወጦም እንተስ እንታይ ኮይኖም ኣይነገሩዎምን ክኾኑ ኣለዎም።
ይቅጽል ናብ 2ይ ክፋል
Comments