ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።
ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።
ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።
ብዙሓት ሰባት ስብከትና መዝሙርና ኢየሱስ ኢየሱስ ይኹን ክንብል ከለና ኣብቲ መሰረት ካብ ንግህኡኡ እታ መንገዲ በቲ ቅኑዕ መልክዓ ስለዘይሓዙዋ፣እንጋገ ወይ ድማ እነጋጊ ዘለና ወይሲ፣ ጸረ ቅዱሳን፣ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮነ መልኣኽታት ዘይነኽብር ገይሮም ክወስዱናን ሰይጣን እዉን ድኻም ኣመንቲ ተጠቂሙ ንዘይሚምሃር ህዝብና ክብለጸሉን፣እቶም በቲ ርኹስ መንፈስ ዝድግፉ ገይሩ ሆጅ ክብለናን ካብ ንርእይ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።
ግዳ ንሕና ከምቲ ከሰስትና ዝሓስቡና ወይ እዉን ሰይጣን ኣብ ልዕሌና ዝዘርኦ ዝእዉጆ ኣይኮናን።ንሕና ከምቲ መንፈስ ኣምላኽን ኣምላኽን ዝፈልጠናን ዝጸዉዑናን ዝለኣኸናን ክንነብር ሕኹት እንብል ተካእቲ ሃዋርያትን ብድሕሪኦም ዝመጹን ኢና።ዕላማና ዕላማ ሃዋርያት ኢዩ፣ንሱ ድማ ወንጌል ሚምሃር፣እቲ መዓልታዊ ንብሎ ድማ ካብታ ጃልባ ከይንወጽእ፣ኢዩ።
ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ሃዋርያት ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮነ ቅዱሳን መልአኽታት ወይሲ ቅድመኦም ዝነበሩ ቅዱሳን ጻድቃን ንምንታይ ኢዮም ዘይሰብኩ ዝነበሩ፣ስለዘየኽብሩዎምዶ ይመስለኩም፣ስለዘየፍቅሩዎምዶ ይመስለኩም።ኣይፋሉን የፍቅሩዎም የኽብሩዎም እንበር፣ከምኡ ክገብሩ ዝገበሮም ግን ክስበኽ ዘለዎ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነ ኢዩ።
ንሰባት ብዛዕባ ክርስቶስ ተነጊርካዮም፣ተኣሚኖም ይድሕኑ ብዛዕባ ክላእ ነጊርካዮም ግን ከድሕኖም ስለዘይክእል ክንዮ ታሪኽ ምዃኑ ሓሊፉ ኢዩ።
ብዙሓት ሰባት ስብከትና መዝሙርና ኢየሱስ ኢየሱስ ይኹን ክንብል ከለና ኣብቲ መሰረት ካብ ንግህኡኡ እታ መንገዲ በቲ ቅኑዕ መልክዓ ስለዘይሓዙዋ፣እንጋገ ወይ ድማ እነጋጊ ዘለና ወይሲ፣ ጸረ ቅዱሳን፣ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮነ መልኣኽታት ዘይነኽብር ገይሮም ክወስዱናን ሰይጣን እዉን ድኻም ኣመንቲ ተጠቂሙ ንዘይሚምሃር ህዝብና ክብለጸሉን፣እቶም በቲ ርኹስ መንፈስ ዝድግፉ ገይሩ ሆጅ ክብለናን ካብ ንርእይ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ።
ግዳ ንሕና ከምቲ ከሰስትና ዝሓስቡና ወይ እዉን ሰይጣን ኣብ ልዕሌና ዝዘርኦ ዝእዉጆ ኣይኮናን።ንሕና ከምቲ መንፈስ ኣምላኽን ኣምላኽን ዝፈልጠናን ዝጸዉዑናን ዝለኣኸናን ክንነብር ሕኹት እንብል ተካእቲ ሃዋርያትን ብድሕሪኦም ዝመጹን ኢና።ዕላማና ዕላማ ሃዋርያት ኢዩ፣ንሱ ድማ ወንጌል ሚምሃር፣እቲ መዓልታዊ ንብሎ ድማ ካብታ ጃልባ ከይንወጽእ፣ኢዩ።
ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ሃዋርያት ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮነ ቅዱሳን መልአኽታት ወይሲ ቅድመኦም ዝነበሩ ቅዱሳን ጻድቃን ንምንታይ ኢዮም ዘይሰብኩ ዝነበሩ፣ስለዘየኽብሩዎምዶ ይመስለኩም፣ስለዘየፍቅሩዎምዶ ይመስለኩም።ኣይፋሉን የፍቅሩዎም የኽብሩዎም እንበር፣ከምኡ ክገብሩ ዝገበሮም ግን ክስበኽ ዘለዎ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነ ኢዩ።
ንሰባት ብዛዕባ ክርስቶስ ተነጊርካዮም፣ተኣሚኖም ይድሕኑ ብዛዕባ ክላእ ነጊርካዮም ግን ከድሕኖም ስለዘይክእል ክንዮ ታሪኽ ምዃኑ ሓሊፉ ኢዩ።
ሰባት ኣብዛ ድብልቅልቅ ዝበለት ዓለም ካብታ ኢየሱስ ዘለዋ ጃልባ ተወጺኦም ህይወቶም ክፍወስ ነገራቶም ክዕረ ኣይክእልን ኢዩ።እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሃዋርያት ምጥማቶም ኣብ ኢየሱስ ክኸዉን ዝተገብኦ ክንሱስ ኣብ ሕድሕዶምን ኣብቲ ዝነበረ ነገራትን ክኸዉን ምስ ጀመረ ክጥሕል ጀሚሩ።
ሎሚ ህዝብና ይጥሕል ኣሎ ዘይኮነስ ባሕሪ ዓለም ውሒጥዎ፣እቲ ዝተረፈ እዉን ናብ ታሕቲ ይሰጥም ኣሎ።ምኽንያቱ ናበይ ክጥምት ኣለዎ ኣይፈለጠን።ስለዚ ድማ ኢና፣ክሳዕ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕልናኡ ከም ስቁል ኮይኑ ዝሰኣል ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ ክንገሮ ኣለዎ ንብል ዘሎና።ሎሚ ሰይጣን ነእምሮ ህዝብና ኢየሱስ ዝብል ስም ከም ናይ ሓደሽቲ ሎሚ ዝመጹ ሃይማኖት ፍልስፍና ገይሩዩ፣ኣረዲኡዎ ዘሎ።
ጴጥሮስ ካብታ ጃልባ ወሪዱ ኣብ ልዕሊ ማይ ክኸይድ ምስ ጀመረ፡ ተኣምር ኣጋጠሞ። ጎይታ ኢዩ ንዓ ኢልዎ፣ጎይታ ዝበሎ ሰሚዑ ግን ናብ ጎይታ ክጥምት ነበሮ'ግን ንሓሳባቱ የጓናድብ ብዙሕ ነበረ፣ብርግጽ እቲ ጴጥሮስ ዘጋጠሞ ቃል ብቓሉ ፍሉይ እዩ ነይሩ። ሓደ ነገር ግን ኣጋጢሙ። ጴጥሮስ ኣዒንቱ ካብ ኢየሱስ ኣውጽኣ፣ ምስ ኣውጽአ ድማ ክጥሕል ጀመረ።
ናይ ሎሚ ምጥሓል ሕብረተ ሰብና ድማ እዚ ኢዩ።ካብ ናብ ኢየሱስ ናብ ካልእ ምጥማት፣ነቲ ብርቱዕ ንፋስን ማዕበልን ምስ ረኣየ ግና ሰንቢዱ ክጥሕል ጀመረ።“ኣድኅነኒ ጎይታ!” ኢሉ ጨደረ። (ማቴ 14፡30)።ጴጥሮስ ኣዒንቱ ካብ ጎይታ ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊ ህቦብላ ኣንቢሩ ነቲ ተኣምር ኣበላሽዎ።
ጠመተ ህዝብና ሎሚ መን ኢዩ፣ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታናን ኣምላኽናን ወይሲ ቅዱሳን ወይሲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወይሲ ቅዱሳን መአኽታት{።ኣማኒ በጃኻ ስምዓኒ - ብፍላይ ድማ ኣገልገልቲ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና። መጻኢና ክጥሕል እዩ።ኣገልግሎትና ክትሕል ኢዩ፣ቤተ ክርስቲያን ድማ በዛ ከይዳታ ዘላ ክትጥሕል ኢያ፣ ኣገልግሎታትና ክጥሕሉ እዮም። ክንጥሕል ኢና።እሞኸ
ንፋሳትን ማዕበላት ህውከትን ትኹረትካ ክሰርቕ ኣይነፍቅደሉ። ኢየሱስ ትኹረትካ ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ።ኢየሱስ ትኹረትካ ኮይኑ ክቕጽል ከሎ ሓያሎ ነገራት የጋጥሙ።
ፍጹም ሰላም ብቐዳምነት ኢየሱስ ትኹረትካ ምስ ዝጸንሕ ልብኻ ብፍጹም ሰላም ይመልእ።ኣብኡ ስለትዉከል፡ ሓሳቡ ኣባኻ ዝጸንዐ ሰብ ስለትኸዉን፣ኣብ ፍጹም ንልብኻ ሰላም ክሕልዎ ኢዩ። (ኢሳ 26፡3)
ትጭነቅዶ ኣለኹም፣ትርበሽዶ ኣለኹም፣ብዘይገድስ ምርባሽና ምጭናቅና ምኽንያት ይሃልዎ ክንጭነቅ የብልናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና እንተ ኣሎ፣ዉሉድ እቲ ልዑል እንተ ኾይና።ምህዋኽ ቤተ ክርስቲያን ምንዋጽ ኣገልገልቲ ምርባሽ ሕብረተ ሰብና ሎሚ፣ህዝብና ናበይ ክጥምት ስለዘይፈለጠ ወይ ድማ ምጥማቱ ኣብ ክንዲ ናብ ኢየሱስ ናብ ካልእ ስለዝገበረ ኢዩ።
ቱኽረትካ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዝኸዉን፣ሓቀኛ ሓድነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልገልቲ ኣብ ኣመንቲ ይህሉ ፣ጉድለትን ድኽመትን ሕድሕድ ክትጸባጽብ ግዜ የሎን። ኣዒንቲ ህዝቢ ድማ ንስሕተትን ድኻምን ኣገልገልቲ ኣይስዕቦን፣ንሳቶም እዉን ድኻሞም ተረዲኦም ቀልጢፎም ይምለሱ።
ኣብ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ትኹረትና ምስ ዝቕጽል፡ ምስ ኣመንቲ ብጾትካ ሓቀኛ ሓድነት ንረክብ።ኣብታ ተገልግላ ኣብቲ ዘለኻዮ ቤተ ክርስቲያን ሓቀኛ ሃድነት ኣመንቲ ኣሎ ኢልካዶ ተኣምን። ሓቀኛ ሓድነት ኣመንቲ ማለት፣ንድኻም ሓዉኻ ናብ ቅርዓት ምጻእ ዘይኮነስ ስለኡ ብጸሎት ምንቃሕ ከይነገርካዮ ብዛዕባኡ ምስ ኣምላኽ ምዝራብ።
ኣብቲ ናይ ቅዳሴ ጸሎትና በእንተ ማህበርነ ንስተበቁዕ ከመ እግዚኣብሔር እስከ ፍጻሜነ በህብረተ መንፈስ ቅዱስ ይዕቀበነ።<ክሳዕ መፈጸምታ ብሕብረተ መንፈስ ቅዱስ ኪሕልወና ምእንቲ ማሕበርና ንልምን >ኢና ንብል። ግን ጸሎት ጥራሕ ኮይኑ ይተርፍ።ግን ኣብታ ማሕበር(ቤተክርስቲያን )ዋላኳ መንፈስ ቅዱስ ክሕልወና ድሉው ተኾነ ናብ ክርስቶስ ብዘይምጥማት ዘምጽኦ ሕድሕድና ክንናቆት ኢና ንዉዕል እቲ ጸሎት ንብሎ እዉን ከም ልምዲ እንበር ብመንፈስ ስለዘይጽለ ትርጉም የብሉን፣ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንበኣስ ኣብኡ ብሞቆምያ ንፋጋእ ኣብኡ ከለና ንጡንቁል ንሓሚ ንጻላእ ሻራ ንገብር።
ኣብ ጐይታ ኣተኲርካ፡ ንፋሳትን ማዕበልን ናይዛ ስጋዊ ዓለም ኣይትዘናጋዕን ኢኻ። ኣብ ኢየሱስ ከነተኩር ከሎና ኣብ ክንዲ ኣብቲ ክፈላልየና ዝኽእል ዓቕሚ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዘወሃህደና ኢና ነተኩር።
ገሌና ኣይሁድ፡ ገሊኦም ኣህዛብ፡ ገሊኦም ባሮት፡ ገሊኦም ድማ ሓራ እዮም። ኩላትና ግና ብሓደ መንፈስ ናብ ሓደ ኣካል ተጠሚቕና ኢና፣ ኩላትና ድማ ሓደ መንፈስ ንካፈል ኢና። (1ቆሮ 12፡13, NLT)
ኣብ ኢየሱስ ትኹረትካ ምስ ዝጸንዕ፡ ኣጽኒዕካ ክትጸንዕ ኢኻ። ብነፍሲ ወከፍ ርእይቶን ኣንፈትን ኣይትንቀሳቐስን ኢኻ። ብተኣማንነት፡ ብጽኑዕ ክትጸንዕ ኢኻ። ዝኾነ ነገር ከንቀጥቀጠካ ኣይክእልን እዩ። እምነትካ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ ከም ዘይተበላሸወት ክትነብር እያ።ንዓና ተዘይ ኣሚንካ ህይወት ቅዱሳን መርምር፣ርአ።
እዚ ስለዝኾነ እንበኣር ኢና።ሰብ ናብ ሰብ ሰብ ናብ መልኣኽታት ብምጥማቱ ፍጹም ክድሕንን ፍጹም ሰላም ክረክብ ብማዕበላት ክሳገርን ስለዘይክእል ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ መታን ክጥምት ወንጌል ክመሃር ኣለዎ ዝበልና።ቅድመና ዝነበሩ ቅዱሳን ሃዋርያትን ስዓብቶም ቅዱሳን ኣቦው ኣቦታትን ነዚ ኢዮም ምሂሮም።ንትምህርተይ ሰሚዑ ዝስዕቦ ሰብ ከም ኣብ ጽኑዕ ከውሒ ቤት ዝሃንጽ ሰብ ለባም እዩ። (ማቴ 7፡24)
ኣብ ግላዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ጉዕዞና ስራሕና ዒዉታት ኣይኮናን።ውጽኢታዊነት ዘይምህላዉ ህላወ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድረ ሓበሻ ህዝባ ናብ ክርስቶስ ክጥምት ስለዘይገበረት እቶም መምህራን ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልቢ ኣመንቲ ከም ስቁል ክሳዕ ዝሰኣል ስለዘይጽዓሩ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ወኢትዮጵያ ክሳዕ ክንደይ ዘይኣመንቲ ኣህዛብ ሰቢኽና ወንጌል ኣቀኢብልናዮምን ኣጥሚቅናዮምን ኣሎና።ኤርትራዉያን እሞ ካብ ሓደ ከንሻ ሓደ ኢየሱስ ተራ ነብይ ኢዩ፣ስላሴ ዝብሃሉ የለዉን ዝብል ኣስላማይ የለዉ ክብሉ ኢኻ፣ትሰምዕ፣መራሕቲ ሃይማኖት ኢና ዝብሉኻ፣እምነት ሓንቲ ከላ፣ኣብ ኤርትራ ኣርባዕተ እምነታት ኣሎ ኢሎም፣ክዛረቡ ኢና ንሰምዕ።
ምኽንያቱ ድማ ናብ ኢየሱስ ተዘይ ጠሚቱ ሰብ ዓጃውዩ ዝኸዉን ኪኢለዮ ኢሉ ድማ ስሕተትን ገይጋን ይዛረብ፣ፍቁር ሓወይ ሓፍተይ ትዉክልትኻ፣እንኮ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ተድኣ ገይርካዮ ዝተረጋጋአ ቅሱን ህይወት ዘለዎ ክትከዉን ኢኻ።ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኢየሱስ ትዅረትካ ምስ ዝቕጽል፡ ንስኻ ውጽኢታዊ ትኸውን።
ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምብሳር ኢዩ፣ስለኡ ከተበስር ኣብ ሓደጋ ምውዳቅ ኣብ ፈተና መከራ ምውዳቅ ኢዩ።ንክርስቶስ ክሰብኩ እተሓረዱ እተሰየፉ ካህናት ወጳጳሳት ዲያቆናት ኣብ ዘመንኩም፣ኣጓኒፎምኹምዶ ይፈልጡ ወይሲ ሰሚዕኩምዶ ትፈልጡ።ኣይትፍርሑ ሓቂ ተዛረቡ የለዉን ኢዩ።
ከመይ ኢሉ፣ኢዩ ክህሉ ንሕናኮ ወንጌል ነቶም ኣመንቲ ንብሎም ኢና ንነግሮ።ነዚ ስብከት ንብሎ።ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ኣይንዛረብን ኣብ ከባቢና ብዙሓት ዘይኣመንቲ ከለዉ ብጩቅ ኣይንብልን።ምኽንያቱ ካብቲ እምነት ወጺእና ስለዘለና።ልምዲ ስርዓት ጥራሕዩኮ ዝግበር ዘሎ።
ጎይታና ኢየሱስ ሕጂ’ውን መልሲ እዩ፡ ወንጌል ድማ ሕጂ’ውን ተልእኾ እዩ።ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ተላኾና ክንገብር ኣሎና።ወንጌል ክንሰብኽ ህዝብና ብዝግብእ ክፈልጥ ኩሉ ሰባኺ ክሳዕ ዝቅየር ክንምህሮ ኣሎና።ገድሊታት ተኣምራታትን ድርሳናት ኣጽንሕዎም፣ህዝብና ቅድመ ክፈልጦ ዘለዎ ኣይፈለጠን ኣሎ::
ኣብዚ ሎሚ ግዜ ገለገለ መንእሰያት ሓቀኛ ወንጌል ጽሩይ ቃል ኣምላኽ ክዝርግሑ ምርኣየይ ሕጉስየ፣ዝብሎም ግን ኩሉ ግዜ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ልዕና ክርስዑ የብሎምን፣ንቤተ ክርስቲያን ተገልግላ እንበር ኣይትወቅዓን ኢኻ፣እንታይ ድኣ ጉድለት እንተ ኣልዩ እዉን ክንዲ ብደገ ኮይንኳ ምስ ኣጽራራ ምዉቃዕ ኣብ ውሽጣ ኮይንካ ምህናጽ ኢዩ። መልእኽቲ’ ሓቀኛ ወንጌል ክዝርጋሕ ምርኣየይ ሕጉስ’የ።
ኣብዚ ፈታኒ እዋን፡ ኣብዚ ናይ ምድንጋር እዋን።ህዝብና ሓቅን ሓሶትን ከይተሕሓዋወሶ ክንፈልየሉ ኣሎና።እዚ ዘለናዮ ካብ መልእኽቲ ወንጌል ናይ ምውራድ ዝንባለ ይርአ ኣሎ። ኢየሱስ ትኹረትካ ኮይኑ ፣ክንዲ ዝጸንሕ ትኹረትካ ካልእ ኮይኑ ይጸንሕ፣ተድኣ ትኹረትካ ኢየሱስ ኮይኑ ጸሚሑ፣መልእኽትኻ ድማ ንሱ ኮይኑዩ ዝጸንሕ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፣ ከምዚ ይብል(1ይ ቆሮንቶስ 2 - 1 )ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ ,,,,,,,,,,,,,,,።ከም ዝበሎ፣መደብና መደቡ ይኹን ኢና ንብል ዘሎና።
ንፋሳትን ማዕበልን ክነዲድ ምድሪ ክትጸብብ። ኣዒንትኻ ኣብ ኢየሱስ ክኸዉን ዙግበኦ ህዝቢ ንምንታይ ናብ ሓላፊት ዓለም ንመገስታትን ሃገራትን ይኸዉን እንተ ኢልና፣ምጥማቱ ናበይ ክገብር ይግበኦ ስለዘይመሃርናዮ ኢዩ።ተድኣ ምጥማትካ ናብ ኢየሱስ ዝገበርካ ሰብ ኮይንኳ እቲ ህቦብላ ምስ ሓለፈ፡ ብሕፍረት ንድሕሪት ክትጥምት ኣይትደልን ኢኻ።
ኣይትጥምትን ንድሕሪት ንድሕሪት ተመሊስካ ንነብስኻ ከተፈርሳ፡ እምነት ከም ዝሰኣንካ፡ ብስምዒትካ ክትቆጻጸር፡ ወይ ክትጥሕል ክትዝክር ኣይትደልን ኢኻ።እንታይ ድኣ ህቦቡላ ይምጻእ ወይሲ ዝባላዕ ሓዊ ናብኡ ኢኻ ትጥምት። ነቲ ህቦብላ ዝነበረሉ መዓልታት ንድሕሪት ተመሊስካ ክትዕዘቦ ከለኻ፡ትዉክልተኣይ ኣብ መን ነበረ ትብልሞ፣ትዉክል'ትኻ ኣብኡ ምንባሩ ምስ ፈለጥካ “እሙን ኮይነ ደው ኢለ። ንጽህናይ ሓልየ። ንጽህናይ ሓጎሰይ ፍቕረይ ሰላመይ ሓልየ። ኣብ ማእከል እቲ ህቦብላ፡ ኣዒንተይ ናብ ኢየሱስ ኣቐመጥኩ።”ኢልካ፣ነቲ ከምዚ ኮይንኳ ክትርከብ ሓይሊ ዝሃበካ ጎይታ ተመስግን።
ቀሺ ሙሴ ሺሻይ
Comments