ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።

ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና። ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና። ብዙሓት ሰባት ስብከትና መዝሙርና ኢየሱስ ኢየሱስ ይኹን ክንብል ከለና ኣብቲ መሰረት ካብ ንግህኡኡ እታ መንገዲ በቲ ቅኑዕ መልክዓ ስለዘይሓዙዋ፣እንጋገ ወይ ድማ እነጋጊ ዘለና ወይሲ፣ ጸረ ቅዱሳን፣ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮነ መልኣኽታት ዘይነኽብር ገይሮም ክወስዱናን ሰይጣን እዉን ድኻም ኣመንቲ ተጠቂሙ ንዘይሚምሃር ህዝብና ክብለጸሉን፣እቶም በቲ ርኹስ መንፈስ ዝድግፉ ገይሩ ሆጅ ክብለናን ካብ ንርእይ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ግዳ ንሕና ከምቲ ከሰስትና ዝሓስቡና ወይ እዉን ሰይጣን ኣብ ልዕሌና ዝዘርኦ ዝእዉጆ ኣይኮናን።ንሕና ከምቲ መንፈስ ኣምላኽን ኣምላኽን ዝፈልጠናን ዝጸዉዑናን ዝለኣኸናን ክንነብር ሕኹት እንብል ተካእቲ ሃዋርያትን ብድሕሪኦም ዝመጹን ኢና።ዕላማና ዕላማ ሃዋርያት ኢዩ፣ንሱ ድማ ወንጌል ሚምሃር፣እቲ መዓልታዊ ንብሎ ድማ ካብታ ጃልባ ከይንወጽእ፣ኢዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ሃዋርያት ብዛዕባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኮነ ቅዱሳን መልአኽታት ወይሲ ቅድመኦም ዝነበሩ ቅዱሳን ጻድቃን ንምንታይ ኢዮም ዘይሰብኩ ዝነበሩ፣ስለዘየኽብሩዎምዶ ይመስለኩም፣ስለዘየፍቅሩዎምዶ ይመስለኩም።ኣይፋሉን የፍቅሩዎም የኽብሩዎም እንበር፣ከምኡ ክገብሩ ዝገበሮም ግን ክስበኽ ዘለዎ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለዝኾነ ኢዩ። ንሰባት ብዛዕባ ክርስቶስ ተነጊርካዮም፣ተኣሚኖም ይድሕኑ ብዛዕባ ክላእ ነጊርካዮም ግን ከድሕኖም ስለዘይክእል ክንዮ ታሪኽ ምዃኑ ሓሊፉ ኢዩ። ሰባት ኣብዛ ድብልቅልቅ ዝበለት ዓለም ካብታ ኢየሱስ ዘለዋ ጃልባ ተወጺኦም ህይወቶም ክፍወስ ነገራቶም ክዕረ ኣይክእልን ኢዩ።እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሃዋርያት ምጥማቶም ኣብ ኢየሱስ ክኸዉን ዝተገብኦ...