Posts

Showing posts from 2012

ቃል ኪዳን

Image
                       ቃል ኪዳን ፍቁራት የሕዋትና ካብዚ ብምቅጻል ድማ ካብ ተፋለየ ጽሑፋትን መጻሕፍትን ብምግንጻል ፡ነቲ ዝጀመርናዮ ብዛዕባ ስርዓተ ቃል ኪዳን ክንምልእ ኢና።ብዛዕባ ቃል ኪዳን ክንዛረብ  ካብ ቃል ኣምላኽ ከነቅርበልኩም ኢና እሞ ምክትታል ኣይትሕመቁ።ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ <<ሰበኣይ ኣብኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን”፡በለና። እቶም ሓደ ዝተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን።ካብታ ቃል ኪዳን ዝኣስሩላ መዓልቲ ኣትሒዞም፡መማኽርትን መኻይድትን ፡መዛይትን፡ኣብ ሞት ኮነ ጸገም፡ተሓናገርትን፡ደኣ ኪኾኑ ኣለዎም እንበር።እታ ጓል ብዛዕባ ሓዳራ ሰብኣያ ገዲፋ ክትዛተ፡እቲ ሰበኣይ ከኣ በዓልቲ በይቱ ገዲፉ ምስ ኣዲኡ ክዛተን ክማኸርን፡ቀረባኡ ወለዱ ገይሮም ክርእይን ኣይግባእን ኢዩ። እው ብልክዕ ኢዩ።ንሕና ካብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተኾስኪሱ ዘይዓበየ፡ሕብረተ ሰብ ስለዝኾናን። ካብ ቃል ኣምላኽ ወጻኢ ዝኾነ ጥራሕ ኣብ ባህሊ ተመስረተ ሂወት ዝነበረና ሰባት ስልከ ዝኾና።፡ነቲ ምስጢር ተኽሊል ቃል ኪዳን ፍጹም ክሳዕ ህጂ ኣይተረዳእናዮን ዘለና።ስለ ዘይተረዳእናዮ ነቲ ምስጢረ ተኽሊል ድማ ኢና፡፡ካብ ሰበይትና/ወይ ካብ ሰብኣይና ኣደና፡ሓውና ሓፍትና፡ቤተ ሰብና ዝቀርቡና ኾይኑ ይስመዓና ኢዩ። እዚ ግን ኣጻር ቃል ኣምላኻ ኢዩ።ጎይታ ኣቦን ወድን፡ ኣደን ጓልን ሓደ ኢዮም ኣይበለን።ኣምላኽ ኣሕዋት ሓደ ኣካል ኢዮም ኣይበለን። ን ሰብኣይን ሰበይትን ጥራሕ ሓደ ኢዮም በለ።(ማር10፡8)ክልቲኦም ሓደ ስጋ ደኣ በሎም እንበር፡ክልተ ስጋ ኣይበለን።እሞኸ ኣካልካዶ ይቀርበካ ዋላስ ፡ካልእ ኣ...

ኣላትና

Image
                                    ኣላትና                               ኣላትና ጽብቅቲ ከተማ ትዳለወልና ኣላ ኣብ ሰማይ ተሰሊማ ሓዳስ ከተማ የሩሳለም ሽማ ሓዘን ጋሂ ወጽዓ ዘይብላ ብዘይካ ዕልልላ እህህታ ዘይብላ ንብዓት ካብ የዒንትና ዝድረዘላ ምስ ሕያዋይ ኢየሱስ እንጸናንዓላ ካብ ኩሉ ጸቅጢ ወጺእና ርእስና ነቅንዓላ ከተማ እቲ ገንሸል ትመጽእ ኢያ ዘላ ንልብና ከተዕርፎ ከነቃልሕ ዕልላ ኣላትና ዋላ ኣብዚ ምድሪ እንተ ጠዓመና ዓለምን ህዝባን እንተተላዕሉና ሃገር ኣላትና ሕዛእቲ በይንና ብሓጎስ ነነብረላ ናይ ኢየሱስ ዝኾና ገጽ ንገጽ ንርእየላ ምስ ልዑል ጎይታና ካብ ሰማይ ክትወርድ ኢያ መርዓት እቲ ገንሸል ምድማቃ ክቡር እምኒ ኢያስጲስ ትመስል ብኽያትና ከብቅዕ ኢዩ ክንብል ኢና እልል ኣብቲ ብወርቂ ዝተለበጠ  ከታማ ‘ትልዑል ክገሃደልና ኢዩ ሽዑ ክብሪ ናይቲ ልዑል ባዕሉ እቲ ልዑል ክኸውን ኢዩ መቅደስና ኩሉ ክንርስዖ ኢና ናይ ምድሪ ነገርና ብዘይ ዕንቅፋት ኣብኡ ከነምልኾ ኢና  ስሙ ክጽሓፍ እዩ ናይቲ ገንሸል ኣብ ግንባርና ናይቲ ገንሸል ዝፋን ክነብርዩ ምሳና ትመጽእ ኢያ ዘላ ትጽቢትና ኮንቱ ኣይኮነን እዛ ዓለም እዚኣ ክትሓልፍ ኢያ ግድን ግርማታትን ክብርን ኩሉ ክሓልፍ ኢዩ ግድን እቲ ዘጸይፍ ዝገበረ ግን ኣብዛ ትመጽእ ክፍሊ የብሉን ...

ኢየሱስ ይኹሕኲሓካ ኣሎ ክፈተሉ ??።

Image
            ኢየሱስ ይኹሕ ኲሓካ              ኣሎ በጃኻ ክፈቶ ??።                                  ክቡር ሓወይ ክንደይ መዓልቲ ኢኻ ኮን ን ኣምላኽ ልብኻ ዓጺካ እትነብር ዘለኻ !!!።ዘሕዝን ምርጫ ኢዩ።ናብ ገዛኻ ሓደ ፕረሲደንት ናይታ ዘለኻያ ሃገር ኣብ ገዛኻ ከዕርፍ ምሳኻ ክድረር ተዝብለካስ እንታይ ኮን ምተሰመዓካ?።ርግጸኛ ኢየ፡ብሓጎስ ከም እትቅበሎን፡ንብዙሓት የዕርኹትኻ እውን፡ ደዊልካ ዋው ፕረሲደንት እከለ እንድዩ ደኣ ከዕልለካ ክመጸካ ኢሉኒ።ኢልካ ገዛኻ ከም ተጸባብቅን ገዛኻ ከም እተጽርን፡ከም እትነግሮምን። እቶም ምስኡ ዝመጹ ኣጋይሽ ክሕጎሱ ድማ ሓድሽ መንጻሕ ዓራትካ ከም እተንጽፈሉን፡ሳሎንካ እውን ጽሩይ ልብሲ ከም እትገብረሉን ።ጽሩይ ክዳን ተኸዲንካ ከም እትጽበዮን።ዋእ እሞ ክወጽእ እንድየ፡ካልእ መዓልቲ ክቅበለካ ድማ ከም ዘይትብሎን።ፕሮግራምካ እኳ ደኣ ሰሪዝካ ንዕኡ ከም እትህቦ ርግጸኛ ኢየ። እሞኸ ደኣ ነቲ ናይ ጎይቶታት ጎይታ(1ይጢሞ፡6፡16) (ራእ19፡16)እቲ ገሊጽካ ዘይውዳእ ክብሪ ዘለዎ። ኣብ ገዛኻ ክድረር ክብለካ ከሎ ፡ልብኻ ብንስሓ ሓጺብካ፡ የእምሮኻ ብምልኡ ኣብ ቅድመኡ ብምንጻሕ፡ፍቃድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ ኢልካ።ንውሽጥታትካ ንኹልንትናኻ ኣዳሊኻ ሓድሽ ሰብ ኮንካ፡እንተተጸበኻዮ ፡ንዓ ኣብ ልበይ እቶ ኢልካ ተፍቀድካሉን፡ን ጸዋዒቱ ሕራይ ተበልካን እንታይ ኣለዎ ሓወይ።ግርምቢጥ ኢዩ፡ንስኻ ትረብሓሉ ክንሱስ ብሰናይካ ባህ ስለ ዝብሎ ኩሉ ግዜ ኢዱ ዘርጊሑ ይ...

ካልእ ወንጌል ብቀሺ ዶግተር ተኽለኣብ መንግስትኣብ 1ይ ክፋል ስሕተትን ኣሰራርሕኡን

Image
                             ካልእ ወንጌል                       ብቀሺ ዶግተር ተኽለኣብ  መንግስትኣብ                    1ይ ክፋል  ስሕተትን ኣሰራርሕኡን                                    ካብዚ ቀጺልና ብኹብር መምህር ቀሺ ዶግተር ተኽልኣብ መንግስተኣብ። ነዞም ናይ ሎሚ ኣብ ኣዳራሻት  መንእሰያት ዝገፉ ዘለዉ ዘቃልዕ መጽሓፍ ካብ ዘሕተምዎ ትምህርቲ ከነቅሪበልኩም ኢና።ምክቲታልኩም ከይፍለየና ድማ ብኣኽብሮት ንሓትት። ኣብ መብዛሕትኡ ናይ ስጋዊ መነባብሮና ንዝኾነ ይኹን ከይመርመርና እንቕበለሉ እዋን ኣዝዩ ዉሑድ እዩ።ስለዚ ድማ እዩ ጠቐምቲ ዝበሃሉ ነገራት ብብዙሕ መንገዲ  እንተ ተገልጹልና እኳ ግርህ ኢልና ምቕባል እንድንጕ ። እቲ ዘሕዝን፡ሰብ ናብ ሓጢኣት ናብ ጥፍኣትን ዘውድቑ ነገራት ክቐርቡልና ከለዉ ግን ብዘይንቡር ገርህነት ሃንደፍ ኢልና ንቕበሎ።ከምቲ መጽሓፍ ቅዱሳና ኣብ ምሳ22፡3 (ምሳ27፡12) ኣስተውዕ...

ክንደይ ትጥዕም ።

Image
                     ክንደይ ትጥዕም ።              ክንደይ ትጥዕም ኣንታ ልዑል ጉድጓድ ተዃዒቱ ኣነ ኣብኡ ከጥሕል ወጺአ ኣምሊጠ ጠፊኡ ክበሃል ኣየ ዝናትካ ስራሕ ፍሉይ እዩ ኣታ ልዑል ኣብየት ከመይ ዝበለ ምሕረት ኢኻ ለጊስካለይ ኣድሒንካኒ  ካብ ኩሎም ደለይተይ ዘስግኣኒ የለን በዚሑ ሰላመይ ዘበን ናቶም ሓሊፉ ዘበነይ መጹለይ ኣወጀየ ሓርነተይ ኮይነየ ሰዓራይ ንዓኻ ኣሚነ  ብ ጸልማት ክጋዓዝ ፈተና በዚሑ ብትጽቢት ክድንዝዝ ግን ኩሉ ለዊጥካየ ገርካዮ ክእዘዝ ኣየ  ክጥዕም ዝንዓኻ ምሓዝ ናይ ዘበናት ጾር ማእሰርቲ ተጻረርቲ ሕሉፍ ምፍሪራሕ ናይ ሕሱማት መውቃዕቲ መውጽኢ ኮይኑኒ ሎሚ ክምስክረሉ ምእንቲ ሓራ ወጸ እየ እየ የብለይን ዓጋቲ ምሕረትካ በዚሑለይ ኮይነየ ተዓዋቲ  ተወዲኡ እዩ ትሽግር ተሰጊሩ ትዓቀብ እቲ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እዩ ኣነ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ሰይፈይ ተዘርግሑዩ ኣይወርድን ካብ መንኮብ ተበጊሰ እየ እሮማይ ምስቲ እኩይ ክራባረብ ብሓቂ ምቁር ንዓኻ ምርካብ                 ቀሺ /ሙሴ ሽሻይ            etiqalsgakone@gmail.com

ማራኪው ጌታ !

Image
ማራኪው ጌታ.! ኣብ ዓለም ኣብ ካሊእ ይንቨርስ መቸስ ከምዚ ኣምላኽ ኢዚ ዝበለ ስሙ ዝገነነ ዝተመስገነን ።ኣምላኽ የለን።ዘማሪት ህጻን እንቁስላሴ ፍቅሪ ዝረትዓ ብምባል ነዚ ማራኺ ጎይታ ዘሚራትሉ ኣላ እስከ ምስኣ ብምኻን ነስተማቅሮ።

5ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ንስኻ ኸ !?፡

Image
5ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ንስኻ ኸ !?። ንልበይ ሓፍ ሓፍ ኣቢሉ ካብ የዒንተይ ጋሻ ዉሑጅ ክፍልፍል  ዝገበረ ።ብዙሕ ግዜ ኢየ ብዛዕባኡ ምሂረ፡፡ኣነስ ምንባረይ ስለምንታይ ኢዩ።ለምንታይ ዝነብሮ ናብራ ንሱ ይፈትዎዶ ኣይፈትዎን ክብል ግን ብህጂ ኢየ ጀሚረዮ።ይጥዓም ይሕሰም ሎሚ ቆሪጸ ኢየ።በቃ ንሱ ጥራሕ ይኽበር ንሱ ጥራሕ ይንገስ።ህጂ ኣነ ክሓስር ንሱ ክኸብር ድሉው ኢየ።ይጎዪ እየ ዘለኹ ድምጺ ብ የማን ኮነ ብጸጋም ዘሎ ኣየድልየንን ኣነ ንቅድሚት ምምራሽ ይሕሸኒ።ዝሓለፈ ግዜ ብዘይክኡ ዝሓለፍኩዎ ይኣክል። ሎሚ እንዳ ጠንቆልትን ደፍተራን ምኻድ የለን።ሎሚ እንዳ ፈወስቲ ምኻድ የለን።ሎሚ ሱር ወዲ ሱር ኣየዲልየንን ኢዩ።ሎሚ ክታብ ኮነ ገለ ኣየድልየንን ኢዩ።ሎሚ መውደቅቲ ዛዕጎልን፡ ድግምትን ኣየድልየንን ኢዩ።ሎሚ ዝኾነ መከላኸሊ ሰብኣ ስርያ ኣየድልየንን ኢዩ።ካብ ሎሚ ንደሓር  ኣስመኛታትን  ኣብ ልዕለይ ስልጣን የብሎምን።ስለምንታይሲ ነቲ ሓይል ጸግዐይ ዋልታይ ዋሕሰይ ገይረዮ ኢየ።ሎሚ ማንም ዋሕስ ኣየድልየንን ኢዩ። ካብ መን ኢዩ ኸ ዋሕስ ክኾነኒ።እቲ ፈራዲ ንጉስ ኢዩ እኮ ሓራ ኮንካ ኢኻ ኢሉኒ።ሓራ ኣውጺኡኒ።(ዮሐ 8፡36) (1ይ ቆሮ7፡21)(ገላ5፡1)(ሮሜ6፡22-23)እረ ማንም ፈውሲ ብዘይካኡ ኣየድልየንን ኢዩ።እቲ ፈውሲ ናይ ኩሎም ዝሓመሙ ዝኾነ ኢየሱስ ረኺቡኒ ኢዩ። እወ ብዙሕ ግዜ ነፍሰይ ናተይ ገይረ ኢየ ይሓስብ ነይረ።ነቲ ኩሉ ግዜ ዘንብቦ ግን ከ ስለምንታይ ምዃኑ ዘይተረድኣኒ ቃሉ፡ሎሚ ከስተውዕሎ ከለኹ፡ንስኻ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይኮነስ ናይቲ ኣባኻ ሓዲሩ ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልካዮ መንፈስ ኢኻ”ኢዩ ዝብለኒ ዘሎ።ዘገርም ኢዩ።ለከ ኣነስ ናይ ኣምላኽ ኢየ።(1ይ ቆሮ፡6፡19) ግን ...

ምስጋና በሰማይ በምድር

Image
                                        ምስጋና  በሰማይ በምድር

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 7ይ ክፋል።

Image
መጽሓፍ ቅዱሳዊ  ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 7ይ ክፋል። ኣዳላዊ ቀሺ ሙሴ ይቅረታ ዋእ እንታይ ደኣ ናብ ሻውዓይ ክፋል ተመሊስና ኢልኩም ትኾኑ ግን ብዝኾነ ጸገም ክትንበብ ስለ ዘይክኣለት ብዝሓተትኩሞ መስረት ንዝርግሓ።ነቶም ሸውዓተ ከይበልካ ዶ ደኣ ሾመንተ ይበሃል ኢዩ።ፈቲሽኩም ደኣ ፖስት ግበሩዎ ዝበልኩምና ድማ ነመስግን።እንሀትልኩም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።እምበኣር ከስ እታ “ክሳብ እትብል ቃል ነቲ ብድሕሪኣ ዘሎ ኣይኮነትን እተመልክት። ዮሴፍ ን ማርያም ክሳብ ቦኽሪ ወዳ እትወልድ ኣይፈለጣን፡ከምኡ’ውን ብድሕሪ ምዉላዳ’ውን ኣይፈለጣን።ምኽንያቱ ቅድሚ ልደት ጎይታ ንኽቐርባ እኳ ዝሓነኸ፡ጎይታ ምስ ወለደትን ብድሕሪ እቲ መላእኽትን ተኣምራትን ሰብ ጥበብን ምስ ረኣየን፡ትንቢት ክፍጽሙን ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ምስ ተነግሮን፡ንሱ ወዲ ልዑል ከም ዝጽዋዕ፡ንሱ ኣማኑኤል መድሓን ከም ዝኾነን እቲ ትወልዶ፡ምስ ፈለጠን ደኣ ክንደይ ኣዝዩ ዘይሓንኽ። ንሱ ኢዩ እቲ ትንቢት ኢሳይያስ ኣብኡ ዝተፈጸመ፡ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ኸኣ ክትወልድ ኢያ፡ስሙ’ውን፡ ኣማኑኤል ክትሰምዮ ኢያ፡(ኢሳ7፡14)ህጻን ተወሊዱልና፡ወዲ ተዋሂቡና ኢዩ እሞ፡እቲ ግዝኣቱ ከኣ ኣብ መንክቡ ኢዩ፡ስሙ’ውን ግሩም፡መካር፡ብርቱዕ ኣምላኽ፡ኣቦ ዘለኣለም፡መስፍን ሰላም ክስመ ኢዩ።ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ህጂ ክሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ክጽንዓን ከቑማንሲ፡ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕብየት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን።ቅንኣት እግዚኣብሔር ጎይታ ሰራዊት ነዚ ክገብር ኢዩ።”(ኢሳ9፡6-7)።ምናልባት እቲ መልኣኽ ኣብ(ሉቃ1፡31-32) ዝተዛረቡ ካብዚ ናይ መወዳእታ ጥቕሲ ኢዩ ዝኸውን። ...

4ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ።

Image
 4ይ ክፋል 17 ዓመት ኣብ ቤት ኣምላኽ ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ።                   ብዙሕ ግዜ ኣነ ንባዕለይ በዞም ሕማማት ተጠቂዐ ነበርኩ፡ከውጽእ ዘኽእል ሓይሊ ግን ካበይ ይምጻእ።ኣብቲ ጥቅሉል መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ህያው ክርስቶስ ምስ ረኸብኩዎ፡ግን ካብ እዚኦም ክወጽእ፡ብዙሕ ግዜ ኢየ ተንበርኪኸ ለሚነዮ።ስለምንታይ ሰጣን ገለ መዓልቲ ብትዕቢት ገለ መዓልቲ ኸኣ ብተፋላለየ ሓጢኣት ገይሩ ስለ ዝርብሸኒ፡ምስ ጸለኹ ናብኡ በጃኻ ሓገዝካ የድልየኒ ኣሎ ኢለ ግን፡ እቲ ኸኣሊ ኣኺሉኒ። ዋላኳ እቲ ሰብኣዊ ባህሪ ክደፍኣኒ ተፈተነ ግን ይዝክር ኣነ ናይ መን ኢየ ኣነ ናተይ ዲየ ናይቲ ኣባይ ዘሎ ህያው ኢየ ይብል እሞ ሕስብ ኣቢለ ይምለስ። ዘሕዝን ኢዩ።ክንዲ ክርስቶስ ዝኸውን ኣምላኽ ሓደ ግዜ፡ማዕረ ቅዱሳን፡ሓደ ሓደ ግዜስ እረ ከም ቅዱሳን እኳ ኣኽቢረዮ ኣይፈልጥን።ክንደይ ግዜ ኢየ እሞ ነደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ልዕሊኡ ዘይሰራዕኩዋ።ዘገርም ኢዩ።ምስ ዓይነይ ከለኹ ዓዊረ ምስ የእምሮይ ከለኹ ዘምቢለ ኢየ ነይረ መስኪናይ ኣነ።ንፍጡር ደኣ ልዕለ ፈጣሪኡ ትሪኦ ኮንካ።ሎሚ ግን ክብሪ ንስሙ ዓይነይ ምስ ከፈቶ፡ስሙ እኳ እታ ክርስቶስ እትብል ንባዕላስ ክቡር ምዃና ትርጉማ ፈሊጠ።ሎሚ ይርኢ ኢየ ዘለኹ ።ኣደና ጻድቅን ክብርትን ፡ኣደይን ምዃና፡ድንግል ብስገኣ ድንግል ብሕልንኣ ግን ከ ከም ፍጥርቲ ናቱ ፡ትሕቲኡ ብኽብርስ ፍጹም ማዕረኡ ክትመጽእ ዘይትኽእል ምኻና ፈሊጠ።(ኢዮብ 4፡17)እወ ብኽብሪ ግን ልዕለኣን ፈጣሪኣን ፡ንሳ ስርሓት ኢዱ ንሱ ድማ ሰራሒኣ ምኻኑ ሎሚ ምስ ኣስተውዓልኩዎ ቃሉ ተረዲኡኒ።(ኢሳ19፡16)ንሱ ከም ፈጣሪ ቅዱሳን ከኣ ናቱ ኣገልገልቲ።መላእኽቲ ድማ ናቱ ልኡ...

መዝሙር ቁርባን

Image
                                         መዝሙር    ቁርባን   ዮሐ፡6፡55// ዮሐ6፡51 ኣብ ዝመጽእ ብዛዕባ ስርዓተ ቅዱስ ቁርባን ምስጢረ ቁርባን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ክንመሃር ኢና። etiqalsgakone@gmail.com

ጳውሎስ ወ ጴጥሮስ

Image
ጳውሎሶ ወ ጴጥሮስ በረከቶም ይክፍለነ ኣሜን ብዝሓተትኹምና መስረት ፍልሚ ኢልኩም ናይ ሎሚ ዓንቲ ቃል ዘለኣለማዊ ሂወት ነቶም ዘለኣለማዊ ቃል ኣባና ዘብጽሑ ጳውሎስን ጴጥሮስ ከተቅርብ መሪጻ ኣላ።ተባረኹ። etiqalsgakone@gmail .com

2ይ ክፋል ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዮሐ2፡5።

Image
2ይ ክፋል ንሱ ዝበለኩም  ኩሉ ግበሩ ዮሐ2፡5። ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ( ዮሐ2፡5 )                እስከ ንሕሰብ እዚ ኩሉ ዝተባህለሉ ድሮ ብ ታሪኹ ፈሊጥኩሞ ከም ዘለኹም፡ ተረዲኡኒ ኣሎ።ድሮ እኳ ንገሊእኩም ፍቅሩ ፡ይሽልብበኩም ከም ዘሎ ድሮ ተረዲኡኒ ኣሎ።ገሊእኩም እውን ድሮ  ሃልሃልታ ፍቅሩ የሙቆኩምን ከም ዘሎ ተረዲኡኒ ኣሎ።እረ ክንደይ ብኣሰር ዘይርከብ መገዱ፡ወዳጄ ፡መዓሙቕ፡ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ኢልካ ዝተነግረሉስ መን ኢዩ>።(ሮሜ11፡33)??።፡ከመይ ገርና ተገለጽናዮ ይሓይሽ ነዚ፡ፉሉይ።ሓንቲ ቃልን ክንጥቀም ንደሊ እሞ እታ ሓንቲ ኸኣ ከይትተርፈና ንፈርሕ።እታ ነቅርባ ቃል እውን ንዕኡ ትገልጽ ፡ትበቅዕ ኾይና ኣይትስመዓናን።ግን ኩሎም ክብሩ ኣዘንተዉ። መልኣኽታት፡(ጦቢት፡12፡17-18) (ሉቃ1።31)፡ነበያት፡(ኢሳ7፡14)(ኢሳ53፡2)(ዘሁ24፡17) ሃዋርያት ፡(ግብ10፡42)(1ይ ቆሮ 1።23)(2ይ ቆሮ10፡16) ክንደይ እሞ ክበሃል ኩሎም ግን ንርእሶም ከም ግዙኣት ኩሉ ምእንትኡ ፡ንዕኡ ግን ከም ጎይታ ገይሮም ንዕኡ ሰበኹ።መላእኽቲ ከይተረፉ ንሱ ኢዩ ልኢኹኒ፡ኣነ ባዕለይ ኣይኮንኩን ናባኹም መጺአ፡መዝሙር ምስጋና ዝመሩሉ፡ክምስገን ዝግበኦ ንሱ በይኑ ኢዩ፡ኢሎም ክብሪ ሃቡዎ።(ጦቢት12፡18-)፡ ካብቶም ብዛዕባኡ ዝመስከሩስ ብዛዕባኡ ክንምስክር ደኣ ጸዉዑና እንበር፡ብዛዕበኦም ክንምስክርሲ ነፍሶም ኣብ ቅድመኡ ዘይትበቅዕ ገይሮም ስለ ዝረኣዩዋ፡ሓንቲ ቃል እካ ትኹን ንዓይ መስኪሩለይ ኢሎም ኣይሰበኹን።”በቲ ንኹሉ ሰብ ምናዳ ን ኣመንቲ ዜድሕን፡ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን እንጽዕርን ዘለና” በሉ።(1ይጢሞ4፡10)፡ቅዱሳን ም...

ትላንትና ቅዱስ ,,,።

Image
                                                     ትላንትና ቅዱስ  ዛረ ቅዱስ,,,,,።        
Image

ኣለው ነገር !!!።

Image
ኣለው ንነገር !!። ኣለዉ ነገር(2)  እግዚኣብሔር እንዲህ ኣብዝቶ ዝም ካለ ኪሳሼ ሆይ ደስ ኣይበልህ ቢመሽም ለእኔ ቀን አለ። እዚ ግጥሚ ናይዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ መዝሙር ኢዩ።ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ዘሎ ግጥሚ ኣብ ቅድሚ ሓደ ደራሲ እቲ ግቡእ ቦተኦም ቃላትን ሒዞም ትረኽቦ።ህጂ ብዛዕባ ግጥምን ገጣማይን ኣይኮንኩን ክዛረብ ደልየ ዘለኹ።ኣብዛ ግጥሚ እዚኣ ዘሎ ስነ ሓሳብ እንበር።ዘመርቲ ዝብሉና ዘለዉ፡  እግዚኣብሄር ክንድዚ ዝኣክል ስቅ ካብ በለስ ኣለዎ ነገር ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ ።ሓቆም ኢዮም።ስቅታ ኣምላኽ ንልቢ ዘለዎ ከቢድ ኢዩ።ንኣብዳን ግን ኩሉ ግዜ ኣብዳን ስለ ዝኾኑ ናበይ ኢሎሚ። እወ እግዚኣብሄር ይመስገን ኣሎዎ ነገር እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዚ ስቅ ዝበለ።ንሱ ስቅታኡ ናይ ጥዕና ኣይኮነን።ስቅታ ኣምላኽ ከቢድ ኢዩ። መዝሙር ኣምላኽ ነዞም ዘመርትና ይባርኮም ን ኦርቶዶስክ ድማ ከምዚኦም ዝሃባ ክብርን ምስጋንን ንዕኡ ይኹን።ሓቆም እዮም ኣሎ ነገር ኣምላኽ ስቅ ክብል ከሎ ዝሓሰቦ ስለ ዘለዎ ኢዩ።መወዳእታስ እቶም ሰዓርቲ ንሕና ኢና።ኣብዚ ስዲ እዚኣ ብዙሕ ሓዘል ቁምነገራት ኣለዎም።እወ ብ ኢየሱስ ዝብል ስም ኣይንዳነን ።ብ ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ናይ ይሁዳ ኣንበሳ በይኑ ነቲ መጽሓፍ ዝገንጸሎ፡ህያው ዳንነት የለን።ካብ ፍቅሩ እሞ መን ኢዩ ዝፈልየና።ሮሜ 8:[37-39] - : ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍ...