- Get link
- X
- Other Apps
ኣቱም ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ዝበጽሓኩም ዘሎ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ እሞ ባህ ይበልኩም ጽቡቅ ምርጫ!!!።(ወንጌለ ማቴዎስ5፡12)
ኣ ቱም ስለ ስም ክርስቶስ መከራ ዝበጽሓኩም ዘሎ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን ኢዩ እሞ ባህ ይበልኩም ጽቡቅ ምርጫ!!!።(ወንጌለ ማቴዎስ5፡12) ነ ቶም ስለ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ መከራ ዝወርዶም ዘሎ ኣጆኹም ኢለ ከተባብዓኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዓይ እውን ተኻፋሊ እቲ በረኸትኩም ኪከውን እንዳ ተመነኹ ባህ ይበልኩም ይብለኩም። ኣየ ዕድል ጽቡቅ ዕድል በጺሑኩም ዘሎ። ነቶም ስለ ስሙ መከራ ዘይበጽሖም ድማ ነዚ መከራ እዚ ሃረር ክብሉ እጽውዖም።ብሓቂ እቶም ብተፋላለየ መከራ ትሓልፉ ዘለኹም ተዓውትኩም ደጋጊመ ክብል መንፈሳዊ ትብዓት ይስሞኣኒ።ንሱ ብግርማ ክግለጽ ከሎ ሽዑ ኣምሰያ መከራኦም ክድበሱ፡ርእዮሞን ሰሚዖምን ዘይፈልጡ ክሕጎሱ ብብርሃን ክመላለሱ ኢዮም።ስለምንታይ ሲ እቲ ጽሑፍ፡(1ይቆሮ2፡9) ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል። ምቁራተይ ፍቱዋተይ ብሓቂ ኢኹም ዕድለኛታት ዕጫ ቅዱሳን ዝበጽሓኩም ቅዱሳን ነዛ ስም እዚኣ ኣብ ቅድሚ እኩያት ዓየይቲ እንዳ ተጸረፉ እንዳ ተሰጎጉ ዘሎ መከራ እንዳበጽሖም ኢዮም ነዚ ሰቢኾሞን ነዛ ስም እዚኣ ልዕል ክትብል መስኪሮምን፡ ተሰጊጎም ኣይሰጎጉን ተጸሪፎም ኣይጸረፉን፡ ተኸሲሶም ኣይከሰሱን። ሎሚ ንስኹም እውን በዚ ስማዊ ክርስቲና ሒዙ ንሰጣን ዘገልግልን መሳርሒ ሰጣን ዝኸውንን ወለዶ ንዝበጽሓኩም መከራ ክትግረሙሉ ኣይግብኣኩምን። ቅዱሳን ንስለ ስሞም ወይ ንስለ ስም ካሊእ ቅዱስ ወይ ንስለ ስም ዝኾነ መልኣኽ ዲዩ ነብይ ዘይኮነስ ንስለ ስም ክርስቶስ ኢዮም ዘሎ መከራ ዝበጽሖም።ነዛ ስም እዚኣ...
Comments