2ይ ክፋል፡17 ዓመት ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ።
2ይ
ክፋል፡17 ዓመት ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ እስኻ ኸ???።
ዘገርም
ነገር እዩ። ኣነ እየ ዘይፈለጥኩ እንበር ለከ ምዉት እየ ነይረ፡ምዉት እወ ነዛ ዓለም እዚኣ ንክርስቶስ ግን ንጽድቂ ዝተንሰአ(ሮሜ፡6፡11)ሮሜ፡7፡4)(ቆሎ2፡20-22)፡ግን ኣይፈለጥኩዎን ነዚ መስኪናይ ኣነ ፡ኩሎም ዘስልጦም ነገራት ብኽእለተይን ሓይለይን
ኢዩ፡ይመስለኒ ነይሩ ግን ለከ ኣነስ ዓቅሚ ዘይብለይ ሰብ ኢየ፡ሎሚ ተጋሂዱለይ ብኽእለተይን ብፍልጠተይን ሓንቲ ነገር ከምዘይ ገብር።(ዮሓ15፡5)
ቤት
ኣምላኽ ክኸይድ ከም ልምዲ ኢዩ ዝነበረ፡ኣብኡ ምስ ከድኩ ድማ ምስቶም ከማይ ሰባት።ኣብ ሞንጎ ጸሎት ክንዛረብ፡ገለ ስርዓት ከይጎድል
ክከራኸር እንበር። እንታይ ክገብር መጺአስ እቲ ዘይተለወጠ ሂወተይ ኣየስተውዕለሉን ኢዩ ዝነበረ።ምልስ ኢለ ህጂ ተረኣኹዎ ግን ድራማ ኢየ ስየርሕ ነይረ ኣምላኽ ይቅረ ይበለለይ።ስለምንታይ ኣብ ሞንጎ ጸሎት፡ትሪኦ
ዶ ኣለኻ ትሪኣዶ ኣለኻ?፡ነዛ ፊደል እኮ ሰይሩዋ፡ነዛ ልብሲ እኮ ከምዚ ደገመ ዝብል ስለ ዝርኢ ኢየ ይመስለኒ፡ኣነ እውን ከምኡ
እየ ነይረ።
ሎሚ
ግን እቲ ሽዑ ዝነበርኩ ኣነ ኣይኮንኩን፡ካብኡ ዝዓቢ ጉዳይ ረኺበ ኣለኹ፡ፊደል ተጋገየት፡ዜማ ጸየቀ ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ ወረ እንታይ
ኢየ ይገብር ነይረ።እቲ ዘምልኾ ኣምላኽ እኮ፡ሰብ ገይረዮ፡ምስማዕ ከይኣብዮ ዶኾን ይኸውን ወይሲ,,,ወይሲ ናይ ፕሮቶክል ኣምላኽ
ኢየ ክቅይሮ ደልየ።፡ወረ ኣነ እቲ ትማሊ ትፈልጡኒ ኣነ ኣይኮንኩን፡ኣምላኽ ድማ ብዙሕ ይትስፈዎ ጽባሕ ከኣ ካልእ ጎይታ ዝደልዮ
ሰብ ክኸውን ተስፋይ ኣብኡ ኢየ ዝገብር።ኩሉ ግዜ ክቅየር ስለ ዝብህግ።
ኩሉ
ግዜ ክሕደሽ ኣለኒ።(ግብ15፡15-18) (2ይጢሞ1፡6-7)(1ይቆሮ5።17) ሎሚ ንዓይ ክስቶ መን ኢዩ ኣይኮነን ኣድልዩኒ ዘሎ ታሪኽ
ካልእ ሰብ እውን ኣይኮነን ኣድልዩኒ ዘሎ ብዛዕባ እቲ በዓል ናዝረት እንበር ሃረር ይብል ኣለኹ።ይገርመኒ ኢዩ ኣሻዕ ኢየ፡እዚ ኩሉ
ኣዚሎ ከየጀመረ ከይተመሃርኩስ ብዛዕባ ከሚስትሪ ክዛረብ ዝገበረኒ፡ዓቢደ ኢየ ነይረ እኮ፡ተጸሊለ፡ኣነ ጋና ብዛዕባ ኢየሱስ ኣይወዳእኩን
ኣለኹ።ክሳዕ ዝሓልፍ ብዛዕባኡ ከምዘይውድእ ከኣ ይፈልጥ ኢየ ብዛዕባ እቲ ክብጻሕ ዘይክእል ኣምላኽነቱን ሕይልነቱን መንግስቱን፡ከም
ወዮ ኢዮብ ዝበሎ፡(ኢዮ26፡14) ኢዮብ <ሕሹኽ ሹኽ> ዝበለ ደኣ ንሕናስ እንታይ ኢና በጺሕናን ሰሚዕናን፡ዘይምልዋጥ ቀታሊ
ሕማም።ዘይምኖ ኣምላኽ ንሱ ኢዩ ስለይ ውዕለት ዝወዓለ።ዝተሰቅየ ዝተገርፈ ኩሉ በደል ዝበጽሖ።ካልኦት ግን ናቱ ዓስቢ ክረኽቡ ደኣሎም
ገለ ዝተሰቅሉ ገለ ዝተሰየፉ፡ዘሎ መከራ ክበጽሖም ንባዕሎም ናብቲ መንግስቲ ክኣትዉ።ን ረብሓይ ዝወዓለስ መን ኢዩ እሞ ብዘይካኡ።በጃይ
ዝኸፈሉዎ ቅንጣብ ደም በፍጹም የለን።ኢየሱስ እቲ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተወልደ ህያውን ሰዓርን ኣቦ ሰላም ግን ንኹሉ ፈጸሞ(ዮሓ19፡30)
ዘሕዝን
ግን ናቱ ደም ንዓይ እኹል ምዃኑ፡ ኣነ ባዶ ሎሚ ኢየ ፈሊጠ።17 ዓመት ግን ን ደም ኢየሱስ ተወሳኺ ዘድሕን ዘይኣክል መሲሉኒ፡ለጠፍ
ክገብረሉ ብዙሕ ኢየ ጽዒረ መስኪናይ ኣነ።ኢየሱስ ናይ ስጋን ነፍስን መድሓኒት።ምድሓን ብኡኡ ከሎ(ግብ4፡12) ኣነ ውጹዕ,,,,.፡ነዚ
ኣይፈለጥኩዎን ክንደይ ላዕልን ታሕትን ዘይበልኩ።ትርኢ ዲኻ ኣይትርእን ኢልኩም ተሓቲትኩምኒ ሎሚ ጥራሕ ይርኢ ከም ዘለኹን ናይ ቅድመ
ህጂ ግን እንድዒ ኢዩ መልሰይ።ስለምንታይ ተዝርኢ ነይረስ ባዕሉ ዶግተር ባዕሉ መድሃኒት ከሎኒ።ፈቀድኡ ኣይምኸርተትኩን።ኣምላኽ ነዚስ
ከም ምስትንዓቅ ዶኾን ይርእዮ ይኸውን። ይቅረ እባ፡ይበለለይ ክትጽልዩለይ ድማ ይትስፎ።መቸስ ሓቂ ኢዩ ቅዱስ ዳዊት፡(መዝ119፡98-99)ኣነ
ዜይሮ ባዶ(0)ናብ ሓደ(1) ቁጽሪ ምስ ተሰጋገርኩ እንታይ ክፈልጥ ኢየ?እንታይ ክበጽሕ ኢየ፡ኸመየ ክዓግብ ኢየ ዘገርም ነገር ኢዩ።
ሎሚ
ብዛዕባ ክርስቶስ ክትነግሩኒ ኢየ ዝደሊ ዘለኹ ካልእ ይጽነሓለይ,,,በቃ ይኣክል,,, ይፍወስ ኢየ ዘለኹ እሞኸ ንምንታይ ደኣ,,,,,,,,,.!!!።ጉዳይ
ናይቲ ብንጽሁ ስለይ ዝሞተ ነብይ በዓል ናዝሬት፡ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ,,ዝኾነ ኢየሱስ ክፈልጥ ደልየ ኣለኹ።ዘገድሰኒ ቅድም
ካራ ደኣ እንበር ሰፈር ካራስ ድሕሪኡ ኢዩ።እሞ በጃኹም እንዶ ግዳ ብዛዕባኡ ነቶም ከማይ ዝበሎ ንገሩዎም፡ብዛዕባኡ ዝተጀመረስ መደምደምታ
ስለ ዝረኸበ ዶኾን ኢዩ።ናብ ካልእ ኣርእስቲ ትሰግሩ ዘለኹም፡በጃኹም ኣለዉ ናቱ ዘድልዮም፡ከምዚ ከማይ ድኻታት።ኣለዉ እወ ፡ነዚ
መድሃኒ ኢዚ ስለ ዘይረኸቦም ፈውሲ ንሂወት ክደልዩ ዘንከርቲቱ።
ሰኣን
ልብኻ ኣብ ዘለኻዮ ኮንካ ልብኻ ምቅያርስ ቤት ምቅያር፡ናብ ዘይትፈልጦ ከድካ ካልእ ሓጢኣት ምውሳኽ።ይቅጽል,,,,
etiqalsgakonegmail.com
Comments