2ይ
ክፋል ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዮሐ2፡5።
ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ( ዮሐ2፡5 ) |
እስከ
ንሕሰብ እዚ ኩሉ ዝተባህለሉ ድሮ ብ ታሪኹ ፈሊጥኩሞ ከም ዘለኹም፡ ተረዲኡኒ ኣሎ።ድሮ እኳ ንገሊእኩም ፍቅሩ ፡ይሽልብበኩም ከም
ዘሎ ድሮ ተረዲኡኒ ኣሎ።ገሊእኩም እውን ድሮ ሃልሃልታ ፍቅሩ የሙቆኩምን
ከም ዘሎ ተረዲኡኒ ኣሎ።እረ ክንደይ ብኣሰር ዘይርከብ መገዱ፡ወዳጄ ፡መዓሙቕ፡ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን ኢልካ ዝተነግረሉስ
መን ኢዩ>።(ሮሜ11፡33)??።፡ከመይ ገርና ተገለጽናዮ ይሓይሽ ነዚ፡ፉሉይ።ሓንቲ ቃልን ክንጥቀም ንደሊ እሞ እታ ሓንቲ ኸኣ
ከይትተርፈና ንፈርሕ።እታ ነቅርባ ቃል እውን ንዕኡ ትገልጽ ፡ትበቅዕ ኾይና ኣይትስመዓናን።ግን ኩሎም ክብሩ ኣዘንተዉ።
መልኣኽታት፡(ጦቢት፡12፡17-18)
(ሉቃ1።31)፡ነበያት፡(ኢሳ7፡14)(ኢሳ53፡2)(ዘሁ24፡17) ሃዋርያት ፡(ግብ10፡42)(1ይ ቆሮ 1።23)(2ይ ቆሮ10፡16)
ክንደይ እሞ ክበሃል ኩሎም ግን ንርእሶም ከም ግዙኣት ኩሉ ምእንትኡ ፡ንዕኡ ግን ከም ጎይታ ገይሮም ንዕኡ ሰበኹ።መላእኽቲ ከይተረፉ
ንሱ ኢዩ ልኢኹኒ፡ኣነ ባዕለይ ኣይኮንኩን ናባኹም መጺአ፡መዝሙር ምስጋና ዝመሩሉ፡ክምስገን ዝግበኦ ንሱ በይኑ ኢዩ፡ኢሎም ክብሪ ሃቡዎ።(ጦቢት12፡18-)፡
ካብቶም
ብዛዕባኡ ዝመስከሩስ ብዛዕባኡ ክንምስክር ደኣ ጸዉዑና እንበር፡ብዛዕበኦም ክንምስክርሲ ነፍሶም ኣብ ቅድመኡ ዘይትበቅዕ ገይሮም ስለ
ዝረኣዩዋ፡ሓንቲ ቃል እካ ትኹን ንዓይ መስኪሩለይ ኢሎም ኣይሰበኹን።”በቲ ንኹሉ ሰብ ምናዳ ን ኣመንቲ ዜድሕን፡ህያው ኣምላኽ ተስፋ
ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን እንጽዕርን ዘለና” በሉ።(1ይጢሞ4፡10)፡ቅዱሳን ምፍጣሮም ንዉዳሴ ክብሩ ምኻኑ፡ንዉዳሴ ክብሩ ምዃኖም
እተመደቡ ኣዘንተዉ።(ኤፌ1፡11-12) እዚ ከምዚ ዝበሃለሉስ ክንደይ ዘደንቅ ኩቡር ኮን ኢዩ።
ንሱ
እውን (ሉቃ17፡10) “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩሞ ኹሉ ምስ ገበርኩም፡ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡እቲ ክንገብሮ ዝግብኣና
ኢና ዝገበርና በሉ”በሎም።ናይ ክርስቶስ እንበኣር ከምዚ ኢዩ። ቃሉ ዝሕሉ።ካብ ክብሪ ርእሱ ክብሪ እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተሉ ዘቀድም።ኣምላኽ እውን ክሳዕ መከራ ከምጽኣሎም
ከሎ፡ህጂ ክትምስክረለይ ግቡእ ኢዩ ኢሉ፡ኣጆኻ ብምባል ንስሙ ክምስክሩ፡የተባብዖም ነበረ(ግብ23፡11)ከምቲ ኣደና ዝበለትና እንበኣር
ንሱ ዝበለና ተልዩ፡ክንምስክረሉ ኢዩ።
ከምቶም
ጽድቂ ርእሶም ክተኽሉ ብምድላዮም ፡ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ዘየግዝኡ ሰባት ከይኾኑ ድማ፡ ኣብ ስብከቶም ብዛዕብኡን ንዕኡን ክብሪ ዝህብ ደኣ ነበረ። ነዚ እቲ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ ቅዱስ ምስክር ኢዩ።(ዮሐ1፡27)ንሶም ወንጌል ተሰበኹ ብግዲ በጺሑኒ ኢዩ እሞ ዝምክሓሉ
የብለይን በሉ”(1ይ ቆሮ9፡8)።(ሮሜ10፡3-4) ።(2ይቆሮ4፡5) እዚ ዘደንቅ ናይ ሓይልታት ሓይሊስ፡ክንደይ ኮን ፉሉይ ኢዩ።
ንሶም ወንጌል ተሰበኽኩ ብግዲ በጺሑኒ ኢዩ እሞ ዝምክሓሉ የብለይን”በሉ።(1ይ ቆሮ9፡8) ኣደና እውን ዝበለቶ እንበኣር ኩሉ ዝበለና ንሱ ክንገብር ኢዩ።ኩሉ ማለት ብዘይ ከፊልን ብዘይ ጥርጥርን ብዘይ ምጉዳልን ማለት ኢዩ።ነዛ ኩሉ እትብል ቃል እንበኣር ክስትብሃለላ ዘለዋ ቃል ኢዩ።ከምኡ
ዝበለ ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዝተባህለሉስ መን ኮን ኢዩ !!??።
ንሱ
ዝበለና ግን ብእኡ ክንኣምን ኢዩ።(ዮ14፡1)ልብኹም ኣይሸበር።ብ ኣምላኽ እመኑ ብኣይ እውን እመኑ።(ዮ11፡25)(ኢሳ28፡16(ዮ3፡14-15)(ዮ6፡39-40)(ግብ10፡43)(ሮሜ9፡32-33)(ሮሜ10፡9-10)(ዕብ10፡37)(1ይጴጥ2፡6)
እንታይ እሞ በዚ ኩቡር ኣምላኽ እዚ ክንኣምን ክንደይ ጽሑፋትን መልእኽታትን ዘይተጻሕፉ እዝስ ብጭልፋ ካብ ባሕሪ ደኣ ኢዩ።ንሱ
ዝበለኩም ግበሩ ካብ ተበሃልና፡ንሱ ዝበለና ከኣ ብእኡ ምእማን ካብ ኮነ።ብምሉእ ልብና ንዕኡ ንምእማን ክንዱንጊ የልብላን።እሞኸ
ብሓቂ ዶ ብእኡ ኣመንቲ ኢና??,,።
እሞኸ
ብኡኡ ዶ ምሉኣት ኣመንቲ ኢና።"ስጋይ ዝበለዐ ደመይ ዝሰተየ ናይ ዘልኣለም ሂወት ኣለዎ፡በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ድማ ከተንስኦ ኢየ፡”
ኢሉና እሞኸ ስጋኡን ደሙን ዶ ንወስድ ኣለና ኢና፡(ዮሐ6፡54)።ወንጌሉ ዲና ንሰብኽ ወይሲ ካልእ,,,,,??።ንሱ ኪዱ ወንጌለይ ስበኹ
በለና፡(ማር16፡15)(ማቴ10፡7)ከም እንታይ ኢናኸ ን ኣምኖ??።ከም መልኣኽ ??፡ከም ታራ ነብይ??፡ከም ታራ ሊቅ??፡ከም ሓደ
ካብ ቅዱሳን??፡ከም ሃዋርያ፡??ከም ነቢይ??።ማዕረ ኩሎም ቅዱሳን??፡ማዕረ መልኣኽታት ??፡ማዕረ ነበያት ??፡ማዕረ ሰማእታት??፡ ፡እስከ ከመይ ገርና ኢና ንርእዮ።ምስ ነብስና ንተሓሳሰብ፡ልዕለኡ ንፈርሖም ኣብዛ ምድሪ ኸ ኣለዉ ዶ??።ልዕለኡ ነፍቅሮም
ከ ኣለዉ ዶ??፡ማዕረኡ ነፍቅሮም ከ ይሂልዉዶ??፡ማዕረኡ ንሰርዖም ከ ኣለዉ ዶ??።ኣብዚ እዩ።እንበኣር ከነስተውዕሎም ዘለና።ሎሚ
ነዚ ሕቶ እዚ ብኣስተንቲኖት ከነስተብህለሉ ኣሎና።ይቅጽልል,,,,,,,,,,,,
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment