Post più popolari

Monday, 12 November 2012

ሰብ


                                                      ሰብ

                      ወይ ሰብ
  ልቡ ኣይርከብ
ዘረብኡ ኣይእከብ
ነገራት ከላግብ
ብዘለዎ ኣይዓግብ
ኣብ ክንዲ ምስጋና ዘቅርብ
                        ሰብ ምኻኑ ረሲዑ ሰብ ሆየ
 ወይ ሰብ ይብል ከምዛ መኒነቱ ክሸጣ ዝደለየ
ይነብር መዋእሉ እንዳ ተመንቀየ
ካብ ሰብ ናብ ሰብ እንዳ ፈላለየ
ብናይ ሰብ ተንኮል ክንደይ ዘይጻሓየ
 እታ ኣብ ገነት ዝነበረት ኦም እኳ ኢላ ደምየ
 ሰብ
ሰብ ክንሱ ይብል ሰብ ዝብልዎ
ሞት ይግብኦ ይፍርድ ሰብ ምኻኑ ረሲዕዎ
እንስሳ ዜበት ገሪሙዎም በቲ ዝርእይዎ
በይነይ ይሕሰኒ ኣይደልን ሰብ ይብል ምስ ሰምዕዎ
ለከ ባህሪኡ ፈሊጡ ኣምላኽ በይኑ ፈጢሩዎ
ሓደ እዩ ነይሩ ከምዚ ህጂ ሰብ ኣይትርኣይዎ
ሎምስ ብ ሰብ ተፈጥሮ እኳ ገሪሙዎ
                            መን ኢዩ ግን እቲ ሰብ??
እቲ ዘይብሉ ሕልና እንትርፎ ክበልዕ
ኣብ ግዜ ሽግርካ ምስ ካልእ ዝልክዕ
ምስቲ ሓያል ኮይኑ ንድኹም ዘንብዕ
ክርህዎ ዝሰጎካ ክጨንቆ ዝጽውዕ
እቲ ወይ ሰብ እንዳበለ ስጋ ሰብ ዝበልዕ
ንሱ ብ ገንዘብ ይጻወት ሓዉ ብጢመት ይነብዕ
እዚ ድዩ እቲ ሰብ ብልክዕ
ሰብ
እንታይ ኮን ኢዩ ንሰብ ሰብ ዘብሎ
ሕልና ክህልዎ ከሎ
በታ ዘላቶ ክዓግብ ከሎ
ካብቲ ዘለዎ ንዘይብሉ ከማቅል ከሎ
ከጸናንዕ ሰብ ክጭነቅ ከሎ
ኣየናይ ሰብ ኢዩ ኣምላኽ ዝቅበሎ
ሓራሚ ኢለ ብዛዕባ ሰብ ብዙሕ ምተገብሮ ዉዕሎ
                                  ሰብ
                      ወይ ሰብ ይብሉ ሰብ ተኾኑ
ምስ ብጻዮም ምስምማዕ ምስ ሰኣኑ
ሰብ ርጉም ይብሉ ይሓዝኑ
ኣንታ ሰብ ከፊኡ ይብሉ እንታዩ እዋኑ
ነቲ ሰብ ረሲዖም ሰብ ምኻኑ
 ኣብ ሽዑ በጺሖም ኣጋይሽ ይኾኑ
ቀደም ሰብ ኣብ ገነት ክነብር ከሎ
ፈጣሪ ካብታ ኦም  ኣይትብላዕ ምስ በሎ
ነታ ትእዛዝ ጎይታ ክስዕራ እንከሎ
ምስቲ መንፈሳዊ ጸጋ ሰብኣውነት ተኸወሎ
ነቲ ቅኑዕ ሰብኣውነቱ ከደኖ ደበሎ
በዚ ድማ እዩ እንዳ ተወቀሰ ዝነብር ዘሎ
ሓጢኣት እንዳፈተኖ ዝነብር ዘሎ

ሰብ
ኣንታ እዚ ሰብ
መዋእሊ ክዛረብ ብሰብ
ስኢኑዶ ዝብሎ ዓገብ
ብሓንሳእ ሰማይን ምድርን ኣላግብ
ወይ ጉድ ይብል  ሰብ
ከምዚ ህጂ ክረክብ

ዋላ ኣነ እየ እኮ ዝብል ኣየ ሰብ
እንከለኹ ሰብ
ምስ ሰብ ዝዋሰብ
ምስ ሰብ ዝላዘብ
እንታዩ ወደይ እዚ ሰብ
ዋእ ኣነ ኸኣ ሰብ
ዘይክኣል ከሎ ክትነብር ብዘይ ሰብ
ትጸልእ ሰብ
 ወይ ሰብ
ቐሺ ሙሴ ሽሻይ

No comments: