3ይቲ ሰንበት ናይ ጾም ኣርብዓ ምኩ`ራብ ትበሃል 1ይ ክፋል። ብ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ ብ ናይ ዘበነት ቤት ትምህርቲ ወንጌል ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ መርሓ ግብሪ።ናይዚ ሰንበት እዚ ዕለት ስያመ ምኩራብ ትበሃል።መድሓኒና ኣብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ተረኺቡ ንዝተኣስሩ ናጽነት ንዝሞቱ ሂወት ፡ንዝተጠቅዑ ድማ ናጽነት ብምእዋጅ ንኹሉ ዓመተ ምሕረት ብምምሃሩ ብትምህርቱ ከም ተደነቁ ይንገር።ስያመኡ ናይ ቅዱስ ያረድ እዩ።መድሓኒና ኣብ ምኩራብ ዝገበሮም ነገራት እንዳ ገለጸ ብምዝማሩ ድማ እዩ ዕለተ ምኩ`ራብ ዝተባህለ። እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ ትእይርቶሙ ለእለ ይትኣይሩከ ወድቀ ላዕሌየ ወቀጻእኩዎን በጾምን ለነፍሰየ መዝሙር 68፡9። ን ቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ ኣሎ። ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻ እውን ኣባይ ወደቀ። እናበኸኹ ንነፍሰይ ብ ጾም ኣሕሳእክዋ ሰባት እውን ጸረፉኒ መዝሙር 69፡9። ኣብ መዝሙር ዳዊት ኩሉ ግዜ ኣብ ትግርኛ ሓደ ቁጽሪ ይቅድም ምስ ምዃኑ እዩ፡ እንበር ሓደ እዩ እቲ ምዕራፍን ጥቅስን። ቦአ ኢየሱስ በምኩ`ራብ ኣይሁድ የሱስ ናብ ናይ ኣይሁድ ምኩራብ ከደ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ዝንበቡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት 1, ቆላ 2፡16 ክሳብ ፍጻመ /////// //////ዲያቆን 2,ያዕ2፡14 ክሳዕ መፈጸምታ //////// ተሓጋጋዚ ዲያቆን ግብሪ ሓዋርያት 10፡1-9። //////////////// ተሓጋጋዚ ካህን ወንጌለ የሓንስ 2፡12 ክሳዕ መወዳእታ /////////// ...
Comments