ሱዳናዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ንኦርቶዶክሳዊት ኣዴ ናይ 8 ወርሒ ነፍሰጾር፥ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ናይ ሞት ፍርዲ በይኑ። ኣብ ሃገረ ሱዳን እትነብርን፥ብትውልዲ ሱዳናዊት ዝኾነትን፥ ሰዓቢት ክርስቶስ ተኸታሊት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ዝኾነት ፥ ጋል 27 ዓመትን ናይ (8) ሾመንተ ወርሒ ጥንስን፥ ዘለዋን፥ኣዴ ወዲ 20 ወርሕን ዶግቶርን፥ ዝኾነት ዶግቶር ማርያም ኢብራሂም ይስሓቅ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ሱዳን ናይ ሚኢቲ ግርፋት ኩርማጅ ምስ ተገርፈት ድሕሪ ሕርሳ ብማሕነቅቲ ክትምወት፥ ንሞት ተፈሪዱዋ። እቲ ብ 16/5/2014 ዝወዓለ ሰይጣናዊ እስላማዊ መጋባእያ፥ብኽልተ ነገር ኢዩ ከሲሱ ንኦርቶዶክሳዊት ዶግቶር፥ዶግቶር ማርያም የሕያ ኣቅሪቡዋ። 1ይ፣ ካብ ምስልምና ናብ ክርስቲና ብምቅያራን 2ይ፡ክርስቲያን ሰብኣይ ብምምርዓዋን ኢዩ። ብትውልዳ ሱዳናዊት ዝኾነት እዛ ኣዴ, ብዘይካ ክርስቲያን ምኻን ካልእ ገበን ከምዘይብላን፥ነቲ ክርስቲያን ሰብኣይ ምምርዓው ግን፥ባርባራዊ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ክርስቲያን ብምምርዓውኪ ዙሙት ኢዩ፡ ክብል፥ ክብል ዕዉር ፍርዲ ሂቡ። ካብ ሃይማኖት እስልምና ናብ ክርስትና ብምቅያራን ዝሙት ብምፋጻምክን ኣብ ዝብል ክሲ ድማ፥እቲ ዕዉር ሕልና ዘይብሉ ቤት ፍርዲ፥ንስኺ ካብ ኣስላማይ ኣቦ ስለ ተወለድኪ ኣስላመይቲ ኢኺ ዋላ፥ ኣዴኺ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ትኹን፥ቀይርኪ እንበር ኣስላመይቲ ኢኺ፥ዝገበርክዮ ዲማ ገበን ኢዩ ኢልዋ ኣሎ። ። ስለምንታይ ካብ ኣስላማይ ተወልደ ዘበለ፥ኣስላማይ ኢዩ ይብል ቁርዓን ኢሉ ክዛረብ ኣብ ዝፈተነሉ ንዘረብኡ "ኣነ ክርስቲያን ኢየ፥ንክርስቶስ ድማ የፍቅሮ ኢየ፡ነዚ ትብሎ ዘለኻ መሓመድ ኣይፈልጦን ኢየ።በቲ ትጽወዓኒ ዘለኻ ...
Comments