ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ዮሐ2፡5።



ን ሎሚ ዓንቲ ንዛረበሉ ቃል ናይታ:ቦኽሪ ጻድቃን ዝኾነት ፡መጀመርታ ምድሓን ኣምላኽ ዘስተማቀረት ኣደና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝበለቶ ትምህርቲ ኣርእስቲ ብምግባር ክንመሃር ኢና።
ኣደና ነቶም ወይኒ ተወዲኡ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ነበሩ፡ ሰብ ዳስ እቲ ኹሉ ዝኽእል መድሓኒኣን ወዳን ኣምላኻን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስኦም ከሎ ፡ስቅ ክትብል ኣይመረጸትን።እታ ትፈልጣ ዝረድኣታ ኢዱ።(ሉቃ 1፡48)፡ክትረድኦም ደኣ ን ወዳ ወይኒ ከም ዝተወድአ ክትሕብሮ ደለየት እንበር፡ምስዚ ኹሉ ኻኣልነቱስ እንዳ ተጨነቁ ስቅ ኣይመረጸትን ።ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ኩሉ ዝኽእል ነብይ ንሳ ጥራሕ እትፈልጦ፡ኣብ ልባ ዓቂራቶ ብዛዕባኡ ብዙሕ ምስጢራት ትኸይድ ነበረት ኢየሱስ ወዳን ፡ጎይትኣን ኣምላኻን ደኣ” ወይኒ እምበር የብሎምን ዝበለቶ”።(ዮሐ2።3)

ስለምንታይ ንሳ ትፈልጥ ኢያ፡ኩሉ ከም ዝግበር።ካብኣ ፈጣሪ ክንሱ ክውለድ ዘይከበዶ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ምልዋጥ ከምዘይ ከብዶ ትፈልጥ ኢያ።እወ ነዚ ክልዉጦ ክኸብዶ ዘይከውን ኢዩ።ነቲ ማይ ድማ ናብ ወይኒ ለወጦ።(ዮሓ2፡3-9)ክንደይ ሰብ ኢና ኾን እዚ ክኢላ ነብይ፡ክኢላ ኣምላኽ ቅዱስ ከለና ምሳና።እንከሎ ኣብ ጥቃና ነገራት ልዕሊ ዓቅምና ምስ ኮኑ ክንዲ ናብኡ ንምሕጸን ምስ መከራና ንወድቅ??ንጭነቅ፡ንሓርቅ ነገራት ዘይዕረዩ ዝመስለና።እዞም ሰብ መርዓ ህዝቢ ዓዲሞም ኣብ ሞንጎ ግን ወይኒ ተወዲእዎም።መርዓ ሰብ ዓዲምካ ሽሻይ ክውድኣካ ከሎ፡ክንደይ ምተረበሽካ፡ንሶም እውን ክንድኡ ሕሰቦ።ተኾነ እቲ ኸኣሊ ከሎ እንታይ ጸገም ኣሎ።ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን ኢዩ።(ሮሜ 10፡9-111)እንበኣር እዚ ንዕኦም ዝረድኦም ንዓኻ እውን ኣምላኽካ ኢዩ እሞ፡ክረድኣካ ኢዩ።ኣይትረበሽ ዋላ ዝተወድአ ዝመስል ጉዳይ ተለካ ግን እቲ ንዓኻ መወዳእታ ንዕኡ መጀመርታ ኢዩ።ጥራሕ ዝበለካ ኩሉ  ግበር ።ብድሕረኡ ንገሮ ነገራትካ ከዕርዮ ኢዩ።
እዚ ግን መን ኢዩ??።ንዕቡያት ሓሳብ ልቦም ዝብትነሎም፡ንኃያላት ካብ ዝፋውንቶም ዘውረዶም፡፡ንዝተዋረዱ ድማ ልዕል ዘበሎም፡ንጥሙያት ብበረኸቱ ዘጽገቦም፡ንሃብታማት ጥራሕ ኢዶም ዝሰደዶም፡(ሉቃ 1፡51-53)ኩሎም ካብኣ ኣትሒዞም ካብዛ ቅድስተ ኣደ ዝመስከርሉ፡ ንዕኡ ብምእማን ብኸምኡ ዝጸደቁ።(ሮሜ3፡24) መን እሞ ብእኡ ዘይተደነቀ። ።(ማር5፡20)(ሉቃ8።25)(ማቴ22፡33)(ማር2፡12)።ኩሎም ዝመስከሩሉ።(ሉቃ4፡22)፡(ዮሐ8፡18)(ዮሐ10፡25)(ዮሐ15፡27)(ዮሐ15፡26) ኩሎም ዝሰገድሉ ኩሎም ኣብ ቅድመኡ ።ሓያል፡ክኢላ፡ፈላጥ ፡ኩሉ ዝኽእልን ዘሎን  ዝነብርን ህያው ኣቦ ዘልኣለም ።መስፍን ሰላም፡መን ኮን ኢዩ??።ናይ ቤተ ክርስትያና ሊቅ ዮውሃንስ ኣፈውርቂ ብዝዕባ እዚ ዘገርም ክብጻሕ ዘይተኻእለ፡ብሓንጎል እዚ ኢልካ ፡ክትድምድሞ ዘይትኽእል ህያው ከምዚ ይብል።”ወመኑ ስመ፡ኣቡሁ፡ኣይቴ ብሔሩ፡ወመኑ የአምር መካነ ማኅደሩ” ትርጉም “ስሙ መን ኢዩ፡ ስም ኣቡኡስ መን ኢዩ፡ሃገሩኸ ኣበይ ኢዩ።(ምሳ30።4)።
ንሱ ወሲኹ”ሓሳብ ልቢ ኣዕሚቑን ሓሲቡን ምኽንያት ነገሩ ኪረክብን ቀዳማይን ዳኅራይን ኲነታቱ ኪንግር ኣይክእልን ኢዩ።”እዝስ መን ኮን ኢዩ።”በለ ሓቂ ኢዩ።እዝስ መን ኮን ኢዩ ??።ደቂ ሰባት ተማራሚሮም ክፈልጥዎ ዘይክኣሉ ፍሉይ።ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ።ኩሎም ከኣ ኣነ ዝበልኩኹም ግበሩ ዘይኮነስ ንሱ ዝበለኩም ግበሩ ኢሎም ክብርን ዕበትን ከም ዘለዎም ዝመስከሪሉ።።(ግብ 3፡22-23) (ዘዳ18፡15)እግዚኣብሄር ኣብ ከይተረፈ ንዕኡ ክንሰምዖ ተላበወ።(ማቴ17፡5)(ማር9፡7)(9፡35)።
ኣደና እውን ነዚ ቃል እዚ እያ ተናጊራ እታ መንፈስ ቅዱስ ዘለዋ ኣደ፡ንዕኡ ክብሪ ሃበት።ንሱ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ ድማ በለትና።ንሱ ዝበለና ንገብር ዶኾን ንህሉ !!??፡ንሱስ እንታይ ኮን ኢዩ፡ ኢሉና???። ይቅጽል…።
                 etiqalsgakone@gmail.com

Comments

Popular posts from this blog

2ይ ክፋል ኣብ ራእይ ቅዱስ ኣቦና ኣሎና።

ትኹረት ካብ ኢየሱስ እንተ ኣውጺእና ክንጥሕል ኢና።

2ይ ክፋል ጸዊዔ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሐሪ፡ ዜሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።(ኢሳ66፡4)