Post più popolari

Thursday, 8 November 2012

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ !??።


             መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ !??።

ኣብ ዓለም ካብ ዝሕተሙ መጽሓፍቲ ብብዝሒ ዝተሐተመ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ስጋብ ሕጂ 6 ቢልዮን ዝግመት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ አሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ፍልስፍናን ብሰባት ዝተጸሕፈን ኔሩ እንተዝኸውን ሰብ ዘዝመረጾ ወሲዱ ምኣመነ ኔሩ። ክንድዚ ዝኣክል ቅዳሕውን አይምተሓትመን ኔሩ። ነዚ መጽሓፍዚ ከም ቃል አምላኽ ንቅበሎ እንተኾይና ድማ ንኽልውጠና ክንፈቅደሉ አሎና። ስለዚ እዚ ወጻኢታት ንባዕሉ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል አምላኽ ምኻኑ የረደኣና።
ሓደ ዝሓበረ መጽሓፍ
መጽሓፍ ቅዱስ ሕብረት ዘለው መጽሓፍ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ 1500 ዓመታት ይገብር ብ ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ብዙሓት ሃገራት መበቆል ዘለዎምን ብ ብተፋላለየ ዓይነት ቋንቋታትን ብዝተፈላለየ ናይ ኣጸሓሕፋ መገድታትን ተጻሒፉ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሓደ መጽሓፍ ናብ ሓደ መጽሓፍ ዝተፈላለዩ ጸሓፍቲ ይጽሓፍዎ ደኣ እምበር፣ መልእኽቱ ብሓጺሩ ክረአ ከሎ፣ ዓለማ ናይ አምላኽ ንወዲ ሰብ ንምድሓንን፡ኣምላኽ ኣብ ደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቅርን ድኻም ሰብን ጽድቂ ካሃልነትን ኣምላኽነትን ኣምላኽን ወዘተ...የንጸባቅ ወይ ይገልጽ።
                                ብእስትንፋስ ናይ ኣምላኽ
ኣብ (2ጢሞቴዎስ 3:16-17) እንተ ኣንቢብና፦ “´እቲ ናይ አምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፣ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ አምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቅናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።´´መጽሓፍ ቅዱስ ብመሰረቱ ብእስትንፋስ ናይ አምላኽ አብ ልዕሊ ሰባትዩ ተጻሒፉ። (እብራውያን 1:1 ረአ)ብኻልእ ኣዘራርባ፡ አምላኽ ነቲ ክብሎ ዝደልዮ ብሰብ ተጠቂሙ ጺሒፍዎ ማለት እዩ። እቶም ጸሓፍቲ´ውን
´´አምላኽ ይብል´´ ´´ጎይታ ሰራዊት ይብል´´ ´´እቲ ቃል እግዚኣብሄር ናባይ ምስ መጸ´´ ዝብሉ ሓረጋት ተጠቂሞም አለው፡ እንበር ኣነ ዝብል ቃል ከእትዉ ኣይንሰምዕን ኢና። ኣምላኽ ድማ ነዞም ሰባት እዚኦም ብሕልሚ (ዘፍጥረት 37:1-11 ረአ) ብራእይ (ትንቢት ዳንኤል ምዕራፍ 7 ረአ) ብዝሩብ ድማ (1ሳሙኤል ምዕራፍ 3 ረአ) ብናይ ውሽጢ ድምጺ (ሆሴእ ምዕራፍ 1 ረአ) ከምኡውን ብመላእኽቲ (ዘፍጥረት 19:1-29 ረአ) ከምኡ እውን እቶም ናይ ሓድስ ኪዳን መጽሓፍቲ ብፍላይ ተሪኢናዮም ካብ ኣፍ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ኣገልግሎት ስጋ ለቢሱ ኣብ ዝጋዓዘሉ ዝነበረ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ካብ ዝዛረቦም ዝነበር ከምተወስደ እቲ  ኣብኡ ዘሎ ሓቂ የረጋግጽ።
  ብሓቂ እቶም ጸሓፍቲ መሰኻኽር እዮም
መብዛሕተኦም ናይ ብሉይ ኪዳን ጸሓፍትን፣ ኩሎም ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፍትን ነዚ ዝተጻሕፈ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዮም። እቶም ጸሓፍቲ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልዎ ጥራይ እዮም ጽሒፎም። ከይዘልፈካ፡ ሓሳዎ ኮንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ አይትወስኽ።” (ምሳሌ 30:6) ከይወሰኹ ከይነከዩ፡እኳ ደኣ ኣምላኽ ኣብዚ ዘይተባህሎም ከይውስኹ መጠንቀቅታ ስለ ዝኣዘዘ ብፍርሓት ኢዮም ጺሒፎሞ፡(ራእ22፡19።)
ታሪኻዎ ፍጻሜታትውን የረጋግጹ
መጽሓፍ ቅዱስ ብታሪኻው ዓይኒ ክረአ ከሎውን ሓቀኛ እዩ። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጾም ዘለው ሰባት፡ ቦታታትን፡ ኩነታትን ቅድሚ ኣሻሓት ዓመታት ብናይ ታሪኽ ሰባት ሓቂ ምኻኑ ተረጋጊጹ እዩ።ከምኡ እውን ብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተዘርበሎም ቅድመ ኣሸሓት ዓመታት ትንቢታት ሎሚ ይትግበሩ ንርእዮም፡እዚ ካብቶ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛ መጽሓፍ ምኻኑ ዘረጋግጽ ሓቂ ኢዩ። ናይ ታሪኽ ሰባት ሓድሽ ኪዳን ከይተረፈውን ቅኑዕ ምኻኑ ይኣምኑ። መጽፍ ቅዱስ አብ (ሉቃስ 1:1-3 )”እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረእዩን ኣገልገልቲ እቲ ቃል ዝንበሩ ከምዝነግሩናዝብል ተጻሒፉ አሎ። እቶም ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፍቲውን፡ ነቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ታሪኽ ከንጸባርቕዎ ኢና ነንብብ። ንምሳሌ ኢየሱስ ፍጥረት ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ማቴዎስ 19:4 ይጠቅስ። ዮናስ ድማ ብዓቢይ ዓሳ ምውሓጡ ኣብ (ምቴዎስ 12:40) ከምኡ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ ኣብ (ማቴ 24:37-39) እቶም ኣብኡ ዘለዉ ቃላት ከኣ ኩሎም ዝተተሓሓዙ ዮም ኩሎም።።
ስነ-ፍልጠታዊ ሓቅነት
መጽሓፍ ቅዱስ ብኹሉ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቅነት ክረአ ከሎ ምሉእ እዩ። እቲ ዝገርም ነገር ድማ እዞም ኩሎም ሓቅነት ዘለዎም ነገራት ቅድሚ ወዲ ሰብ ምፍጣሩ ኣማኢት ዓመታት ዝተጻሓፈ ምኻኖም እዩ። ገለ ኣብነታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተሪኢና፦
·     እታ ናይ መጀመርታ ጥቕሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ´´ብመጀመርታ´´ (ዘፍጥረት 1:1) እትብል ቃል ጠፈር መጀመርታ ከምዘለዎን ቅድሚ እቲ ግዜቲ ድማ ጠፈር ዝበሃል ከምዘይነበረ ተረደኣና። ሎሚ መብዛሕትኦም ስነ-ፍልጠታውያን ጠፈር መጀመርታ ከምዘልዎ ይኣምኑ።
·     አብ መጽሓፍ (እዮብ 26:7) ድማ ´´ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡ ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ´´ ይብል። ሎሚውን ብቀጥታውን ዘይቀጥታዊ መረጋገጽታትን ጠፈር ´´አብ ባዶ´´ ´´ከምተንጠልጠለት´´ ይፍለጥ።
·     ኣብ (ኤርምያስ 33:22) እንተሪኢና ድማ ´´ሰራዊት ሰማይ ክፈቅድ ኣይከእልን እዩ´´ ይብል። ሰራዊት ሰማይ ከዋኽብቲ ማለት እዩ፡ከምኡ እውን መላእኽቲ ። እዚ ቃል ድማ ቴሌስኮፕ ቅድሚ ምምሃዚ ከምዝተረጋገጸ የብርሃልና።
·     ኢሳይያስ (40:22 )´´ምድሪ ከባብ´´ ምኻና ይነግረና። ነገር ግን መሬት ስጋብ ማጄላን ኣብ 1500 ንዓለም ምዛሩ ምድሪ ጸፋሕ ምኻናዩ ዝፍለጥ ኔሩ።
·     ኦሪት (ዘለዋውያን 17:14) እንተሪኢና ´´ናይ ኩሉ ስጋ ነፊ ደሙ እዩ´´ ይብል። ወዲ ሰብ ግን ነዚ ሓቂ አብ <<1800 ዓመታት>> እዩ ኣረጋጊጽዎ።እዚ ጥራሕ ዘይኮነ እውን ነቲ ሓደ ሓይሊ ኣሎ እናበሉ ስነፍልጠታውያን ህጂ ዝገልጽዎ ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ በጺሕዎዩ፡ኣምላኻዊ ርትዒ ኣረጋጊጹስ፡ነቲ ሓደ ይሊሎ ኢሎም ገሊጾሞ ዘለዉ ሓሊፉ ኣቲ ሓደ መለኮታዊ ሓይሊ ኣግዚኣብሄር ምኻኑ ኣረጋጊጹ።መጽሓፍ ቅዱስ እንበኣር ተራ መጽሓፍ ኢዩ ኢልካ ምዝራብ ገይጋ ኢዩ።ንሱስ ኣምላኻዊ ርትዒ ደኣ ኢዩ። ከምኡ እውን መጽሓፍ ኢዩ ኢልካ ጥራሕ ምዝራብ ነቲ ዘለዎ ክብሪ ኣይዳረግን ኢዩ።
   
ካልኦት ኣሸሓት ጌጋ ዘይብሎም ትምህርትታት ትንቢታት ነጊሩ እዩ
ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት መጽሓፍትታት ዝፈልዮ ካልእ ነገር ድማ፡ ብዙሓት ኣቐዲሞም ዝተነግሩ ትንቢታት ክፍጽሙ ምርኣይ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ 2000 ዝኾኑ ትንቢታት 300 ካብኦም ድማ ብዛዕባ ኢየሱስ ኮይኖም ኩሎም ብዘይ ጌጋ ተፈጺሞም እዮም። ትንቢት ዳንኤል ከም አብነት እንተሪኢና ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተፈጸሙ ትንቢታት ንረክብ፦
·     ምውዳቕ ናይ ባቢሎን ኣብ ኢድ ፋርሳውያን
·     ምውዳቕ ፔርሪሳውያን ናብ ግዝአት ግሪኽ
·     ምውዳቕ ግዝኣት ግሪኽ ናብ ግዝኣት ሮማ
·     እቲ መሲህ ናብ ኢዮርሳሌም ዝመጻሉን ዝሞተሉን ዕለታት
ቲ ኢየሱስ ክመጽእ እዩ ዝብል ትንቢት ሓቂ ምኻኑ
ሚክያስ መሲሕ አብ ቤተሌሄም ከም ዝውለድ ተንብዩ። (ሚክያስ 5:2) ዳንኤል ድማ ኢየሱስ መዓስ ከም ዝመጽእን ከም ዝመውትን ተነብዩ። (ትንቢት ዳንኤል 9:24-26) ኢሳይያስ ቅድሚ ልዕሊ 500 ዓመታት መሲህ ካብ ድንግል ከም ዝውለድ ተነብዩ። (ትንቢት ኢሳይያስ 7:14) ከምኡውን እቲ መሲህ ከም ዝስቀል ተነብዩ። (ትንቢት ኢሳይያስ 53:12) ገለ ካልኦት ከም አብ መዝሙር ዳዊት 22:1 እንተ ሪኢና ድማ ነቲ ኢየሱስ አብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ዝተዛረቦ ትኽክል ኮይኑ ንረኽቦ። (መዝሙር ዳዊት 22:1 ረአ) እቶም ወተሃድራት ንኽዳን ናይ ኢየሱስ ክጣልዑ ከለው ድማ አብ (መዝሙር ዳዊት 22:18) ርአ። እዞም ዝረአናዮም ኩሎም ድማ ቅድሚ ምስቃል ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍላጡ ቅድሚ 400 ዓመታት እዮም ተነጊሮም። ሞቱን ዕርገቱውን ተነጊሩ። (ዮሃንስ 2:19-22) እዚኦም ኩሎም ዝረአናዮም ድማ ሓፈሻዊ ትንቢት ዘይኮኑስ፡ ኩውንነት ዝሓዙ ሓቅታት ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጽ። ትረፍ ኩሎም እቶም ትንቢታት ገዲፍካ፡ ገለ ካብኦም ጥራሕ ንኽፈጸሙ እኳ ሕልሚዩ ዝመስል ኔሩ። መጽሓፍ ቅዱስ አብ (2ጴጥሮስ 1:21) ከምዚ ይብል፦ ´´ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ አምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቃድ ሰብ ኣይመጸን።”ይብል ሓቂ ኢዩ።ብፍቃድ ሰብ ተዝኸውን ከምዚ ዝበለ ሚዛንን ርትዕን ኣይምሃለዎን ነይሩ።
እቲ ኢየሱስ ክመጽእ እዩ ዝብል ትንቢት ዝልውጥ ሓይሊ አለዎ
መብዛሕቶኦም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሪኢቶ ዝጽሕፎ ሰባት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ወሲዶም ዘይጽዕዎ እዮም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ግን፡ እዚ መጽሓፍ ዚ ናይ ብሓቂ ቃል አምላኽ ምኻኑ አሚና ብኽፉት ልቢ፡ጸሎት ገርና እንተ ኣንቢብናዮ ካብቲ ተስፋታቱ ዝልውጥ ሓይሊ ክንረክብ ንኽእል ኢና´´ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን መንፈስን፡ ፈላልዮ አካላትን ኣንጉዑን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።´´ (እብራውያን 4:12) እዚ መጽሓፍ እዚ እምበኣር፡ ሓይሊ ይህበና፡ ካብ ሓጥያትና የናግፈና፡ አብ ህይወትና ምርሒት ይህበና፡ ኣብ ሕልናና ድማ ዕግበት ይህበና፡ኣብ ግዜ ጸገምና የጸናንዓና።
ቃል አምላኽ እምበኣር ንሓዳር ይፍውስ፡ምስ ሰባት ብሰላም ከምትነብርን ብሰባት ከም  ዉሉድ ሰላም ከም ትርአን ይገብረካ ብ ሓቂ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ፍትሐኛታት ሕግታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር የለን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ወልፊታት የናግፍ፡ብቂ  ኣብ ሂወትካ ዓቢ ለውጢ ይህብ፡ነዚ መጽሓፍ ዚ ብምንባብን ብምስማዕን ካብ ነበርዎ ዘጽልእ ሂወት ዝተለወጡ ቁጽሪ የብሎምን፡ምስ ሰባት ተረዳዳኢ ይገብር ንሰባት ድማ ንምንታይ ይነብሩ ከም ዘለው ምኽንያት ይህብ፡ ልቢ ይፍውስ፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ተስፋ ዘይብሎም ኩነታት ድማ ይልውጥ።ስለዚ ተጠኒቂቕና እንተ ሪኢናዮ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል አምላኽ ምኻኑ ርዱእ እዩ። ኩሎም እቶም ብስነ-ፍልጠት ይኹን፡ ብታሪኽን ትንቢትን ብዛዕባ ሓቅነትን ልዕልነትን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ። እዚ ድማ ነቲ ቃል ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኣሚና ኣብ ኩሉ ክንክተሎ ይግበኣና። ኢየሱስ ኣብ (ማቴዎስ 4:4 )ከምዚ ኢሉ ኣሎ፦ ´´ሰባት ካብ መግቢ ንላዕሊ ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ክምገቡ ኣለዎም።´´
እቲ ናይ ዘልኣለም መዕለቢና
እንተ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ እዩ ኢልካ ትኣምን ኾንካ ብዛዕባ እቲ ናይ ዘልኣለም መዕለቢኻ እንታይ ከምዝብል ግዜ ወሲድካ ኣንብቦ።መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜ መሕለፊ ኢልካ ዝንበብ መጽሓፍ ዘይኮነስ ኩቡር ግዜ ወሲድካ ዝንበብ መጽሓፍ ኢዩ።ን መጽሓፍ ቅዱስ ኩቡር ግዜኻ ወፊካ ሰዊእካ ኣንቢቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓጥያትኩም ካብ አምላኽ ይፈልየኩም ኣሎ፡ ይብል። (ትንቢት ኢሳይያስ 59:2) ብሓጥያትኩም ድማ ክትመቱ ኢኹም ይብል። (ዮሃንስ 8:21) ኣብ (ሉቃስ 5:12) ናብ ገሃንም ድማ ክትኣትው ኢኹም ይብል። አብ (ሉቃስ 13:3)ድማ እንተ ዘይተናሲሑኩም ክትመቱ ኢኹም ይብል።እምነትኩም ብየሱስ ግበሩ ይብል (ዮሃንስ 112) ንሓጥያትኩም ድማ ኣብ መስቀል ኢየሱስ ሞይትልኩም ይብል። (1.ጴጥሮስ 2:24) ምስ ሞትካ ድማ ናብ ገነት ንኽትኣቱ ይፈቕደልካ ይብል። ህይወት እምበኣር ሓጻር እያ። ክንደይ ግዜ ከምዝተረፈካ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ስለዚ ነዚ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክትረኽቦ ዘሎካ ተስፋ ብኸንቱ ኣይሕለፍካ !!!
           etiqalsgakone@gmail.com

No comments: