ስቅ-ኣይብልን
!!!።
ስቅ ኣይብልን ከዘንቱየ ውዕለቱ
ስለይ ኢዩ’ኮ ኣብ እቲ መስቀል መይቱ
መታን ክድሕንሲ ብ ሓለንጊ ተኸትኪቱ
ስቅ ኣይብልን ከዘንትዩ ውዕለቱ
መን ዶ ኣሎ ኢዩ ከምኡ ዝገበረለይ
ደሙ ዘፍሰሰ ንኽትድሕን ነፍሰይ
ኣነ ከይሳቀስ ዝወሰደ ስቃየይ
ጋና ክነግር ኢየ ንውዕለት ኣምላኸይ
ስቅ ኣይብልን ንብዓል ውዕለተይ
ደሙ ከፊሉ ዘውጽኣኒ ሕራ
ብግብሪ ዘርኣየ ነፍሰይ ከም ዘፍቂራ
ክስውኣሉየ ነዚ ነፍሰይ ዘየሕፈራ
ኣይትጸግቦን ፍጹም ነፍሰይንዕኡ ዘሚራ
ክነግር ኢየ ወንጌሉ ኣብ ብዘላ ስፍራ
ሓይልታት ጽልመት መታን ከይገዝኡኒ
መልክዕ ባርያ ዝወሰደ መታን ከድሕነኒ
ምስ መን ከመሳስሎ ቃላት ይሓጽረኒ
ፍሉይ ኢዩ ናይዝስ ክገልጾ ይኸብደኒ
ክምስክረሉ ኢየ ነቲ ዘድሓነኒ
ክምስኪረሉየ ስቅ በል ኣይትበሉኒ
ኣይሰምዓኩምን ኢየ ብእኡ ኣይትምጽኡኒ
ስቅ ዘየብል ውዕለቱ ኣብ ልበይ ኣለኒ
ኣብ የእምሮይ ዝኹሕኩሕ ተዛረብ ተዛረብ ዝብለኒ
ከመይ ገርካ ይግለጽ እቲ ናቱ ውዕለት
ቀለም ኮይኑ ኣይምኣኸለን ዝኹሉ ቃላያት
ሰማያት እውን ኣይምኣኸለን ተዝኸውን ወረቀት
ክግለጽ ብምልኡ እቲ ናቱ ውዕለት
ፍሉይ እዩ ናይ የሱስ በዓል ናዝሬት
ክነግር ኢየ ሓይሉ ክሳዕ ዘለኹ ኣብ መረት
ክሳዕ ዝኸዶ ናብ ሰማይ ሰማያት
ስቅ ኣይብልን ኣነስ በዚ መገዲ ሂወት
መን ኢዩ ከምኡ ዝኹሉ
ዝገበረ
ምእንታይ ክብል ብዙሕ
ዝሓሰረ
ኣምላኽ ክንሱስ ከም
ሰብ ተቀጸረ
ንኹሉ ውዕለቱ ክገልጾስ
ከመይ ገይረ
ስቅ ኣይብልን ክነግረሉ
እንበረ
ነጺህካ ኢኻ ኢሉ ነፍሰይ
ዝመሓረ
ክምስክረሉ ኢየ ዋላ
ግጥመይ ገይረ
ስቅ ኣይብልን ኣነስ ነዚ በዓል ውዕለተይ
ሓራ እያ እንበር ወጻ እዛ ሂወተይ
ሰላሙ ሂቡኒ በዚሑ ሰናየይ
ገሊጽካ ኣይውዳእን ውዕለቱ ንዓይ
ሂወት ዝሃበኒ ቀንጢጡ ጸላመይ
ሞት ዘርሓቀ ካብ ልዳት ቤተይ
ስቅ ኣይብልን ፍሉይ ኢዩ ንዓይ
ንዑ ግዳ እልል በሉ ምሳይ
በይኑ ይንገስ በሉ ነዚ ኣልሻዳይ
ቀሺ/ ሙሴ ሽሻይ
No comments:
Post a Comment