መጽሓፍ ቅዱሳዊ
ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሎና መርገጽን እምነትን 5ይ ክፋል።
ኣዳላዊ ቀሺ ሙሴ ሽሻይ |
ኣብዚ
እምበኣር ከምቲ ኣብ ሕጊ ንበዂሪ ብድሕሪ ምውላዱ ኣብ ኣርበዓ መዓልቲ ዝተኣዘዘ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጸመሉ በሪሁ
ይርከብ፡እዚ እምበኣር ብርግጽ ኣብ መንጎ በዂርነቱን ካልኦትን ምዉላድን ርክብ የብሉን,,,,,ካልእ ኣሕዋት ይሃልዉ ብድሕረኻ ኣይሃልዉ
ማህጸን ዝኸፈትካ እስኻ ኢኻ።ቦኽሪ ተባሂልካ ትጽዋዕ ማለት ኢዩ።
ኣብ
መርዓ ባህላዊ መርዓ ወለድና ዋሕስ ክትኽሉ ከለዉ ተሪኢኹሞም፡እንዳ ጓል ን እንዳ ወዲ ወድኹም እንታይ ኢዩ ኢሎም ክሓትዎም ከለዉ፡እቲ
ተወለደ ንሱ ማህጸን ዝኸፈተ ተኾይኑ ካብ ስድራኡ ኣሕዋት ዘይብሉ ክንሱስ በኽሪ ኢዩ ፡ኢሎም ኢዮም ዝምልሱ። ከምኡ እውን ነቲ ብድሕረኡ
ዝተወለዱሉ ቦኽሪ ማለት ፈለማ ማህጸን ዝኸፈተ ተኾይኑ ቦኽሪ ኢዩ ኢሎም ይምልሱ።እዚ ን ወለድና ሓቲትና ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።
ቅዱስ ጅሮም ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ይሓትት፡”ኣብቲ ኣምላኽ ንበዂሪ ግብጻውያን ኣብ ዘህለቐሉ እዋን፡ነቶም ኣሕዋት ዘለዎም በዂራት ጥራይ ድዩ? ወይሲ ንዝኾነ
ማህጸን ዝኸፈተ፡ኣሕዋት ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ ኢዩ ዝወቕዐ?”…
ብዕብሪ ቛንቛ ሰበይትኻ እትብል ቃል
ብ መሰረት
ኣብ መጽሓፍ ዕብራውያን ዘሎ”ሰበይትኻ” እትብል ቃል፡መርዓትካ ፡ሕጽይትካ ፡ማለት ኢዩ።ኣብ እብራውያን ባህሊ ካብ ግዜ ሕጸኣ ኣትሒዛ
ሰበይቲ ተባሂላ ኢያ እትጽዋዕ።በዚ መሠረት እዚ እቲ መልኣኽ ን ዮሴፍ ጸራባይ ክዛረቦ እንከሎ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ) ከምዚ ዝስዕብ
በሎ፡,,።ዮሴፍ ወዲ ዳዊት ፡እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ እሞ፡ንምውሳዳ ኣይትፍራሕ።”(ማቴ1፡20)ዝበሎ
ትርጉም ፡ዮሃንስ ኣፈወርቂ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡”ኣብዚ እቲ ሕጹይ ፡ሰብኣያ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ንሕጹያት ቅድመ ቃል ኪዳን ምእታዎም
መርዑት ተባሂሎም ይጽዉዑ፡እዚ ኸኣ ልምዲ መጽሓፍ ቅዱስ ዕብራውያን እዩ።ግድን ኢና ንሓሳብ ቅዱስ የውሃንስ ክንቅበሎ ስለምንታይ
ባህሊ እብራውያን ከምኡ ስለ ዝኾነ።ኣብ ዝኾነ ሃገር ከኣ ሰብ ከምቲ ባህሊ ናይቲ ዓዲ ስለ ዝጽዋዕ።
”እቲ
ቀንዲ ናይዞም ኣሕዋትና መንእሰያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ቃላት ኣበሃህላ ትኽ ኣቢሎም ስለምንታይ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ሽዑ ዝነበሩ
ህዝቢ ከመይ ይጥቀሙ ነይሮም ክንዲ ዝብሉ ኣብ ጠቅሚ ብዘይ ትርጉም ስለ ዘውዕልዎ እዩ።ከምኡ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡እታ (ንኽትወስዳ)እትብል
ቃል እንታይ ተመልክት ? ኣብ ቤትካ ከተማዕቁባ ማለት እዩ፡…ከምቲ ንኣኻ ካብ ስድራኣ ዘይኮነስ ካብ ኣምላኽ ሕድሪ ዝተዋህበትካ።ንኣኻ
ሕድሪ ዝተዋህበትሉ ምኽንያት ንኽጥምርዓዋ ኣይኮነን፡ከምቲ ዳሕራይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዮሓንስ ሕድሪ ዝሃቦ፡ምሳኻ
ንኽትነብር ኢያ ዝተዋህበትካ።”ትርጉም (ማቴ4፡11)
ንትምርዓዋ
ጓል ካብ ሰብ ኢኻ ትወስዳ ዮሴፍ ግን ካብ ኣምላኽ ኢዩ ዝወሰዳ ነደና ማርያም፡(ማቴ4፡11)።ካብ ኣምላኽ ዝወሰድካዮስ ንስጋ ዶ
ን ነፍሲ ትጥቀመሉ።መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ድንግል ፡ሰበይቲ ዝብል ቃል ተጠቂሙ ፡እቲ ሰበይቲ ዝብል ቃል ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝኾነት
ንምምልካት ደኣ’እምበር ከም ዝተመርዓወት ዘመልክት ኣይኮነን።ከምቲ ሄዋን ሰበይቲ ተሰምያ ምኽንያቱ ካብ ሰብኣይ ስለ ዝተወስደት(ዘፍ3፡20)ሄዋን
ዝተሰመየትሉ ኸኣ ኣደ ኩሉ ህያው ስለ ዝኾነት ኢያ(ዘፍ3፡20)።ኣብ ዘፍጥረት ተሪኢና ዘፍ2፡25 ከምዚ ይብል እቲ ሰብኣይን እታ
ሰበይትን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ ኣይሓንኩን ኸኣ ነበሩ።
ርአ
ሄዋን ሰበይቲ ተባሂላ ኣብ ትጸወዓሉ ነበረት እዋን ምስ ኣዳም ኣይትራኸብን እያ ዝነበረት።ርክብ ዝገበሩላስ እታ ኣብ (ዘፍ4፡1)
ዘላ ኢያ።ኣዳም ድማ ንሰብይቱ ሄዋን ፈለጣ,,,,,ርአ ሄዋን ግን ቅድመ ኣዳም ምፍላጡ ሰበይቱ ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት።ኣዳምን ሄዋንን
ግን ከይተፋለጡ ብዙሕ እዮም ገይሮም።ካልእ ኣብዚ ነስተብህሎ ነገር ተልዩ።ዮሴፍ ነደና ማርያም ተዝፈልጣ ከምዛ ናይ ሄዋን ፈለጣ
ዝብል ምረኸብና ተኾነ።ኣይፈለጣን ዝብል ኢና ንረክብ።ካልእ እውን ኣብ (ገላ4፡4-5) ተሪኢና ሰበይቲ ዝብል መጸውዒ ዋላ ንደናግል
ከም ዝወሃብ፡ን ክርስቶስ ካብ ሰበይቲ ከም ዝተወለደ ገሊጹ ኣሎ።,,,,,ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊ’ውን ዝኾነ
ወዱ ለኣኾ።ስለዚ ሰበይቲ ዝብል ነገር ንኹሉ ኢዩ መጸዊዒኡ ን ጋል ኣንስተይቲ ዘበለት።
ሰበይቲ
ዝብል ቃል ብዛዕባ ፍጥረታን ኣንስተይትነታን ኢዩ፡ዘመልክት፡ሄዋን ከኣ ብዛዕባ ኣደነታ።
እታ
ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ሰበይቲ እትብል ቃል ንቅድስተ ድንግል ማርያም ከም ዝተሓጽየት ደኣ እንበር ከም ዝተመርዓወት ከም ዘይተርኢ
ምስክር፡ሓዋርያ ሉቃስ ዝበሎ፡እዚ ዝስዕብ ኢዩ።ዮሴፍ ድማ፡ካብ ቤተ ዳዊት ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ካብ ገሊላ ካብ ዓዲ ናዝሬት
ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ,,,,(ሉቃ2፡4-5)።እታ”እታ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ እሞ ንምውሳዳ ኣይትፍራሕ።”እትብል
ቃል ሕጽይትኻ ማለት ኢያ,,,።
ካብቲ
ብዛዕባ ኣደና ቅድስተ ድንግል ማርያም ክንርድኦ ዘለና።ብድሕሪ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፡ኣብቲ እቲ መልኣኽ ን ዮሴፍ ኣብ
ዝተዛረበሉ እዋን፡ሕጽይትኻ ዝብል ቃል ኣይተጠቀመን ኣይጠቀሰን።”,,ተንስእ ነቲ ህጻንን ነዲኡን ሒዝካ” ኢዩ ዝበሎ፡,(ማቴ2፡20)(ማቴ20፡21)(ማቴ20፡13)።ዮሴፍ
ከኣ ናብ ግብጺ ምጋሹን ምምላሱን ከምኡ ገበረ።፡,,ተንሲኡ ነቲ ህጻንን ነዲኡን ሒዙ,,፡”(ማቴ2፡14፡21)ሰበይትኻ ትብል ቃል
ኣይተጠቀመን ከምኡ እውን ሕጽይትኻ እትብል ቃል ኣይተጠቀመን።እንበኣር ሕጸ ዮሴፍን ማርያምን ክርስቶስ ካብ ዝዉለድ ተሪፉ ኢዩ።እቲ
መልኣኽ ከምኡ ተዘይኸውን ንሕጽይትኻ ማርያም ምስዚ ህጻን ሒዝካያ ተመለስ ምበሎ ነይሩ።(ማቴ 2፡20)ግን ነታ ሕጽይቲ ትብል ስለ ዘትረፋ ነዚ
ህጻንን ነዲኡን በለ,,።
ሰበይቱ
ተትኸውን ነይራ ግን እቲ መልኣኽ “ንሰበይትኻን ነዚ ህጻንን ሒዝካዮም ኪድ ናብ ግብጺ” ምበሎ ነይሩ።ደሓር ከኣ “ነዚ ህጻን ዝደልዩ
ሰባት ሞይቶም እዮም እሞ ንሰበይትኻን ነዚ ህጻንን ሒዝካዮም ተመለስ” ምበሎ ነይሩ።እንተ ኾነ ነዚ ህጻንን ነዲኡን ምባሉ ኣብ መንጎ
ዮሴፍን ማርያምን ጋግ ዘየራኽብ ከም ዘሎ የረድኣካ።ይቅጽል,,,,,,,,,,ናብ 6ይ ክፋል።
etiqasgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment