ኣሎኒ !!
ተጸበበ
ኩሉ ዘይዕረ ተመሰለኒ
ስቃይ በዚሑ
ዋላ ተኸበደኒ
ፍላጻታት
ጸላኢ ተተወርወረኒ
ኣይትታሓጎሱ
ጸላእተይ ኣነስ ተስፋ ኣሎኒ
ኣብ መስቀል
ዝሞተ ሓራ ክገብረኒ
ምኽሪ ናይ ኤልዛቤል ተመልአ ብሓሶት
ወልፊ ዝተታሕዘ ብምቅታል ነበያት
ኣባይ ኣይበጽሕን ፡ ኣሎ በዓል ናዝረት
ጽባሕ እልልታ ክወልድ ኢዩ ዝናይ ህጂ ንብዓት
ተስፋይ ስቅ ኢሉ ኣይሓድገንን በይነይ ኣብ ስቅያት
ንብዓት
ኮይኑ ብጻየይ ዘጸናንዕ ዘየለ
ትቀታሊ
ነፍሲ ከጥፍኣካ ኢየ ተበለ
ዋላ ተመሰለ
ዝረድእ ዘየለ
ኣይሓድገንን
ተስፋይ ክነብዕ ከምዚለ
ክጸራርጎ
ዩ ንኹሉ ከምዘየለ
እህህታይ ዛይዱ ስቅያት ተበዝሐ
ጸላእየይ ዝበለ ተበለ ከም ሕሱም ተነብሐ
ኣይምለስን ንድሕርት ኣብ ሎሚ በጺሐ
ክጓዓዝየ ንቅድሚት መስቀለይ ኣምሪሐ
ተስፋይ ክሰብሮዩ ንኹሉ ኣባይ ከይበጽሐ
ባህገይ
ንሱ ኢዩ፡ንስሙ ክህብ ክብሪ
ይፈልጦ
እንድዩ ሓሳበይ ትናይ ሰማይ ፈጣሪ
ቲ ንእስራኤል
ዝሰምዐ እህህታኦም ኣብ ምስሪ
ከመይሉ
ክቅየር ሎሚ እቲ ናቱ ባህሪ
በርትዒ
ጥራሕ ነፍሰይ ኣብኡ ተስፋኺ ግበሪ
ክሓልፍ
ኢዩ፡ለይቲ ክመጽእ ኢዩ ቀትሪ
ተስፋ ኣሎኒ
ንስሙ ይኹን ክብሪ
ስቅ ተበለ ህጂ መዓስ ሓዲጉኒ
ዘይክርኢ ደልዩ ኢዩ እንታይ ከም ዝብሉኒ
ምሕረቱ እንዳኣሉ ከስተማቅር ደልዩኒ
ዝሓሰቦ ኣለዎ ብጸበባ ክምህረኒ
ብሓጎስ ነፍሰይ ከዕግባ ራኢየይ ከጨብጠኒ
ክጉዓዝ ኢየ ንግሆ ምሸት ክሳዕ ዝረድኣኒ
ኣለኹ ኣብ መሐለውየይ ኣይቅሰን ጨቃኒ
ተስፋ ኣይሞተን ኣሎ ኣነስ ፈጺሙ ነይደኽመኒ
ኣኽራን
ተሃመመ ኩሎም ሰባት ተረዓሙ
ኣነስ ኢደይ
ኣይህብን ኢየሱስ ታይ ዲዩ ትርጉሙ
ኣጆኻ ኢሉ
ምሽ ምሒሉለይ ብስሙ
ስቅ ምላቱ
ህጅስ ኣለዎ ትርግሙ
ተስፋይ
ደበኽ ክብል ኢዩ ክረድእ ከም ቀደሙ
ቀሺ/ ሙሴ- ሽሻይ
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment