ኣይክእልን
ኣይትበል
ነልኣዛር ካብ መቃብር ንዓ ውጻእ ዝበሎ
ነቲ ቀያሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ዝመቀሎ
ትቅኑዕ ፈራዲ ፈጣሪ እኮ ኣሎ
ኣይከኣልን
ኣይትበል ነቲ ጎቦ ደይቦ
መከራ ተመጸ እዝኒ ኣይትሃቦ
መከራ ተመጸ እዝኒ ኣይትሃቦ
ኣይክእልን
ኣይትበል ኣሎካ እኳ ኣቦ
ንኹሉ
ከም ግብሪ ብልክዕ ዝህቦ
ኣይትፍራሕ
ጥራሕ ኣጆኻ ን ኢየሱስ ሰዓቦ
ናብኡ ዝቀረበስ ዝኽትምና ነየልቦ
ናብኡ ዝቀረበስ ዝኽትምና ነየልቦ
ጥራሕ ተስፋ ግበር ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ
ክንደይ ዘይሓለፉ ካብዚ ዝሕይሉ
ትዝኸብደካ ሃቦ ክስከሞ ኢዩ ባዕሉ
ኣምላኽና ይኽእልዩ ሓያል ልዕሊ ኩሉ
ጸውዓዮ ጥራሕ ክሰብሮ ኢዩ ባዕሉ
ዕላማ
ኣለዎ ጎይታ ንድሕሪት ኣይትበል
ኩሉ
ይካኣክዩ ጥራሕ ጉዕዞኻ ቀጽል
ኩሉ
ክሓልፍ ኢዩ ኣይሓልፍን ኣይትበል
ዋላ ትበላዒ ክውሕጠካ ይበል
ዋላ ትበላዒ ክውሕጠካ ይበል
ኣይሓድገካን
ኢዩ ፍጹም ኣምላከ እስራኤል
እቲ ንስራኤል ዘውጽኦም ካብ ግብጺ ብ ሓይሊ
እቲ ንዳዊት ዘድሓኖ ብኸውሊ
ኣሎ እኮ ኣብ ዝፋኑ ሎሚ ከም ትማሊ
ቀው ኢሉ ይዕዘብ ነገርካ ክኣሊ
ጥራሕ ተኣመኖ ተጸበ ብዓቅሊ
ኢየሱስ ሰዓራዩ ሕያዋይ ከኣሊ
ምብካይ
ምንባዕ የብቅዕ ካብ ሎሚ ንደሓር
ኣሎካ
ዝግደስ ልዑል እግዚኣብሄር
ን ሞት
እንዳሰዓራ ዘልኣለም ዝነብር
ኣሎ
ኸኣሊ ምሳኻ ፍጹም ኣይትሸገር
ጥራሕ ምጥማትካ ናብኡ ግበር
ጥራሕ ምጥማትካ ናብኡ ግበር
ኢያርኮ
ፈሪሻያ እንዳበልካ ዝወር
ግዜ ኣኺሉዩ ንብዓትካ ዝሕበሶ
እንትርፎ እልልታ ዘይትሰምዓሉ ልቅሱ
ዕርዲታት ኢያሩ ፍጹም ክድምሲሶ
ፈትዩ ‘ዩ ኣምላኻ እህህታኻ ክፍውሶ
ኣይክእልን ኣይትበል ተለዓል ወድሶ
ኣልኣዛር
ኣይሞተን ወጽዩ’ዩ ካብ መቃብሩ
ን ኣምላኽ
ዝጽበ ኣይነብርን ኢዩ ተቀቢሩ
ሞሊቁ
እዩ እቲ ሞቅሕ ሓንሳእ ንሓዋሩ
ተጠቅሊሉ
እቲ መግነዝ ተነቢሩ ኣብ እግሩ
የድሕን
‘ዩ ኢየሱስ ጥራሕ በል ክትርኢ ንኽብሩ
ክርኣ ኣዒንትኻ ብዘሎ ኣርዑት ተሰይሩ
ክርኣ ኣዒንትኻ ብዘሎ ኣርዑት ተሰይሩ
ድሕሪጂ ኣይመጽእን እዩ ጠሪሹ መከራ
ኣብቂዑ ኢዩ ደጊም ናይ ድያብሎስ ጨፈራ
ኢድ ናይቲ ዘኽእል ኣምላኽ እንሀቶ ጀሚራ
ኣይክእልን ኣይትበል ኣይትግበረሎም ፈዓራ
ስቃይካ ወሲዱዎ ኢዩ፡ትናትካ መከራ
ኢየሱስ ጎይታ’ዩ በል ኣብ ብዘላ ስፍራ
እቲ ንሓጥያትካ ኣብ መስቀል ዝሰቀሎ
ኣብታ
ዘዳለዋ ጉንዲ ን ሃማን ክሰቅሎ
ማርዶኳይ
ክኸብር ጎይታ ኣዊጁሎ
ኣሜን
በል ጥራሕ ብሓጎስ ተቀበሎ
ኣይከውንን
ኣይትበል ህጂ ኣስተውዕሎ
ማይ ከምዘሎ ፍለጥ ደበና እንተሎ
ናብ ፈጣሪኻ ጸሊ ምስትውዓልካ ክብ ከብሎ
ማይ ከምዘሎ ፍለጥ ደበና እንተሎ
ናብ ፈጣሪኻ ጸሊ ምስትውዓልካ ክብ ከብሎ
ብ/ቀሺ ሙሴ
ሽሻይ
etiqalsgakone@gmail.com
No comments:
Post a Comment