Post più popolari

Monday, 19 November 2012

3ይ ክፋል ይቅጽል 17 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያን ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ።


3ይ ክፋል ይቅጽል 17 ዓመት ኣብ ቤተ ክርስትያን ፡ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ !!።
                                     
ሓደ ግዜ ሓደ መንፈሳዊ ኣቦን ሓደ ወዶምን ይነብሩ፡ እሞ ህጂ። ወዮ ሓደ ስለ እቶም ኣጸልምቶምን ዓመጽቶምን ብምጽራር በቃ ክምልሰሎም እየ፡ምስ በለ።ናብ መቃብር ወሲዶም ነዞም መቃብር ዘለዉ ህዝቢ እስከ ጽረፎም በልዎ ወዮ ካህን ገሪሙዎ ቅዱስ ኣቡና ዋእ እዚኦም ደኣ መይቶም እንዲዮም ሂወት ዘይብሎም ኢሉ ምስ መለሰሎም” ፡”እዞም ኩሎም ሕማቅ ዝዛረቡን ዝጻረፉን ዝኸሱን፡ዝካሰሱን ድማ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ህያው ስለ ዘየለዉ ኢዮም፡ካብ ክርስቶስ ወጻኢ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ዘለዎምን ን ቃል እግዚኣብሔር ዝቃወሙን ድማ ኩሎም ምዉታት  እዮም በልዎ”፡።
ወሲኹሞ “ምስ ምውታት ተዛሪብካ ዝፍታሕ ነገር ተልዩ ግን ሕራይ የስንቅካ ፡የግዳስ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑኻ እውን ከምኦም ምዉታት ኢዮም”፡ምስ በልዎ “ዋእ ኣነ ደኣሞ ሂወት ዘለዎም መሲሉኒ እንበር ምስ ሂወት ዘይብሎም ከመይ ገይረ ክዛረብ “፡በለ ይበሃል፡”ወሲኹም ወሃቢ ሂወት ክርስቶስ ዘለዎ ኣገልጋሊ ሂወት ዘለዎ ቃል ጥራሕ እዩ ዝህብ”፡ስለምንታይ እቲ ምንጪ ሂወት ዝኾነ ወልድ  ኣብ ዉሽጡ ስለ ዘለዎ፡ነቱ ኣብ ላዕሊ ዘሎ  ሽዑ ዝመጸ እዩ ነበረ።
ዘገርም ነገር ሰባት ዝጸርፉና፡ ንሕና ንሰባት ንጸርፎምስ እቲ ወሃቢ ሂወት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዘይብልና ኣብ ልብና እባ እዩ።እቲ ሂወት ዝኾነ ክርስቶስ ዘለዎ ሰብ ሓሳብ ክርስቶስ ሓሳብ ኣምላኽ ኣለዎ።ንሱ ከም ኢየሱስ ስቅ ኢዩ ዝብል ክሳዕ ጸላእቱ ዝግረሙ፡(1ይ ጴጥ2፡23) ።(ፍሊጵI2፡5) በዚ ድማ እዩ ኣብ ክርስቶስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባና ክህሉ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምዕድ።ኣነ እውን በዚ ሓማም እዚ ኢየ፡ክሳቀ ጸኒሐ።
ግን እቲ ስጋ ዝኾነ ቃል ቀስ ብቀስ ኣብ ልበይ ምስ ኣተወስ፡ ኣነ ኣነ ዘይኮንኩ ኮይና ንነፍሰይ ረኺበያ ኣነ ሞት ዝግበኦ ሰብ ኮይነ ረኺበያ።ነዚ ዘፍለጠኒ ግን ካልእ መጻሕፍቲ ዘይኮነስ  እቲ ክቡር መጽሓፍ ቅዱስ ደኣ እዩ።ብዙሓት ሰባት መጽሕፍ ቅዱስ ምስ ረኸብና ካብቶም ሰብ ዝርእዮምን ከም ዓሰርተ ትእዛዛት ዝበሉ ተጻሒፎም ዘለዉ፡ኣንቢብካ ብቀሊል ክትርድኦም ትኽእል፡ ስለ ዘይገበርካ ጥራሕ ክርስትያን ዝኾና ዝመስለና ብዙሓት ኢና፡ሕፍር ከይበልና ድማ ኣገልጋሊ ኢየ ፡መዘምራን እየ፡ ካህን እየ፡ ጳጳስ እየ ንብል።ግን  እቲ ወሃቢ ሂወት ዝኾነ የሱስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግድን እዩ፡ሂወት ዘይህቡ ቃላት ከዘውትርን ክነብርን።ንሱ ዝጓሰአን ኣባግዕ ኩሉ ግዜ ይማረኻ።ጓሰአን ሕማቅ ስለ ዝኾነ ወሰን ወሰን ደኣ እንበር ሂወቱ ቀቢጹ ኣብ ማእከል ሕዛእቲ ስለ ዘይብለዐን ፡ዓባሩን ጥሙያትን ኢየን፡ዝብላዕ ክምእሪራ ሃደፍደፍ ስለ ዝብላ ድማ ድራር ዝብኢ ይኾና።እቲ እሙን ዝተለወጠ ጓሳ (መዝ23፡2)ናብ ትዓርፈሉ ማይ ኢዩ፡ዝመርሓ ኣብ ልሙዕ ሻኻ ድማ የውዕላ።(መዝ23፡3)ንሱ ንነፍሳ የህድኣ፡ክንደይ ነፍሳት ኢየን፡ ኮን ሰኣን እሙን ጓሳ ሰኣን ብቁዕ ጓሳ፡ክንዲ ዘህደእወን ፡ህድኣይ ስኢነን፡ገሊአን ነፍሰን የጥፍኣ ገሊአን ከኣ ኣብ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ተኣሊኸን ዘለዋ።ጸገመይ እውን ካብቲ ዘይምክዋጠይሲ ንሱ ኢዩ ዝነበረ።
እዚ ድማ እዩ እቲ ፍረ።፡(ማቴ7፡16)ሰብ ኣብ ዝበጽሐ መዓርግ ይብጻሕ ክሳዕ ዘይተለወጠ ዋጋ የብሉን። እዚ ኹሉ ንገብሮ ዘለና ዓመጽ፡ስስዕቲ ዘይምስሚማዕ፡ዘይምትእሚማን፡ምጺሊላም እንበኣር ኣምሰያ ዘይምልዋጥና እዩ።ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ፡ቤተ ክርስትያን ተመላሊስካ ዶ??፡ ተጠሚቅካዶ ቆሪብካ ዶ ኣይክነን ጥራሕ ዝሰርሕ ።ዝሰርሕሲ ንክርስቶስ መስሲልካ ዶ ኣብ ምድሪ ተመሳሲልካ፡ዝብል ኢዩ።በዚ ድማ ኢያ ጸባብ ዝተባህለ እታ መገዲ፡ ምልዋጥ እዩ ዘይተለወጠ ሰብ ዝገበረ ተገበረ ዋላ ሓንቲ ሂወት የብሉን ስለምንታይ ዝኾነ ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ተለወጡ ሰባት ጥራሕ እዩ፡ዝሓድር።ዘይተለወጡ ግን ዋላ ነተን ነፍሳት ተመሃሩወን ሓኣይሊ መንፈስ ቅዱስ ምርዳእ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይሕወሶ፡ከምዚ ኣብ ቤት ትምህርቲና፡ታሪኽ፡ባዮሎግይ፡ጂኦግራፊ ንመሃሮ እሞ፡ምፍላጥ ንፈልጦ ግን ሓይሊ ዘይብሉ ይከውን ማለት ኢዩ።(ሮሜ 12:2 )።
ካብቶም ቀንዲ  ንኽንልወጥ ዘድልዩና ድማ በቃ ርእስኻ ስለ ክርስቶስ ምውፋይ እዩ።ርእስና ምኻሓድ፡(ሉቃ9፡23) ሂወትካ ምንዓቅ፡ሓጢኣትካ ምዝካር፡ ሓጢኣትካ ምርኣይ ሓጥያት ሰብ ዘይኮነ።ሓደ ሓደ ግዜ ይገርመኒ እዩ።ብዙሓት ሰባት ንባዕልና ዘይተለወጥና ብዛዕባ ካልእ ሰባት ዓንገረር ንብል።ሓደ ግዜ ንሓደ ሰብ ምስ ሓተትኩዎ ሃይማኖቱ ዝቀየረ ሰብዶ ይሓይሽ ??፡ዋላስ ኣብቲ ሃይማኖት ኮይኑ፡ንሰባት እንዳ ጸረፈ፡እንዳ ከሰሰ፡ እንዳ ኣናኸፈ፡ ዝነብር ሰብ ምስ በልኩዎ።ዋእ ሰይጣን ድልየቱ ኣበይ ኣለኻ ብስጋ ዘይኮነ ዘገድሶሲ ኣበይ ኣለኻ፡ብመንፈስ ኢዩ።ስለዚ ንኹሎም ተቃጻጺሩዎም ኣሎ ማለት ኢዩ።ኩሎም ኣገልገልቲ ሰጣን ኢዮም።
ኣብ ቤተ ክርስትያን ኮይኖም ከምዚ እንዳ ገበሩ ዝዝምሩ፡ዝቅድሱ ፡ዝሰብኩ ግን ገበኛታት እዮም።ስለምንታይ ነቲ መገዲ ሓቂ የጽርፉዎ፡ስለ ዘለዉ (ሮሜ14፡16-17)፡ብሰንኮም ክንደይ ሰባት  ሰባት ስለ ዝዕንቀፉ ወይልኦም። (ዘሌ19፣14)(ማቴ13፡14)(ማቴ18፡7)(ሉቃ17፡1)(ሮሜ16፡17-18)(1ይቆሮ10፡31)ኣምላኽ ብዛዕባ ሓጢኣተና ክንዛረብ ክንዕረቅ ደኣ እዩ ጸዊዑና እንበር ክንከስስን ክንፈርድንሲ ጽዉዓት ኣይኮናን።ብዙሕ ግዜ ኢና ኣብ ቤት ኣምላኽ መጺእና ንኸስር፡ክንዲ  ንጸድቅ ድማ ንሓጥእ፡ከምቲ ተጋዉ ክንዲ ብዛዕባ ሓጥያትና ገርና ንኸይድ፡(ሉቃ18፡13)ከምቲ ፈሪሳዊ  መን ኢና ከይፈለጥና፡ብዛዕባ ሓጥያት ካልኦት ገርና ስለ ንኸይድ ኢዩ።(ሉቃ18፡11-12)ዘይተለወጠ ሂወት ዘለዎ ክርስትያን (ሉቃ18፡14) ክጸድቅ ኢሉ ዝሓሰቦ ሓጥያት ወሲኹ ኢዩ ዝኸስድ። ዝገረመኒ ግን !!፡ ነፍሰይ ኣብዚ ውቅያኖስ ግርም ኣለኹ እንዳበልኩስ ትሕንብስ ጸኒሓ ኣነ ግን ኣለኹ ይብል።ዘይምህላው ክሓስም። ተዘይ ተቀይርካ ኸኣ፡ ብዘይካ እቲ ኣቴንዳንስ ዝወስደልካ ዘሎ ፡ክትፈልጥ ብርእስኻ ኣይትኽእልን ኢኻ።ክትልወጥ ፍቃደኛ ተኾንካ ግን ፡ንሱ ይፈቱ እሞ፡ዓይኑ ይህበካ፡ኣፍንጭኡ ይውፍየልካ፡፡  ተጫኑ እሞ ሸቲትካ ከም ዘለኻ ድማ ትርዳእ፡ትርኢ እሞ ኣዚኻ ተጽልእ ሰብ ኮንካ ከም ዘለኻ ተለሊ፡ ነፍስኻ ትፍንፍና።ሽዑ እትገብሮ ክትሕጸብ ናብ ባኞ ምእታው ኢዩ።ይቅጽልል,,,,
                etiqalsgakone@gmail.com

                ሓበረታን ምስጋናን ንበጻሕትና
ብዙሓት ሰባት ን 17 ዓመት ን ሂወተይ ከይፈለጥኩዋ ጸኒሐ ትብል ኣርእስቲ ብፉሉይ፡ከም ዝፈተኹማን ክትድገመልኩምን ፡ብተኻታተልቲ ክትቀርብን ጠሊብኩም ኣለኹም። ከትቋረጽ ከኣ ተማሕጺንኩም፡ ኣስታት 150 ዝኾና እመይላት ድማ መጺኡና ኣሎ።ብፍላይ ኻብ ሱዳን፡ኤረትራ። ሓበረታ ደሊኹም ዝሓተትኩምናን፡ከምኡ እውን ካብ ኤረትራ፡ሱዳን፡ኢትዮጵያ፡ ከተማ መቀለን ኣዲስ ኣበባን ዓዲ ግራትን፡ ካብ ኣውረጳን ኣመሪካን እውን ብዙሕ ብሓፈሻ ምግላጽ ክሕሸና ኢዩ፡ንኹሉ ክንገልጸሉ ስለዘይክኣል።ካብ ሊብያ፡ ሃገራት ዓረብ ዱባይን፡ባሕረንን፡ቁጽሪ ከይገረመና ኣይተረፈን ዘሎ።ስዑዲያ እውን 3 ሰብ ሰዲድኩም በጺሑና ኣሎ።የመን፡ ወዘተ,,.ይቅረታ ዝረሳዕናዮ ኸኣ ኣይትቀየሙና፡ደብዳበታትኩም በጺሑና ኢዩ።ድልየትኩም ንምምላእ ድልዋት ኢና ጥራሕ ንስኹም ምንባብ ኣይትሕመቁ፡ነቶም ኣብ ኤረትራ ዘለኹም፡ብ ፈቸ ቡክ ከም ዝጥዕመኩም ሓቢርኩም፡ንስኹም  ኩኑ ካልኦት ድማ ፡ብ መሰረት ጠለብኩም ኣብ fecebookhttp://www.facebook.com/fathermusie /  ብዓቢኡ ኸኣ እቲ ንቡር እመይልና etiqalsgakone@gmail.com ኢዩ።ኣይኣብን ኢዩ ኣብዩና ዝበልኩም ኣለኹም።ፈትኑዎ በዚ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።ኣብዚ ፈስ ቡክ እዚ ድማ ብ ቀተታ ክትዛራረቡ ትኽእሉ ማለት ኢዩ።ኣጆኹም እንታይ ይፍለጥ ናብ ኦ.ተ.ቤ.tv ንሳጋገር ንኸውን ምክትታልኩም ኣሐጊሱና ኢዩ ዘሎ።
ስለ ተኻታተልኩምና ብልቢ ነመስግን።ኣምላኽ ኸኣ ሂወትና ፈሊጥና ንምስክረሉ መዓልቲ የምጽኣልና ኣሜን።

No comments: