Post più popolari

Sunday, 11 August 2013

ሊሚ'ውን ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ከምዚ ናይ ኣዳም ዝበለ መርዚ ኢዩ ኣብ ኣፍና ዝቕረበልና ዘሎ።

ሊሚ'ውን ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ከምዚ ናይ ኣዳም  ዝበለ መርዚ ኢዩ ኣብ ኣፍና ዝቕረበልና ዘሎ።
ሊሚ'ውን ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ከምዚ ናይ ኣዳም  ዝበለ መርዚ ኢዩ ኣብ ኣፍና ዝቕረበልና ዘሎ።ቀንጢብና እንበልዖ ፍረ ኦም እኳ እንተ ዘየለ።ገለ ገለ ጥቅስታት ካብ መጽሃፍ ቅዱስ እናቐንጠቡ"እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ከም ዘለወን እንተ ውሒጥካየን።ኣምላኽ ክትከውን ኢኻ፡"ዝብል መርዛም ትምህርቲ ብምትላል የመንግግዎ ኣለዉ።
ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ኢዱ ዘየለ ነገር ምብሃግ ባህሪኡ ስለዝኾነ ከም ዘለዎ ይቕበሎ እሞ በዚ ዘይምሕር መርዛም በኹርን ሓጢኣትን ተለኺፉ ይጠፍእ ኣሎ።
ሄዋን "ብፍረ ኦም ኣምላኽነት ይርከብ ኢዩ።"ንዝብል ግሁድ ሓሶት ብምቕባላ ኣእምሮኣ ምስ ጸልመተ ሽዑ ኹሎም እቶም ናይ ሰማዒት ህዋሳት ተዛቢዖም ኢዮም።ነታ ኦም በለስ ከምዛ ቅድሚ ሕጂ ርእያታ ዘይትፈልጥ ዘይነበራ ጽባቀ ረኣየትላ።ኣብ ኣፋ ከይኣተወት ከላ "ንምብልዓ ጥዕምቲ "ጥበብ ብምሃብ እተብህግ ኦም"ብምባል በልዓታ።ኣብ ኣፉ ከየኣተወ ከመይ ገራ ብዛዕባ መቐረቱ ክትዛረብ ኪኢላ?።ናይ ስሕተት ነገር ማዕረ ክንደይ ንኣእምሮ ከጸልምት ከም ዝኽእል ካብዚ ሓቂ እዚ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ብ   ቀሺ ዶግቶር ተኽለኣብ መንግስተኣብ

No comments: